ዜና ዓርቢ ሓርነት

 06 ታሕሳስ 2014


ዜና ዓርቢ ሓርነት


ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳምን ሰንበትን ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ሓቢሩ ሓግሒጉ ንኸኣልዮ ዝጽውዕ መልእክቲ ዝሓዘ ስእላዊ ጽሑፍ (ግራፊቲ/graffiti ) ን ፖስተራትን ስቲከራትን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ስኢሎምን ለጢፎምን። 



ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ብዝሓበሩዋ መሰረት እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ክኸውን ከሎ ሓደ ካብቲ ግራፊቲ ዝተሰኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ፊት ቤት መግቢ መሶብ ወርቂ ጥቃ ካማሳሪያቶ ሓማሴን ዝፍለጥ ቦታ ምኾኑ ሓቢሮም። እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ድማ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ”፣ ”ተለዓል” ን ”ዓርቢ ሓርነት” ዝብል ይርከቦ። እዚ ንለውጢ ዝጽውዕ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣብ ኤርትራ ይሰኣል ከም ዘሎ ሓቢሮም።



በቲ ሓደ ሸነክ ድማ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘተፈላለያ ለይታዊ ትልሂት ክዘናግዑ ዘምሰዩ ናብ ማኪንኦም ምስተመልሱ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ስቲከር ከምዝለጠፉሎም ሓቢሮም። ክምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ዝእከቦሎም ቦታትት ዘተፈላለየ ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ለጢፎም ከም ዝሓደሩ ሓቢሮም።



ኤርትራና ክውንቲ ንኽትከውን ሂወቶም ዝኸፈሉ፡ ኣካሎም ዝሰንከሎን ደሞም ዝኻዓውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝዳነየላ፡ ሃገር ፍትሕን ዲሞክራስን ድኣ’ምበር፡ ኤርትራዊ ብፍርሒ ተጎቢኡ፡ ብግፍዕን ምልክን ዝመሓደረላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነን ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሚሒኻ፡ ራእን ትምኒትን እቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምትግባር፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።



ዓርቢ ሓርንት ኣብ ዕሰርተ ሓደ ሕዳር 2011 (11/11/11) ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፖርጀክት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለትውን ብርክት ዝበሉ ንለውጢ ዝጽውዑ ንጥፈታትን ቃል መሕተትን ኣካይዱ ኣሎ። ብዘይ ደገፍ ገንዘብ ወልሓደ ክግበር ስለዘይክኣል፡ ኩሎኩም ነዞም ተስፋ ሃገር ኮይኖም ዘለው ደለይቲ ፍትሂ ካብ ኤርትራ ክንሕግዦም ብትሕትና ንሓትት፡፡ ናይ ፐይፓል ሕሳብና ደማ እንሆ፡ http://goo.gl/LKlRJL


06 ታሕሳስ 2014

አፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት