ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ

ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ

ሰራየ ፡ ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ

“ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ቀጻሊ ኣብ ግዕዞ ሂወተ ምሳይ ኣላ። ደጋጊመ የስተንትና ። ካብ ሱራ ጀሚረ ክሳብ ጨናፍራ ክትንትና እፍትን እሞ ገለ ነገር እስእነላ። ነየናይ ህዝቢ ወይ ኣበየነይ መድረኽያ ተገልግል ሕርብት ይብለኒ። ሰባት ክደጋግምዋ ኣመናየ ዝዕዘብ- ፍረ መልሓሶም እምበር ፍረ ልቦም ዘይኮነት ቴማ ። ዜማን ግጥምን ተሰሪሑላውን ብዙሓት መንኮባት ህዝቢ እስክትሽም ኢለናላየን። “እዛ ቴማ ዝሕላገቶም ህዝቢ ድኣ!” እናበልካ እንክትሓስብ ዛራ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢዩ ዝብል ኣምር ሓሳብ ጎፍ ይብለካ ።ኣብ መናድቕ ጎደናታትን ታቤላታትን ኩሉ እዋን ጎሊሓ እትርአ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ቴማታት ፡ግን ክኣ ኣብ ባይታ ዜሮ – ስላዊት ቴማ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ”።

እስከ ናብ ናይ ቀደም እዋን ምልስ ክብልየ ።እዚ ማለት ድማ ብቐትታ ናብዚ ዘለናዮ ሓሽካር እዋን ቅድሚ ምእታወይ ናብቶም ጥዑማት ሰብ ቀደም ፡ሰብ ሰራየ ሰብ ሓማስየን ሰብ ኣኩሎጉዛይ ገለ ብምባል ከዋግዕ። ርግጸኛየ እዚ መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ እዘን 3 ኣውራጃታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ቀደም ኣይነበረን – ምናልባት ግን ንፈውሲ ማሕላ ኔሩ ክብል ምኽንያቱ ኣብ ሰባት ፍጹምነት ስለዘየለ። እምበር፡ ኣብ ዛንታ ሰራየ ምስ ሓማስየን ኩናት ገጢሞም ፡ ሓማስየን ምስ ኣጉሎጉዛይ ኣብ በረኻ እከለ ተታኺሶም፡ ኣኩሎጉዛይውን ከምኡ ምስ ሰራየ ይትረፍ ኩናት ሕልኮውን ትኹን ገጢሞም ኣይፈልጡን እዮም- ዛንታውን ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ብኣንጻሩ ግን “ ዘይ መገሺ ይኾነና” እናበሉ ነንሕድሕዶም ይዋሰቡ ኔሮም። ኣሽንካይዶ ምስ ደቂ ሩብኦምን ደቂ መሬቶምንሲ ሩባ መረብ ሰጊሮም ከማን ምስ ተጋሩ ኣሕዋቶም ይዋሰቡ ኔሮም – ሳላ ዝተዋሰቡ ድማ ኣነን ከምዚ ከማዪን ተፈጢርና ንርከብ። ኣብዞም ህዝቢ ድማ ንድሕሪት ምስ እንዝክር እንትርፎ ሰላምን ርግኣትን፡ ካልእ ሕማቕ ነገራት ወይ በሰላ ኣብ ህዝቢ ዝገደፈ ብዙሕ ኣይተዘንተወን ። ስለዚ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዕገልጠም ዘሎ ናይዘን 3 ኣውራጃታት -ንኽትገልጾ ኣዝዩ ዘሕንኽ -ታሪኽ መሰረቱ “ካብ ናይ ቀደም ሰባት ኣይኮነን” ክብል ደፊረ ኣለኹ- ኣይፋልካን ዝብል እንተሎ ድማ ሃየ ብርዑ የንብዕ። እቲ መሰረት ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት እንታዩ ዝብል ሕቶ ግን ናይ ነፍሲወከፍ ተወላድ እዘን ኣውራጃታት ዝኾነ ወልቀሰብ ጉጁም ኢሊ ክዛተየሉ እጽውዕ።

እሞኸ ድኣ ፡ ንምንታዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠገለ ኣልቦ ክይኑ ኣባጓይላ ዘይብሉ መርዓ መሲሉ ዘርከበ ዘሽኮንድረሉ ኮይኑ ዘሎ? ሰብ ውሽጢ ዓዲ እስከ ንግዜኡ ገለል ከብሎም ፡ ናብዞም ሰብ ወጻኢ ኣእዳወይ ከወጣውጥ። ኣብ ምዕቡል ዓለም ብምንባርካ፡” ካብ ሰቡ ይሓይሽ፡ እቲ ዓዲ ቀይርዎዩ” እናተባሃልካ ኣንታ ሰብ ደገ ርኹብ ዝዝባንካ፡ ስርሓካ ግን ገና ኣብ ሓሸውየ ኣውራጃውነት ኮለል ክትብል መሬት ትዓርበካ።ኣንታ ሰብ ደገ ሰብ ወጻኢ፡ ክዳንካ ጹሩይ ኣእምሮኻ ግን ብላሽ! ኣብ ደገ ኣክንዲ ኤርትራዊ ረኺብካ ገጽካን ልብኻን ትህብ ፡ ፈለማ ገጽካ ሂብካ ኣውራጃ ኣረጋጊጽካ ድማ ልብኻ ተስዕብ- እንተዘይኮነ ድማ ሕቖኻ ምሃብ። ጓል ኣውራጃኻ ወዲ ካልእ ኣውራጃ እንተተዋሲብዋሞ ክኣ እሮማይ ድቃስ የለን – መሬት እናተዘብጠ ይንበር።እስከ ኣብ ከከባቢና ንፈትሽ ሰብ ወጻኢ ፡ ክንደይ ፍቑራት ምስ ምዉቕ ፍቕሮም ተበታቲኖም ኣለዉ? ክንደይ ሰብ ሓዳር ኣብ ውላድን ካልእን በጺሖም ክነሶም ብሰንኪ ኣውራጃውነት ፋሕጭንግራሕ ኣቲዎም ኣሎ? እቲ ዝገርም ድማ መሰረት ጽልኢ እዚዩ ክበሃሎ ዘይክኣል ። እዞን ኣውራጃታት ግን ልዕሊ ሰበን ቤተክርስትያን ይኸዳ።ልዕሊ ሰበን ስም ኣምላኽ ይርቑሓ። ኣምላኽ ዝጉዝጋዞም ድኣ እንተይ ስለዝተረኽበዩ ማዕረ ክንድዚ ተጨኻኺኖም- ሕለፍያ ዝበሃሉ። እቲ ወዲ ሰራየ ንጓል ኣኩሎጉዛይ ዝየፍቅር እንተኾይኑ፡ጓል ሓማስየን ምስ ወዲ ኣኩሎጉዛይ ዘይትዋሰብ እንተኾይና፡ ኣበይ ኣሎ ድኣ እቲ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እናተብሃለ ዓንገረር ዝበሃለሉ? ጨጨጓሩ ንውሽጡ ዝበሃሎ እንተልዩ ድማ ይተሓበረናሞ፡ ለመጽመጽ ኢልና ክንነብር።እዚ ነገር ኣውራጃነት ቀርኒ ኣውጺኡ ከም ዝራብዕ ዓዲ ፉፍ እነበለናዶሞ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጪዋ ኣስቅጥ ከነብል ኮይና- ኣይክኣልክዎን ኣነሲ ኣሕዋት/ኣሓት።

እቲ ማሕበር ኣኩሎጉዛይ፡ ማሕበር ሰራየ፡ ማሕበር ሓማስየን ብምባል ዙርያን ባድላን መሊስካ ሸነን እናበልካ እትኾዶ ማሕበር ኣውራጃነትኮ ኣይተጸልአን። ብወገነይ እዚ ከም መግለጺ ፍቕሪ ስለዝሪኦ ሰናይ ነገር ኮይኑ ይስምዓኒ። ሰባት ብምፍቃሮም እሞ እንታዋይ ሰብዩ ሕማቕ ክስምዖ እንትርፎ ሰይጣን። እቲ ሰንካምነቱ ግን ኩስቶ ወዲ እከለ ኣውራጃ እንድዩ ተመርዕይዋ፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም ዝብሉና፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም እናበልካ ኣብ ልቢ ንጹሃት ሰባት ዘየድሊ ጽልኢ እጥረ ስለዘሎዩ። ብድሕሪዚ ረሰንሰን ኢልካ ኣእምሮኻ ተደፊንካ ልክዕ ከም መኻሪ ፡ “ እዚ ኣፍቂርኪዮ ዘለኺኮ ወዲዚ ኣውራጃዩ መስ ዘይጽመድ ኢኺ ተጻሚድኪ ዘለኺ”፡ “ ኣንታ ጓልዞም እንዳ እከለ ኣውራጃ እንታይ ርኢኻላ ኢኻበልስከ ሓዳር ዝገበርካላ?” እናተብሃለ መሳኪን ሰላማውያን ሰብ ፍቕሪ ወይ ሰብ ሓዳር ሂወቶም ሃዶሽዶሽ ትብል ።እንተዘይበለት ድማ ሂወታ ናብራ ኣብ ጥቓ ጭዓ ዝቦቖለት ቆልቋል ኮይኑ ይቕጽል – ቃንዛ ዝበዝሖ ሂወት። እዚ እናረኣኹየ ድማ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ ብምባል ገሊጸ ናብቲ ናይ ብሓቂ ትርጉም ቴማ ሓደ ህዝቢ ሕደ ልቢ ገጽና ኣንፈት ክንኸይድ ሓቢርና ንመርሽ ዝብል ዘለኹ።

ሰብ ወጻኢ፡መሬት ዓዲ ኣቦኹም ገዲፍኩም፡ ከይድኩም ስግር ባሕሪ ሰፊርኩም። መሳኪን ህዝቢ ኣሜሪካ ፡ካናዳ፡ ኤውሮጳ ፡ ኤስያ ኣዕቒቦምኹም ክነስኹም ፡ናበይ ብዘየሎ ሰረት ጽልኢ ኣልቦ ኣውራጃነት ትዋጠቱ? እቲ መሬት ሰራየ ፡ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይኮ ነበርቲ ኣለዉዎ።ብሰላም ድማ እነብርሉ ኣለዉ- ካልእሲ ይትረፍ ተጸዋዊሮም ከማን ኣለዉ።እሞኸ ድኣ፡ እንታይ ኣምጽኦ ክሳብ ክንድዚ ምዝንባዕ ኣእምሮ ?! ንስኹም ሰብ ደገ ግን ስኣን ሓደ ደቒቅ ምስ ነብሱኹም እትመኸሩ እነሀኹም እንዕዘበኩም ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ጽለኢ ተሳውሩ። ኣብ ዓዲ ሰላም ፡መሰል፡ ፍትሒ፡ሕጊ እናነበርኩም ባዓልኹም ንባዓልኹም ሰላምኩም ትዘርጉ ኣለኹም። እኽለ ማይ ዘይሰኣንኩም ነዛ ነብስኹም ፡ ጽለኢ ሓውኩም ግን ይገናፍለኩም ። ዘይጸንሓና ፡ ዘይነበረ ጽልኢ – እሞ ድማ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል! ፈጣሪ ልቦና ይሃብዩ ዘብል ።

ኣነ ዝብሎ፡ ኣነ ዝሓስቦ ግን ኣሎ። መሰረት ጽልኢ ዘን ኣውራጃታት ኮይኑ ዝርኣየኒ በጀካ እዚ ዘሎ ስርዓት እምበር ካልእ ዋላሓደ ክብል ወይ ክጠቅስ ኣይክእልንየ። ቀንዲ ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት ድማ ኣብ ዙርያ ፖለቲካዩ ዘሎ- ንዓይ ዝርኣየኒዩ። ንስለፖለቲካዊ መኽሰብ ዝግበር ሃልኪ ካብ ሜዳ ኣትሒዝካ ክሳብዚ ዘለናዮ እዋንዩ እዚ ኹሉ ምቅይያማት እዘን ኣውራጃታት ኣኸቲሉ ዘሎ። እቲ ዘሎ ስርዓት ክነብር ስለዝደሊ ወይ ውን ምጥቛስ ኣውራጃታት ከም ቀንዲ መኽሰባት ፖለቲካ ስለዝትሓሰበ እሰርሓሉ ኣሎ ገናውን ክቕጽልዩ ክሳብ ዘሎ። ዝገርመኒ ግን ካብዚ ምምሕዳራ መንግስቲ ሚልዮናት ኪሎሜተር ርሒቖም ክነሶም ብበለካ ለኽዓኽ ሰብዘን ኣውራጃታት ነንሕድሕዶም ክፍሓናጨሩ እንከለዉዩ። መንሞ ተጎድአ ዘይዚ ህዝቢ ኣውራጃታት ተጎድአ ። እምበር ሰብ ስልጣንሲ ፍሑኽ ኣይበሉን ካብታ ቕድሚ 23 ዓመታት ኮፍ ዝበልዋ ወንበር። እታ ሃገርና እንብላ ድማ እብዚ ደረጃ በጺሓ ትርከብ። እንተስ ዕድል እንተስ መርገም፡ ዝበታትን እምበር ዝሓቁፍ መንግስቲ ኣይረኸብናን ኣለና።እዚ ድማ ሕምቀት ደቂ ህዝቢዩ። ርጉም ህዝቢ ርጉም መራሒ እረክብ ከይከውን ድማ ሃየ ኣንቱም ሕማም ኣውራጃውነት ዘለኩም ዘላቒ ኣተሓሳስባ ግበሩ።

ስለዚ፡ ብኣባይታ ዘየሎ መዝሙር እናዘመርካ፡ዘየለ ባንዴራ ቅርሕንቲ እናንበልበልካ፡ ውሽጥኻ ከይነጽሃካ ንስለ እናበልካ ዝግበር ቴማ ካብ ዘየድሊ ምቅርሕሓን ምምጻእ ሓሊፉ ዘምጽኦ ዝጭበጥ ዓወት የሎን።ቁስልኻ እናሸፈንካ እንነብሮ ኣነባብራ ኔዮ ንበሎ። ሃገር ንነፍሲወከፍ ዜጋ ምዕረ ክሳብ እትብጽሖ ፡ ዝኾነት ኣውራጃ ወይ ውልቀሰብ ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ መዳይ ክህሉ ኣይዋሓጠለይንዩ- ግቡእ ድማ ኣይኮነን። ብሃገር እንሓስብ እንተድኣ ኮይና ፡ ንስለ ሃገር ንንበር ። ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ሎሚ ኣሎ ፡ ጽባሕ ከምዘየለ ግን ታሪኽ ዓለም ዘስተምህረናዩ። እንተ እቲ ህዝቢ ግን ዘሎን ዝቕጽልንዩሞ ዘየድሊ ባእሲ፡ ቶንኮል፡ ጽልኢን ሓርጎጽጎጽን ናብ ደቂደቅና ከምዝመሓላለፍ እንተዘይገበርና ጽቡቕን እዋናውን ኮይኑ እስማዓኒ ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ብዘይጥርጥር እታ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ኣብ ዝግብኣ ቦታን መድረኽን ኣትያ ዛራ ፍቕርን ሓጎስን ከተመንጩ። ቅድሚ ምዝዛመይ ግን ገባሪ ጽቡቕ ኩሉ ጊዜ ዓስቡ ካብ ሰማይ ክረክብ ስለዝግምት እምበር ፡ ደቂዘን ኣውራጃታት ደለይቲ ሰላም ፡ ደለይቲ እፎይታ የለውን ማለተይ ኣይኮንኩን – ብርግጽ ድማ ኣለዉ ዋላ እንተዘይሓንጠጥክሎም። ፈጣሪ/ረቢ ልቦና ይሃበና፡ ሃገርና ድማ ይባርኽ።

##### እቶም ምስሎም እናሓብኡ ቁስሊ’ዘን እውራጃታት ዝኾኑ ውልቀሰባት ካብቲ ፖስት ዝገብርዎ እከይ ነገራት ክቁጠቡ ዓገብ! ዓገብ! ዓገብ ! ንበል ።#####

ቲዕቲዕ(ታይላንድ)

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.