ኣገዳሲ መግለጺ – ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ዕለት፡ 22/11/15

ኣገዳሲ መግለጺ
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንቡር መዓልታዊ ሂወቱ ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጸወታን ዕድመን ከይፈለየ ንዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ስደት ኮይኑ ምርጭኡ። ስለዚ ሃገርና መንእሰይ ዘይብላ ባዶ ትኸውን ስለ ዘላ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ። ብሓፈሽኡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢዮም። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምግታኡን ፍታሕ ንምርካብን ብደረጃ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን መራሕትን ወከልትን ኣፍሪካ ኣብ ቫለታ -ማልታ ብ11-12/11/15 ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኤርትራ ብሰንኪ መራሕታ ባዶ ትተርፍ ኣላ ዝበልዎ ድማ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይነበረን።

ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ካብ ቅድም እናተወሃለለ ዝመጸ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ጽባሕ ዘይብሃለሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ኩለን ውድባት ይኹና ብውልቂ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ብሓደ ምእኩል መሪሕነት ግንባር ፈጢረን ህዝብን ሃገርን ከድሕና ይጥለባ።

ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን በብመድረኹ ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተጠርነፉን ኣብ ዝኾነ ውድብ ኣባልነት ዘይብሎምን ብሓባር ክቃለሱ ጸኒሖም ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓበራዊ ስርሓት ብምግምጋምን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብኦም ዝጥለብ ዕውትን ኣድማዕን መታን ክኸውንን ብዝያዳ ግልጹነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብዓዲ ጣልያን ደረጃ ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ብወግዒ ቆይሙ።

ካብ ሮማ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝመጹ ብዕለት 21/11/15 ኣብ ሚላኖ ካብ ሰዓት 10፡35 ክሳብ ሰዓት 18፡00 ጉባኤ ብምግባር ዝምርሕሉ ውሽጣዊ ሰነድ ድሕሪ ምጽዳቕን፡ ንሓደ ዓመት ተገልግል 9 ዝኣባላታ መሪሕነት ብደሞክራሲያዊ መገዲ መሪጾም።

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኮይኑ ተደናገጽትን ደገፍትን ኢጣልያውያን እውን ኣለውዎ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ!
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ” – መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣዀባን ምርጫን

በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ”
መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣዀባን ምርጫን

bay-area-edc

ብኽብረትኩም ብግዜ ምጹ            PLEASE BE ON EIME

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ ሞት ኣስታት 400 ኤርትራውያን ብስሩዕ መሪሕነቱ መሪጹ ስርሑ ዝጀመረ ንሓድነትን ሃገራዊ ረብሓን ኩላቶም ኤርትራውያን ንምውሓስ እጅግኡ ሰብሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል ‘ዩ።

ራእን ተልእኾን ምንቅስቃስ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞካስያዊ ለውጢ ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስነ- ሓሳብን ኣገባብ ቃልስን ፍልልይ ዘለዎም ፖለቲካውያን ፓርትታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላትን ፡ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ዝበዝሕ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ስጡም ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነዚ ኣብ ከርሲ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ዓማጽን ጨቋንን ስርዓት ሳቮያ ብምባል ንክጸርግዎ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለልካ ምስራሕ እዩ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምሰረት ክሳብ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ ኣሎ። ምድላው ንጉዳይ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ምእንጋድ እቲ ብኹቡር ኣቦና ነፍስሄር ዶር. ተወልደ ቫካሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ዑደት፡ ምድላው ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝጽዉዕ ባህላዊ ምዝንግዓት ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ 24 ግንቦት ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቶጎርባ : ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎ ፡ ምክያድ ናይ ዝኽሪ እግሪ ጉዕዞን ናይ ሽምዓ ሰልፍን ኣብ ግዜ መዓልቲ ሰማእታትን ሓዘነን፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስነ ሓሳብን ኣባላቱ ክብ የብሉ እዮም ዝበሎም ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት እዚ ማህበር ፡ ህግደፍን ሰዓብቶምን ንነዊህሕ ዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ከተማ ሪችመንድ : ሎሚ ዓመት እዚ ከተማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝኽልክሎም ገሩ ።

ሎሚ ዓመት ውን ምንቅስቃስና ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃሳት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻይደ ብናይ ንውዮርክ ደሞ ዝፍለጥ ብብዙሕነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ሰሩሑን ፡ ኣስታት 40 ካብ ኣባላቱን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብምስዳድ ውን ብቐጥታ ተሳቲፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ውን ንሳልሳይ ግዜ ህዝባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ሓድሽ መሪሕነት ብምምራጽ፡፡ ነዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳሽ ዓመት 2016፡ “ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነቲ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ዝዝይምን ዘሎ ህቡብ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ምሸት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ናይ ምንቕቓሕን ምዝንጋዕን ምሸት ብኹሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤትራውያን ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳንድያጎ፡ ላስቨጋስ፡ ስያትልን ዝመጹ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ንሓድነትን ስጡም ቃልስን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2016 ኣብዚ ትርጉም ሓዘል ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ክሳተፍ ብልብን ኣክብሮትን ንዕድም። ብተሳትፎ ኩልና ዝረጋገጽ ሓርነት ቃጻልነቱ ዝተረገገጸ እዩ እሞ፡ ሓርነትና ንምውሓስ ሎሚ ሓድነትና ነረጋግጽ።

“ሓድነትና ዋሕስ ሓረንትና ‘ዩ”
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ!!

ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ኣብራሃ!!

ብመጀመርያ! ነቶም ነዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ቪድዮ፡ ናይ ጀነራል ቢትወደድ ዝቐድሑን፡ ዝዓቀቡን፡ ንብዙሕ ዓመታት ከይፈርሑ፡ ዓቂቦማ ብምጽናሕን፡ ኣብ ስደት ኣምጺኦም፡ ግዜ ሓልዮም ብምዝርግሖም፡ ዝዓበየ ክብርን ምስጋናን፡ ይብጽሓዮም። እዚ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት፡ ከም ምኻኑ ኩሉ ዜጋ ክፈልጦን፡ ክግንዘቦን ይግባእ።ሓደ መጎታይ ብጭብጥን ብመርትዕን ተሰንዩ ክምጉት እንከሎ ተወዳዳድሪ ከም ዘይርከቦ ግሉጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብህግሓኤ፡ ኮነ ብህግደፍ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ትምህርትን መግለጽን መትሓዝን፡ መጨበጥን፡ መእሰርን፡ ዘይብሉ፡ “ብበሎ በሎ”!! ንልዕሊ 40 ዓመታት፡ ክደናገርን፡ ክድንቁርን፡ ክዕንዝዝን ይነብር ኣሎ። ሓቂ ዘይብሉ ወረታት 03 ከም መምርሒ ተጠቒሙ መርትዒ ዘይርከቦ ኣብ ሃለውሎም ከንብሮ ይርከብ። ከተማ ዓሰብ ነጻ ምስ ወጸት ተጋዳላይ ቢትወደድ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ “ብዓበይትን፡ ቀረብ ሰበ ስልጣን “ህግሓኤ” መናፍሕ 03 ተዘርግሔ።እቲ ወረ፡ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ “ዓበይቲ ተጋደልቲ፡ ኣብ ስርቅን፡ ቅጥፈትን፡ ተረኺቦም ዘሕዝን ነገር እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ብዙሕ ቀጠፍጠፍ፡ ይርኤ ኣሎ” እናበሉ የውርዩ ነበሩ።ስዒቡ፡ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ተኣስረ። ሓለቓኡ መን ነበረ? ተጋዳላይ ዉጩ። ዉጩ እንታይ ይገብር ነበረ?። ዉጩ ብወገኑ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ደቂ ዓዲ መንጎቲ ሰራሕተኛታት ቆጺሩ፡ ንተጋዳልይ ቢትወደድ “እዚ ወገናዊ ደቂ ዓዱ ቆጺሩ ኢሉ ብመርበብ 03 ወረ ነዝሔ” እዚ ታሪኽ ንገደፎ።

ጀነራል እንታይ ኣመተ? ወይስ እንታይ በለ ኣብ ዓደቡኡ፡ ዓድ መንጎቲ፡ ተኸላ፡ ሰራየ። እምበኣር ዝበሎ ከምዚ እዩ።ከምቲ ዝዓበየሉን፡ ዝፈልጦን፡ ዝተጋደለሉን፡ዝመከተሉ ዓላማን፡ ንዘሎን፡ ንመጻኢ፡ኣመተን፡ ንዓዱ፡ ንዓድ መንጎቲ ከምቲ ዝርድእዎ! ገይሩ ኣቕረበ። ወዲ ሕጊ፡ “ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ”፡ ብስነ ስርዓትን፡ ኣገባብን ከምዝዓበየ፡ ዘይረስዖ ምዃኑን፡ ወይ ሰውራ ወይ ቃልሲ ገድሊ፡ ዘይቀዮሮ፡ ምዃኑን፡ኣብ ጽፈትን፡ እሩምን፡ ስነ ምግባርን፡ ባህልን፡ ያትታታትን፡ ዝዓበየ ምዃኑ ገለጸ።

“ሰብ ኣብ ዓዱ፡እኽልንከ! ኣብ ዓውዱ” ከምዝባሃል፡ ወይስ፡ “ዓድኻ! ፍርሕን!!!ትኽልክለልካ! ሞት! ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል፡ ባህሉን ልምዱን፡ እምነቱን ኣብ ልዕሊ ዓዱ ከምዘለዎ፡አዩ ዝገለጸ።“ንለባም ኣምተሉ ክንደይ፡ ከይስሕቶ! ንዓሻንከ! ደርጉሓሉ፡ ክንደይ ከይፈልጦ” ከም ዝባሃል፡ ኣመት!!ጀነራል ቢትወደድ ንተዓዘብ።ጀነራል! ኣብ ዓዲ መንጎቲ፡ ዘርኣዮ!! ምቕሉልነት፡ትሕትና፡ ስነ ስርዓት፡ከበረታ ንዓደቦ፡ መንነቱ፡ ተወፋይነቱ፡ ናይ ሕጊ ተማእዛዚ ምዃኑ፡ ሃገራውነቱ፡ ምእንቲ መሰሉ ዝጣበቕን፡ ዝምጉትን ምዃኑ፡ ዘይቅየም ምዃኑን፡ ሃገሩ ብሕጊ ክትግዛእ ምዃና፡ እምነት ከምዝነበሮ ገለጸ።

ጀነራል፡ ኣብ ዘረባኡ “ኣነ ንብረት ዓደይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ ዝበልኩ ተኣሲረ፡ ኣብ ቅድመይ ካልእ ክብል እንተሎ ይምጻእ፡ ክሳደይ ንሴፍ፡ ካሕሳ ንኽበልዕ ተሓቲተ! በላዕ ካሕሳ ከምዘይኮንኩ ንዓደቦይ የፍልጥ፡ ወዲ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ እየ፡ በላዕ ካሕሳ ኣይኮንኩን፡ በላዕ ካሕሳ ሸያጥ ዓዱ እዩ፡ ቃልስና ሕጂ!!! ንሓርነት ንቃለስ፡ ዋጋኡ ማእሰርትን፡ መስዋእትን እዩ። ኣይንፍራሕ ንሰብ፡ ንፍራሕ ንፈጣሪ። ትምክሕትን፡ ትዕቢትን ኣየዔውትን እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ዝማረኽናዮ ንብረት፡ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ስለ ዝኾነ ንብረትና እዩ፡ ንብረት ሃገረይ ኣይህብን” እዚ ካብ በለ እስከ ደጊምናንር ኣዮ?።

እምነት፡ ጀነራል፡ ንዓደቡኡ ንጹህ ተጋዳልይ ምዃኑ ገለጸ። ሓጥያቱ ሃገራውነት “ቆልመጽመጽ” ዝብል ከምዘይኮነ ኣረድኤ። ኣብዚ እዋን ክንርኢ ከለና ግና ነዊሕ ዝጠመተ “ኑዛዜን ለበዋን” ምንባሩ ንዕዘብ።ህዝቢ ምእንቲ መሰሉ ክብርትዕን ክጉስጉስን ተዛሪቡ። ሓቅነቱን፡ ዓላሙን ንህዝቢ ክሳብ ክንደይ ስርዓት ኢሳያስ ጠላም ምዃኑ ይገልጽ ነበረ። ማፍያ ኢሳያስ! ኣቐዲሙ ብሓለዋ ሰውራ ገይሩ ንህዝቢ ቅድሚ ነጻነት ብፍርሕን፡ ብራዕድን ገሩ ከም ዝረመሶ ተረዲኡ። ናይ ሕጂ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረድኤ። ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ሃገራውነት ዓቢ ሓጥያት ምንባሩን፡ ነዚ ዓብላልነት ኢሳያስ፡ ክንፈልጦን ንኽልውጦ ድማ፡ መስዋእትነት ዝሓተና ቃልሲ እዩ። ፍርሒ ቦታ የብሉን ።እዚ ፈሊጥና ክንኣትዎ ከምዘለና ኢሉ ዘረድእ ዝነበረ።

ዓዲ መንጎቲ፡ ኣብ ኤርትራ ካብተን ዓበይቲ ዓዲ ሓንቲ እያ። ወለዶ ዓዲ መንጎቲ ነዊሕን ሰፊሕን እዩ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ሓበሻ። ዓዲ መንጎቲ፡ ጓል ሃጸይ ፋሲል ዝምርዓዉ፡ ጎንደር ከይዶም ዝዋሰቡ ዓዲ እዮም።ልዕልቲ ሰብለ ወንጊል ልዕሊ 40 ርስትን ጉልትን ዝነበራ፡ ልዕልቲ ዓዲ መንጎቲ እያ።ኣብ ዓዲ መንጎቲ ዘይዋሰብ ኣውራጃ፡ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ የልቦን።ዓዲ መንጎቲ ኣብ ሰራየ ካብተ ሸውዓተ ዓዲ ሕጊ እያ። ዓዲ መንጎቲ ብዝሒ ሰብን፡ ሃብትን፡ ንብረትን ዘለዋ ዓዲ ዝነበረት ዓባይ ዓዲ ናይ ኤርትራ እያ።ዓዲ መንጎቲ እንተ ተዛሪቦም “ኣድከመ ምልጋእ” ይሰምዑ። ዓዲ መንጎቲ ንጀነራል ተድላ ዝወለደት ዓዲ እያ።ዓዲ መንጎቲ ካብተን ዘሔብና ዓድታትን፡ ኩርዓት ናይ ሰራየን ክትከውን እንከላ ኣብ ሃገራውነት ዝእምቱን፡ ዝምጉቱን፡ ዝስዉኡን፡ ዝመርሑን እትወልድ፡ ተጠማቲት ዓባይ ዓዲ እያ።

ጀነራል ቢትወደድ ወዲ ዓዲ መንጎቲ፡ ካሕሳ ዘይበልዕ፡ ሓቂን ፍትሕን ተዛሪቡ ኣብ ማእሰርቲ ክበሊ ርኢና። በላዕቲ ካሕሳኸ! እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ካሕሳ በሊዖም፡ ኣይደቀሱን፡ ስጋ ሰብ በሊዖ ይሓድሩ ኣለዉ። ንሕጊ ክብሪ ስለ ዘይሃቡ፡ ሕጊ ኣብ ድላዮም ስዓት እናቐያየሩ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ሕጊ ከመሓድሩ ጥራሕ ከይ ኣኽሎም! ደቁ ምስ ረሻይዳን፡ ምስ በደውን ተሓባቢሮ ከም ጤለ በጊዕ ክሸጥዎን፡ ከሕርድውን፡ ከቕትልዎን፡ ከስደድዎን ይውዕሉን፡ ይሓድሩን ኣሎው።ኣብ ዓለም ዘይተራእየን ግፍዒን ዝፍጸም ዘሎ ዘስደምም ጭኮናን ጥምየትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እናተፈጸመ! በላዕቲ ካሕሳ ከጋይጹ ከሽካዕልሉን ይርኣዩ ኣለዉ።

ጀነራል ቢትወደድ!! እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ንኸይመጽእ እዩ ብሕጊ ንስራሕ ዝበለ። ኣብ ልዕለይ ንዝተፈጸመ በደል ከም በደል ኣይሓስቦን እየሞ!!! ንመጻኢ ንሕሰብ ኣብ ሕሉፍ ኣይንንበር ዝበለ።ንደቅና፡ ንደቂ ደቅና፡ ሕጊ ንግበረሎም መሰረት ነንጽፈሎም። ዝበሎን እዚ ሕጂ ንመናእሰይ ወሪድዎም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ፡ ወዶም ኮነ ጓሎም ኣብ ሓሳረ መከራን፡ ኣደዳ ማእሰርትን፡ መቕዘፍትን፡ ኣብ ፈቐዳኡ ክርሸኑን፡ ክሞቱን፡ ብሑጻ ክድፈኑን፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ክጥሕሉን፡ ኮላሊቶም፡ ክዝቖቕን ክጥባሕን፡ ንበይኖም ዓለም ብገፊሑ ጸቢባቶም ክነብሩ ትምኒቱ ኣይነበረን።

ብኣንጻሩኸ! በላዕቲ ካሕሳኸ!!! እንታይ ገበሩ! ንብጻዮም፡ ኣሕሊፎም ሂቦም!! ኣብ ናይ ሕልና ማእሰርቲ ይነብሩ ኣለዉ። እንተፈኾሶም፡ ኢሎም ድማ ገበን ኣብርእሲ ገበን ይፍጽሙ ኣለዉ። ኣስዒቦም ስስዕትን፡ ጥልመትን ጭካነን፡ ናይ መስተ ግዙኣት ኮይኖምን፡ ሕልናኦም ኣዕሪቦምን ይነብሩ ኣለዉ። እዞም ዕሩባት ሕልና ዘይዓጀቦም መኳንንቲ ሃገር ክባሃሉ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ህዝቦም እናጸነተ ግዲ ዘይብሎም ኣብ ምንታይ ታሪኽ ኮን ይምዝገቡ ይኾኑ።ንህዝቢ ኤርትራ ከናእሱን፡ ከበሳብሱን፡ ከሽካዕልሉን ይነብሩ ኣለዉ።

ጀነራል ቢትወደድ፡ ኣብ ቃልሲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኮነ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ብሕጊ መንግስቲ ዝግዛእ ዜጋ ምኻኑ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ዝምነ፡ ንመጻኢ ትውልዲ ንጹርን ጥጡሕን ሂወት ንኸዳልወሎም ዝተዳለወ፡ ኣብ ሕሉፍ ዘይነብር፡ ንዝበደልዎ፡ ምሕረት ዝህብ። ንህዝበይ፡እምበር ንዓይ ዘይብል፡ ብጭውነት ሕጊ ዓደቡኡ፡ ዘኽብርን፡ ታሪኽ ዓዱን ክብሪ ዓዱን ዝሕሉን፡ መሰሉ ኣግባብ ሓልዩ ዘይስእኖ ምዃኑ ዝፈልጥ፡ ዓመጽ ዘይፈቱ እዩ።

ኣብ ዓዱ መጺኡ ንደቂ ዓዱን ኣሕዋቱን፡ቤተሰቡን ኣብ ዝረኸባ ሓጻር ነጻነት ተጠቒሙ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መዝገብ ገዲፉልና ከይዱ። ኢሳያስ ንዘዳለወሉ ሸላ ድማ ድምብርጽ ከይበሎ ብትብዓት ኣተዎ። ዝተረፈ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገደፎ። ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣሰር ብጾቱ ከይረሰዔ እምነቱ ከይጠለም፡ መጺጽን፡ መሪርን ክስቲ መረጸ። ነዚ እሙንን፡ ዉፉይ ሃገራዊ ጀነራል ቢትወደድ፡ ሃገሩ ፍትሕን ስርዓትን ኣብ ዝተረኽበሉ ጭውነቱን ፡ክብርን ተወፋይነቱን፡ ትምኒቱን፡ ሓቅነቱን ክንፈልጠሉ ይግባእ።

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 1 ሕዳር 2015

ሎሚ ሓሙስ ንልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ንዩዎርክ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡

ሎሚ ሓሙስ ንልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ንዩዎርክ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ነቲ ንዓመጽ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፡ ነቲ  ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕርቦ ዘሎ ጸብጻብ ብምድጋፍን ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ዊዒሎም ኣለዉ።

demo-newwork-20151029-4 demo-newwork-20151029-5 demo-newwork-20151029-3 demo-newwork-20151029-2 demo-newwork-20151029-1

ሻቕላታት ኢሳይያስ ከደ ሞተ ሓመመ….?

ሻቕላታት ኢሳይያስ ከደ ሞተ ሓመመ….?

እቲ ዕቡድ ካሊጉላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ፡ ዓራት ሒዙ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ውጹዓት ዝሕከምሉ ክፍሊ ኣብ ኣፍ ሞት ተገምጊሙ ይሕለው ኣሎ፡ ካብ ዝበሃልን ካብ ዝስማዕን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቲ ወረታት ኣብ ገሊኡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ምቅንባር ናይ ስእሊ ውን ስለ ዘሰንዮ፡ ንኽትኣምኖ ንድን ድንዕ ትብል፡፡ ብዓቢኡ ውን ዳርጋ ኩሉ ደላይ ፍትሕን መራሕትን ኣባላትን ውድባትን ኢሳይያስ ሓሚሙ ኢድ ከይሓወሱ ጋሕ ክብለሎም ስለ ዝምህለሉን ዝጽልዩን ነቲ ናብ ሓቂ ዝተጸጋገዐ ዝተሰነዐ ወረታት፡ ሓቂ ክኾነሎም ኢዮም ዝምነዩን ዝደልዩን፡፡ ኣብዛ ኢሳይያስ ሓሚሙ ይሙት፡ ወይ ሞይቱ ትብል ድሌት ብዙሓት ከም ሚኪኤል ውልቃዊ እምነተይ ኢዩ ኣይቅበላን ኢየ፡፡ ኢሳይያስ ሓደው ብህይወቱ ክተሓዝ ኣብ ፍርዲ ህዝቢ ክቐርብ፡ ኣይኮነን ክቕንጸል ክቕተል ኢዩ ዘለዎ፡፡ ኢሳይያስ ኣብዛ መዋእልና እንተላይ ተጋዲልናን ተሰዊእናን ፍትሒ ዝሰኣናላ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ መምሃሪ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

የግዳስ ንሓይሊ ኣምላኽ ዝዓግቶ ስለ ዘየለ ቅድሚ ንሕና ምግባርና እግዚኣቢሄር ምስ መርከብ ምሉእ ሓጥያቱ እንተ ኣኪብዎ ንሕምቀትና ተቐቢልና ስቕ ጥዑም ንጎስማ፡፡ ግደ ሓቂ ግን ምስ እግዚኣቢሄር ድኣ ቆጸራ የለን እምበር ከይ ቀደመና ክንቅድሞ ኢዩ ዘለና፡፡ ኢሳይያስ ሓሚሙ እንተድኣ ሞይቱ፡ እግዚኣቢሄር ሓጥያተኛ ፍጡሩ እንተ ኣኪብዎ እንተ ቐዲሙና ግን፡ ኣብ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ከቢድ ክሳራ ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እቶም ንቃለስ ኣለና ንብል ክንገብር እንተዘይ ኪኢልና ህዝቢ ካብ ዝጸንት ሕሰምናን ወጽዓናን ካብ ዝብእስን ካብ ዝነውሕን ሕራይ እግዚኣቢሄር ሓጥያተኛ ፍጥሩ ይኣክብ፡፡ ግን ግን ድሕሪ መላእ ሓርነት ከም ስታሊን መቓብሩ ፍሒርና ወይ ናብ ባሕሩ ወይ ናብ ሓዊ ክንውርውሮ እንተዘይ ኪኢልና ወዲ ኣፎም ጅግና ተባሂሉ ከምቶም ዝቐደሙ ብኽብሪ ክቕበር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡ ኣብ ገድልን ድሕሪ ገድልን ቀተልቲ ዝነበሩ ጀጋኑ ብዝብል ቅጽል ስም ይጽውዑ ምህላዎም ንፍለጥ፡፡

ብዝኾነ እቲ ንልዕሊ ሓደ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኢሳይያስ ከደ ብጽኑዕ ሓመመ ሞተ ዝብል ሻቕላታት ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ብዝዞረቐ ሓበሬታ ኢሳይያስ ሞይቱ ናብ ዝብል ተቐይሩ ይርከብ ኣሎ፡፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ዘይኮነ ውን እቲ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ረኺብናዮ ዝብሉ ውን ኣይተሳእኑን፡፡ በቲ ይኹን በቲ ሓረድዋ ሞተት ነጸይዋ ሞተት ኢዩ ኢቲ ወረ፡፡ ከም ትቦ ናይ ማይ ብታሕቲ ታሕቲ ኢሳይያስ ጋሕ ኢሉ ሞይቱ ኢያ ትባሃል ዘላ እታ ወረ፡፡ ግን እዛ ከም ትቦ ናይ ማይ ብታሕቲ ታሕቲ ትዘሩቕ ዘላ ወረ ሓቕነታ ክሳብ ክንደይ ኢዩ….? ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ወረ ድሕሪ ምዝርግሑ ብመገዲ ዓሊ ዓብዱ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ነበር፡ ኢሳይያስ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣሎ ድሕሪ ዝብል መልሲ፡ ኢሳይያስ ውን ኣለኹ ንምባል ኣብ ቲቪ ኤረ ናይ ዕቡዳት ክዛረብ ሰሚዕናዮ ርኢናዮ፡፡ እዚ ተመክሮዚ ግርም ገይሩ ክምህረና ምተገበኦ፡፡ ስለምንታ’ዩ ሎሚ ዳግማይ 03 ወረታት ዝውሕዝ ዘሎ…?

ሓደ መጀመርያ ክንግንዘቦ ዘለና ማዕረ ማዕረ ኢቲ ኣብ ከተማ ኒዮርክ ኣመሪካ ክግበር ኣብ ድሮ ዳስ ቀብሪ ህግደፍ እቲ ወረ ገርጊሩ ክወጽእ ምድላዩ ከም ሰባት ስሚዒታውያን ኮይና ዝነፈሰ ንፋስ ለኻኺሙና ከይከይድ ዓቢ ጥንቃቐ ምግባር የድልየና፡፡ እቲ ቀዳማይ ታርጌት ናይቶም በተንቲ ናይዚ ወረ ኣቓልቦ ደለይቲ ፍትሒ ብስምዒት ከም ዝሽርሸር ምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድልየና፡፡ ንዶሚኒስትረሽን ኒውዮርክ ኣመሪካ ኣንፈቱ ንምስሓት ሓለይቲ ዝመስሉ ግን ድማ ሓንፈሽቲ ብኻልእ መንገዲ ውን ዝከኣሎም ፈቲኖም ኣብ ድሮ እዚ ዓቢ ውራይ ሓፋሽ ነቒሑሎም ኢዩ፡፡

እዚ ክብል እንኸለኹ ግን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ዘይንብር ኩነታት ተርእዮታት ተራእዩ ከም ዘሎን፡ ተደጋገምቲ ጽዕቕ ዝበለ ኣኼባታት ክግበር ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝከታተልዎ ዘለዉ ይዕዘቡ ከም ዘለዉን ጭቡጥ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ ሓበሬታ እቶም ብደቒቕ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ ሃገራውያን ተቓለስቲ ክሳብ እዛ መጠረሽታ ደቒቕ ኢሳይያስ ሞይቱ ንዝብል ሓበሬታ ከረጋግጽዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ፡፡ ካብ ሞት ዝተፈለየ ካልእ ሓበሬታ ኢዩ እቲ ከረጋግጽዎ ዝኸኣሉ፡፡ ኣብ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ምስጡርን ዕቡስን ናይ ውልቀሰባት ሰልፊ ወይ ጉጅለ ብኣግኡ ሓበሬታ ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎ ውን ከቢድ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ብዘይተጨበጠ ሓበሬታ ኣንፈት ሰለማዊ ሰልፊ ከተማ ኒውዮርክ ኣመሪካ ከይስሕት ከቢድ ጥንቓቐ ከድልየና ኢዩ፡፡ እንተ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ዘይንቡር ተርእዮ ድማ ድሕሪዚ ዓቢ ውራይ ብሰፊሑ ብዝርዝር ምስ ዝተማለአ ሓበሬትኡ ናብ ኣንበብቲ ከቕርቦ ክፍትን ኢየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)