ብሓባር ምስርሕ ናይ ሓባር ፍታሕ
ብ5 መስከረም 2015 ኣብ ኢታሊ ከተማ ቦሎኛ ብደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ምስርሕ ናይ ሓባር ፍታሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ ዝተገብረ ጉባኤ ብዓወት ከም…ናብ PDF ይቕጽል…
ብ5 መስከረም 2015 ኣብ ኢታሊ ከተማ ቦሎኛ ብደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ምስርሕ ናይ ሓባር ፍታሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ ዝተገብረ ጉባኤ ብዓወት ከም…ናብ PDF ይቕጽል…
ንኹሉ ህዝቢ ህዩስተንን ከባቢኣን
ሓቁ ይከሰት፡ መበል 11 ክፋል፡ ህዝቢ ህዩስተን፡ ዓገብ ንበል!!!
እግዚኣብሐር ቅድሚ ብሙሴ ሕጊ ንወዲ ሰብ ምሃቡ ወዲ ሰብ ብሕልና ይግዛእ ከዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። ናብ PDF ይቕጽል…
“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 10 መስከረም 2015
ሓሙሻይ ክፋል
ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና
ግርምቢጥ፡ ናባና ኢዩ’ኮ ተራእዩ ዘሎ። ‘ክሻ በል ክትድረር’ ፈጺሙ ዘይወሓጠለይ ቴማ ኢዩ። ዝተጋደለ ዝጉህየሉ፡ ዘውደልደለ ዝነግሰሉ ግዜ ኢዩ ኮይኑ። ናይ ጽሑፍቶ ጉዳይ’ዩ፡ ሙሉእ ንእስነተይ ናጽነት ሃገረይ ኣብ ምምጻእ ኣሕሊፈዮ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ በዞም ኣድብዮም ዝነበሩ ተዃሉ ቁማር ተበሊዑ ኣሎ። ኮር ተገልበጥ! ብድሕሪ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝኸፈልናሉ ጉዕዞ 30 ዓመታት፡ ሕድሪ ሰማእታት ተጠሊሙ። ሕድሮም ንምትግባርን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካልን፣ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ጉዕዞ ረመጨት ገድሊ፡ መብጽዓይ ንምትግባር ቀለመይ ክሳብ ዘቋርጽ፡ ረሃጸይን ደመይን… አረ ሂወተይ’ውን ክውፊ ቅሩብ እየ።
ደረቐኛ ውሕጅ፡ ኣብ ክንዲ ዘንቆልቁልሲ የንቃዕርር! እቶም ኤርትራ ወርቂን ብሩርን ከፊላ ዘምሃረቶም ሊቃውንቲ፡ ገለ ደስኪሎም፡ ገለ ተኣሲሮም፣ ገለ ከኣ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም። ዓጀብ፡ እቲ ኣብ ሰንዓፈን ደቀምሓረን ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ዝተማህረ ክሻ ድማ፡ ተረካብ ካዝና ገንዘብን ወርቂን ኤርትራውያን ኮይኑ ያኢ! እቲ ዘገርም፡ ኣብ ደገ ዘሎ ምስሊ’ዞም ነገደ-ኢሳይያስ ካልእ ኢዩ። ሊቃውንቲ፡ ዝለዓሉ ምሁራት፡ ኣዝዮም ፈላጣት፡ ፍሉይ ተውህቦ ዝተዓደሉ መስተውዓልቲ ሰባት ኢዮም ዝመስሉ። ደገኦም ንምጽብባቕ፡ ብሰባት ንዝህልዎም ኣመለኻኽታ ግዙፍ ንክኸውን ከኣ፡ ፖለቲካዊ ኮስሞቲክን ኣዝማልቶን ክለኽዩ ዝውዕሉ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።
“ዋው! ክሻ’ኮ ንበይኑ’ዩ፡ ፍሉይ ናይ ማተማቲክስ ተውህቦ ኣለዎ። የማነ ገብረኣብ’ኮ ረቂቕ፡ ኣርሒቑ ዘስተውዕል፡ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎ ፍጡር ኢዩ። ትምህርቲ ናይ የማነ ቻርሊ’ሞ ፍሉይ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እኮ’ዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘሎ” ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ብዙሓት መናፍቓንን ደናቑርን ኣለዉ። ውሽጦም ንዝፈልጥ ግን፡ ዝነፈሱ ካላማደርያታት ኢዮም። መን ይኣምን፡ ክሻ ዓስራይ ክፍሊ ጥራይ ዝተማህረ ሰብ ኢዩ እንተተባህለ። ብዛዕባ ትምህርቲ ክሻ፡ ዶክተር ኣማረ ተኽለ ይተሓተት።
“ጻመውከ ለከንቱ ኤሳው!” በለ መጽሓፍ ቅዱስ። እቲ ገባር ድማዕ ተፈዳይ ሕሰም ህዝበይ፡ ብሰንኪ ክሻን ሓለቕኡን ከምዚ ክፍደ ድማ ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ። ምምሕዳር ኤርትራ ከም እምኒ ሩባ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን መሸከሉ ዘይፍለጥ ዕንኪላሎ ምምሕዳር ኢዩ። ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ፡ ባይቶ ዝተሓረማ፡ ናጻ ፕረስ ዝተነፍጋ ብውልቀ መላኺ፡ ፍሉይ ኣቀማቕማ ሂትለር ብዘዘውትር ዘሎ ጋኔን ቀትሪ እትውነን ዘላ ሃገር ኢያ። ብሰንኪ ቃሕታዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ከኣ፡ ዘመነ ኣካሒዳ፡ ናብ ዘመነ ክሻ በጺሕና። ቀዳሞት ወለዲ ዘስካሕክሑሉ ዝነበሩ፡ ዘመነ ኣካሒዳ ዝበሃል ግዜ ነይሩ ኢዩ። እቶም ናይ ሽዑ ኣቦታት፡ ነቲ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዝነበረ ምረት ንምግላጽ፣ “ሓምለ ብሓምሊ፡ ነሓሰ ብቆጽሊ… መስከረም ተጸቢኻስ ጥቅምቲ ናብ እኽሊ” ዝብል ናይ ተስፋ ብሂል ነበሮም።
ሽዑ መን ዝተባህለ ንጉስ ነጊሱ ከም ዝነበረ ሕጂ ኣይዝክርን። ናይ ሎሚ ዘመን ኣካሒዳ፣ ዘመን ሓጎስ ክሻ ግን፡ ሓምሊን ቆጽሊን ዘይብሉ፡ መመሊሱ ዝሕንድግ ገያጽ ግዜ ኢዩ። መንእሰያት ከም ዘመነ ግልያነት ዝሽየጡሉን ኮላሊቶም ዝጥብሑሉን፡ ጅምላ ደቂ ኤርትራ ኣብ ባሕርታት ቀለብ ዓሳታት ኮይኖሙሉ ዘለዉ፡ ግዜ ጥልመትን ውራ-ውራን ኢዩ። ዘመነ ክሻ ዘመነ ኮንትራባንድ፡ ዘመነ ቅትለትን ህልቂትን ኢዩ።
እዚ ገናድ ግዜ እዚ፡ ብሰባት ዝተፈጥረ ወጅሃት’ምበር፣ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ግዛዕ ኣይኮነን። ግን ስለምንታይ ተደልየ? እዞም ሎሚ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ህግደፍ ወሰንቲ ዘለዉ ሰባት’ከ መበቆሎም ካበይ ኢዩ? ንምንታይ ደኣ ናብ ክፍኣት ግብሪ ተጸሚዶም ክነብሩ መሪጾም? “እ…እ…እ!” በለት ጤል ዓዲ ዃላ። እዚ ብዳግማይ ኣካሒዳ ዝልለ ዘመነ ክሻ፡ ‘ክሻ በል ክትድረር!’ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ‘ተውሳኽ ሞት ኣቡኦም፡ ያሒት ሞባኦም’ ከም ዝበሃል፤ ብዙሓት ሰበስልጣን ህግደፍን ጀነራላቶምን ሓለፋ ህዝቦም ንምርካብ ኣብ ቅድሚ ሓጎስ ክሻ ተንበርኪኾም፣ ይሰግዱን ሞባእ ውስልትና ይልግሱን ኣለዉ። ኣባ ጉምባሕ ደኣ ዘይግራቱ ይኾልል’ምበር፡ ሰብ’ዶ ኣብ ዘይመሬቱ ይኾልልን ይነግስን ኢዩ? ቀደም ግዜ፡ “ዝባን ንጉስ፡ ዝባን ጃንሆይ እግረ-እግረይ ከይትገድፍ” ይበሃል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዘመነ ክሻ ከኣ፡ ናብ ክሻ ዝተጸገዐን ናብኡ ዝሰገደን ይድረርን ይረትዕን ኣሎ።
ሓጎስ ክሻ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዱ ኣብ ሰንዓፈ ምስ ኣሙኡ ዝዓበየ፣ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ፣ ኣብ ኣሜሪካ (ኤናሰኤ) ሓፋሽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝፍለጡ ዓበይቲ ናይ ገበን ምስጢራት ኣለዉ። ክሻ ከኣ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበረ እሙን ልኡኽ ኢሳይያስ ኢዩ። ኣያ ዘለዎ ኣራፊዱ ይመውት! ኣያ ስለዝረኸበ፡ ኢሉ ኢሉ ከኣ ኣንበሳ ኤርትራውያን ናብ ምዃን ደረጃ በቒዑ ኣሎ።
ያ ኣኽዋንና! ዋዛ ዝመስል ተረካብ ዘረባ ኣሎ። ክልተ ሰባት ርእስኻ የላን እንተደኣ ኢሎሙኻ፡ ሃሰስ በላ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ከኣ ኣብዛ ምድረ ሰማእታት ሃገርና ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ሃብቲ ሃገርን ህዝቢን ወሳኒ ተራ ዘለዎ ክሻ ኢዩ። ክሻ በቲ ዝሓበለ ቢኒኮሎ ኤርትራውያን ክጥመት እንከሎ፡ ድኻ ማርያም ተሓጻብ ማጨሎት! ተራ ተሓዝ ገንዘብ መንግስቲ ህግደፍ ኢዩ ዝመስል። ልዕሊ ሚኒስተር፡ ልዕሊ ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ልዕሊ ጀነራል ምዃኑስ ኩላቶም ሰብ መዚ ህግደፍ ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ። መንግስቲ ህግደፍ ንምሕላው ፍሉያት ኣኽላባት ንምስልጣን፡ ክሻ ዶላራት ዝዕድል እንኮ ምሩጽ ወዲ ውሻጠ ኢዩ።
ኤርትራውያን ሰበስልጣን ህግደፍ፡ መራግእቶም ብኣቼቶ ዝዘረጉ ህዝቢ ኢዮም። ኣብ ዘመነ ክሻ ሓሞት ምጅላሕሲ መወዳእታ የብሉን! ጓል በረኻ ደኣ ዘይሓረሰቶን ዘይጻህየየቶን እኽሊ ትበልዕ’ምበር፡ ሰብ’ዶ ካልኦት ዝደኸሙሉ፡ ዝተሰውኡሉን ዝሰንከሉሉን ጸጋ እናበሓተ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ይበሃል ኢዩ። ንመስተንክር ክኸውን ከኣ፡ ‘ንዓመታ ዝጽለል ሎሚ እምኒ ይድርቢ’ ከም ዝበሃል፤ ሜዞ-ማቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዒላ ዓዲ ሃሎ ጥላም ሳእኒ ወድዩ ኣባጊዕ ክሕሉ ኣብ ዝውዕለሉ ዘሎ ግዜ፣ ክሻን የማነታትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ መእሰሪ ከም ዘይብሉ ማእዶ ንምብትታን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስጢራዊ ኣኼባታት ክገብሩ ወሪሖም ኢዮም። በርበረ ባዕልኻ ገዚእካዮስ ይልብልበካ! ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ፣ እዞም ሰባት ባዕልና ኣምጺእናዮም። ክሳብ ዝዕንትሩን ቅልጽም ዝገብሩን ድማ ከም ዝኑብ ጥሪት ትም ኢልና ርኢናዮም።
ኢሳይያስ፡ ብዘይካ’ዞም ሰባት እዚኣቶም ዝእመን ሰብ ከም ዘይብሉ ይነግረና ኣሎ። እስከ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኻ ብዘየገድስ ስለምንታይ ኢዩ ኢሳይያስ ንኣማኢት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ናብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ኣሲሩን ቀንጺሉን ነዞም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ፍሉይ መለለዪ ሕላገት ዘይነበሮም፣ ጥይት ኳሕ ዘየበሉ፡ ልጓም ቦምባ ዘይፈትሑ፣ ንሓጎስ ክሻ፡ ንየማነ ማንኪ፡ ንየማነ ቻርሊ ናብ ፍጹም ናይ ገንዘብን ፖለቲካዊ ስልጣንን ብሕትውና ኣሰጋጊርዎም ኢልካ ሕሰብ። እወ ‘ንህልኽኩም ሽሮ’ ዝብል ህልኸኛ ውድድር ገዲፍካስ ሕሰብ ደኣ! ‘ዝብኢ እንታይ ይመስል? እግሩ ይሕንክስ፣ ኣፉ ይነክስ’ ከም ዝበሃል፡ ክሻን መዛንኡ የማነታትን ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል ይሕንክሱ፤ ዕላማ ኢሳይያስ ንምትግባር ከኣ ይናኸሱ።
ታሪኽ ንምዝካር፡ ስዉእ ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ እምቢ ንትእዛዝ ክሻ ዝበለ እንኮ ኤርትራዊ ጅግና ኢዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን ጅግና ሜ/ጀ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ምስ ክሻ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳያት ተሰማሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብቲ ብወርሒ ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ብዛዕባ ኢሳይያስ ናብ ኣዛዚ ምብራቓዊ ግንባር ዝነበረ ሜ/ጀ ሃይለ ሳሙኤል /ቻይና/ ንምዝላቕ ካብ ዓሰብ ዝምልከት ሕቶ፣ ኣብቲ ወሳኒ እዋን፡ ብዛዕባ ምጥፋእ መብራህቲ ወደብ ዓሰብ፡ ምጉራት ኣጽዋር ምብራቓዊ ግንባር ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ፡ ብዛዕባ ምስጓጉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ካብ ኤርትራ፡ ረድኤት ዘይምቕባልን ካልኦት ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያትን፡ ናብ ኢሳይያስን ክሻን ከም ማይ ኣይሂ ዘኒቦም ነበሩ።
ጅግና ሜ/ጀ ብርሃነ፤ “… ኣብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓጎስ ገብረሂወት እንታዋይ ኢዩ? ገንዘብን ንብረትን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብደቀባት ዝተሓዝ፣ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ኣእትዩዎ ኣሎ። ኣብዚ ወራር’ዚ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝወፈይኦ ኣዋርቕ /ስልማት/ ከይተረፈ ተረኪቡዎ ኣሎ። ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ፡ ክንድዚ ዝኣክል ፍሉይ ሓለፋ ተዋሂቡዎ ከም ዘሎ ከኣ፡ ብንጹር ንህዝቢ ክበርሃሉ ኣለዎ” ኢሉ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ፣ ሽዑ ሰሚዕና ነበርና።
ሓጎስ ክሻ ክሳብ ብድሕሪ ምምስራት ህግደፍ፡ ከም ጎናይ ምራኽ ብኢሳይያስ ኣብ ሕዛእቲ ተፈንዩ ዝሰብሕ፡ ምስ ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲን ሚኒስተራትን’ውን ጽቡቕ ዝምድና ኣይነበሮን። እታ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ (ኤናሰኤ) ዝነበረቶም ጽንዕቲ ፈትሊ፡ ብድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ናቕፋ ኢያ ናብ ሓጺናዊት ገመድ ዝተቐየረት። ክሻ ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ሓፋሽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሰብ ኢዩ።
ኣበርክቶኡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት ክብርታት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ’ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ’ቶም ንእስነቶም ረሲዖም ርጅላን ቃርዒዶን ተመጊቦም፡ “ቅረበለይ ተመን!” ኣብ ሓደ በዓቲ ምስ ተመን ደቂሶም መንነቶም ዘመስከሩ፣ ሓለፋ’ቶም ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከፊሎም ንናጽነት ጋህዲ ዝገበሩ ጀጋኑ ኤርትራ፤ ልዕሊ’ቶም ምሁራት ኤርትራውያን ወርቃዊ መፍትሕ ክወሃቦ ግን፡ ዓገብ ኢዩ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ይቕጽል …
ስራሕኩም ዕንኪላሎ፡ ክፍኣትኩም ኣድጊ ዘይትኽእሎ
ሃብተማርያም ኣብራሃ
ለንደን-ዓዲእንግሊዝ 8 መስከረም 2015
ሰላም ክቡራት ደቂ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዛ ፈላሚት ሰውራና ዝኾነት ወርሒ መስከረም ንዘለኣለም ንበሪ ክብላ እደሊ። ብካልእ ወገን ድማ፡ እቶም ንመዋእሎም ዝተጋደሉ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩን ብዘሓት ሃገራውያንን ብጨካን ኣራዊት ኢሰያስ…ናብ PDF ይቕጽል
“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 22 ነሓሰ 2015
ራብዓይ ክፋል
ኣለኹም’ዶ እንዳባ! እስከ ኣይንህመም’ሞ፡ ኢሂን-ሚሂን ኢልና ጉዳይና ንግበር። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ፡ ብእግራ ኢያ ትቕልቀል። ሎሚ ኣብዚ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትድረር፡’ ንውሽጣዊ ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ንምኩሕሓል ኩሉ ዓይነት ኮስሞቲክ ተወዲኡ ኢዩ። ‘እህን ልመዳ፡ ዘረባ ክትለምዳ’ ከም ዝበሃል፣ ደጊምሲ፤ ኢሳይያስ ነቲ ዘለዎ ቅልውላው ንምኽዋል፡ ከም ክሻን የማነታትን ዝኣመሰሉ ብኣቦ ወይ ብኣደ ብትግራይ ዝውለዱ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክኣኻኽቦም ከም ዝጸንሐ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያን ኣይተኸወለን።
ኣካያይዳ ኢሳይያስ ካብ ዓይኒ ዘይምኽዋል ግን መድሃኒት ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ኣይከኣለን። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ ሓምለ-ሰነ፡ መድሃኒትና ብዓንተቦ ቀጭ_ሕርሙ ኢያ ነይራ። እንታይ’ሞ፡ ናይ ቀደምሲ’ኳ ሓሊፉ፡ ትማሊ እንዶ ግዳ ጅግና ወዲ ዓሊ ነታ ቀጭ ሕርሙ ኣዐሚሩዋ ነይሩስ ብሰንኪ ሓሰውቲን ከዳዓትን ከም በዓል ስብሓት ኤፍሬምን ኢዮብ ሓሊባይን ጻመውከ ለከንቱ ኮይኑ ጉዳይና። ኣቺዴንተ፡ ዓለም ትሽዓተ!!
ምትእኽኻብ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ንዝነበረ ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝጸሉ ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ኣብ ግዜ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ግዜ ፍለ-ፍለ ኮነ ኢሉ እናሰርሓሉስ፡ ናይ ምንትኒ ኢና ኣፍና ሓቲምና ትም ክንብል? ኣብ ኤርትራ፡ ብዙሓት ብሓደ ጎድኖም ብትግራይ ዝውለዱ ደቂ ዓድናን ጎረባብትናን ነይሮምን ኣለዉን’ኮ። ከም ሰቦም ኩርዓትን ሕቡናትን ደኣ’ምበር ዝኾነ ናይ ወለዶ ስክፍታ ኣይነበሮምን። እዚ ግኒ ደኣ ከመይ ዝኣመሰለ፡ ብማጨሎትን ደብተራን ዘይፍወስ ሕማም ኢዩ ሓሚሙ?
ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ጥርዚ ንምብጻሕ፡ ነቶም መንገዱ ክፈልጡ ዝኽእሉ ኢሉ ዝጥርጥሮም ዝነበረ በብዓመቱ እናለቐሞም ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ ሊቀ-ዲያብሎሳት። ስለዚ ኣነ ብዛዕባ ወለዶ’ዞም ሰባትን ምትእኽኻባቶም ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ተግባር ንምንጻር ደኣ’ምበር ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንምብኣስ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንመዋእል ተኸባቢሩ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ። ኣብ መውስቦን ውላድን ዝበጽሐ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ዓይነት ቋንቋን ባህሊን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ክልቲኡ ህዝቢታት ስርዓት ደርግ ኣብ ምውዳቕ ብደም ዝተፈረመ ሰነዳት ኣለዎ። ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ንክልቲኡ ህዝቢታት ዘለኒ ኣኽብሮት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልጽ እደሊ።
ናብ ጉዳይ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ክንምለስ። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይ ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንውጹእ ብሕትውና ቁጠባ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ብዝምልከት ክሻ ብቲቪ እቲ ስርዓት ብወግዒ ተሓቲቱ ከም ዝነበረ ርኢና። ሎሚ ክሻ ወይ ኢሳይያስ ከምቲ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክሕተቱ ምኸኣሉ’ዶ? እወ እቲ መልሲ ክሕተቱ ኣይክእሉን ኢዮም ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ። ግን ስለምንታይ ሎሚ ክሕተቱ ዘይከኣል ኮይኑ? ምግባል ናይቲ ተመን ጥራይ ድዩ ኣርዒዱ? ወይስ ኣብ ኣዒንቲ ኤርትራውያን ዝተኾደመ ኩልመት ኣይእለን ኢሉ? ኢለ ክሓትት ምደለኹ። ኤርትራ ብቃሕታ ሓደ ሰብኣይ እትመሓደር ሃገር ኢያ። መዓልታዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኢሳይያስ ንግሆ ኣብ ምትንስኡ ኢዩ ዝውሰን። እዞም ኣብ ቆፎ ንህቢ ኤርትራ ዝሰፈሩ፡ መዓርናን ወላላናን ዝምገቡ ዘለዉ ክሻን የማነታትን ከኣ፡ ብሳንቡእ ሓለቕኦም ኢዮም ዘስተንፍሱ።
እምበኣር ኦ…ኦ…ኦ… ኤርትራውያን ሓመደ_ዕደ! ሕመረት ጉዳይና ኣብዚ ኢዩ ዘሎ። ክሻ ብሳላ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕዛእቲ ሃገርና ዝተፈነወ ስቡሕ ምራኽ ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ልቐቕ ዘይርስትኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ ምባል፡ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ኮይኑ መዝሙርኩም። ኩሉ ውሽጢን ውሻጠን ንብረት ኤርትራ፡ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራ፡ ኣብ ባሕሪን ደሴታትን ቀይሕ ባሕሪና ዘሎ ሉል ከይተረፈ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክሻ ኢዩ ዘሎ።
ገንዘብን ወርቂን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትርኣሱ፡ ንብረትን ሃብቲን ሃገርና ኣብ ጁብኡ፡ ኤርትራዊ ወለዶ ድማ ኣብ ትሕቲ ጫማኡ ኢዩ ንክሻ። ኩሉ ዓይነት ዕድጊታት፡ ነፈርቲ ኲናት፡ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋራት፡ ታንኪታት፡ ነዳዲ፡ ሎጂስቲክ፡ መቀያየሪ ኣቑሑት፡ ንብረት “ድኳናት ሕድሪ” ብክታሙ ኢዩ ዝግዛእ። ንኣብነት’ኳ እተን ኣብ እዋን ኲናት ባድመ ዝተዓደጋ ሚጋት 29፡ ክሻ ኢዩ ገዚኡወን። ብድሕሪ ምዕዳጉ ከኣ፡ ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ብ/ጀ ሃብተጽዮን ሓድጉ ፈርም ኢሉ ኣፈረሞ።
ስርዓት ክሻ፡ ከም ቁርዲድ ደም ህዝቢ ዝመጺ ስርዓት ኢዩ። ኣታዊ ናይ ኣስመራ ፓርኪን 60% ናብ ክሻ ክርከብ እንከሎ፡ እተን ብሰንኪ ምግዳለን ውላድ ዝተሓረማ ገዳይም፡ ኣብ ፓርኪን ዝሰርሓ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ከኣ ካብቲ ኣታዊ 40% ይወስዳ ነበራ። ኣብ ዘመነ ክሻ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ደርጊን ዘይተሰምዐ ጉዳት ኢዩ ዘሎ። መሸጣ ደቀንስትዮ ናብ ሃገራት ኣዕራብን ንግዲ ኩሊትን፡ ኣብ ዘመነ ክሻ ኢዩ ተራእዩ። ክሻ፡ የማነታትን ሓለቕኦምን ክገሹ እንከለዉ፡ በብዓይነተን ምሩጻት ኣዋልድ ሒዞም ኢዮም ዝገሹ። ንኣብነት፡ ክሻ ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣበበች ኢያ እትበሃል። ኤደንን ሳባን ዝተባህላ ኣብ ግዜ መገሻ ዝማልአን ኣዋልድ ድማ ኣለዋኦ። ካብ ኢሳይያስ ጀሚርካ ክሳብ ታሕተዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ገና ዘይተፈልጡ ብዙሓት ቆልዑት ብወሰን ወሊዶም ኣለዉ። ዝግ ድሕሪ ዋንጫ፡ ከም ዝበሃል፣ ህድእ ኢልና ዝገደደ ክንሰምዕ ኢና።
ሞባእ ኣብያተ-ክርስትያናት ከይተረፈ ናብ ክሻ ይረከብ ስለዝተባህለ፡ ኩሉ ኣታዊታት ኣድባራት ኣብ ትሕቲ ክሻ ይርከብ ኣሎ። እዚ መምርሒ እዚ ምስ ተመሓላለፈ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሕሳብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ዝነበረ 600 ሽሕ ናቕፋ ናብ ክሻ ንክርከብ ትእዛዝ ተዋህበ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ኣድባራት፡ /ገዳም ጻዕዳ እምባ፡ ገዳም ደብረ ቢዛን፡ እንዳ ማርያም/ ኣብ ከረን ዝርከብ መሬትን ኣባይትን ገዳም ደብረ ሲና፡ ‘ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ግብሪ ኣይከፈሉን’ ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ትሕቲ ክሻ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ። መንበረ ፓትርያርክ ንምቂጽጻር ከኣ፡ እቲ ከዳዕ ወዲ ከዳዕ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ሓላፊ ምምሕዳር ኣድባራት ኤርትራ ኮይኑ ተሸመ። ኣብ ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ ወላ’ኳ ንስሙ ዝተመደቡ ሓለፍቲ እንተነበሩ፡ ኩሉ ኣባይቲ ብኢድ ክሻ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ተዓደለ።
ምስ ክሻ፡ ወይ ምስቲ ገስረጥ ፖሊሲ ኣሰራርሓ ህግደፍ ዘይቃዶ ውልቀ-ሰብ ብቀጥታ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ፡ ክድስክል ወይ ክእሰር ኣለዎ። ምድስካል ተኪአ በየነ፡ ብርሃነ ኣብርሀን የማነ ተስፋይን ህያዋን ምስክራት ኢየን። ንኣብነት ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ተኪአ በየነ፡ ብዛዕባ ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡስ፡ እንደገና ከኣ ናብ ክሻ ዝገዓዘ ገንዘብ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ድማ ኣብ ዓመተ-2002 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት 1998-2000 ንዝዓነዉ ናይ ውልቂ ትካላት መበራበሪ ዝኸውን 126 ሚልዮን ዶላር ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡ ነበረ። እቲ ገንዘብ ግን ሽዑ ብቐጥታ ብትእዛዝ ኢሳይያስ፡ ናብ ክሻ ተረከበ። ብተመሳሳሊ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንትካላት ገጠር ተባሂሉ ኣብ ዓዓመት ዝልገስ ዝነበረ ገንዘብ፡ ብቀጥታ ናብ ኢድ ክሻ ኢዩ ዝኣቱ ዝነበረ። ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ናይ ሽዑ ኣማሓደርቲ /ትካል ገጠራዊ ኣሃዱ/ /Rurarl Development Unit/ ይተሓተቱ። ኣብ ባንክ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክቕመጥ ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ እውን ካብ ሸርፊን ካብ ወተሃደራት ዓቀብቲ ሰላምን /UNMEE/ ዝርከብ ዝነበረ ዶላር፡ ሰሙናዊ ናብ ክሻ ኢዩ ዝኸይድ ዝነበረ።
ብድሕሪኡ ኢሳይያስ ኣብ ዝተሳተፎ ኣኼባ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣ ተኪአ በየነ ግርህ ኢሉ ከምዚ ክብል ተዛረበ፤ “…ንሕና ባንክ ኤርትራ ኢና። ናብዚ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲታት ዶላራት ይኣቱ ከም ዘሎ ንሰምዕን ንርኢን ኣለና። ነቲ ገንዘብ ከም ሃገራዊ ባንክ መጠን ከነቐምጦ ምተገብአ እመስለኒ። እቲ ኩሉ ዶላራት ግን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኢዩ ዝቕመጥ ዘሎ” ምስ በለ፣ ኢሳይያስ ተቐብል ኣቢሉ፤
“…ኣንታ ንስኻ ተኪአ በየነ፡ ብዙሕ ሓሚመ ጸሚመ እውን ተብዝሕ ኣለኻ። ብዛዕባ ዶላር ኣይገድስካ፡ ኣመት ጥዕናኻ ጥራይ ግበር፡ ማጨሎት’ውን ተሓጸብ። ኩሉ ስራሓትካ ካብ ጽባሕ መዓልቲ ንክብርኣብ ወልደማርያም ኣረክቦ” በሎ። ተኪአ በየነ፡ ብዝወረዶ ዱቦላ ዘረባ፡ ሰንበደን ሓመመን። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ምድራስ መጻሕፍቲ ኣተወ። ካብ ሽያጥ መጻሕፍቱ ኣታዊ ንከይረክብ እውን ኣንጻር መጻሕፍቱ ብዙሕ ጎስጓሳት ተገብረ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንክሻ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ዘደየቡ ተርእዮታት ብዙሓት ኢዮም። ወይ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትድረር!’
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ይቕጽል . . .