ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ንሙሉእ ሓርነት’ዶ፡ ኣብ ኣታሓሳስባ ዓሊየትነት?

ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ንሙሉእ ሓርነት’ዶ፡
ኣብ ኣታሓሳስባ ዓሊየትነት?

ሓጺር ትንተና ብዛዕባ ህሉው ኣካይዳና።

  • ንዝሓለፈ ጅግንነትን ናይ ምክብባር ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣውንታዊ ውርሻና ወሲድና ነዚ ኩቡር ባህሊ በሪዙ ዘሎ ናይ ሕጂ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ኤርትራውያን ክንዛረብ።
  • ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ምዃና ዝጸላእናሉ ግን ዓው ኢልና ዘይተዛረብናሉ ከም ዘለና ዝካሓድ ኣይኮነን። ግን ንምንታይና ኮምኡ ሓሲብና?

ኣተሓሳስባ ወይ ደረጃ ተበላጽነት ኤርትራውያን ኢዩ ናብዚ ሕጂ ብጉህዶን ብጥውይዋይን ኤርትራውያን ኣብ ዓሌትነት ከም ዘኽዱዱ ምግባር ዝብል መግለጺ ኢሰያስ ክውን ኮይኑ ዘሎ።

  • እዚ ኣተሓሳስባ ዓሊትነት ብደረጃ ውልቀሰብ፡ ውድብ፡ ማሕበር ኣብ ቡዙሓት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እዩ። ጌሊኦም ብከባቢኦም ወይ እንድኦም ጌሊኦም ብኣውራጅኦም ጌሊኦም ብትውልዲ ኤርትራ ጥራይ ይሓስቡን ይዛረቡን።

ብሩህ ምእንቲ ክኸውን ኣብ ሰለስተ ከፊልና ንርኣዮም፡-

  1. ብዓዶምን ጎዶቦኦምን ጥራሕ ዝሓስቡን ዝግደሱን፡-

    እዚኦም ንከምስሉ ስድራኻን ዓድኻን ከይፈተኻ ዶ ሃገር ተፍቅር ኢኻ ዝብሉ ኢዮም። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፡ ግን ነዚ ምስሉዩነት ተጠቂሞም ወዲ ዓዶምን ጎደቦኦምን ኣብ ስልጣን ምህላዉ ጥራይ ዝደልዮን ንዝገበሮን ዘይገብሮን ክንእዱን ጌጋገሩ ንዝተቃዎምዎ ክቕንጽሉ ዝጎዩን ክምድር ወይ ክዛረብ ከሎ ከይሰምዑ ዘጣቕዕሉን እዩም። ክጋጌ ከሎ ዓገብ ስለዘይብሉ ድማ ሒዝዎም ናብ ገደል።
     
  2. ብውራጅኦም ጥራይ ዝሓስቡ፡-
    እዚኦም ኣውራጃና ወይ ደቂ ኣውራጃና ኢዮም ተረሽኖም ወይ ዝርሽኑ ዘለዉ ካብ ዝብል ጸቢብ ኣውራጃዊ ስሚዒት ተበጊሶም ምስ ወዲ ኣውራጅኦም ጥራይ ክቃለሱ ዝደልዩ። ኤርትራዊ ኮይኑ ናብ ንጡፍ ቃልሲ ንዝተበገሰ ክንዲ ሞስኡ ምስዓብ፡ መጀመርታ ኣበይ ኣውራጅኡ ከጻሪዩ ዝጎዩ፡ ምስ ኣጻሪዩ ካብ ኣውራጅኦም ተኮይኑ ኣጆሓ ዝብሉ ካብተን ካልኦት ኣውራጃ ተኮይኑ ንምጽላሙን ንምቅንጻሉን ዝጎዩ ኢዮም።
     
  3. ዜግነት ዝዕድሉ፡-
    እዚኦም ብውድብ ወይ ማሕበር ተጠርኒፎም ዘለዉ ከይተረፉ መራሒ ዝከውን በዲኡን ኣቡኡን ኤርትራዊ ዝኮነ ዝብሉ ኢዮም። እንታይ ማለት’ዩ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን በዲኡ ወይ ቦቡኡ ካብ ካልእ ሃገር ስለዝተወልደስ መሰል ናይ ምምራሕ ኣይግቦኦን ድዩ ዝብሉና ዘለዉ።

ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዘይተወለዱሉ ሃገር ብንጥፈት ክመርሑ እንዳራኣና፡ ንሕና ፍሉይ ህዝቢ ስለ ዝኾና ዶ ንኸውን?

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል…

“ክሻ በል ክትድረር!” – ካልኣይ ክፋል

“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 08 ነሓሰ 2015
ካልኣይ ክፋል

ብላሽ ታሕሪር! እቶም ናጽነት ዘምጽኡን ባንዴራ ዝተኸሉን ጀጋኑ ኤርትራውያን ናብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ሓቒቖም ኢዮም።

ናብ PDF ይቕጽል…

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ክበሃል እንከሎ እንታይ ከማልእ ኣለዎ?

ዲሞክራሲ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ፍትሒ ክራጋገጽ ስለዘይካኣል ንፍትሒ ምቅላስ ማለት ንዲሞክራሲ ምቅላስ ዃኑ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ ኢዩ።

ናብ PDF ይቕጽል…

“ክሻ በል ክትድረር!”

“ክሻ በል ክትድረር!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 05 ነሓሰ 2015
ቀዳማይ ክፋል

ዝሰምዐ ይስማዕ፡ ሃገር እናባደት ፈሊጡ ዝጸመመ ከኣ ምሕረት የውርደሉ! ኣዲኣ ገዲፋ ንሓትኖኣ ትናፍቕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጻዕዳ ፈረንካ ከፊሉ ዘምሃሮም፡ ክንደይ ዶክተራትን ፕሮፈሰራትን፡ ክንደይ ሊቀ-ሊቃውንቲ ኣጥፊእካን ኣባሪርካንሲ፡ ቁጠባ ሃገር 10ይ ክፍሊ ብዝተማህረ ሓጎስ ክሻ ተባሒቱ። ንትምህርቲ ክሻ ብዝምልከት፣ ዶክተር ኣማረ ተኽለ ይመስክር። ክሻ ብዘይካ እተን ኣብ ሰንዓፈ ዝተማህረን 10 ክፍሊ፡ ካልእ ትምህርተ-ሕቡኣት የብሉን።

እቶም ‘ክሻ በል ክትድረር!’ እናበሉ ብጥርሙስ ዊስኪ፡ ብቅልዋን ካፕሬቶን፡ ብላንድ ክሩዘር መኪናን ብዘይወርስዎ ቪላን ንሃገር ዝሸጡ ዘለዉ ሆነታት፣ ብሂወቶም እንተጸኒሖምሲ፣ ኣብ ግዜ ደበሳ ኢዮብ! ብታሪኽ ኤርትራዊ ወለዶ ክሕተቱ ኢዮም። ኣብ ሃገርና ገለ ኣገዳሲ፡ ወይ ዕብይ ዝበለ ጉዳይ እንተደኣ ኣሎካ ኮይኑ፣ “ምስ ሓጎስ ክሻ ርክብካ ከመይ ኢዩ? ኣፍልጦኻ ከመይ ይመስል?” ዝብሉ ሰባት ኢኻ ትረክብ። ፈቲኻ ጸሊእካ መፍትሕ ጉዳይካ ከኣ፡ ኣብ ኢድ ሓጎስ ክሻ ከም ዘሎ ኢኻ ትግንዘብ።

ክሻ ግን መን’ዩ? ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲን ብድሕሪ ናጽነትን’ከ ከመይ ዝኣመሰለ “ንግስነት” ኣብ ልዕሊ ደቂ ኤርትራ ረኸበ? ክሳብ ክንድዚ ብሕትውና’ኸ መን ሃቦ? ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ከመይ ይመስል? ኣብ መንግስቲ መሮር፡ ስርዓት ህግደፍ ነዚን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ጉዳያት ክሻን ብዝምልከት፡ ብተኸታታሊ ንውሕ ዝበለ ጽሑፍ ከቕርብ እየ’ሞ ክቡራት ደቂ ህዝቢ፡ ርእይቶን መአረምታን ንክትልግሱለይ ብሃንቀውታ ክጽበ እየ።

ብዛዕባ እዞም ንሃገርና ኤርትራ ገማጢሎም ዝጭፍጭፉዋ ዘለዉ፡ ደረጃ ብደረጃ ከኣ ናብ ሸለው ዝበለ ጸድፊ ንከእትዉና ብሕንጹጽ ካሪክለም ቀትሪን ለይቲን ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ፍሉጥ ዑናን ርስቲን ዘይብሎም ሰባት ኢዮም። (ኢሳይያስ፡ ማንኪ፡ ክሻ) መንነቶምን ድሕረ ባይትኦምን መመሊሰ እነግር ኣለኹ። ኢሳይያስ ንባዕሉ’ውን ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መንነቱን ታሪኹን ተሓቲቱ፡ ብዘይካ ቀሰይ ኢለ እጽሕፎ ኣለኹ ዝብል ጊንጢ መልሲ፣ ጭቡጥ መበቆሉ ገሊጹ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ዘርኡን መበቆሉን ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደን ኣብ መንበረ-ታቦታ ብቅብኣ ቅዱስ ዝተጠመቐን፡ ሓመድ ኤርትራ ቁሒሙ፣ ተንፋሒዂ ታተ ኢሉ እግሩ ዝተኸለ ሰብ፡ ቅጫ ሞጎጎ ኤርትራ በሊዑ ዝዓበየ፡ ንዝበልዓሉ ሞጎጎ ክሰብር ግን ዓገብ ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ዘለዉን ሰበስልጣን’ኮ፡ ብኣዲኦም ወይ ብኣቡኦም ኤርትራዊ መበቆል ኣለዎም። ወለዶ ነፍስ-ሄር መለስ ዜናዊ ይገንጸል። ግን ስለ እታ ዝዓበዩላን ዝተቓለሱላን ሃገር ሰሪሖምን ዋጋ ከፊሎምን ኢዮም። ቁንቁኛ ናይዞም ገዛእትና ደኣ እንታይ’ኮን ይኸውን?

ኣብ መጽሓፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ብዛዕባ መበቆልን ጉዕዞ ኢሳይያስ ኣብ ሰልፊ ናጽነትን፡ ብሰነዳትን ተረኽቲ መሰኻኽርን ዝተሰነየ ጽሑፍ ኣቕሪበ እየ። ህዝበይን ሃገረይን ዝሃቡኒ ዕዮ ገዛ’ውን ሰሪሐ’የ ኢለ ስለዝኣምን፡ ብሕልናይ ዕጉብ እየ። ካልኦት ዝነግሩዎ ዘለዉ ታሪኽ ድማ ባዕላቶም ይዛረቡሉ። ንህሉው ኣቀዋውማ መንግስቲ ህግደፍ እናፈለጡ ዘስቀጡ ተበለጽቲ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ ከኣ ገና ኣብ ጽውጽዋይ ታሪኽ ኢሳይያስን ጭፍሩኡን ዝነብሩ ኣለዉ። ኣንታ ኣብ ደገ እትነብር፡ ንመህጠሪ ካዝና ክሻ 2% እትግብር ዘለኻ፣ ንገጽካ ኣብ ቅድሚ ግጉይ መስትያት ኣቐሚጥካያ ኣለኻ። ኣንታ ንነፍስኻ ከም ፈላጥ ጌርካ እትርእያ፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት ዘለካ ኣፍልጦ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ብሓቂ ብሰንኪ’ዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ታሪኽ ዘኽታም ዝኾንካ ብፍላይ ኣንታ ዳሕረዋይ ወለዶ ብፍላት ድማ፡ እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ኢያ’ሞ ህድእ ኢልካ ኣዋህልል።

ሎሚ ነቲ ከም ማይ ንግሆ ሓቒቕ ዝኾነ ታሪኽ ንምንጋርን ዳግማይ ንምዝኽኻርን፡ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ገደብ-ኣልቦ ናይ ቁጠባ ብሕትውና ተዋሂቡዎ ዘሎ፡ ክሻ ቀዳማይ ክፋል እጽሕፍ ኣለኹ። ኣብቲ ብመንግስቲ ህግደፍ ዝውነን ትካላት ፋይናንስ፡ ክሻ ልዕሊ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ልዕሊ ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ተኪአ በየነ፡ ልዕሊ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ የማነ ተስፋይ ኢዩ።

ክሻ ወናኒ ባንክ ኣባይቲ ኢዩ። ኣካያዲ ባንክ ወፍሪን ልምዓትን፡ ዋና ተቆጻጻሪ ትካል ሸርፊ ሂምቦልን ኢዩ። እቶም ስማውያን ሓለፍቲ 09 ዝነበሩ እኒ ደሱን ጋይምን ምስ ተኣልዩ፡ ክሻ ብዘይ መጋረጃ ላዕለዋይ ሓላፊ ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ኮነ። ክሻ ብኢድ ኣዙር ኣካያዲ ስራሓት ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ /ኢንሹራንስ/ ኢዩ። ክሻ ዋና ተቖጻጻሪ ናይ ብዙሓት ገዳይምን ሓደስቲን ፋብሪካታት ህግደፍ፡ ከም /ትካል ማርሞን ሕጡብን ጊንዳዕ፡ ጽርበት ሓጺን ኦሮታ፡ ፋብሪካ ስሚንቶ ባጽዕ፡ ወ.ዘ.ተ…/ ከምኡ’ውን ኩላተን ትካላት ህንጻ ህግደፍ፡ /ሮዳብ፡ ሰገን፡ ሆሚብ፡ ገደም ወ.ዘ.ተ…/ ብቀጥታ ክሻ ኢዩ ዝቆጻጸረን። ብሓጺሩ፡ መትኒታት ቁጠባ ኤርትራ፡ ኣብ ደም ሰራውር ክሻ ዝተመስረተ ኢዩ።

ድሒረን ከኣ ሕርሻታት ስምስምን ጀራዲንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሕርሻ መብራህቱ ኣስፋሃን (ወዲ ለገስ) ኣብ ትሕቲኡ ኣትየን ኢየን። መስመራት መጎዓዝያ ኣየር /መንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ናስ ኣየር/ ኩባንያ ትራንስ ሆርን፡ ዓምበርቦብ ሼር-ካምፓኒ፡ ሚኒባሳት ሓራት ዝኣመሰላ ዓበይቲ መስመራት መጎዓዝያ ብቀጥታ ኣብ ትሕቲ ክሻ ኢየን ዝውነናን ዝመሓደራን። ንቱሪዝም ዝምልከት ንክሻ ዝተዋህቦ ብሕትውና እውን ንበይኑ ኢዩ። ኩላተን ዓበይቲ ሆቴላት /ኣስመራ ፓላስ ሆቴል፡ ንያላ፡ እምባሶይራ፡ ሓማሴን ወ.ዘ.ተ…/ ኣብ ባጽዕ ዘለዋ ዓበይቲ ትካላት ቱሪዝም እውን ኣብ ትሕቲ ክሻ ኢየን ዝመሓደራ።

ስለዚ ዘመነ ክሻ በል ክትድረር ዘበሎ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ትካል ወርቂ ቢሻ እውን ካብ ምምስራት ስምምዕ ህግደፍን ኩባንያ ነቭሱንን ብምክትታል ክሻ ኢዩ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን። ኣብ ምህርቲ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ኣብ መሸጣ ወርቂ ቢሻ ናብ ሱዳንን ዱባይን ብዘይካ ክሻን እዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ገበርቲን ሓደግቲን፡ ዝኾነ ሚኒስተር ኣይምልከቶን ኢዩ። ክሻ ኣብ ሃገር ንዘሎ ትካላት ጥራይ ኣይኮነን ዝቆጻጸር። ኣብ ከባቢ ኤርትራን ኣብ ምሉእ ዓለምን ፋሕ ኣቢሎሞ ዘለዉ ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ንግዲ እውን ዋና ላዕላዋይ ሓላፊኡ ኢዩ።

ጆን ጋራንግ ኣብ 2005 ቅድሚ ምማቱ፡ ክሻ ትሕተ ቅርጺ ደቡብ ሱዳን ንበይኑ ክቆጻጸሮ ዓቢ ውጥን ሓንጸጸ። ነቲ ስራሕ ንምክያድ ከኣ 33 ሚልዮን ዶላር ዝወደአ ማሺነሪታት ተገዚኡ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ነበረ። ብዙሓት ክኢላታት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ድማ ብህግደፍ ናብ ደቡብ ሱዳን ተላእኩ። ውጥን ክሻ፡ ካብ ወፍሪ ደቡብ ሱዳን ብድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ስራሕ፡ 1.5 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተጸብዩ ነበረ። ‘ኣይከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካን፡ ከም ዕዳጋኻ ዝጸንሓካ’ምበር’ ከም ዝበሃል፡ ፖለቲካዊ ሃዋሁ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ስለዝተቐየረ ግን፡ እቲ ገባቲ ውጥን ህግደፍ ፈሸለ። ንግዳዊ ትካላት ክሻ ኣብ ሙሉእ ዓለምን ኣብ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ተዘርጊሐን ኣለዋ።

ክሻ ኣብ ዘይመንበሩ ዝጠቐመጠ፡ ግምጃ ደቂ ኤርትራ ዝበሓተ ሰብ ኢዩ። ክሻ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትና ናይ ወርቂ እንተሊ ዝሰርሐ፡ ንጉስ ትረዠሪ ኤርትራ ኢዩ። ክሻ ነቲ ህግደፍ ተዋፊሩሉ ዘሎ ናይ ሰባትን ኣጽዋርን መሸጣ እውን ዝቆጻጸርን ዝበሓተን ሰብ ኢዩ። በቶም ‘ክሻ በል ክትድረር’ ዝብሉ ዘለዉ ፍቱሓት ስረ ቀጠልያ መብራህቲ ዝተዋህቦን፡ ናይ ዘመንና ንጉሰ ነገስትን ኢዩ። ‘ዘልቅሰሉ ዘይብሉ፡ ኣልቂሱ ሞተ ባዕሉ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ፍቱሓት ስረ፡ ሎሚ ንነፍስኹም ባዕልኹም ኣልቅሱላ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል …

ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን ምስ ኩሉ ተጻዋርነት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእን፡ ምክብባርን ክህሉዉ እናተመነኹ፡ ብዓቕሊ ከተብቡለይ እምሕጸን።

ኣስዕብ ኣቢለ ንዶክተር ረዘነ ኣብ ጀነቫ ጀሚሩ ንዝገበሮ ዝቕጽሎ ዘሎን፡ ከም ኡውን ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ ደልወር ዩንቨርሲቲ ህዝብና ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣብ ዘዘለዎ ይጠራነፍ ዝበልዎ ከመስግን ይፈቱ።

“እንክውዕይ ብማንካ፡ እንክዝሕል ብኢድካ”
ከም ዝባሃል፡ ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ክንጥንቀቕ ይግባኣና። ኔርትራ መን ይሓልየላ ዳኣምበር መን ይበታትና ኣድላይነት የብሉን። “ጸሊም ተመንውን፡ ይናኸስ እዩ” ነብሲሄር ታርጉድ ማርሻል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝነበረ። ከም ዝበልዎ። ብስም ተገዳስነት ካብ ዝበታትኑ ዜጋት ሓርግጽ ወይ ኣትማን ንጠንቀቕ።

በታተንትን፡ ወይ ኣብ ጥርጠራን ፍርሕን፡ ዘየታኣማምንን ዝፈጥሩ ቃላታት ኢሳያስነት ወይ ህግደፍነት!!!!
“ትውልዱ ኣበይ እዩ? ወያነ እዩ ኢሎሞ? ካብ ኢትዮጵያ ትውልዲ ኣለዎ? ንምዃኑ ኤርትርዊ ድዩ? ኣበይ ነይሩ? ካባና ድዩ? ኣብ ግዜ ቃልሲ ክንቃለስ ከለና ተሓቢኡ ይማሃር ነበረ፡ ሕጂ መን ዘምጻኣሉ ዓዲ ክምህርዶ፡ ክመክርዶ! ዝብል፡ ንምኽዋኑ እንታዋይ እዩ?”

እዚ ብሓጺሩ በታታኒ ብባዶ 003 ዝፍኖ ብመርበብ መስከረም ዝደጋገም መናፍሕ ማፍያ ስርዓት ኢሳያስ እዩ።

ኤርትራ ካብ መዓስ ኤርትራ ኮነት? ወይ ተባህለት? ብመንከ ተባህለት?
ኤርትራ ዝበሃል ዘርኢ፡ ወይ ዓልየት ኣይነበረን፡ ኤርትራ ዝባሃል ዜግነት ግና ፈጠርና ካብ ጣልያን ተለቂሕና።

ናይ ሎሚ ኤርትራ ብምዕራብ ህዝቢ መንዓምርን፡ ህዝቢ በጃን ኣብ መርየት ሱዳን ኣሕዋት ኣለዉዎም። ህዝቢ ኩናማን ባዛን፡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ጀበርቲ ወሲኽካ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣሕዋት ኣለውዎም። ህዝቢ ቢለንን፡ ዓፋርን ኣብ ምድሪ ዛጙኤ ወሎ ኢትዮጵያ ኣለዉዎም፡ ህዝቢ ጉራጌ ካብ ጉራዕ መጻእና ይብሉ።

ካብ ኢትዮጵያ ምውላድ ዘሔፍር እንተኾይኑ? ስለምንታይ ፕረሲዳንት ኢሳያስ ወዲ ኣፈወርቂ ወዲ ኣብራሃም ወዲ ሓጎስ ወዲ ምራጭ ብዓል ተምቤን ትግራይ ኢትዮጵያ ክሓፍር ምተገብኦ። ስዒቦም፡ መኳንቲ ኤርትራ ሓጎስ ክሻን፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ምስ ኢትዮጵያነት ዘርኢ ከምዘለዎም ማንም ሰብ ይፈልጥ።

እዛ እንፈትዋን፡ እንምነያን፡ ቢለን ዓይንና ዝኾነት ሃገር ኤርትራ! ዕድመኣ ሓጺር እኳ እንተኮነ? ዝተፈጥረትሉ 1890 ዓ.መ.ፈ. ብጣልያን እዩ። ጣልያን ካብ ንጉስ ምነሊክ ብዓል ሽዋ ከም ዝገዝኣ “ዉዕል ዉጫሌ” ኣብ ዝተገብረሉ ተፈጸመ። ናይ ዋጋ ቁጽሪ ገንዘብ “ጥብቂ ምስጢር” ኮይኒ ብገንዘብ ማርያ ትረዛ ከም ዝተኸፍለ መዛግብ ታሪኽ ይምስክሩ፡ ንመወከሲ፡ ብዶክተር/ደገዝማቲ ዘውደ ገብረስላሴ ዝተሓትመት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኦዳጋ ንመሸጣ ቀሪባ ትርከብ።

ኤርትራዊነት፡ ካብ ኩናማን፡ ባዛን ጀሚሩ ክሳብ በለው ከለው፡ ቀጺሉ ሰማውያን፡ ሃማዉያን፡ የመናዉያን፡ ኣግኣዝያን፡ ስዒቡ ሃጸይ ኣላሚዳ ንግስነት ዱባርዋ ክኸውን እንከሎ። ሃጸይ ኣላሚዳ ናብ ኣኽሱም ጊዕዙ ኣክሱም ዘበነ መንግስቲ ቆርቆረ ይብል ታሪኽና።

ኣኽሱም ዘበነ መንግስቲ ምስ ፈረሰ! ብዘበነ መሳፍንቲ ተተኪኡ ክስብ ዘበነ ንጉስ ምካኤል ስሑል ገዛኢ ትግራይን ሕጂ ኤርትራ፡ ስዒቡ ደገዝማት ዉቤ ብዓል ደምብያ ጎንደር፡ ቀጺሉ ሃጸይ ተድሮስ፡ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ ብዓል ዝጙኤ (ላስታ) ናብ ሃጸይ የውሃንስ ራብዕይ ብዓል ተምቤን። ኣስዕብ ኣቢሉ ሃጸይ የውሃን ወኪል ዝኾኖም፡ ንራእሲ ኣሉላ ኣብ ኤርትራ ገዛኢ ኮይኖም፡ ሰራየን ሓማስየን ሰምሃርን ባርካን ጋሽን በርካ፡ጋሕተላይ ሰምሃርን የመሓድሩ ነበሩ።

ሻለቃ ኣሉላ፡ መረብ ሰጊሮም ኣብ “ማይ ጎዳጉዲ ጉንደት ሰራየ” ምስ ወራሪ ግብጻውያን ኩናት ገጢሞም ምስ ተዓወቱ፡ ንተምቤን ትግራይ ኣይተመልሱን፡ ንዓዲ ተኽላይ ሓማሴ መጺኦም ተቐመጡ። ካብ ተምቤን ልዕሊ ክልተ ሽሕ (2000) ደቂ ተንቤን ሰራዊት ነበርዎም፡ እዞም ሰራዊት እዚኣቶም ኣብ ማእከል ሓምሴን ተመርዕዮም፡ ወሊዶም ተዋሊዶም ይነብሩ ኣለዉ። ራእሲ ኣሉላ ኣርብዓ ዓመት ዝገበረ ዜግነት ክረክብ ኣወጁ። ደቂ ኣርብዓ ተባሂሎም ነበሩ።

ራእሲ ኣሉላ ዶብ ኢትዮጵያ ስግር ባሕሪ ማዃኑ፡ ቅድሚ ኩናት ዶጎዓሊ ንጣልያን ኣመልኪቶሞ ነበሩ። ስለ ዘይተኣዘዘ ኩናት ደጓዓሊ ና 550 ዓሳክር ጥልያን ህልቀትን ሞትን ኣስዓበ። ንጉስ ምነሊክ መፍደይ ሕነን ዝኸውን መሳርያ 5500 ጠበንጃ፡ ኤርትራ ብ ኣሻሓት ዝቑጸር ማርያ ትረዛን መሸጣ ዉዕል ዉጫለ ኣቃላጠፈ።

ሃጸይ የውሃንስ ንድርቡሽ ወይ ማህዳውያን ናይ ሱዳን ወራር ክከላኸሉ ምስ ሰራዊቶም ንመተማ ክኸዱ ከለዉ፡ ንጉስ ምነሊክ ስምምዕ ምስ ጣልያን፡ መሸጣ ኤርትራ ተሰማሚዑ ፈጸመ። ጣልያን ካብ ባጽዕ ንዝባን ከበሳ ሓማሴን ኣተወ ኣስመራ ሰጊሩ ክስብ መረብ ብዘይ ኩናት ተፈጸመ።1890 ኤርትራ ከም ሃገር ግዝኣት ጣልያን ተባሂላ ተጸውዔት።

ኣብ ኤርትራ ብብግዜኡ ብመዉስቦን፡ ብወተሃደራዊ ዓመጸን እናቐጸል ንብዙሕ ዘበናት ክኸይድ ጸንሔን ትውልዲ ተፋረየን፡ ሕጂውን ኣይተረፈን ኣሎን።ኤርትራውነት፡ ዝተሓዋወሰ ናይ ቅዱምን ድሑርን ኣመጻጽኣን፡ ፍልሰትን ብሄራትን፡ ዓልየትን ዝተሓናፈጸ ወሎዶታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮነ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ወይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዘበነ ቃልሲ” ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝድግፈናን ዝቃለስ ምሳናን ኤርታዊ እዩ” ዝብል ጭርሖ ነበረ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወርሒ ግንቦት 1991 ኣስመራ ኣትዩ፡ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተቖጻጸረ፡ ረፈረንዱም ክገብር ስለ ዝነበሮ! መን እዩ? ንረፈረንዱም ዘድምጽ? ዝብል ሕቶ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዝቐረበ፡ ነዚ ዝስዕብ እማመ ከም ዘቕረበ ብኣዋጅ ክዝከር ይግባእ።

  1. ኤርትርዊ ብኣቡኡን ብኣዲኡን ዝኾነ/ዝኾነት፡
  2. ብኣቦ ወስ ብኣደ ዝውለድ፡
  3. ብቕድሚ 1929 ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ
  4. ብቕድሚ 1974 ኤርትራ ዝተወልዱ ወይ ልዕሊ 20 ዓመት ዝተቐመጡ
    ዝብል እማመ ወጺኡ ህግሕኤ መሰረት ዜግነት ኤርትራ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ብኣእምሮ ምዝካር ስለ ዝኾነ ንመረጋገጺ ኣዋጅ “እማመ ረፈረንዱም ኤርትራ” 1992 ተመልከቱ።
ኣብ ኤርትራ ሓደ ሃይማኖት ወይ ሓደ ብሄር ስለ ዘየልቦ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከሽካዕልል ኣይግባእን።

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ቀዳምነት ዘይዋሃበሉ ምንም ምኽንያት የልቦን? ሓልፍነት ህዝብን ሃገርን ንኽወስድ እሙንን ርጡብን፡ ብቕዓትን፡ ክእለትን፡ ፍትሓውነትን፡ ጹረትን፡ ተዓግስነት ክህልዎ ኣለዎ ማለት ናይ ጭዋታት እዩ።

እቶም ኣብዚ ሰዓት እዚ ተገደስቲ መሲሎም ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ጥርጠራ ንኸሕድሩ ዝጽዕሩ ብስም ተገዳስነት ንነብሶም ዘይጸረዩ ብዝረኸብዎ ኤርትራዊ ዜግነት ዝጠራጠሩ፡ እዚ ናይ ኤሳያስ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዝሕልወና ዝብሉ ብነብሶም ዘይታኣማመኑ ጭልቅዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጥራሕ እዮም ክኾኑ ዘለውም።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘበነ ጸነተ ምፍልላይን፡ ምብትታንትን፡ ተጣራጣርነት፡ ዘይእሩም፡ ኣተሓሳስባብን፡ ኣነ ይፈልጥ እናበለ መናፍሕ 003 ናይ ህግደፍ ዘንጸባርቕን፡ ዓንቃፊ ስነ ሓሳብ ዝዝርግሕ ከነለልዮ ይግባእ። ምንም እኳ ብስም መሰል ናይ ምጽሓፍን፡ ናይ ምዝራብን፡ ናይ ምሕሳብን፡ ሱቕ ናይ ምባል መሰሎም ሕሉው እንተኾነ፡ ሓቅነትነቱ ንምጽራይ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት እዩ።

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ፡ ኤርትራውያን ዝተመርዓወን መሰል ከምዘለዎ ክንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰልን ግደታን፡ ሓላፍነትን ከምዘለዎም ከነኽብሮ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
31 ሓምለ 2015