ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..? – ሳልሳይ ክፋል

ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..? – ሳልሳይ ክፋል

ሳልሳይ ክፋል

                    ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..?

እዚ ጽሑፍʼዚ ከምቲ ቀዲመ ኣብ ክልተ ክፋላት ጽሑፋተይ ዝገለጽኩዎ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍን ብመንጽር ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ዘገምታዊ ኣካይዳ እናኣነጻጸረ ዝገልጽን ዝጸሐፍን ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ምስቲ ቀንዲ ሕመረት ሓሳብ ዕላማ ዝገበረ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ጽሑፈይ፡ ቀዳማይ ‹ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ› ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ህዝቢ ንስርዓት ህግደፍ ዓኽ ቱፍ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ምጾታቱ ግዜ፡ ደምበ ተቓውሞ ንስርዓት ህግደፍ መድሎ ኮይኑዎ ከም ዘም ዘሎ ዝእምት ኢዩ፡፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ እውን ብተመሳሳሊ፡ ደምበ ተቓውሞ ድሌትን ተበግሶን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ኣብ ክንዲ ማዕበላዊ ቃልሲ ከለዓዕል ዝፍትን ምስ ህግደፍ ኣብ ሓደ ሓዲድ ተሰሪዑ፡ ነቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ዕይኡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዘንጊዑ፡ ኣብ ጓል መንገዲ ይህውትት ምህላዉ ዘነጽር ኢዩ፡፡ ሎሚ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ድማ ተረካቢ ይዓድዮ ዝዓይነቱ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ካብ ህግደፍ እንታʼዩ ዝፈልዮም ንምንጽጻር ኢዩ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ቁስሊ ደምበ ተቓውሞ ክሓዊ እንተድኣ ኮይኑ ክጉዳእ ኣለዎ፡፡ ሓደው እቲ መሽሚሹ ጋንግርን ዝገበረ ኣካል ተቖሪጹ ክእለ ኣለዎ፡፡ ከም ሓለፍቲ ፖለቲካውያን ውድባት፡ እሞ ድማ ቃልሲ ክንመርሕ ዓቕምን ክእለትን ኣለና እናበልካ ንኽቃለስ ዝተቐረበ ህዝቢ ምሕንኳል ዓገብ!

ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ምልኪ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይተደለየ ኣህላቕን ኣዕናውን ኲናት ምስ ኣእተዎ፡ ንዓሰርተው ሹዱሽተ ዓመታት ክሕባኣሉ ዝፈተነ በዓቲ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል ንኣእዛን ኩልና ዘደንቖረ መዝሙር ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝነስነሶ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል ሓደገኛ መርዚ ሕጂ እውን ገና ኣብ ብዙሓት ኣሕዋት ኤርትራውያን ስክፍታን ምጥርጣርን ፈጢሩ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ናብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመን ምኻድ ስግረዶብ ዝብል ስያመ ክወሃቦ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ግን ክድዓት ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣሽሓት መናእሰያት ግልያነት ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮም ከምዚ ሎሚ እቲ መርዛም ሓሳብ ህግደፍ ከይተሳዕረ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርቦም ናብ ሱዳን ክኣትዉ ኣደዳ ምጭዋይን ምሻጥን ኮይኖም ኢዮም፡፡ እንተ ሎሚ ግን እዚ ተመናኒሁ ዝተመንወ መርዛም ሓሳብ ህግደፍ ተሳዒሩ ኢዩ፡፡ መናእሰያት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ህይወቶም ከድሕኑ ኤርትራውያን ስድራቤታት ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ የምርሑ ኣለዉ፡፡ ደቂ ሰብዓ ሰማንያ ዓመት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዐቚቦም ኣለዉ፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ነቶም ቃልሲ ክንምርሕ ብቕዓት ኣለና ዝብሉ፡ ገለ መራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን ብንቕሓቱ ቀዲምዎም እናተዓዝረ፡ ንሶም ከም ጸማም ሓደ ደርፉ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል መዝሙር ህግደፍ ከም ፓፓጋሎ ክደጋግሙ ክትሰምዕ ዘሕዝንʼዩ፡፡ ብርግጽ ʼ ከ ወያነ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ…..?

ሓደ ኣብ ጥልያን ዝነብሩ ኣቦ ኣብ ኢመይለይ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎምለይ ነይሮም፡፡  ̋ ሚኪኤል ወደይ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወያነ ዘይኮና፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ መንነቱ ዘይንፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኢና ክንጥንቀቕ ዘለና፡፡ ወያነ ሎሚ ዘይኮነ ገና ኣብ በረኻ እንከሎ እውን ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ዝኣምን ዝነበረ ውድብ ኢዩ፡፡ ካብዚ ኣብ ኣስመራ ኣድፊዑ ዘሎ ሽፍታ ስርዓት ግን ብዙሕ ስክፍታ ኣለና፡፡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ፍጹም ዘይወሓጠሎም፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ዝብሉ ኢዩ ዘዕኩኽ ዘሎ፡፡ ወተሃደራት ደምሒት ካብ ደቂ ኣፍዓበት ትግረ ወሊዶም ክትሰምዕ ብሓቂ ከቢድ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ገለ ክትብል ነቶም ወያነ እባ ኢትዮጵያ እናበሉ ቀንዲ ጉዳይና ዘረሱዑና ዘለዉ ዓገብ ክትብሎም እምሕጸነካ፡፡˝ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ከቶኩር ዝገበረኒ እውን እዚ ርእይቶ ናይዞም ለባም ኣቦ ኢዩ፡፡

ዘደንጹ ኢዩ፡፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ ዝበሃል ከምዚ ምስ ተረኽበ ኢዩ፡፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣይኮነ ካልእ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡ እዚ ስሱዕን መላኽን ቀታልን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሱር መሰረቶም ሓኺኹ ከጥፍእ ናይ ሓይለቡኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ንኹሉ ህዝቢ ብናይ ስለያ መሓውራቱ ጅሆ ሒዙ፡ መናእሰያት ኤርትራ ኣብ ናይ ግልያነት ማሕቡስ ሓይርዎም ኣሎ፡፡ ዓቕሉ ዝጸበቦ ድማ ዝረኸበ ይርከበኒ እናዳበለ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይበታተን ኣሎ፡፡ ንሃገር ኣዕንዩ ህዝቢ ተመጽዋቲ ናይቲ ስርዓት ከም ዝኸውን ገይሩ፡ ዝርካቡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ እዚ ዓማጺ ስርዓት ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ፡፡ ናጽነት ኤርትራ ብሓባራዊ መስዋእቲ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ክንሱ እዚ ቀታሊ ስርዓት ከም ወሃብን ከላእን ማይ ኮይኑ፡ ንሕና ዝበልናካ ትገብር፡፡ እንተዘየለ ኣብኣ ትደኻ ብምባል፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሑ ጀጋኑ ከይተረፈ ብናይ ክድዓት ወንጀል ጠቂኑ ቀቲሉን ዓፉኑን ብዘይ ፍርዲ ሓይሩን ኢዩ፡፡ ዝኸፈአ ድማ ንህዝቢ ሰላሙ ዘሪጉ፡ ከይቀስን ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይርኢ ጸላእቲ ኣለዉኻ፡ ቀናኣትን ሓሳዳትን ኣለዉኻ፡ መጹኻ ወረሩኻ እናበለ፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ናጽነቱ ከም ዘየስተማቕርን መዋእሉ ኣብ ውግእን ዕግርግርን ከም ዝጽመድ ገይሩ ኢዩ፡፡ እታ ቀንዲ መዋግኢት ጠበንጃ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ትብል መርዛም መዝሙር ኢያ፡፡ ኣብታ ንጥፍኣትና ኲናት ዝተወላዓላ ወርሒ ግንቦት 1998 ዓ/ም መንዩ ክርቢት ሸርጢጡ ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ፡ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብደሚቕ ቀለም ክታሙ ኣንቢሩሉ ኣሎ፡፡

እቲ ዘሕዝን ገለ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ደምበ ተቓውሞ፡ ወይ ውን ኣንጻር ህግደፍ ክንቃለስ ድግድጊት ተዓጢቕና ኣለና ዝብሉ ፡ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላጥ ድዩ ብዘይ ፍላጥ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ክደጋግሙን ኣብ ክንዲ ንዕርቂ ንጽልኢ ክቶዃትኹ ክትርኢ ዘደንጹ ኢዩ፡፡ ጉዳይና ብህግደፍ  ዝተመንዘዓ መሰል ኤርትራውያን ምምላስ ኢዩ፡፡ ጉዳይና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ምንጋስ ኢዩ፡፡ ቃልስና ብሕጊ እትመሓደር ሃገር ክትህልወና ምግባር ኢዩ፡፡ ቃልስና ንፍትሕን ዲሞክራስን እንተድኣ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ኣብ ዝብል ዒንኪላሎ ሓሳብ ደምበ ተቓውሞ ሸንኮለል ዝብል ዘሎ፡፡ ከም ውልቀ ርእይቶይ ኣብ ኢትዮጵያ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሽግር ይፈጥር እንተ ድኣ ሃልዩ ካልኣይ እምበር ቀዳማይ ጉዳይና ኣይኮነን፡፡ ቀዳማይ ጉዳይና በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ክንህልዉ ዲና ኣይክንህልውን ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣለና፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ጉጅለ ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ክቕጽል ንእሽቶ ዕድል እንተሂብናዮ፡ ከም ኤርትራውያን ህላውነትና ኣስጋእን ኣጠራጣርን ኢዩ፡፡ ኢሳያስን ጉጅልኡን መንነት ህዝቢ ኤርትራ መሰረቱ ክሓኩ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ንሕና ድማ ወያነ ክንብል መሬት ዓሪቡና፡፡

ከምቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ምሁራት ዝብልዎ፡ ሓደ ጉዳይ ከተሳልጥ ሪጋ ትገብር እሞ ቀልጢፉ ኣይሰልጠካን፡፡ ካልእ ክትገብሮ ዝግባኣካ እናሃለወ፡ እዚ ኩሉ ተጸብየስ ኣይፋለይን ብምባል ተሃላሊኽካ ክሰልጠካን ከይሰልጠካን ከይፈልጥካ ፍጭም ትብል፡፡ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገር ሰኣን ሓሳብካ ምቕያር ይተርፈካ፡፡ ናይ ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኣካይዳ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ፡፡ ሰኣን ነቲ ዝበለየን ግጉይን ሓሳብ ኣሪሞም ናብቲ ቁኑዕ ጎደና ቃልሲ ዝኣትዉ፡ ማዕረ ህግደፍ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ክብሉ ኣይ ክሰርሑ ኣይከስርሑ ግዜ ዓሪብዎም፡፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ናይ ሓሸውየ ዓዘቕቲ ሸኺሎሞ ይርከቡ ኣለዉ፡፡ ንቓልሲ ብማዕበል ተበጊሱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ዝበለየ ዘየሰጉም ግጉይ ሓሳብ ክስዕሮ ኣለዎ፡፡ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ብፍጹም ዘይኣምኑን ዘይቅበሉን ኣብ መሬት ኤርትራ ዓስኪሮመም ዘለዉ እኒ ደምሒት፡ ቅንጅት፡ ጉንበት ሰባት፡ ኣርበኞች….ወዘተ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ክትዝንግዕ የብልካን፡፡ ህግደፍ ምስዞም ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ክመሐዞ ዝፈቕዱ፡ ብተመሳሳሊ ከም ፓፓጋሎ ዝተመንወ ደርፊ ህግደፍ ኣሐዲሾም ወያነ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነ እግሩ እውን ኣእትዩ፡፡ ሕምቀቶም ክሽፍኑ ወይ እውን ኣርቲፊሻል ክንሶም ወርቂ መሲሎም ምእንቲ ክረኣዩ ንኹሉ ንቕበል፡፡ ህግደፍ ክእለ ኣለዎ፡፡ ግን ጉዳይና ባዕልና ክንሕዞ ኣለና፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንኣቱ የብልናን፡፡ ወያነ ናይ ቀደም ጸላኢና ኢዩ፡፡ እዋእ…. እንታይ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ……? ጉዳይና ንህግደፍ ምእላይን ፍትሕን ዲሞክራስን ምርግጋጽ ድዩ፡ ወይስ ተቓዋሚ ህግደፍ ተመሲልካ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ካራ ምቕባል ኢዩ፡፡

ኣንታ ኤርትራዊ መንእሰይ ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ከተድሕኖ ብዓቢ ተስፋ ይጽበየካን የድህየካን ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ብኸመይ መገዲ ነዚ ቀታልን በታታንን ስርዓት ህግደፍ ከም ትኣልዮ ንሓሳብ እዞም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ እውን ገማጢልካ መርምሮ፡፡ ብዝግባእ መርሚርካ ነቲ ማሕለኻ ኮይኑ ዘሎ ዘየሰጉም ሓሳብ ያዕ በሎ፡፡ ኣሽንኳይ ክልተ ልኡላውያን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ክልተ ጎደቦ ንጎደቦ ዓድታት እውን ብሕጊ ተኸባቢረን ተፋቒረን ተሓቋቒፈን ከም ዝነብራ ኣስተባህል፡፡

ኣብ መጠረሽታ ሓደ ነገር ብግልጺ ከቐምጦ ዝደሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ፡ ንስርዓት ህግደፍ ስለ ዝጸለኦ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ስለ ዝቐተለናን ዝኣሰረናን ዝበታተነናን ፍትሒ ከም ጽኡልና፡ ካብ  ምጽናት ከድሑኑና ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሖም ዓዲ ከእትዉና ከምዘይክእሉ  ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣለና፡፡ ከም ኣሕዋትን ጎረባብትን ክድንግጹልና ባህርያዊ ኢዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ንስርዓት ህግደፍ ንኣልዮ ንሕና ባዕልና ጥራይ ምዃና ምግንዛብ የድሊ፡፡  ወያነ! ወያነ! ወያነ! መጠረሽታና እንታይ ʼ ዩ  ክኸውን  እንድዒ፡፡

ይ…..ቕ….ጽ…..ል……

እዚ ጽሑፍ እዚ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

 

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.