Eritrea: The country that is more closed than North Korea

20 years ago was Eritrea a shining hope of an independent African country that could and would himself. Today fleeing population.

It was the world’s most optimistic country.

In the early 1990s, Eritrea imbued with the idea of a better life in freedom and independence. A better kind of country. Three decades of struggle for freedom against the big neighbor Ethiopia had just ended and independence in sight.

On 24 May 1991 drove the rebel army into the Eritrean capital Asmara. They were greeted with cheers.

– Everyone was really upbeat about to discover the many good things that happened to the country. Everyone around me was filled with an optimistic feeling that we would not repeat the same mistakes that other African countries had done, Aaron Behane that in the years after independence was chief editor of Eritrea’s largest newspaper, told BBC News in an previous interview.

Absolutely special atmosphere

Like other newly independent countries were Eritrea filled with hope for the future. The American journalist Michela Wrong has written the book ”I Did not Do it for You” on the Eritrean liberation struggle.

She has previously told BBC News:

– There was this absolutely wonderful atmosphere in Asmara. People came back after many years in exile. People had money, and everyone was talking about this amazing place without corruption, that would not be dependent on outside help. It was really something new to visit Eritrea in the early 1990s.

But the bright outlook remains on the horizon for the Eritrean people, who for 30 years had fought a uphill battle against Ethiopia’s overwhelming superiority. And won.

For Eritrea’s new president, Isaias Afwerki, the war against Ethiopia never connected.

Therefore, all the country’s inhabitants serve military service. It lasts longer and longer. Eventually, war breaks against the neighbor again beyond a small piece of land does not matter.

Al focus on New York

Criticism rains down upon the president from war-weary residents in Eritrea. It culminates with an open letter in the country’s newspapers from 15 prominent politicians. And then bother the president no longer be the leader in a country with free press and open debate.

Just 12 days after the attack on the World Trade Center, while the world’s eyes are on New York beats the authorities in Eritrea. The former chief editor of Eritrea’s largest newspaper remembers the day.

– They came to arrest me, so I had to flee. But all my colleagues were arrested. I am one of the only Eritrean journalists who were lucky to get away, have Aaron Behane told from his exile in Canada.

One of the arrested journalists was the Swedish-Eritrean Dawit Isaak, who was taken back to his country to help with reconstruction.

Since then there has been no official message from the Eritrean authorities about what has become of Dawit Isaak.

Today, Eritrea number 179 on Reporters without Borders list of countries the press. It is at the bottom, just below North Korea and Turkmenistan.

Military service without limit

Today this conscription in Eritrea for all under 50 years – almost without exception – and has no fixed length. Military service can last forever.

The first survey of conscription impact on the population is made by Professor Gaim Kibreab from South Bank University in London.

The same professor as Friday, according to Berlingske withdrew its opinions to the Immigration Service’s controversial report back.

Also read the Experts: Rigging in Danish asylum report

In the study, he interviewed 215 former conscripts. They had an average serving six and a half years of ”slavery”. Many more than twice as long before they had managed to escape.

The country emptied of young

The prospect of unlimited military service has received large parts of Eritrea’s youth to flee.

Spokesman for the UN refugee agency, UNHCR, Adrian Edwards said on November 14 that it manages some 2,000 Eritreans a month to leave the country via Sudan and Ethiopia.

In October, the figure, however, is as high as 5000. At the same time, he says that there has been a tripling of the number of Eritrean asylum seekers in European countries in the first ten months of 2014. The majority of them have sought asylum in Sweden and Germany.

90 percent of those who leave Eritrea, is between 18 and 24. Its future is about to leave it.

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ንኹሉ ገጊዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብዙሕ ክዝረብን ክጸሓፍን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ምዝራብን ምጽሓፍን ግን ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኮነን። በብእዋኑ ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ። ዓገብ-!! ዝተባህለሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ክሰምዕ ዝኽእል

እዝኒ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ’ዩ ጉዳይ’ዛ ጥንታዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ብቐጻሊ ዓቢይ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝርከብ ኣሎ። እቲ ዘሎ እኩብ ድምር ጸገማት መልሲ ክረክብ ክሳብ ዘይተኻእለ ከኣ፥ እቲ ብደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣውያት፥ ከቋርጽ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከቋርጽ’ውን ኣይግብኦን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዘልዓሉዎ ተሪር ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሚጦም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ-ዲሜጥሮስን ሃብቶም-ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ  ውልቀ-ሰባት። ካብቲ ብቐጻሊ ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ደምበ፥ ተደፊኦም ክወጹ ከም-ዝተገደዱ ብመራኸቢ-ብዙኃን ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ድማ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ-ዓወት ስለ ዝኾነ፥ ብኹሉ ወገን “ኣሜን ወኣሜን” ዝብል ድምፂ ክቃላሕ ቀንዩዎ እዩ። እወ እዞም ከም ክልተ-ቁርዲድ ዝምሰሉ እኩያን፥ ነቲ ኩሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ-ዓመት ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ ስለ ዝኾኑ፥ እቲ ናታቶም  ምውጋድ ከም ሓደ ዓቢይ-ጾር ካብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝወረደ ጌርካ፥ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ብናይ’ዞም ዝተባህሉ ክልተ ውልቀ-ሰባት ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ምውጻእ ጥራይ፥ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ወይ እቲ ሕቶ መልሲ ተረኺቡዎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ክልቲኦም ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም ደኣምበር፥ ክሉ እቲ ጸገም ንሳቶም’ ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ናይ “ ነፃነት” ሕቶ ደኣምበር፥ ውልቀ-ሰባት ሰጉጕካ ካልኦት ብምትካእ ዝግበር ጸወታ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ንቤተ- ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ሒዙዋ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ በሃልቲ ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘሊልካ ክኽየድ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ምህላዉ ድማ ኣይረኣየናን።

ብዝተረፈ “ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም-ዝበሃል፥ ንዮፍታሔን ንሃብቶምን ሰጕጎም ካልኦት ንዓታቶም ዝመስሉ ካብ ጽርግያ ኣኻኺቦም  እንተ’ምጽኡ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነትን ጽሬትን ዘይብሉ ኣቕሓ መራገፊት ክትከውን፥ ሕራይ በሃሊት ከም-ዘይኮነት ክንገሮም ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ካልእ ዋንኣ’የ ክብል ዝኽእል ኣካል ዘለዋ ኣይኮነትን። ስለ-ዝኾነ ድማ መጻኢ ዕድላ ክውስን ዘለዎ፥ እቲ ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕፀና ዝተወልደ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ማንም ተላዒሉ ክሸይምን ክስዕርን ዝኽእል ኣካል ክህሉ፥ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዘፍቅድ ኣይኮነን። እዚ መሰል’ዚ ከኣ ብኃይሊ ተመንዚዑ ክውሰድ ዘይከኣል ምዃኑ፥ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ካብ ብዙሓት መገባእያታት-ዓለም መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎ ክስጎጕ ኣይምጸንሐን።

እዚ ድማ ዓቢይ ትምህርቲ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣሥመራ ክግበር ዝርአ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኢድካ ጣልቃ-ብምእታው ክግበር ዝድለ ጸወታ ግን፥ “-ሌባ! ሌባ! እንተበልዎስ፥ ልዋ ልዋ ዝበሉዎ ይመስሎ-” ከም ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ትማሊ ብበዓል ዮፍታሔን ሃብቶምን ዝተመዝበረቶ ከይኣክል፥ ሕጂ ድማ ካብኣቶም  ዘይሕሹ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብምትካእ፥ ነቲ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ ክቕጽልዎ ምድላዮም፥ እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶ ተበጺሑ ዝርከብ ዘሎ ደረጃ ንቕሓተ-ሕሊና፥ እምበርዶ ክዕቅኑዎ ዘኽእል ሚዛን ኣለዎም’ዩ ዘየብል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ማንም ኢዱ ዘይመልሰላ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልዎ ደኣምበር፥ ንዝኾነ ዝግበር ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ተጻዊሩ ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ብውሽጥን ብደገን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ እኹል መረድኢ’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ፥ እወንታዊ ውጽ ኢት ከምጽእ ከም-ዘይከኣለ እናተፈልጠ ከሎ፥ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ብምድጋም ነቲ ዋናን በዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣግሊሉ፥ እቲ ናይ ፖለቲካ-ኃይሊ ዝሽይምን ዝሥዕርን ኮይኑ ክርከብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ’ውን “ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ” ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ኣብቲ ሕግን ሥርዓትን ዘለዎ ኩሉ ድማ፥ እዚ ደረት’ዚ ክጠሓስ ዝግብኦ ኣይኮነን። ኣባና ግን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ነዚ ናይ ሕጊ ደረት’ዚ ኣኽብሮት ዘለዎ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብሳንቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ ተፈሪዱዋ ትርከብ ኣላ። ብኸምኡ ክትቅጽል ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ግን የብልናን።

ብዝኾነ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተመሪጾም ዝበሃሉ ዘለዉ፥ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ምርጫ’ውን ኣፍልጦ ክህቦ ይኽእል’ዩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ናቱ ውክልና ረኺቦም ዝተመርጹ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት’ዚ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ ዝተገብረ “ሹመት” እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናትና’ዩ ኢሉ ኣፍልጦ ዝህቦን ዝቕበሎን ኣይኮነን። ስለዚ’ውን እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሠራርሓ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ዝተመኮርናሉን ዝላደናሉን ስለ ዝኾነ፥ በዚ ክዕሾን ክታለልን ዝኽእል ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ዝርከብ ኣይመስለናን። የግዳስ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝጸንሖም ጌጋ ርድኢት፥ ክእርሙዎ እንተ-ዝኽእሉ ክንደይ ደስ ምበለና። ከመይሲ እዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ካብቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበረቶ ብብዙሕ መዐቀኒ ፍልይ ዝበለት፥ ማለት ብኽብሪ ከጠምታ ዝኽእል ሞያዊ-ዓቕሚ ዘለዎ ውሉደ-ክህነት፥ ከተዋህልል ዝኸኣለት ምዃና ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ-!! ኣብ ዓለም-ለኸ መድረኻት ወጺኦም ክዋስኡ ዝኽእሉ፥ውሉደ-ክህነት ኣለዉና ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ስለ-ዘሎና፥  ንማንም ከነሸግር ድሌትና ኣይኮነን። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ይምልከቶ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ’ዚ ድማ ኢና እቲ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት ኣብ ኣሥመራ ዝግበር ዘሎ ጉባኤታት፥ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ይግበር ብምህላዉ ናትና’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ዘይንደሊ። ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክዋስኡ ዝጸንሑ ናይዝጊ ክፍሉን ደራጎን ኃይለ-መለኮትን እዮም። ሕጂ ድማ እቶም ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ፥ ኣብርሃ ካሣን ሠመረ በይንን ምዃኖም’ዩ ዝንገረና ዘሎ። ነዚ ኸኣ ብዝኾነ ተኣምር ሕዝቢ ተዋሕዶ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ርግጽ’ዩ ንከም በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝኣመሰሉ ሒዝካ፥ ብዙሕ ክፍተን ይከኣል ይኸውን’ዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ግን ከኽይድ ዝኽእል መንገዲ ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እዚ ጸወታ’ዚ ከብቅዕ ኣለዎ’ዩ ዝብል ዘሎ። ንበዓል ኣባታት  መጋበሪ ብምግባር ብዙሕ ክግበር ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ግን ትማሊ እምበር ሎሚ ክሠርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ጥራይ’ዩ ዝምልከት፥ ብሕዝቢ ተዋሕዶ ጥራይ’ውን ይውሰን። ዝሰምዕ እዝኒ ስለ-ዝተሳእነ እንተ-ዘይኮይኑ ኣብ 1989 ዓ/ም(1997) ኣቢሉ’ውን፥ እቶም ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ገና ካብ ኣሥመራ ከይወጹ ከለዉ፥ ዝተዛረቡዎ ዘረባ ምንባሩ ክዝከር ግብእ’ዩ። ንሱ ድማ “ ታተ እናበለ ዘሳልየና እምበር፥ ክሕንግረኩም ዝብለና ኣየድልየናን እዩ” ብምባል፥ ንናይ ፖለቲካ ኢድ ምእታው ከም-ዝተቓወሙዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ካብ 2 ክሳብ 8 ሓምለ 2014፥ ኣብ ጀነቫ ስዊስ-ዘርላንድ ተጋቢኡ ዝነበረ፥ ናይ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ጉባኤ። ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፥ኣብ ኣጀንዳ ኣእትዩ ከም-ዝተዘራረበሉን፥ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክልቀቑን ከም-ዝጸውዐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ከም-ዘይሰማዕካ ኮንካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕዝቢ-ተዋሕዶ’ውን እዚ ሕቶ’ዚ ክምለሰሉ ደኣ’ዩ ዝጽበ ዘሎ እንበር፥ ሕጂ ከም-እንደገና እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝቈጻጸሩዎ ኮይኖም ክርከቡ ዝሰማማዓሉን ዝደልዮን ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕሥራ-ዓመት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ፥ ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ይውዳእ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ እቲ ጌጋ’ቲ መሊሱ ክድገም ዝደልዮ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕጂ እዚ መሰል’ዚ ክኽበረልና ከም-እንደሊ፥ ተቢዕና ብምቅላስ ከነረጋግጾ ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ ንኹሉ እወ! ንኹሉ ከኣ ሕራይ! እናበልካ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቅዱስ-ሃይማኖትና እንታይ ሳዕቤን ከም-ዘኸተለ ብግልጺ ዝርአ ዘሎ  እዩ። እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፥ ሕጂ’ውን እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ዝዋስኡሉ ዘሎዉ፥ ንሳቶም እቶም ናይ ትማሊ እዮም። ስለዚ እቶም ትማሊ ዘፍረሱን ዘዕነዉን ሕጂ ሓነፅቲ ኮይኖም ክርከቡ ስለ-ዘይክእሉ፥ ይኣክል-!! ምባል ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ እቲ ዋናን በዓል ቤትን ዝኾነ  ሕዝቢ-ተዋሕዶ ከሎ፥ በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝዕንድሩሉ መድረኽ ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ’ውን እቶም ብውሽጢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ገዳማውያን-ኣቦታት፥ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተ-ደኣ ኮይኑ፥ ሓገዝ ኩላትና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን። እግዚኣብሔር ከኣ ዝተመስገነ ይኹን!!

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ናይ ኤውርጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት

ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 01 ታሕሳስ 2014

ስኽራን የዕብድ’ዩ። የጻልእ፡ የዘናብል’ውን ኢዩ። ስኽራን ሓው ምስ ሓው የባእስ፡ ምስ ፈጣሪ የራኽስ። የኽስር፡ ኣማስይኡ ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ገደል የጽድፍ። ስኽራን ኤርትራውያን ናብ ዘይሽረጥ፡ በዓል 44 ቆለ (ዛርቲ) ካብ ዝቕየር ድማ ኣይወሓደን። እዋሓስ፡ አግብእ! ስኽራን ብኢሳይያስ’ምበኣር ኣማስይኡስ ምጽናት ሃገርን ህዝቢን ደኣ ኮነ።

ወይ መስደምም! ‘ነዚ ክትግዕታ’ዶ ትርህጻ’ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣራዊት ንክጠፍእ፡ ኣብ ገዛእ ደጎሉ ኣሰለት ኣዕብዩ ከይኣክል፡ ዳሕራዩ ዝኸፍአ ከኣ፡ ከም በዓል ዛርቲ ደቁ ኣብ ባሕሪን ምድረ-በዳን እናሃለቑ ስእሊ ኢሳይያስ ሓንጊጡ ይስዕስዕን ይቆጻጸን። እዚ ተግባር’ዚ ርእሰ ቅትለት ኢዩ።

ኣሰለት እታ ኣብ ለሰታት ጋሽ ሳሕቲ ግዜ እትረአ ደም እናሰተየት እትነብር ገበል መሰል እንስሳ ኢያ። ንሰብ ብከምዚ ኣብዚ ስእሊ ናይ ኣቶ ዓብዱ ንርእዮ ዘለና ትጥምጠሞ’ሞ፡ ደሙ ሰትያ ትቀትሎ ነበረት። ቀደም ግዜ መብዛሕትኦም ሰብ መታሕት፡ ካራ ዓጢቖም ንክኸዱ ይግደዱ ነበሩ። እቲ ተባዕ ሰብ፡ ኣሰለት ምስ ተጠምጠመቶ፡ ካራ መዚዙ ኢዩ ዝቖርጻ ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ደም ህዝቢ ዝሰቲ ዘሎ ኣሰለት ሃገርና ደኣ ሎሚ መን ይበድሃዮ?

እቶም ብዛዕባ ኣሰለት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብልኩም ዳሕረዎት ወለዶና፡ ንሰብ ጋሽ ባርካ ሕተቱ። ኢሳይያስ ብደም ኤርትራውያን ጎጽጊጹን ብኣዕጽምቲ ጀጋኑና መዊጹን ካብ በረኻ፡ ናብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝኣተወ ኣሰለት ህዝብና ኢዩ። እነሆ ክሳብ ሎሚ ብድሕሪ ናጽነት እውን ደም ንጹሃት ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ይነብር ኣሎ። መሲሉና! እወ መሲሉና ኢሳይያስ ብኤርትራን ህዝባን ዝቑርቆር፡ መሲሉና ኢሳይያስ ያኢ ጓሳ ህዝቢ ዝኸውን!

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኤርትራውያን ብዝናን ምልኪን ኢሳይያስ ካብ ዝሰኽሩ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ወላ’ኳ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስኽራን ተገላጊሎምን ካብቲ ሕሱም በዓል ሽራራ ቆለ ተሸሪጦምን እንተሃለዉ፡ ዛጊት ዘለዉ ሰኽራማትን ሰብ ዛርቲን ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ወዲ ሰብ ንገለ ሰዓታት ወይ መዓልታት፡ እንተነውሐ ከኣ ንሰሙናት ክሰክር ይኽእል ይኸውን። ስኽራን ኤርትራውያን ግን ገደብ ዝሰኣነ፡ መመሊሱ ዝእለኽ ኮሮንሾን ቡቕሊን ኢዩ።

ስኽራን ብመስተ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ። ሰባት ብሓጎስ፡ ብሽመት ይኹን ብሃብቲ ይሰኽሩ ኢዮም ክበሃል እንከሎ፡ መወዳእታ ኣለዎ። ሰባት ብመስተ እንተሰኸሩ’ውን፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ይበንን ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ ስኽራን ግን፡ ከምዚ ስኽራን ኤርትራውያን ብባዶ ዝና ኢሳይያስ ኢዩ። ኣብ ውልቀ ሰባት ዝፍጠር ገደብ ኣልቦ እምነትን ምልኪን ከምዚ ኤርትራን ህዝባን ረኺቦሞ ዘለዉ ርካብ ኢዩ ዘስዕብ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም፡ ብዙሓት ምንም ምስ ስርዓት ህግደፍ ረብሓ ዘይብሎም ኤርትራውያን፡ ህዝቢ እናጸነተን ሃገር እናጠፍአትን ንተግባራት ኢሳይያስ እናረኣዩ ገና ዝሰኸሩ ምህላዎም ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብስዉር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣግሂዱ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን እናኣሽካዕለለ፡ ገና ብኢሳይያስ ዘጉርዑ፡ ዘይተሸረጡ ሰብ ቆለ ብዙሓት ኣለዉ።

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ንዕቀት፡ ብዘየዳግም ቃላት ኣግሂዱ ነጊሩና ኢዩ። እዚ ከኣ ንሕና ካብ ዝሃብናዮ ናእዳ ዝተበገሰ ኢዩ። ‘ደርሆ ጻሕቲራ-ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ’ ከም ዝበሃል፡ ኤርትራውያን ድማ ልዕሊ ፈጣሪ ንኢድናን ሞጒስናን መጽነቲና ኣሰለት ኣምጺእና። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሎሚ 2014 ኣብ ቲቪ ህግደፍ ዝገበሮም ቃለ መሕትታት፡ ብዘይካ ንህዝቢ ዘናሹን ዘነኣእስን፡ ተስፋ ዘቑርጽን ዘሰንብድን፣ ካልእ ህዝባዊ ዛዕባ ኣይሰማዕናን። ኣብ ደገ ምስ’ዝመደበረን ማዕከናት ዜና’ውን ብዘይ ስኽፍታ ኣሽካዕላሉ ገሊጹዎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ፡ “…ምናልባት ድሕሪ 30 – 40 ዓመታት እንተተገብረ” በለ። ቀጺሉ፡ ነቲ ብሰንኪ ኤርትራውነቱ ጥራይ ናብ ጉድጓድ ዒራዒሮ ዝተሓየረ ጋዜጠኛ ፍስሃ ዮሃንስ /ጆስዋ/ ‘ትፈልጦ’ዶ’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ድማ፡ ምንም ከም ዘይፈልጦ ገለጸ። ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ኒው-ዮርክ ብኣካል ተረኺቡ ኣብ ቅድሚ ካብ ካናዳን ኣሜሪካን ዝተኣከቡ ኣሽሓት ሰኽራማቱ ኤርትራውያን፣
“…ንዓይ ኣብ ኤርትራ ዝቖጸረኒ ሰብ ይኹን ደሞዝ ዝኸፍለኒ’ውን የብለይን” በሎም። ሰኽራማት ከኣ ኣጻብዕቶም ክሳብ ማይ ዝምዑግ፡ መመሊሶም ደኣ ኣጣቕዕሉ። “…ኣነ ድቃስ እፈቱ’የ፡ ብዙሕ ሰዓታት እየ ዝድቅስ” ድማ በለ ኣብ ቲቪ ህግደፍ። ‘ደቃሲ ኣይሓሉኻ፡ ነዓቒ ኣይፍቶኻ’ ዝበሃል ደጊም ከምዚ ኢዩ። “…ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ኢዩ ዝኸይድ’ምበር፡ ማይ ናብ ሰባት ዘለዉዎ ኣይመጽእን ኢዩ” ክብል’ውን ኣሽካዕላሉ ደገመ። እዚ ቃና’ዚ ብካልእ ኣበሃህላ፡ ንክቱር ንዕቀትን ጠቃር ጽልኢን ዘመልክት ላግጺ ኢዩ። ብዛዕባ ቅዋም ከኣ ሕፍር ከይበለ፣ “… ቅዋም ክንነድፍ ኢና … ወ.ዘ.ተ…” በለ። ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ’ኮ ኣለዎ ኢዩ። ናይ ሎሚ ሰኽራማት ኤርትራውያን ግን ክብርታቶም ዝሓረጁን ውሽጦም ዝመኸኹን ዝተጀልሑን፡ ኣብ ኣራእሶም ንዝደየበ ሕሱም ቆለ ክፍውሱ ዘይክእሉ፤ ብክታብ ኢሳይያስ ዝደንዘዙ ሰባት ኢዮም እንተተባህለ፡ ኣይተጋነነን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕሉፍ ኣምላኺ ህዝቢ ኢዩ። ንኢሳይያስ ከም ሰብ ዘይኮነስ፡ ከም ነብዪ ኢዩ ርእዩዎ። ገለ ኤርትራውያን ኣዴታት ሕሉፍ ሓሊፍወን ንስእሊ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ኣሳእል ቅዱሳን መላእኽቲ ሰቐልኦ። ፍዳ እዚ ሓጥያት’ዚ ድማ እነሆ ደም ኤርትራውያን ናይ ቀደምን ናይ ሎሚን ኣብ ፈቐዶ ሲናይን ባሕሪን ደመ-ከልቢ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ኤርትራ እትበሃል ሃገር ናብ ዘይምህላው፡ ኤርትራውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ድማ ናብ ዛንታ ኦሪት ዘፍጥረት ገጹ ይገማገም ኣሎ። ኢሳይያስ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዝተሰለፈሉ፡ ብፍላይ ከኣ ካብታ ናብ ዓላ ዝተጸንበረላ ቅርስስቲ መዓልቲ፡ ክሳብ ሎሚ ከም ኣሰለት ሩባ ጋሽ ንልዕሊ 40 ዓመታት ደም ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ዝመጸ ሓደገኛ ፍጥረት ኢዩ። ካብ ግዜ ሰብዓታት ጉዕዞ ኤርትራውያን ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ስኽራን ኤርትራውያን ብዝና ኢሳይያስ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብ ክፍላ ሰብዓታት፡ ‘ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስኻ ትጋደል፡ ኣዴኻ ትበኪ’ ኢልና ደረፍናሉ። ዕሉም! ከደ…ከም ጠበቕ ርእሱ እናነቕነቐ ከደ! ንሱ ባዕልና ብዝሃብናዮ ቡቕሊን ጌሶን ሰኺሩስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣስከሮን ኣደንዘዞን። ‘ኢሳይያስ ብሽጉጡ ገይሩ ስሙ ዝጽሕፍ ተኣምራታዊ ፍጥረት ኢዩ’ ኢልና ከኣ ተወሳኺ ሸውዓተ ቀመማትን ኮረሪማን ነስነስናሉ። እቶም ምንም ብዛዕባ ገድሊን ኢሳይያስን እንዶ ዘይብሎም ንኣሽቱ ሰብ ቆለን ሰኽራማቱን ከኣ፡ በቲ ናይ ቀደም ጥጅእ ስለዝሸገጉ፣ ‘ኣንበሳ ናቕፋ’ ዝብል ሽመት ኣጠመቕዎ። እቲ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ ደቂ ኤርትራ’ምበኣር ደምና ንከንቱ ከም ዝፈስስ ገበሮ። ኢሳይያስ ኣብ 1973 ነቶም ብዘይካ ናይ ምእራም፡ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም ምሁራት፡ ‘መንካዕ’ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ደም ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰተየ። ገና እቲ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ስለዘይጸገቦ፡ ኣብ 1976 ዓ.ም. እውን ብስም ‘የሚን’ ዝብል ሰበብ ኣጠሚቑ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ምሁራት ደም ጨለጠ። ንሱ፡ እዚ ሓደገኛ ኣሰለት ህዝቢ፡ ካብ ዕለት ምስላፉ ክሳብ ሎሚ ዝሰተዮ ደም ብምንታይ ይዕቀን? እንድዒ!!

ተመኩሮ ከም ዝምህረና፡ ኣብ ቅድሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ፣ ማዕርጉን ደረጅኡን ብዘየገድስ፣ ተኣማኒ ኣይኮነን። ንሓደ ኤርትራዊ ክሳብ ዘድልዮ ተጠቒሙ ኢዩ ዝድርብዮ። ተመኩሮ ሰለሞን ወልደማርያም ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ጉጅለ 15፡ ኣብ ግዜ ናጽነት፣ ሎሚ ዘጥፍኦም ዘሎ ሚኒስተራቱን መኮንናቱን፡ ዘደስክሎም ዘሎ ጀነራላቱን ወሲኽካ፣ ህያው ምስክራት ኢዮም። ኢሳይያስ ዓርኪ፡ ኣማኒ፡ ብጻይ የብሉን። ዕድመ እንተለቂቡ ከኣ፡ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ምስጢራቱ ዝፈልጡ ገዳይም በብሓደ ከጥፍኦም ኢዩ። ኩሉ ተግባራቱ ከም ዘነጽሮ ድማ፡ ብድሕሪ ምብራዕ ኲናት ባድመ ጥራይ ዝሰተዮ ደም ኤርትራውያን መዘና የብሉን። ብሰንኪ ኣብ ደቂ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎም ምጥርጣር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሚኒስትሪ ምክልኻልን ንሃገራዊ ጸጥታን በቶም ዶላራት እናኣኾለሰ ዘዕበዮም፡ ብደም ዝቐርብዎ ሰራዊት ደምህት ኢዩ ዝሕሎ ዘሎ።

ደጊም ዝተረፈ ደም ከይተጸንቀቐ እንከሎ፡ ይኣክል ስቕታ! ኣንታ ደም ዝነባዕካ ወዲ ሃገር ካብ ስኽራንካ ውጻእ’ሞ ሎሚ ቆለኻ ተሸረጥ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገርሀኛ ኮማንድስ ብድሕሪ ውዕሎ ኲናት ግራት ኣውሊዕ፦ “እንተ ብጸሎት ኣቦይ፤ እንተስ ብጸሎት ኣደይ ወላዲተይ ንዓይ ንምቕታል ዝተተኮሰት ጥይት ንቆቢዐይ ሃሪማ ከይዳ ኣላ” ዝበሎ፤ እዚ ዕሉል ኣሰለት ሰብ’ዚ ድማ ካብ ሰብዓታት ክሳብ ስርሒት ጅግና ወዲ ዓሊ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጡ ኢዩ። ሎሚ ነታ ገርሀኛ ልብና ካብ ቦትኣ ወጊንና ብሓንቲ ሮቦት ልቢ እንተንመራመር፦ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፡ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ንኣከያይድኡ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ሓቀኛ ምስሉ ብንጹር ክረኣየና ምኸኣለ። ቆለኻ ንክበርር፡ ንፍልልያት ሃይማኖትን ኣውራጃን ወጊድ ኢልካ፣ ተሸረጥ ኣንታ ህዝቢ!

ኦ! ሓርነትን ሰላምን ንርብዒ ዘመን ሃረር ዝበልካ ህዝብና ብሓበራ፣ ህዝቢ ቆላን ከበሳን፣ ብሄራትና ሕመረት መንነት ደቀባት ኤርትራ፣ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ብኣሰለት ደምካ ትምጸ ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሎሚ ካብ ስኽራንካ ተበራበር። ኣንታ ቁንጣሮ ዝተረፍካ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተጋድሎ፣ ንማይ ብመኽደን ብራሾ ተኻፊልና ዝተጓዓዝና፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩነታት ከም ጽሩይ ወርቂ ብሓዊ ተፈቲንና ዝወጻእና ተጋዳላይ ነበር’ውን ካብቲ ሕሱም እምነት ተገላገል። ኣንታ ወግሐ-ጸብሐ ብዘይካ ሞትን ኣውያትን ዕልልታ ዘይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣንታ ብዘይካ ጥሜትን ሓሳረ-መከራ ግፍዕታት ህግደፍን ካልእ ንቡር ህይወት ዘይትፈልጥ ጅግና ህዝቢ፣ ነቲ ደምካ ሰትዩ ዘማህመነካ ጨካን፡ ከምቲ ንኣሰለት ብካራ ዝጨዳ ጅግና በዓል መታሕት፡ ክሳድ ኢሳይያስ ንምብታኽ፡ ካብ ቆለኻ ተሸረጥ’ሞ፡ ሃገር ንሓዋሩ ከይጸነተት ሎሚ ወስን።

ኣንቱም ውሑዳት ገፋዕቲ፣ ኣንቱም ንሓርነት ህዝቢን መጻኢ ዕድል ሃገርን ወለዶታትን ብካፕሬቶን ቺፋዝን፣ ጽባሕ ብዘይሰፍርዎ ‘ገዛ መንግስቲ’ ብላንድ ክሩዘር መኪና፣ ጉንዖ ገንዘብን በናኒ ተስፋታት ኢሳይያስን ዝሰኸርኩም ሰብ ጽሮራን ይርሓሰና በሃልቲን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሳንቲም ብሳንቲም ክጸባጸበኩም ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ኣእዳውኩም ብደም ጸይቕዎ ኢዩ። ኣብ ሜዳ ዝተጸየቐ ደም ከይኣክል ከኣ፡ ኣብ ኲናት 1998-2000 ዓ.ም. ካብ መራሕቲ ብርጌድ ንላዕሊ ንጹሃት መንእሰያት ንክትርሽኑ ባሪኹልኩም ኢዩ። ንህዝብኹም ትኽሕስሉ መንገዲ ምንዳይ ደኣ ምነበረኩም’ምበር፡ መመሊስኩም ክትሕንግዱስ ዘወጻጽኣኩም ኣይኮነን። ህዝቢን ገበነኛታትን ዝራኸቡላ፡ እንኮ መዓልቲ ኣላ!

‘ዘመን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ’ ከም ዝበሃል፤ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከቢድ ጊልያዊ ስራሕ ትሕቲ ሓደ ዶላር ን24 ሰዓታት ክኽፈሎ እንከሎ፣ ኣንቱም ኣብ ታኼላ ብልሽውና ተሸሚምኩም ኣስናን ዜጋታት ኤርትራ ከም ዕፉን ኣየት ጨጪፍኩም ትህንኩቱ ዘለኹም፡ ናይ ጣዕሳ ግዜ ኣይተጸንቀቐን’ሞ ካብ ቆለታትኩም ተሸሪጥኩም ዝግ ኢልኩም ሕሰቡ።

ሎሚ ኣብተን ልዕሊ 320 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሰለት ኢሳይያስ፣ እሞ ከኣ ኣብቲ ፍጡር ንክነብረሉ ዘይምቹእ ማሕዩር፡ ኣብቲ ሙቐታ ማዕረ ሙቐት ሳውና ዝበጽሕ ስንጭሮ ዒራ-ዒሮን፣ ህበይ ዘይትነረሉን ኣጻምእ ዊዓ፣ ኣቦታትና ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝምቁሑሉ ዝነበሩ ናኹራ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ኣዳርሰር ወ.ዘ.ተ… ልዕሊ 40 ሽሕ ደቂ ኤርትራ ብከቢድ መቑሕ ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉሉ ናይ ፈተነ ግዜ፣ ማዕጾ ሕልናኹም ኳሕኩሑ።

ይኣክል ስኽራን ብውልቀ ሰብ፡ ቆለን ስኽራንን ብኢሳይያስ፡ ግዝኣተ-ኢሳይያስ መኽሰብ እንተዝህልዎ ምርጫና ምኾነ። ከምቲ “…ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም” ዝበሎ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ኣንቱም ገና ስኹራት ዘለኹም ሰብ ቆለ ኤርትራውያን፣ እስከ ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ንመንግስቲ ኢሳይያስን ኣቀዋውምኡን ብድሕሪ 24 ዓመታት ተመልከቱዎ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!!