“ክሻ በል ክትድረር!” – ራብዓይ ክፋል

“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 22 ነሓሰ 2015
ራብዓይ ክፋል

ኣለኹም’ዶ እንዳባ! እስከ ኣይንህመም’ሞ፡ ኢሂን-ሚሂን ኢልና ጉዳይና ንግበር። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ፡ ብእግራ ኢያ ትቕልቀል። ሎሚ ኣብዚ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትድረር፡’ ንውሽጣዊ ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ንምኩሕሓል ኩሉ ዓይነት ኮስሞቲክ ተወዲኡ ኢዩ። ‘እህን ልመዳ፡ ዘረባ ክትለምዳ’ ከም ዝበሃል፣ ደጊምሲ፤ ኢሳይያስ ነቲ ዘለዎ ቅልውላው ንምኽዋል፡ ከም ክሻን የማነታትን ዝኣመሰሉ ብኣቦ ወይ ብኣደ ብትግራይ ዝውለዱ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክኣኻኽቦም ከም ዝጸንሐ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያን ኣይተኸወለን።

ኣካያይዳ ኢሳይያስ ካብ ዓይኒ ዘይምኽዋል ግን መድሃኒት ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ኣይከኣለን። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ፡ ሓምለ-ሰነ፡ መድሃኒትና ብዓንተቦ ቀጭ_ሕርሙ ኢያ ነይራ። እንታይ’ሞ፡ ናይ ቀደምሲ’ኳ ሓሊፉ፡ ትማሊ እንዶ ግዳ ጅግና ወዲ ዓሊ ነታ ቀጭ ሕርሙ ኣዐሚሩዋ ነይሩስ ብሰንኪ ሓሰውቲን ከዳዓትን ከም በዓል ስብሓት ኤፍሬምን ኢዮብ ሓሊባይን ጻመውከ ለከንቱ ኮይኑ ጉዳይና። ኣቺዴንተ፡ ዓለም ትሽዓተ!!

ምትእኽኻብ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ንዝነበረ ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝጸሉ ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ኣብ ግዜ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ግዜ ፍለ-ፍለ ኮነ ኢሉ እናሰርሓሉስ፡ ናይ ምንትኒ ኢና ኣፍና ሓቲምና ትም ክንብል? ኣብ ኤርትራ፡ ብዙሓት ብሓደ ጎድኖም ብትግራይ ዝውለዱ ደቂ ዓድናን ጎረባብትናን ነይሮምን ኣለዉን’ኮ። ከም ሰቦም ኩርዓትን ሕቡናትን ደኣ’ምበር ዝኾነ ናይ ወለዶ ስክፍታ ኣይነበሮምን። እዚ ግኒ ደኣ ከመይ ዝኣመሰለ፡ ብማጨሎትን ደብተራን ዘይፍወስ ሕማም ኢዩ ሓሚሙ?

ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ጥርዚ ንምብጻሕ፡ ነቶም መንገዱ ክፈልጡ ዝኽእሉ ኢሉ ዝጥርጥሮም ዝነበረ በብዓመቱ እናለቐሞም ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ ሊቀ-ዲያብሎሳት። ስለዚ ኣነ ብዛዕባ ወለዶ’ዞም ሰባትን ምትእኽኻባቶም ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ተግባር ንምንጻር ደኣ’ምበር ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንምብኣስ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንመዋእል ተኸባቢሩ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ። ኣብ መውስቦን ውላድን ዝበጽሐ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ዓይነት ቋንቋን ባህሊን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ክልቲኡ ህዝቢታት ስርዓት ደርግ ኣብ ምውዳቕ ብደም ዝተፈረመ ሰነዳት ኣለዎ። ስለዚ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ንክልቲኡ ህዝቢታት ዘለኒ ኣኽብሮት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልጽ እደሊ።

ናብ ጉዳይ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ክንምለስ። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይ ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንውጹእ ብሕትውና ቁጠባ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ብዝምልከት ክሻ ብቲቪ እቲ ስርዓት ብወግዒ ተሓቲቱ ከም ዝነበረ ርኢና። ሎሚ ክሻ ወይ ኢሳይያስ ከምቲ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክሕተቱ ምኸኣሉ’ዶ? እወ እቲ መልሲ ክሕተቱ ኣይክእሉን ኢዮም ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ። ግን ስለምንታይ ሎሚ ክሕተቱ ዘይከኣል ኮይኑ? ምግባል ናይቲ ተመን ጥራይ ድዩ ኣርዒዱ? ወይስ ኣብ ኣዒንቲ ኤርትራውያን ዝተኾደመ ኩልመት ኣይእለን ኢሉ? ኢለ ክሓትት ምደለኹ። ኤርትራ ብቃሕታ ሓደ ሰብኣይ እትመሓደር ሃገር ኢያ። መዓልታዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኢሳይያስ ንግሆ ኣብ ምትንስኡ ኢዩ ዝውሰን። እዞም ኣብ ቆፎ ንህቢ ኤርትራ ዝሰፈሩ፡ መዓርናን ወላላናን ዝምገቡ ዘለዉ ክሻን የማነታትን ከኣ፡ ብሳንቡእ ሓለቕኦም ኢዮም ዘስተንፍሱ።

እምበኣር ኦ…ኦ…ኦ… ኤርትራውያን ሓመደ_ዕደ! ሕመረት ጉዳይና ኣብዚ ኢዩ ዘሎ። ክሻ ብሳላ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕዛእቲ ሃገርና ዝተፈነወ ስቡሕ ምራኽ ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ልቐቕ ዘይርስትኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ ምባል፡ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ኮይኑ መዝሙርኩም። ኩሉ ውሽጢን ውሻጠን ንብረት ኤርትራ፡ ልዕሊ መሬትን ትሕቲ መሬትን ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራ፡ ኣብ ባሕሪን ደሴታትን ቀይሕ ባሕሪና ዘሎ ሉል ከይተረፈ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክሻ ኢዩ ዘሎ።

ገንዘብን ወርቂን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትርኣሱ፡ ንብረትን ሃብቲን ሃገርና ኣብ ጁብኡ፡ ኤርትራዊ ወለዶ ድማ ኣብ ትሕቲ ጫማኡ ኢዩ ንክሻ። ኩሉ ዓይነት ዕድጊታት፡ ነፈርቲ ኲናት፡ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋራት፡ ታንኪታት፡ ነዳዲ፡ ሎጂስቲክ፡ መቀያየሪ ኣቑሑት፡ ንብረት “ድኳናት ሕድሪ” ብክታሙ ኢዩ ዝግዛእ። ንኣብነት’ኳ እተን ኣብ እዋን ኲናት ባድመ ዝተዓደጋ ሚጋት 29፡ ክሻ ኢዩ ገዚኡወን። ብድሕሪ ምዕዳጉ ከኣ፡ ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ብ/ጀ ሃብተጽዮን ሓድጉ ፈርም ኢሉ ኣፈረሞ።

ስርዓት ክሻ፡ ከም ቁርዲድ ደም ህዝቢ ዝመጺ ስርዓት ኢዩ። ኣታዊ ናይ ኣስመራ ፓርኪን 60% ናብ ክሻ ክርከብ እንከሎ፡ እተን ብሰንኪ ምግዳለን ውላድ ዝተሓረማ ገዳይም፡ ኣብ ፓርኪን ዝሰርሓ ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ከኣ ካብቲ ኣታዊ 40% ይወስዳ ነበራ። ኣብ ዘመነ ክሻ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ኣብ ግዜ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ደርጊን ዘይተሰምዐ ጉዳት ኢዩ ዘሎ። መሸጣ ደቀንስትዮ ናብ ሃገራት ኣዕራብን ንግዲ ኩሊትን፡ ኣብ ዘመነ ክሻ ኢዩ ተራእዩ። ክሻ፡ የማነታትን ሓለቕኦምን ክገሹ እንከለዉ፡ በብዓይነተን ምሩጻት ኣዋልድ ሒዞም ኢዮም ዝገሹ። ንኣብነት፡ ክሻ ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣበበች ኢያ እትበሃል። ኤደንን ሳባን ዝተባህላ ኣብ ግዜ መገሻ ዝማልአን ኣዋልድ ድማ ኣለዋኦ። ካብ ኢሳይያስ ጀሚርካ ክሳብ ታሕተዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ገና ዘይተፈልጡ ብዙሓት ቆልዑት ብወሰን ወሊዶም ኣለዉ። ዝግ ድሕሪ ዋንጫ፡ ከም ዝበሃል፣ ህድእ ኢልና ዝገደደ ክንሰምዕ ኢና።

ሞባእ ኣብያተ-ክርስትያናት ከይተረፈ ናብ ክሻ ይረከብ ስለዝተባህለ፡ ኩሉ ኣታዊታት ኣድባራት ኣብ ትሕቲ ክሻ ይርከብ ኣሎ። እዚ መምርሒ እዚ ምስ ተመሓላለፈ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሕሳብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ዝነበረ 600 ሽሕ ናቕፋ ናብ ክሻ ንክርከብ ትእዛዝ ተዋህበ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ኣድባራት፡ /ገዳም ጻዕዳ እምባ፡ ገዳም ደብረ ቢዛን፡ እንዳ ማርያም/ ኣብ ከረን ዝርከብ መሬትን ኣባይትን ገዳም ደብረ ሲና፡ ‘ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ግብሪ ኣይከፈሉን’ ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ትሕቲ ክሻ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ። መንበረ ፓትርያርክ ንምቂጽጻር ከኣ፡ እቲ ከዳዕ ወዲ ከዳዕ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ሓላፊ ምምሕዳር ኣድባራት ኤርትራ ኮይኑ ተሸመ። ኣብ ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ ወላ’ኳ ንስሙ ዝተመደቡ ሓለፍቲ እንተነበሩ፡ ኩሉ ኣባይቲ ብኢድ ክሻ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ተዓደለ።

ምስ ክሻ፡ ወይ ምስቲ ገስረጥ ፖሊሲ ኣሰራርሓ ህግደፍ ዘይቃዶ ውልቀ-ሰብ ብቀጥታ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ፡ ክድስክል ወይ ክእሰር ኣለዎ። ምድስካል ተኪአ በየነ፡ ብርሃነ ኣብርሀን የማነ ተስፋይን ህያዋን ምስክራት ኢየን። ንኣብነት ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ተኪአ በየነ፡ ብዛዕባ ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡስ፡ እንደገና ከኣ ናብ ክሻ ዝገዓዘ ገንዘብ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ድማ ኣብ ዓመተ-2002 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት 1998-2000 ንዝዓነዉ ናይ ውልቂ ትካላት መበራበሪ ዝኸውን 126 ሚልዮን ዶላር ናብ ባንክ ኤርትራ ተረኪቡ ነበረ። እቲ ገንዘብ ግን ሽዑ ብቐጥታ ብትእዛዝ ኢሳይያስ፡ ናብ ክሻ ተረከበ። ብተመሳሳሊ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንትካላት ገጠር ተባሂሉ ኣብ ዓዓመት ዝልገስ ዝነበረ ገንዘብ፡ ብቀጥታ ናብ ኢድ ክሻ ኢዩ ዝኣቱ ዝነበረ። ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ናይ ሽዑ ኣማሓደርቲ /ትካል ገጠራዊ ኣሃዱ/ /Rurarl Development Unit/ ይተሓተቱ። ኣብ ባንክ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክቕመጥ ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ እውን ካብ ሸርፊን ካብ ወተሃደራት ዓቀብቲ ሰላምን /UNMEE/ ዝርከብ ዝነበረ ዶላር፡ ሰሙናዊ ናብ ክሻ ኢዩ ዝኸይድ ዝነበረ።

ብድሕሪኡ ኢሳይያስ ኣብ ዝተሳተፎ ኣኼባ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣ ተኪአ በየነ ግርህ ኢሉ ከምዚ ክብል ተዛረበ፤ “…ንሕና ባንክ ኤርትራ ኢና። ናብዚ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲታት ዶላራት ይኣቱ ከም ዘሎ ንሰምዕን ንርኢን ኣለና። ነቲ ገንዘብ ከም ሃገራዊ ባንክ መጠን ከነቐምጦ ምተገብአ እመስለኒ። እቲ ኩሉ ዶላራት ግን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኢዩ ዝቕመጥ ዘሎ” ምስ በለ፣ ኢሳይያስ ተቐብል ኣቢሉ፤
“…ኣንታ ንስኻ ተኪአ በየነ፡ ብዙሕ ሓሚመ ጸሚመ እውን ተብዝሕ ኣለኻ። ብዛዕባ ዶላር ኣይገድስካ፡ ኣመት ጥዕናኻ ጥራይ ግበር፡ ማጨሎት’ውን ተሓጸብ። ኩሉ ስራሓትካ ካብ ጽባሕ መዓልቲ ንክብርኣብ ወልደማርያም ኣረክቦ” በሎ። ተኪአ በየነ፡ ብዝወረዶ ዱቦላ ዘረባ፡ ሰንበደን ሓመመን። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ምድራስ መጻሕፍቲ ኣተወ። ካብ ሽያጥ መጻሕፍቱ ኣታዊ ንከይረክብ እውን ኣንጻር መጻሕፍቱ ብዙሕ ጎስጓሳት ተገብረ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንክሻ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ዘደየቡ ተርእዮታት ብዙሓት ኢዮም። ወይ ዘመነ ‘ክሻ በል ክትድረር!’

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል . . .

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.