ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደምበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደምበ ህግደፍ
ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

መንግስቲ ኢራን ጽልዋታቱ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሃገራት ዓረብ ብሓፈሻ ምስ ስዑዲ ዓረብ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ዝምድናታት ክበትኽ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ብዋጋ ናይዚ ድማ፡ መንግስቲ ኢራን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎጀስቲክ፡ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ነዳድን ሓገዝ ክገብር ዘይተኣደነ መብጽዓታት ይኣቱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ብምሃብ ስለያዊ መሓውር መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍር፡ ካብ ዝፍቕድ ነዊሕ እዋን ምግባሩ ዝፍለጥ ጉዳይ ኮይኑ፡ እዚ መሓወር’ዚ ሑቱይን ንዝተባህሉ ተቓወምቲ የመን፡ ኣብ ሶማል ንዝርከብ ብግብረ-ሽበራ ዝልለ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ንሓማስ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ክገብር ምጽንሑን ምህላዉን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ገለ ተንተኒ ፖሎቲካ፡-
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ወትሩ ካብ ዘላቒ ዝኾነ ስተራተጂካዊ ረብሓታት ግዝያዊ ጥቕምታቱ ስለ ዘቐድም፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝቐርብ ዘሎ መብጽዓታት ተቐቢሉ፡ ዝምድናታቱ ምስ ሃገራት ዓረብ ክበትኽ ዘይማታእ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ነቲ ኤርትራ ኣጋጢምዋ ዘሎ ከባብያውን ኣህጉራውን ከበባ ወይ ተነጽሎ ዘጋድድ ተርእዮ ምዃኑ’ውን የመልክቱ። ህላወ መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዙሕ ከባብያውን ኣህጉራውን ሕቶታት ዝልዕል፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ኣልሸባብ ዝህቦ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት፡ ጸጥታን ርግኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ፡ ዓቢ ተራ ዝጻወትን ሓደገኛን ምዃኑ ይትንትኑ።

ኣብ መንጎ ሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ራሻይዳን ግርጭታት እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶክሲ ይርአ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ብ10/02/2014 ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተፈጥረ ንልዕሊ ርብዒ ሰዓት ዝወሰደ ምልውዋጥ ቶክሲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ሂወት ሰብ ዘጋጠመ ክሳራ’ኳ እንተዘየሎ፡ ሓደ ካብ ራሻይዳ ብሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምትሓዙ ተረጋጊጹ። ዳግማይ ብ14/02/2014 ኣብ ገርገፍ ዝተባህለ ቦታ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶክሲ ክልተ ካብ ራሻይዳ ከም ዝሞቱ፡ እቶም ካልኦት ሃዲሞም ምውጽኦም ተሓቢሩ።

መንግስቲ ግብጺ ነቶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣዕሩኽ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ዕላማ ናይዚ ሓገዛት’ዚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብምጥንካር፡ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ብመንግስቲ ግብጺ፡ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝምወል ምዃኑ ይሕበር።

በዚ መሰረት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት፡ ኣብ ሰለስተ መደበራት ሓስበትን ማይ ኢሎን ዝተባህለ ፍሉይ ቦታታት ብክኢላታት ግብጺ ዝተሓገዘ ሓድሽ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከካይዱ፡ ምስቲ ኣጽዋር ንምልላይ ድማ ብርቱዕ ሰልጠና ንምውሳድ፡ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ተገሊጹ። ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ኮይኑ፡ ንሰለስተ መደበራት ታዕሊም ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ንምውህሃድ፡ ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሳልሕ ከም ዝበሃል ድማ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብምዝማድ ድማ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ሱዳን ብምሕላፍ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምዕናው፡ ምስ ተቓውምቲ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ። ነዚ ንምትእስሳር መንግስቲ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከብ ብሪክ ማሻር ዝምራሕ ተቓወምቲ ክሕግዝ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ምንጭታት ይሕብሩ። ኩሉ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ጸጥታዊ ስምምዓት’ዚ ግብራዊ ንምግባር፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወይ ኣብ ማርሳ በርጠ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ስምምዕ ኣብ ዝቐረበ እዋን ኣኼባ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ገባቲ ኢሳይያስ ብ09/02/2014 ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ብርቱዕ ቁጥዐ ምፍጣሩ ተሓቢሩ። ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ቃለ-መሕትት ከካይድ ከሎ፡ ሓንሳብ ዝስደድ መንእሰይ ኤርትራ የለን ክብል ጸኒሑ፡ መልሓሱ ሓጺፉ ከኣ እዚኦም ሓተላ፡ ግለት፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ፡ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝተዓሰቡ……………ወዘተ ብምባል ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታት ባጫን ዘለፋን ክህብ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን። ብ09/02/2014 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እዚኦም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ካሕሳ ከይኸፍሉ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰረቕቲ’ዮም፡ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ቅንጣብ ዝጎድል የለን ምባሉ ይፍለጥ። በዚ ዘይውርዙይ ቃለ መሕትት’ዚ ዝተቆጥዑ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኤርትራ እዚ ይትረፍ ብኣንደበት ሓደ ንነብሱ ከም መራሒ ህዝብን ሃገርን ዝፈልጣ ኣካል፡ ካብ ጎደና ዝሓድሩ ዓዋሉ ክወጽእ ትጽቢት ዘይግበረሉ፡ ተመሊሱ ንበሃሊኡ ዘሕፍር’ዩ ክብሉ ይገልጹ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከኣ ንምቕልጣፍ ውድቀት ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝዕድም፡ ንምህናጽ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ሕራነ ዝፈጥር ምዃኑ የረጋግጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ
21 የካቲት 2014