ይዋእ ኢኺ፡ መንግስቲ ኣልቦ ሃገረይ!

ይዋእ ኢኺ፡ መንግስቲ ኣልቦ ሃገረይ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 29 ሓምለ 2015

ማይ ካብ ዓይኑ ኣይዘረግ! ዛራ ማይ ኣብ ዓይኑ ኮይኑ ዝዘርጎ ርጉም ጉሒላ እንተሃልዩ፡ ብትሕቲኡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይህሉን ኢዩ።

ናብ PDF ይቕጽል…

ኮ/ል ተስፋልደት ተኣሲሩ፡ ምቕናይ ጥራይ!

ኮ/ል ተስፋልደት ተኣሲሩ፡ ምቕናይ ጥራይ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 05 ሓምለ 2015

ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ፡ ግዜ ከም ሰተታ ንክግምጠል ዝቀራረብ ዘሎ ኢዩ ዝመስል’ሞ ምቕናይ ጥራይ። ኣከያይዳ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እታ በብመዓልቱ ናብ ክሳድ መሳርሕቱ ዝውርውራ ገመድ መመሊሳ ኢያ እትሽንቆቕ ዘላ። tegadalitፍልስፍና ኢሳይያስ፡ “ብዘይ መጎትካዮ ተፈረድ፡ ብዘይ ደየብካዮ ውረድ” ኣብ ዝብል ሰረተ-እምነት ዝተመርኮሰ ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣብ እንዳ ኢሳይያስ፡ ቅዋም፡ ሕጊ፡ መጎተ፡ ጠበቓን ፍትሒን የለን። ብጸድፊ ደይብካ፡ ብጸድፊ ንክትወርድ ትፍረድ። ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሎሚ፡ ብዘይካ ተኣሲሩ ዝብል ዜና’ምበር፡ ተፈሪዱ ወይ ተፈቲሑ ዝብል ወረ ኣይተሰምዐን።

ካብቲ ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ዝነበርና ናይ ምእሳር ወረታት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ፍልይ ዝበለ ማእሰርቲ ሰሚዕና። ንሱ ከኣ ምእሳር ኣብ ቤት ጽሕፈት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ሓላፊ ጸጥታ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ ኢዩ። ባህርያት ኢሳይያስ ንዘይፈልጥ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ዜና ኢዩ ዝነበረ። እቲ ምንታይ፡ ዋና ተለኣኣኺ፡ ኣሳሪ፡ ቀጥቃጢን ሰላሕታዊ ቀታሊ ሰባትን ዝነበረ ሰብ ተኣሲሩ ክትሰምዕ እንከለኻ፣ ንምእማኑ ስለዘጸግም ኢዩ። ‘ህዉኽ ኣዳጉራ፡ ኣብ ቁራዕ እንከሎ የጥርጥ’ ከም ዝተባህለ፣ ኮ/ል ተስፋልደት ድማ ኣብተን ርኣዩኒ…ርኣዩኒ ዝብለለን ዝነበረ ህዉኻት ዓመታቱ፡ ንክንደይ ሰባት ዘየሽቆጥቆጠን ዘየጥረጠ!

ደሓር’ውን ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ደድሕሪ ምእሳር ሞት’ምበር ሂወት ዘይሕሰብ ስለዝኾነ፡ ቀንዲ መጋበርያ ገበነኛ ስርዓት ዝነበረ ተስፋልደት ምእሳሩ፣ ብድሕሪ ምእሳሩ’ውን ህጣሙ ምጥፋእ፣ እህምምምም! ከየበለ ኣይሕለፍን ኢዩ። ምእሳር እዚ ኮሎኔል እዚ፡ ኣብ ዘመነ-ህግደፍ ብዘይካ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይእሰር፡ ዘይድስክልን ዘይባረርን በዓል ስልጣን የለን ማለት ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ። ‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ፡ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ወዲ ተካሊት! ነዞም ሎሚ ዘመናውያን ገበርቲን ሓደግቲን ዘለዉ ኮሎኔላትን ጀነራላትን’ውን ብመዓልቶም ከረኻኽበሎም ኢዩ። ኮ/ል ተስፋልደት ካብ ተኣስረ፡ ጉዳይ እቶም ካልኦት ቀንዲ ኢደ-በይዛ (ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ሃ/ድሕነትን፡ ጀነራላት፡ ኮሎኔላት፡ ወ.ዘ.ተ.) ከመይ ክኸውን ኢዩ? ኢልካ ምሕሳብ ሰዓቱ ዝኣኸለ ይመስል። እዚ ዕሉል ሰታዪ ደም፡ ነዚ ሜላ’ዚ ካብ ፈለማ ሰብዓታት፡ ክሳብ ሎሚ ይጥቀመሉ ኣሎ።

ኣብ ዘመነ ገበነኛ ኢሳይያስ፡ ምእሳር ብሞት ከም ዝትካእ፡ ጎዳጉዲ ሓለዋ ሰውራን ዒራዒሮን ምስክራት ኢየን። ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15፡ እቶም ቀንዲ ኣገልገልቲ ህግደፍ ዝነበሩ በዓል ዓብደላ ጃብር፡ ሙስጣፋ ኑር ሑሴን፡ ሜ/ር ጀነራል ዑመር ጠዊል፡ ተኣሲሮምን ጠፊኦምን ዝብል ዛንታ ኢዩ ስዒቡዎም። ንምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ብዝምልከት፡ ብዕለት 29 ሰነ 2015 መግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ እውን ጸብጻቡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ተስፋልደት፡ ሓደ ካብቶም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኣዝዮም እሙናት፡ ቀንዲ ደቂ ውሻጠ፡ መጋበርያ ህግደፍን የማናይ ኢድ ኢሳይያስን ምንባሩ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ስለዚ፡ ገመድ ዳሕረዎት ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ!

ከምቲ ‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ፡ ንጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ዝበሃል፣ ምእሳር ኮሎኔል ተስፋልደት ማለት፡ ምንጽልላው መልኣከ-ሞት ነቶም ንኢሳይያስ ናይ ቀረባ ተለኣኣኽቲን ተግበርቲ ገበናት ዝነበሩን ዘለዉን ሰባት ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።

ብድሕሪ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት፡ ‘እንዳ ኣንጭዋ ቡቕሊ፡ እንዳ ጻጸ እኽሊ ኣይሰኣንን’ ከም ዝበሃል፣ እንዳ ኢሳይያስ ከኣ ወረታት ምእሳርን ሞትን መሊኡ ኢዩ’ሞ፤ ብድሕሪ ምእሳር እዚ ኮሎኔል እዚ መን’ዩ ኣሚኑን ደቂሱን ክሓድር? ምቕናይ ጥራይ! ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ብዘይካ’ቶም ብደምን ባዮሎጂን ኣሕዋቱ ዝኾኑ ሰበስልጣንን ኣባላት ደምህትህን ዝኣምኖ ሰብ ከም ዘየለ ኢዩ ዝነግር ዘሎ። ካብ ሎሚ ንደሓር እቶም ኣብ ደማስ፡ ጋዴንን ዓላን ዓስኪሮም ዘለዉ ወተሃደራት ደምህት፡ ኣብ ኤርትራ ገበርትን ሓደግትን ከም ዝኾኑ፣ ናይ ኣደባባዪ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ብኣቆጻጽራ ኢሳይያስ፡ ሰዓት ምፍናውን ምእሳርን ኤርትራውያን፡ ምሻምን ምስሳይን ደምህት ዝኣኸለ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ኩሉ ምስጢራዊ ጉዳያቱ፡ ብዘይካ ኣሕዋቱ ደቂ ትግራይ፡ ኤርትራዊ ደም ዘለዎ በዓል መዚ ደጊም ኣየድልዮን ኢዩ። ነዚ ብወለዶ ዝልለ ኣገባብ ኣሰራርሓ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብቁሩብ ክለማመደሉ ብድሕሪ ምጽንሑ፡ እዋሓስ፡ አግብእ! እነሆ ብጋህዲን ብጸሓይ ቀትሪን ይጥቀመሉ ኣሎ።

ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ካልእ ሜላ፡ ንሰባት ከም ዲስፖሳብል ስሪንጋ ተጠቒምካ ምቕያርን ምድርባይን ኢዩ። ወላ’ኳ ውሑዳት መኮንናት /ከም በዓል ብ/ጀ ኢዮብ ሓሊባይ/ ንራዕዲን ሽበራን ተኣሲሮም ይፍትሑ እንተነበሩ፡ ናብ ቀንዲ ኣማኒኡን ተግባሪ ውጥናቱን ዝኾነ ኮ/ል ተስፋልደት ገመድ ክዝርግሕ ግን ዘገርም ኢዩ። ወላ’ኳ ኣብ እምነት ኢሳይያስ “ምስጢራት ንዝፈልጡ፡ በብመዓልቶም ምጥፋእ” ዝብል ሰረተ-እምነት ዝኽተል እንተኾነ፡ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ግን ዝቐልጠፈ ይመስል። ብኣሰራርሓ ኢሳይያስ፡ ከም ተስፋልደት ዝኣመሰለ ቀንዲ እሙን ልኡኽን ፈላጢ ከበድቲ ምስጢራትን፡ ድሕሪ ምእሳሩ ብሂወት ናይ ምምላስ ዕድሉ ኣዝዩ ዝማህመነ ኢዩ።

ኮ/ል ተስፋልደት፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኢሳይያስ ተጸሚዱ ዝከታተል ዝነበረ በዓል ስልጣን ኢዩ ነይሩ። ማዕረ’ቶም ካልኦት ደቂ ውሻጠ፡ ኣሎ ዝበሃል ምስጢራት ደብተራን መንግስቲ ህግደፍን ዝፈልጥ ዝነበረ ሰብ’ውን ኢዩ።

ተስፋልደት ኣብ ‘ንግስነት’ ኢሳይያስ ክሳብ መዓልቱ ዘእክል (ኤክስፓየር ዝኸውን) ገባርን ሓዳግን ዝነበረ፡ ንሙሉእ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብድሕሪ መጋረጃ ዘመሓድር፡ ንኮሎኔላትን ጀነራላትን ስእሊ መራሒኡ ተሓንጊጡ ዝህድድ፡ ዘውርድን ዘደስክልን፡ ንኣሃዱታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝኽልጥን ዝቆጻጸርን ዝነበረ ኣዝዩ ተኣማኒ ሰብ ኢዩ። ተስፋልደት፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ሕንቁቕ ሕሳስ ልደ ህግደፍ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን።

ካብ ዝኾነ ሚኒስተር፡ ጀነራልን ኣማሓደርቲን ፍሉይ ሓለፋ ዝነበሮ ኮ/ል ተስፋልደት፡ ኣብ ኣስመራ ንምዕዳል ምሩጽ ቪላታትን መሬትን ቀዳማይ በዓል ስልጣል ኢዩ ዝነበረ። ብሰንኪ ንሱ ዝህቦ ዝነበረ ትእዛዛት ከኣ ብዙሓት ስድራ ቤታት ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝተቐመጥኦ ኣባይቲ ብወተሃደራት ተጓሒፈን ኢየን። ‘መርገም ወለዲ እንተዘይ ቀተለስ፡ የዕነኒ’ ከም ዝበሃል’ምበኣር፣ እቲ ብዝርንዝሕ ንብዓት ኣዴታት ዝተሰነየ፡ ናብ ሰማያት ክሳብ ኣርያም ዝዓረገ መርገም፡ እነሆ ኣብ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ኣሃዱ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ እዚ ትራጄዲ’ዚ ካፋ ኢዩ፣ ካብኡ ዝገድድ መሾምቦባ ድማ ምስዓቡ ዘይተርፍ ኢዩ። ከምቲ ‘ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ’ ዝበሃል፡ ኮ/ል ተስፋልደት፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ሰለስተ ዓበይቲ ቪላታት ነበሮ። ሓደ ኣብ ጥቓ ጋራጅ ኦድዮን፣ ኣብ ከባቢ ማ/ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ፡ ምሉእ ፓላሶ፡ ካልኣይ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት “ማሕበር ውጥን ስድራቤት” ጥቓ ኤምባሲ ግብጺ፣ ከምኡ’ውን ሳልሳይ፡ መቋመሪ፡ መስከሪን መዐመጺ ኣዋልድን ኣብ እንዳ ኮርያ ምሩጽ ገዛ ነበሮ። ንብረትን ሽመትን ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ግን፡ “ግራት ፈረቓን ሽመት ዓቓን” ኢዩ። ብድሕሪ ምእሳሩ፡ ሓንቲ ካብተን ቪላታቱ፡ ነቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን መነጽር ጀነራል ፊሊጶስ ወድዩ ‘መን ከማይ’ ዝብል ዘሎ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 59 ኮ/ል ‘ጆን-ዓሊ’ ተዋሂባቶ ከም ዘላ ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ ዘመነ ህግደፍ፡ ብዘይካ ኢሳይያስ ንኮ/ል ተስፋልደት ዝሓትት ሰብ ኣይነበረን። ኩላቶም ጀነራላት ኣብ ትሕቲኡ ኢዮም ዝሰግዱን ዝንብርከኹን ዝነበሩ። እዚ በዓል መዚ እዚ በብመዓልቲ መካይን እናቀያየረ ዝዛወር ዝነበረ፡ ብኢሳይያስ ይወሃቦ ንዝነበረ ቅንጸላ ደቀባት ዝትግብር ዝነበረ ምዃኑ ኣብ ኣስመራ ይዝረበሉ ነይሩ ኢዩ። መንእሰያት ኣስመራ “ዓፋኝ ጓድ” ዝብል ሳጓ ሂቦሞ ነይሮም ኢዮም። ካብ ኣማውታ ገዲም ተጋዳላይ ዳውድ ማሕሙድ ራካ (ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ) ክሳብ ኣማውታ ኮ/ል ሓድጉ ሃብተገርግሽ (ኮምሬድ)፡ ወዲ ምዒተ፡ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፡ መሓመድ ሓጎስ (እንዳ ኦሞ)፡ ከምኡ’ውን ክሳብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ብብሃንደበታዊ ሕማም ሞይቶም” ብዝብል ምስምስ ብመርዚ ተሰሚሞን ዝጠፍኡ ዝነበሩ ደቀባትን መራግእቲ ሃገራውነትን ቀንዲ ተግባሪ ኮ/ል ተስፋልደት ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ሰባት ኣብ ምጥፋእ ናይ ኢሳይያስ ኢደ-በይዛ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ከም በዓል ብ/ር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) እውን ተረፍ ኣለዉዎ።

ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ፡ እሕሕ ክብል! ሕነ ክፈዲ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ፡ ወይ ንእሽቶ ተቓውሞ ዘርኣየ ዜጋ ብቕጽበት ኢዩ ዝጠፍእ። ሞት ሓው ዑቕበ ኣብርሃ፡ ሞት ሓው ዳውብ (ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ጃልያ ዝነበረ) ሞት ዶክተርር ፍስሃ ሃይለ (መምህርን ዲን ኤዲኬሽንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ) ወ.ዘ.ተ… ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓትን ተሰሚሞም ተቐቲሎም ኢዮም።

ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ በብዓመቱ ዝርሸኑን ዝጠፍኡን ዝነበሩ ሃገራውያን፡ ምኽንያት ብምፍጣርን ብኢደ-በይዛን’ምበር፣ ብኢድ ኢሳይያስ ዝተቐትለ ሰብ ኣይነበረን። ኢሳይያስ እቲ ቀንዲ ንኤርትራን ህዝባን ብጅምላ ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ምኽንያት፡ ምብራዕ ኲናት ኣብ ባድመ ኢዩ። ካብ ወርሒ ግንቦት 1998 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝጠፍኡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መሪሕነት መንግስቲ ህግደፍን ህዝቢን ድማ ቆጺርካ ዝውድኡ ኣይኮኑን።

ኢሳይያስ ኣብ ቃልሲ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ንመንግስቲ ህግደፍ፡ ዘለቕለቕ ከም ዘይብለኦ ማዕረ ቁመቱ ገይሩ ኢዩ ሰሪሕወን። ወዳጄ ክኢላ ሳርቶ!! ብዘይክኡ ካልእ ዜጋ ቀሲኑ ክነብረለን ማለት ዘበት ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ድማ፡ ህድማን ስደትን ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ብዘይካ ንሱን ናይ ባዮሎጂ ኣሕዋቱን መን ኣሎ ዘይሃድምን ክሃድም ዘይደሊን? ብርሃነ ወዱ’ውን ሓደ ካብቶም ክሃድም ፈቲኑ ዝተታሕዘ መንእሰይ ኢዩ። ብርሃነ ብሰንኪ ናብ ኣቡኡ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ምስ ተቐጥቀጠ ኢዩ ምስ ራብዓይ ርእሱ ንህድማ ዝወጠነ።

ኣብ መወዳእታ፡ ‘ዳዕሮ ዕንክሊል፡ ገበልኡ ገዲፉ ዘይገበልኡ የጽልል’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ዓደቦኹም ክሒድኩም ምስ ልኡኽ ጥፍኣት ትስዕስዑን ተዳኽሩን ዘለኹም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ህግደፍ፡ ኣብ ምስትውዓል ዘድልዮ እዋን ኢና ዘለና’ሞ፤ ከምዛ ናይ ኮ/ል ተስፋልደት መሸንቆቓ ገመድ ከይተደርበየትልኩም እንከላ ሕሰቡ። ’ህድግ ለነ ከመ ንሕነ ንሃድግ ለዘኣበሰ-ለነ’ ተባሂሉ ከም ዝጽለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ጽንቃቕ ህድግ-ለነ ከይወድአ እንከሎ፤ ሎሚ ተጠዓሱ።

ከምቲ ህጣራ ስነ-ጥበባዊ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ “ዝበላዕኩሞ ምለሱ ብዱላ ከይትኹልሰሱ” ዝበሎ፡ ብርግጽ ከኣ ዘመነ ፍዳ ክመጽእ ኢዩ። ህዝቢ ቅዋማዊ መንግስቲ ተኺሉ ዝመሓደረሉ፡ ሕነ’ቶም ፎእ ሞት ዝሞቱ ዜጋታቱ ዝፈድየሉ ዘመን ርሑቕ ኣይኮነን። ትማሊ በርቂ ኣብ ጀነቫ መስ-መስ-መስ! ኢሉ ኣሎ። ጽባሕ ቢጊሓት ከኣ፡ ሃሚን ማይ ኖህን ክወርድ ኢዩ። ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ኢያ። እታ ውልፍቲ ደም ሰብ ዝኾነት ጋህሲ ዒራ-ዒሮ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ነቶም ገበነኛታት ጭፍራ ህግደፍን ኣበ-ነፍሶም ኣባ-ከይሲ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ትጽበዮም ኣላ።

ንሰፈር ዕንዱላይ ንየማን ገዲፉ ዘንቆልቁል ጽርግያ ዓናጉለ፡ ጥውይዋይ ሓራማጥል፡ ውርድ ምስ በልካ’ውን ኣጻድፍ ኣደይ ቅበጽኒ፣ ሞግኦን ሳቡርን ከኣ ደርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ገበነኛታት ንክሰምዓ ተዳልየን ኣለዋ። ንኺድ ናብቲ ብሩህ ደረት-ትርኢት፣ ንደርዘን ዓመታት ሃንቀው ዝበልናያ ጸሓይ ሓርነት እትበርቀሉ ጥርዚ ክንርኢ ኢና’ሞ ምቕናይ ጥራይ!!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ

ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት!

ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 29 ሰነ 2015

ሓደ ሓልዊ ኣባጊዕ፡ ዘይተማህረን እንዶ ሕሳባት ዘይብሉን ክነሱ፡ ዕየት’ውን ትኹን እንተጠፊኣቶ፡ መውደቒቓን ኣጠፋፍኣኣን ከይፈለጠ ደቂሱ ኣይሓድርን ኢዩ።

PAD: ምሉእ ትሕስቶ…

DEMONSTRATION GENEVA FRIDAY,26 JUNE 2015 and MayAyni Ethio

DEMONSTRATION GENEVA FRIDAY,26 JUNE 2015 and MayAyni Ethio


ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ ሕመረት መትከሎም እንተዘይ ገብሩ፡ 24 ግንቦት ክሳድና ኣቕኒዕና ብዓውታ ናጽነት ኣይመድመጽናን፡፡እንተኾነ ጀጋኑና ንስለ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ክቡር ህይወቶም ኣይወፈዩን፡፡ እቲ ብልቢ ኣሚኖምሉ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውእሉ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እውን ከምኡ ዝብል ፕሮግራምን ቻርተራትን ዝሓቖፈ ኣይነበረን፡፡ እቲ ብደም ጀጋኑ ዝተጻሕፈ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ቅድም ናጽነት ምርግጋጽ ቀጺሉ ሓንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ነጻ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ዝብልዝነበረ፡፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል፡፡ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ጌጋ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብዚ’ዩ ዝጅምር፡፡ ጀጋኑ ስውኣትና ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውኡሉ መትከልን ዕላማን ብውሑዳት ተበለጽቲ ተጠሊሙ ሕድሮም ስለ ዝተረግጸ፡፡

እቲ ብቓጻ በትረስልጣን ሕሉፍ ምልክነት ዝጨበጠ ናይ ውሕዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ነቲ ብደም ዝተጻሕፈ መትከላት ጀጋኑ ረጊጹ፡ ሕድሪ ስዋኣትና ምሉእ ብምሉእ ጠሊሙ፡ ሓድጊ ጀጋኑና ኣብ ምጽናትን ኣብ ምቕታልን ኣብ ምእሳርን ኣብ ምጭፍጫፍን ኢዩ ኣትዩ፡፡ እንቋዕ ድኣ ህያብ ጀጋኑ ስውኣትና ዝኾነት ናጽነት ረኸብና እምበር፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገደደን ብዝኸፈአን ተረጊጹ ስለ ዝተቐትለ ዝፈትዋን ዝናፍቓን ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ክበታተን ኢዩ ተራእዩ፡፡ እቲ ዝኸፈኣ ድማ ህግደፍ ታሪኽ ጀጋኑ ስዋኣትና ላዝኡ ኣጥፊኡ ከም ዝጅላሕን ከም ዝብረዝን ገይሩ ኢዩ፡፡ ንኽብሪ ጀጋኑና ዘንተ እለት እንዝክረሉ ቀዋሚ ዓቢ ሓወልቲ እውን ክሳብ እዛ መጠረሽታ ሰዓታት ክትከለሎም ኣይርኣናን፡፡ ጎደናታት ኣስመራ ብዘይርዳኣካን ዘይተሓዝን ስጊንጢር ኣስማት ክቐየር እንከሎ መዘከርታ ስሙያት ጀጋኑ ስውኣትና እውን ንፈውሲ ማሕላ ክርቋሕ ኣይሰማዕናን ኣይረኣናን፡፡ ሓወልቲ ፑሽኪን ግን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተተኺሉ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ብስም ጀጋኑ ዝምሕልን ዝጥሕል ዝሽቅጥን ናይ ውሑዳን ተበለጽቲ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡፡

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ከምቲ ቀዲመ ዝበልክዎ፡ ናይታ ፍርአ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዝረኸበናያ ናጽነት፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝዓበየትን ዝፈረየትን ተኽሊ ብቑሊ ኢያ፡፡ እዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝጨብጨበት ተኽሊ እያ ድማ እታ እንሕበነላን እንኾርዓላን ናጽነት፡፡ የግድስ እቲ ንመትከላትን መብጽዓን ስውኣትና ምሉእ ብምሉእ ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተተኽለት ተኽሊ ፍርቂ ኣካላ ኣቐምሲሉ ወጅሃታ ከም ዝሃስስን ከም ዝድውንን ገይርዎ ኢዩ፡፡ ትርጉም ናጽነት ክሳብ ድንግርግር ኢሉ ዝጠፍኣና ከሳድና ከም ነድንንን ኣብ ዘበናዊ ባርነት ከም ንቑረንን ገይሩና ኢዩ፡፡ ስድራቤታት ጀጋኑ ስዋኣት ውሽጡ ሕሩር ኮይኖም ብጓሂ እህህህ ከምዝብሉ፡ ደቂ ስውኣት ከምዝቃዝኑን ከም ዝከላበቱን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስዋኣት ከም ዝርገጹን ከም ዝበታተኑን ገይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመ ኤርትራውያን መናእሰያት ካብ ባርነታዊ ሙቑሕ ህግደፍ ንኸምልጡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ክጥሕሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ውሽጣዊ ኣካሎቶም ተዘሪፉ ብዘይ ንቡር ቀብሪ ክድርበዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰኒዶነኦ ኣለዋ፡፡ ብዙሓት ካብዞም ግዳያት ድማ ኣሕዋት ስውኣትን ደቂ ስውኣትን ንሃገር ብጻዕዳ ገዲፎም ብጸሊም ኢዶም ዝሰርሑን ዘበርከቱን ኢዮም፡፡ነዚ ክትርእዮ ዘይኮነ ክትሰምዖ እውን ዘደንጹ እከያት ብቓልዕ ዝፈጸመን ገና ውን ዝቕጽሎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ብኸመይ ኢዩ ስዋኣትና ዘኽብር…..?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 20 ሰነ 2015 መዓልቲ ስውኣት ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ህልዋት እናቐተልካ ስውኣትከተኽብር ኣይከኣልን’ዩ፡፡ ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ናይቲ ካብ መናበይ ዘኽታማት ኦርፋን ኣብዘይ ዕድሚኡ ናብ መሰልጠኒ ማእከል ህግደፍ ኪሎማ ተወሲዱ ኣብ ተሃድሶ በይሉል ተኣሲሩ ክልተ ኣእዳዉ ዝለመሰ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ናጽነት ዝኸፈለ መቓልሕ ዝስሙ ግዳይ ከም ኣብነት ኣቕሪበ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ፡፡ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ጭካነ ተግባራት ግን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡ ንሎሚ ድማ ነዚ ህልዋት እናቐተለ ስውኣት የኽብርየ ዝብል ምስሉይ ስርዓት ተግባራቱ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ከይረኣየ ሰሚዑ ዝደናገር ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ወገን ንኽፈልጦ ሓደ ክልተ ግዳያት ከም ኣብነት ክጠቅስ እየ፡፡

ዮናስ ወዲ ግሪሊስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ንስለ ሃገር ዝኸፈለ ኣሕዋት ጀጋኑ ኢዩ፡፡ ዮናስ ኣባል ሓምሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ፡፡ ካብቶም ንስለ ናጽነት ንበረኻታት ሳሕል ዝወፈሩ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ሓደ ጥራይ ኢዩ ካብ ብሱል ጥረ ተሪፉ ናጽነት ክርኢ ዝበቐዐ፡፡ እቶም ሰለስተ ንስለ ናጽነት በጃ ኾይኖም ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ እቲ ናብ ናጽነት ዝኣተወ ሓደ ሓዉ ድማ ኣብቲ ድሒሩ ብሰበብ ባድመ ዝተባርዐ ኣህላቒ ኲናት ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ተሰዊኡ ኢዩ፡፡እታ ሽዱሽተ ዝወለደት ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ንዮናስን ሓንቲ ንእሽቶ ሓፍቱን ሒዛ ኢያ ተሪፋ፡፡ ዮናስ መስዋእቲ እቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ተጋዳላይ ሓዉ ብወረ ወረ ምስ ሰመዐ፡ ናብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብኢደ ዋኒኑ ብምኻድ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፡፡ ”ሰለስተ ኣሕዋተይ ንናጽነት ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ ሕጂ ድማ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዝነበረ ሓወይ ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ከም ዝተሰወአ ብወረ ከዕልሉ ሰሚዔ ኣለኹ፡፡ ኣብ ገዛ ኣነን ምንኣሰይ ሓፍተይን ጥራይ ኢና ተሪፍና፡፡ ሓፍተይ ውን ኣብ ኣገልግሎት ኢያ ዘላ፡፡ እንተተኻኢሉ ነደይ ከሐግዝ ሓድጊ ክኸውን ክምለስ ፍቐደለይ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ኣነ ኣብ ሓይልታት ኣብ መሳርዕ እየ ዘለኹ፡፡ ውግእ ድማ ሰባት’ዩ ዝበልዕ፡፡ ንሂወተይ ዝሓዝኩላ ውሕስነት የብለይን፡፡ ገዛ ጻንታ ካብ ትኸውን ኣብ ክፍልታት ኮይነ ግቡኣይ ከበርክት ፍቐደለይ” በሎ፡፡

እቲ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ምሕጽንታን ልመናን ዮናስ ወዲ ግርሊስ ዋላኳ ቅጭጭ ኣይበሎን፡፡ ”ኣርባዕተ ኣሕዋትካ ዝተሰውእሉ ሃገር ንመን ገዲፍካያ ክትከይድ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ሕነኻ ክትፈዲ ዝግባኣካ ንስኻ ኢኻ፡፡ ኣግሂድካ ፈሪሐ ንድሕሪት ምለሱኒ ትብል እንተኼንካ ክንመልስካ፡፡ በቶም ብጅግንነት ዝተሰውኡ ኣሕዋትካ ክትሕባእን ከተመኽንን ግን ኣይቅበለካን እየ፡፡ ንሶም እጃሞም ኢዮም ጌሮም፡፡ ንስኻ ድማ እጃምካ ትገብር፡፡” በሎ፡፡ እቲ ዘሕዝን እቲ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣሽንኳይ ደቁን የሕዋቱን ወዲ ሓዉ ንዝብጽሖ እውን ብጉልባብ ሕርሻ ክፍለ ሰራዊት ካብቲ ዘንድድ ሓዊ ድፋዕ ኣርሒቑ ንድሕሪት ዝመለሰ ኢዩ፡፡ ወዲ ግሪሊስ ካብ ዝፈረሆ ኣይወጸን ኣብቲ መሪርን ኣስካሕካሕን ኲናት ግንቦት 2000 ዓ/ም ኣብ እንዳሃዋርያት ከባቢ ጸሮና ተሃሪሙ ተወግአ፡፡

ካብ ምስዋእ ግን ንስክላ ደሓነ፡፡ ኣብ 2005 ዓ/ም ድማ ከም ኩሉ ዓዱ ገዲፉ ብጅምላ ዝስደድ ዘሎኤርትራዊ መንእሰይ ብመገዲ ስግረ ዶብ ንሱዳን ኣተወ፡፡ ኣብ ሱዳን ክልተ ዓመት ሰሪሑ ገለ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንማእከላይ ባሕሪ ቆሪጹ ናብ ኤውሮጳ ክኣቱ ተበገሰ፡፡ ንምድረ በዳ ሰሃራ ተሳጊሩ ልብያ ትራብሎስ ኣተወ፡፡ዕድሉ ግን ኣይጸበቐን፡፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን መናእሰያት ጥሒሉ ህይወቱ ሓለፈ፡፡ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ፡፡ ገዛ ሐድጊ ዘይብላ ጻንታ ኮይና፡፡

እቲ ዘሕዝን ኣብ 2007 ዓ/ም እተን ወላድ መኻን ዝኾና ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ደሃይ እቲ ከም ዕንቂ ባሕሪ ዝተሸርበን፡ ግን ድማ ዘይቀበጸኦ እንኮ ውሉደን ብተስፋ እናተጸበያ፡ ካብ መንበሪ ገዛኣን ብዝተኣዘዙ ወተሃደራት ተወስዳ፡፡ ወድኽን ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ትኸፍላ ተባህላ፡፡ ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ናይ መጠረሽታ በጺሕወን ነቲ ፎርም ስግረ ዶብ ቀሪቡ ከፈርመን ዝዛረበን ዝነበረ ምምሕዳር ”ስማዕ እዚ ወደይ ኣነ ኣደ ኣርባዕተ ስውኣት እየ፡፡ መንግስቲ ናይቶም ስውኣት ደቀይ ዓዓሰርተ ሽሕ ደበስ ኢሉ ዝሃበኒ፡፡ ሕጂ ድማ ሓደ ዝተረፈ ወድኺ ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ተዓደይ ትብለኒ ኣለኻ፡፡ ንሃገር ዝተሰወኣ ዓሰርተ ሽሕ ስግረዶብ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ቅኑዕ ፍርዲ ኣይኮነን፡፡ ብመስዋእቲ ደቅና ከምዘይ ተሓበና ኣጕሂኹምና፡፡ ኣነ ሎሚ ኣይከፍል ጽባሕ ኣይከፍል፡፡ እንተደለኹም ናይቶም ኣርባዕተ ዝተሰውኡ ደቀይ እተን ወርሓዊ ዝወስደን ሓሓሙሽተ ሚእቲ ናቕፋ ውሰድወን፡፡ ሃየንታ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ከምዚ ከማይ ወላድ ጻንታ ዝኾነ ኤርትራዊ ማህጸን ግን ክረግመኩም ኢዩ፡፡ ግፍዒ ህዝቢ ኣይክሰደኩምን ኢዩ፡፡” ክብላ ኣምሪረን ተዛረበኦ፡፡

እቲ ከፈርመን ተቐሪቡ ዝነበረ ምምሕዳር ሓጥያቱ ብግህዶ ስለ ዝነገረኦ ነቲ ግበር ኣይትግበር ካብ ላዕሊ ዝተኣዘዞ ትእዛዝ ዘይምትግባሩ እናፈረሀ፡ ”ድሓን ማማ ብጌጋ ኢኽን ተጸዊዕክን፡፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክንዘራረበሉ ኢና፡፡” ክብል ኣፋነወን፡፡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ግን ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ናይቲ ጥዑም ብስራት ክሰምዐ ብተስፋ ዝጽበየኦ ዝነበራ ውሉደን መሪር ሞት መርድእ ተረድኣ፡፡ ከም ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ብዙሓት ስድራቤት ስውኣት ብስርዓት ህግደፍ እቕረ ዘይበሃሎ በደላት በጺሕዎም ኢዩ፡፡ ኣደ ክልተ ስውኣት ክልተ ደቀን ስግረ ዶብ ዝኸዱ ሚእቲ ሽሕ ተዓደያ ተባሂለን ዘቕበጻ ሓንቲ ኣደ ኣብ ቦርቦሬላ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲረን ዝነበራ ውን ኣለዋ፡፡

ሓደ ወደን ስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ኣብ መሳርዕ ምስ ሰራዊት ሽዱሽተ ወርሒ ዝተኣስራ ኣደይ ለተብርሃን ዝበሃላ ተቐማጢት ከተማ ዓሰብ እውን ነይረን ኢየን፡፡ እዚ’ዩ እቲ ንህልዋት እናቐተለ ስድራቤት ጀጋኑ እናከላበተ ስውኣት የኽብር እየ ዝብል ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ክልተ ካብ ሚእቲ ክራይ ናይ ኤርትራዊ ዜግነትና እናኽፈለ ሕድሪ ሰማእታትና ፍጹም ዝኸሓደን ዝጠለመን ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ምስ ህልዋት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሬሳ ወገናትና ውን ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ፍንፉን ስርዓት፡፡ ብኸመይ ኢዩ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ስውኣትና ዘኽብር……..?

እዚ ጽሑፍ እዚ ቀዲመ ካብ ዘቕረክዎም ጽሑፋት እምበር ሓድሽ ኣይኮነን!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ነቲ ዓስቢ መስዋእቱን ምግዳሉን ዝተጠልመ ህዝቢ ኤርትራ

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]