መልቀስ!!! ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ ወዲ ባካሮ!!!

መልቀስ!!!!!!

ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ
ወዲ ባካሮ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ወየ!!!ወየ ኣነ!!!!ወየ!!!!ኣነ!!!
ሓርበኛ ሃገረይ እምበር ስነ!!!!!!
ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ ኣነ!!!ሓወይዶ! ሲኢነ!!!
እንታይ ተረኹቡ ሎሚ ቕነ
ኣይነበርኩን ኣብ ዓዲ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ
ምሉቕ ኢሉዶ! ኸደ እዚ ብዓልቅነ
እዚ ጅግና!! ፍትሒ ኸምጽእ ዝወጠነ።

ኣንታ ዶክቶር ብዓል ሎጎ ጭዋ
ብዓል ዓቢ ታሪኽ ወዲ ድባሩዋ
ወዲ እዞም ለባማት ናይ ኩሉም ሎቦዋ
ኣብ ማይ ላሓም ሕጊ ሓገግዋ!!
ንኹሉ ዝኸዊን ንመሰል ሓለዋ
ብደብተር ዝሰርዑ ብዘይ ኣድሎዋ
መሰረት ናይ ቛንቛ ቀደም ተኸልዋ ።

ሕምብርቲ ዝዕዱ ኣብ ዓዲ ኸፈለት
ወዲ እምባ ጣላ ዘይተሸርፈት መርየት
ወዲ ፈለግ መረብ ብዓል ዓቢ መቅነት
ብዙሕ ተጸቢና ክንወጽ ናብ ዓወት
ከይድካ እምበኣር ሕጂ ዓዲ እንኸ! ይዝመት።

ወየ!!!ወየ!!!!!ወየ!!!
መንእሰይ ሃገረይ ጽን ኢልካ እሞ! ስማዕ
ዶክቶር ርኢሪኻዩ ክብለካ ኣገናዕ
ሓላፍነት ሂቡካ እዩ!! ኣደልዶልካ ጽናዕ
ጸላእትኻ ፍለጦም ኣእዳውካ ከይምናዕ።

ወየ!!!ወየ!!! ወየ!!!!!!+
እስከ እዚ ዶክተር ክንዝክሮ
ሙያኡኳ!! በዚሑ ክንደይ ኢለ ክቖጽሮ
ኣብ ርእሲ ሕማሙ ንዓለም ክዘሮ
ከእዊ ተላዕለ ማንም ዘይጀመሮ
ጸገም ህዝቡ ንዓልም ክነግሮ
ደኺመ ከይበለ ጸንቂቑ ጎሮሮ
ሽግር ላምፓዱሳ ኢሉ ክዝርዝሮ
ንኹሉ ከርክበሉ! መገሻ ሓጸሮ
ነፋሪት ክስቀል ሕቑኡ ሰበሮ
ሓወይ! ኣየምለሰን ኣይወጸውን ካብ ጓሮ
ቃንዛ በዚሑካ ክንደይ ኢልካ ክትጸሮ
ኩሉ ወሲድካዮ ልቢ!!! ኾነ ኣእምሮ።

ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ!!!ኣነ!!!ወየ!!!!ኣነ!!!
ክምለስ ንዓዲ! ሃገርና ኤርትራ
ክትስልም ከተማታት ኩሉ ብሓበራ
ጎርጉሶም ጀሚርካ ትይድብ ነስመራ
ንኩሉ ትበጽሖ ሕምብርቲ ኮነ መጠራ
ገብረ ከፈለት በርሄት!!! ኣምሰልካይ ኣስመራ።

ቁምነገር ናትካ ክንደይ ኢልካ ክነግር
ሓወይ በቕቧቕ ነርካ የዋህ ወዲ ሃገር
ተሪር ሕልናኻ ዘይዕጸፍ ዘይስበር
ንፍትሒ ትቃለስ ዘይትብል ውዓል ሕደር
ኣብ ርእሲ ሕማምካ! ዘይትቕንዞ!! ዘይትሽገር
ንኹሉ ሰቲርካዮ!! ዝዞርካ ብጸገም ናይ ሃገር
ዘበን ውርውራ ኮይኑ ኣብ ስደትዶ!! ይቕበር።

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!
እዚ ዶክተር ሓውይ!! እዚ ጅግና
ደኺመ ከይበለ ዞረ ናብ ኩላትና
ኣጆኹም እናበለ ደጊሙ ከስምዓና
ንዓይ ዘይበል! እንትርፎ ንህዝብና
ምስጢር ጎሓላሉ ደጊሙ ክነግረና
ይኣክል ዝተገራህናዮ ኢሉ ክምህረና
ህዝበይ ይቅረ ገበረለይ ኢሉ ምስ ትሕትና
ስለ ዝወዓለ ምስቶም መጥፋእትና
ይቕረ ንበሃሃል ሰላም ከውርደልና
ኢሉ ዶ!! ኣይኮነ መንእሰይ ሃገርና?
ተሰካሚ ሕድሪ ፍትሒ ከውርሰልና
ሽግ እውን ተረከብ ሓራ ኣውጽኣና።

ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!ኣነ!!ወየ!!ኣነ!!!
እዚ ዶክተር ሓወይ ሰዓቱ ኣብቂዑ
ኣደታት ብኸያ ኩላትክን መራዑ
ኣቦታት እንኮሎ መንእሰይውን ንብዑ
ኣዋልድ ሃገረይ ብኸያሉ እንተሎ ቖላዑ
ቃሉ ድገምዎ ኣጥቢቕኩም ኣጽንዑ
ክዓርግ ንሰማይ ኮባኩብቲ ነብዑ።

ኣንታ!!!ዶክተር ሓወይ ኪድበል ይኣኽለካ
ንሕና እንተንኸውን ብዙሕ መጽናሕናካ
ዘይካኣል ኮይኑ ኣብ መርየት ኣብቂዕካ
ኣብቲ ላዕላይ ሰማይ! ኣምላኽ ይቀበልካ
ቃልና ኣይዕጸፍን!! ደጊመ ክገልጸልካ
ንፍትሒ ዝኾኑ ብዙሓት ኢኻ ዘሪእካ
ኣብ ልቢ ህዝብኻ ሓወልቲ ገዲፍካ።

ንስድራ ቤት ጽንዓት ይሃብ ምስ ኩሎም ተቓለስቲ ደለይቲ ፍትሒ!!!!!
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
29 ጥቅምቲ 2014

መልቀስ ንዝኽሪ ላምባዱስ!!!!!!!!!! ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!

መልቀስ
ንዝኽሪ ላምባዱስ!!!!!!!!!!
ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!

ኢለ ክዝክሮ ዘይተርኽቦ ደበሳ!!!
ክንዝክሮ ዝመረረ!!!ሓዘን ላምባዱስ
ዝኸበደ ሓዘን ዘይብሉ ደበሳ
ወዲ ኮነ ጓላ ክንደይ ተረሚሳ
ወላዲት መናእሰይ ከብዳ ተሓሚሳ
ኮይናዶ ተርፈት ሃገርና ዘይብላ ዝደበሳ።

ክንደይ ይመርርር መዓንጣኻ ዘሕረረ
ገሪሙኒ ኣነስ ሓዚነ ሓሪረ
ብሓደ እዋንዶ እዚኹለ መረረ
ዓለም ሓዚና መዕንጣኣ ተኾምተረ
ሕልፈት ኤርትራ ኣብ ዓለም ተነግረ
መንሞ ተሪፉ ሓዚኑ ዘይዘረ።

ኣብ ቦስተንን! ኣብ ኣትላንታን!!!
ሓደረ ክወቕዑ ከበሮ
ክንደይ ተሓኒነን ብዓል ዕትሮ ምትሮ
በሊዒን በሊዔን ካዕቦ ምዕሮ
ልቢዶ ስኢኖም ዝሓስብ ኣእምሮ
ኽሕደትን ጥልመትን ቀደም ዝተማህሮ
ኣባል ናይ ሻዕብያ እኩባት ደንቖሮ
ፈለማ ትምህርቶም ስድራ ቤት ስበሮ
መንነትካ ክሓድ ፍቕሪ ንኸይሓድሮ
ንሓዉኻ ቕተል ሕረዶ ምተሮ
ጭካኔ ሓኽልና ምስጢርና ስተሮ።

ሻዕብያ ከዳናግር ሓቂ ንኸምስል
ዉዕል ሕድር ኢልካ ተግባሩ ዝቐልል
ገንዘብ ተርኸበ ንዓለም ከታልል
ሓቂ ንኸምስል ኣብ ህዝቢ ከሽካዕልል
ከውደድኽ ጀመረ ህዝቢ ንኸታልል
ሓቅነት ዘብሉ ተጋብሩ በለ ብልልል።

ወየ!!!!! ወየ!!!!!ወየ!!!!!
ላምባዱሳ!!! ላምባዱሳ!!! ላምባዱስ!!!!
ክንደይ ክንብሎም ዝተቐዝፉ ኣሕዋትና
ስሓቕ ዘይርከባ መጥፊእት ህዝብና
ከይነማርር!!! ርህራሄ!!! ኣርኣዩና
ክብረት ዝተረኽቦ ኣብ መሪር ሓዘና
ብስርዓት ተፈትሑ ዝመቱ ኣሕዋትና
ዘገርም ነገርዩ ጭዉነት ረኸብና
ወራዙት ኢጣልያ ክብሪ ኣርኣዩና
ኣቦና ፍራንሲስ ሓዝዘኑ ምሳና
ሕሰም ኣይትርከቡ መሪር ወሪዱና።

ወየ!!!!ወየ!!!! ወየ!!!
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እዋኑውን ቁሪ
ወላዲት ምስደቃ ኣተወት ንባሕሪ
ብጽሕቲ ወርሒ ሓፍተይ ዘይብላ ሰታሪ
ዝተወለደ ህጻን ከይረኣየ ምድሪ
ትንፋስ ከይረኸበ ተዋሕጠ ኣብ ባሕሪ
መዳሕንቱ ስዓበ ኣይረኸበን ክብሪ
ዘገርም ነገርዩ ዝሓልፈ ታሪኽ ንዝኽሪ።

ወየ!!!!! ወየ!!!!!! ወየ!!!!!!

ኤርትራዊ ንዓ ልቢ ግበር
ጸገምካ ፍለጦ ኣይትበል ዉዕል ሕደር
ጓላ ነገር ገዲፍካ ሕሰብ ተበራበር
እንዳመን ተሪፉ መንቀና ዘይስበር
ወዲ መን ተሪፉ ዘይሓድር ኣብ መሮር
መንእሰይ ሃገረይ እንክብል ዓንዘረዘር
መዕለቢ ስኢኑ ፈቐዳኡ ይቕበር።
ናይ ሲናይ ከይኣክል ልብያ ተወሲኹ
ዓተርዶ! መሸላ! ኮይኖም ብሓዊ ክህሞኹ
ስርዓት ናይ ሸፋቱ ቀደም እዩ ቦኽቢኹ
ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ ይነብር ማይ ዓሚኹ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
12 ጥቅምቲ 2014

መልቀስ ! ንኣብራሃም ገብረ ገርግስ (M.I.T)

መልቀስ
ድሓን ኩን !!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!
ኣብራሃም ገብረ ገርግስ (M.I.T)
ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!! ኣነ!!!!!ወየ!!!ኣነ!!!!!!

መርድእ በጺሑና ብጸላም ብለይቲ
ካብ ንዩዮርኪ ያኢ!! ተላእከ! መልእኽቲ
ማኣዉይቲ ተላኢኹ ገስጊሱ ብለይቲ
ንኹሊ ፈታዊ ክንገር ብትዕግስቲ
ዓቢ ሰብ ሞይቱ!! ልዑል ካብ ዓበይቲ!!
ዘይመዉት ሞይቱ!!! ሃገርከ! ትዝመቲ
ኣንታ! ነይሮምንዶ!! ዝበዝሑ ጠለምቲ
ዕድሚኦም ክነውሕ! ንሃገርና! መጽነቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!! ኣነ!!!!ወየ!!!ኣነ!!!!!
ወድያ ገብረ ገርግስ ንኹሉ ዝሓልፎ!!!!!
ወዲ ማይ ጻዕዳ!! ወዲ ገዛ ገብራይ! ወዲ ማይላፎ
ዓዲ ጸጓር እንዳቦኻ!!! መባርኽ ሰሞሞ! ትሓልፎ
ትግስግስ!!ነኣስመራ ትምህርቲ ዝሕለፎ!!
ኣከለ ጉዛይ! እምባ ሶይራ ትገብሮ መዓርፎ
ትወልድኻ ሰፊሕ እዩ!!ትሓልፎ ትተርፎ
ጻዕዳ ጣፍ ትርኣስካ!! ዓተር ትንጸፎ
ዳጉሻ መሸላ!! ብርስን!! መሊኡ ትቖፎ
ሃዘሞ ጀሚርካስ! ትሓርስ ኣብ ጎድፎ።

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!
እዚ ሓወይ ማህደር እዩ ትርኣሱ
ፈታው ትምህርቲ ዝጀመረ ብንእሱ
ብሉጽ ተማሃርይ ኮይኑ ንኣመሪካ ገስጊሱ
M.I.T. ኣተወ ሰማይን! ባሕርን! ጥሒሱ
ክእለቱ ኣመስከረ! ኣብ ኮለጅ ሓምቢሱ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
እዚ በጽሒ ናይ ስሳታት ነጻነት ጨርሔ
ኤርትራዊ ምዃን! ንቃልሲ ኣምርሔ
ቃልሲና እንተኾነ! ተንኮልን! ጥልመትን! ዝጫጭሔ
ወዲ ኣድከመ ምልጋእ! ናብ ሕጊ ኣምርሔ
ክምጉት ጀመረ ህዝቢ ገና ከይ ጎርሔ
ENASA ኣምሪሑ!!! ጥልመታት ሻዕብያ!! ዘርግሔ
ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ ወግሔ ኮነ ጸብሔ።

ናይ ሻዕብያ ልእኽ!!! መልሓሱ ኣንዉሔ
CIA እናበለ ስም ሰብ ዘሰክሔ!!!!`
ድሕሪ ነጻነት! ገለን ክእሰር ገልን ንስደት ኣምርሔ
ንፍትሒ ዝቃለስ! ዘንጉ ነዊሕ! ይነብር ከይፈርሔ
ንኣብራሃም እሞ! መን እዩ ኣብ ቅድሜኡ ዝጸንሔ
ታሪኽ እዩ ዝገድፍ ጂግና! መዓልቲ ምስ ወግሔ።
እዚ ሓወይ ብዙሕ እምበር’ዩ! ተማሂሩ
ወዩ ኣእምሮኡ ብዙሕ እኮዩ ቛጺሩ
ኣብ ዓዱ ከየምህር ብሸፋቱ ተወሪሩ
ዓደይ እናበለ ኣብ ስደት እዩ!! ምንባሩ
ዘገርም ነገርዩ! ዘበን ተቐይሩ
ኤርትራዊ ምዃን ኣብ ስደት ተቐቢሩ።

ሻዕብያ ዓማጺ ምዃኑ ፈሊጡ ብጊሓቱ
ከይ ገበለ ኸሎ ልጓም ክግበረሉ ሓቲቱ
በልጽ ኣጥቒዕዎም ዝነበሩ ብጾቱ
ብቓሎም ዘይጸንዑ ኮይኖም እቶም መሳቱ
ሳኣን ትርርር!! ምባል ኣዝለቑ ማዕቀበቱ
ሻዕብያ ሰወደ!!! ምቕንጻል ዝፈቱ
ንዝዓበየን፡ ንዝነኣሰን፡ ኣርከበሉ በብማዓልቱ
ንኹሉ ኣርከበሉ! ሃገርን ጸኒቱ።

በል ዕረፍ ተቓሊስካ ነዊሕ
ንፍትሒ እዩ ነይሩ እንሓደረ ዝስውሕ
ሓቅነትካ ደጋጊምካ ክርኤ መሊሱ ዝነውሕ
ፍትሒ ከምጽእዩ ኣብ ሃገርና ክወግሕ
ዝኣኽለካ ተቓሊስካ ህዝቢ ንኽረብሕ
ጽቡቕ ስም ገዲፍካ ናብ ዉላድ ዝሓልፍ።

ድሓንኩን ዝሓወይ ይጥዓም መገሻኻ
ሕማም ካብ በዝሔ ሰላም ይሕሽእካ
መንሞ ኣሎ ዝጸንሕ ብድሕረኻ
ኩላ ክትመጽእ እያ ሓዝ መርየት ኣስፊሕካ
ንኹሎም ርኸበልና ዝሓለፉ ቕድሜኻ
ቃልሲ ፍትሒ ሰሲኑ በሎም በጃኻ
ኣምላኽ ኣብ ኣፍደገ ይጽናሕካ
ጽንዓት ይሃቦም ንኹሎም ስድራኻ
ኣብራሃም ጽኑዕ ዓንዲ ማእከል ኢኻ።

haile-gt-indiana

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
14 መስከረም 2014

 

 

 

መልቀስ ንተጋዳላይ ተኪኤ ተክሊት በየን

መልቀስ
ንተጋዳላይ ተኪኤ ተክሊት በየን

ወየ!! ኣነ!! ወየ!!ኣነ!!!! ወየ!!!!ኣነ!!!

ተጋዳላይ ተኪኤ ወዲ ኣቦይ ተኽሊት
ብህጻኑ ንሕርነት ሃገሩ ዝኸትት
ኣብ ዉዕዉዕ ኩናት መረብ ዝብል ስክት
ተወጊኡ እንከሎ ደጋጊሙ ዝኸትት።

ተኪኤ ወዲ ኣቦይ ተኽሊት ኣውሊዕ ጾሩ
ክንደይ ጅግነንት ናታትኩም ተቑጺሩ
ስድራ ብምልእታ ብሃገር ዝመኽሩ
ዝዓበይኑ ዝነኣሱን ናብ ገድሊ ዝወፍሩ
እዚ ገዛዚይዶሞ! ኣብ ስደት መነበሩ።

ተጋዳልይ ተኪኤ ቖልዓ ደቀምሓረ
ወዲ እገል ሓመስ ወዲ ሳምረ
ወዲ ጎልጎል ዓላ፡ በርኻ ዝሓደረ
ወዲ ኣድግና ተገልባ ብዓልስረ።

ኣንታ ተላእከዶ! መኣዉቲ ንዓንስባ
ስድራቤት ኣዴኻ ክመጹ ተኣኪባ
ሓምሴን ክመጹ ንቐብሪ ብዓጀባ
ኣብ ኩሉ ትውለድ ወዲ ዓቢ እምባ
ወዲ እምባ ሶይራ ዘይብልካ ጸበባ።

እንትዝኸውን ቀብሪ ኣብ ኣውሊዕ ጾሩ
እንድ ዕቑቢት ሰራየ መምጹ ምስ ሰጋሩ
ማይጻዕዳ ኣድ ዃላ ምመጹ ምስ ዓታሩ
ምመጸ ነይሩ፡ ቕጫ ዓተር ተኾሚሩ
እንዳ ጎመራ መመጽእዎ፡ ዓዲታት ኣሕቢሩ
ደቂ ከብዲ ዓዲ ነዊሕ ሰራዉሩ
ከቲቶም ምመጹ፡ ንነጻነትን፡ ንኣድያምን ከኽብሩ
ወሎድኻ ሰፊሕ እዩ፡ ኣብ ኩሉ ዝሓድሩ።

ተጋዳልይ ተኪኤ ካብ ኮነ ነበረ
ሃገርና ብሰራዊት ዓመጽቲ ካብ ተኸትረ
ፍትሒ ኣልቦ! ኮይኑ ህዝቢ ተማረረ
ጅግና ሃገር ኣብ ማእሰርቲ ምስ ሰፈረ
ወዲ ጭዋ! ተወረደ ኣብ ቃልሲ ነበረ
ተቓሊሱ ጻማ ዘይብሉ ኣብ ስደት ተቐብረ።

ወዘሮ ገርግስ ተዓጠቒ ብገመድ ዝቐጠነ
ግዜ ካብ ሓሰመ፡ ሓመድ ዓዲ ካብ ተሳእነ
ዝሃበካ ምቕባል እዩ፡ ፍትሒ ካብ ቀይነነ
ትዕግስቲ እምበር፡ ኣየድልን ኣብዚሕካ ምሕዛነ
ጅግና ታሪኽዩ ዝገድፍ፡ ዘይኣርግ፡ ዘይማስነ
ተሓበኒ ብዝገበርክዮ፡ ኣሞ!!!ናይ ዘበነ።

ጽንዓት ይሃብኩም ስድራቤ ብሓበራ
ዶክተር ሃብተን ኣድያንን ኩሉ ስድራ
ብጻይናን ሓውናን ካብ ከደ ንሂወትን ሰገራ
ኣቦይ እዚ ይግበረሉ ዝለስለሰ ስፍራ
ክስባ ንስዕበካ ኩልና በብተራ
ንዝቐደሙ ንገረልና፡ ህዝብና ኣይወጸን ሓራ
ቀሪብና ኣሎና ሕጅስ፡ መንእሰይ ተበራቢራ
ድኻምካን፡ ቃልስኻ፡ ወገግ ይብል ኣሎ በብተራ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
9 ሓምለ 2014

 

ሓወይ ኣበይ ኣሎ!!!!!!!!

ሓወይ ኣበይ ኣሎ!!!!!!!!
ንዓይ ጠፊኡኒ ኣሎ!!!
ሓፍተይ ኣበይ ኣላ!
ጠፊኣትኒ ተሸሪባላ!!!

ኣበይ ኣሎ ሓወይ!!!!! ኣንታ ንገሩኒ!!!
ኣበይ ኣላ! እዛ! ሓፍተይ በጃኹም ኣዳልዩኒ!!!
እዚ ሓውይ እዚ ምቃል ጎነይ
እዛ ሓፍተይ እዛ ጽላል ዓይነይ!!!
ብጀካኣ!! ኣባዲ ዘይብለይ!!!!
ትራኣየኒ ኣብዛ!! ቕድሚ ዓይነይ።

እንኪ ዓቢ ዘራይ ዝኾነነልይ
እንኪ ዘልል ኣጆኻ ዝብለለይ
ኣበይ ከደ እዚ ሓወይ ናተይ
ጠፊኡኒ ሓወይ ድለዩለይ
ጸገመይ! ሕሰመይ!! ሕዝቢ! ፍለጠለይ።

እዚ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና
ኣቐዲሙ ከይዱ ራሕሪሑና
ኢሎምኒ! ከይዱ ነጻነት ከምጽኣልና
ኣይተመልሰን ቁሪ ኣእትዩልና
ምስከደሞ ምዓስሞ ጥዒሙና።

እታ ሓፍተይ ዝነበረት ጎርዞ
ንመርዓኣ እናተባህለ!!! ኣምጻኣዮ! ሓዞ ሓዞ!!!
ንበረኻ ከደት ወሰኸትሉ ንቓልሲ ጉዕዞ
ንስድራ ኮነ! ንዓድና ኣፍዘዞ
ነጻነት መጺኡ! ተፈጸመ ሃገራዊ ጉዕዞ።

ገረመኒ እቶም ዘይተመልሱ
ፈቐድኡ ሓሊፎ ጎቦ እናጠሓሱ
ዓስቢ ዘይርክርቦ ንብላሽ ፈለሱ
ወልዲ ስዉኣት ምንም ዘይተኻሕሱ
ኣብ ክንዲ ደበሶም ሰዓቡ ዝነኣሱ
ቅዱምን ድሑርን ኣሕዋተይ ዘይተመልሱ
ወዶም!! ጟሎም!! ዱር ዝጣሕሰሱ
በብሓደ ገዛና ፈሪሱ ።

ዝተመልሰ ሓወይ!!! ኣሎ ኣብቲ ዒራዒሮ
ማእሰርቱሞ! ኣብ ዓለም ዘተይገበሮ
ብማእሰርቲ ደንዚዙ ኣጥፊኡ ኣእምሮ
ናህና ሓዘን ክንደይ ኢልካ ክትይቑጸሮ።

ከይዱ ሓወይ ዱር ቀሳቂሱ
ብመረብ ሰገረ ዉሕጅውን ጥሒሱ
ቀጸለ መገሻ! ብረሻይዳ ተሓቢሱ
ዶልር ብምስኣኑ ከብዱ ተፈሪሱ
ኣብ ኩርቢት ሲናይ!!! ኣሕዋተይ ፈለሱ
ንወለዲ መንከ ኢዩ ደቢሱ
ሓዘን ናይ ገዛና ደጊሙ ተሓዲሱ
ወግሔ ጸብሔ ጸሊም ናብራ ንሱ!!!!
ዉላድ የለን ንንብዕት ዝሕብሱ።

ሓወይ ከይዱ ሰሃራ ሰጊሩ
ልብያ ኣትዩ ኣብኡ ተኣሲሩ
ብኽንደይ መከራ ኤውርጳ ተሳጊሩ
ናብራ ስደት ከርተዩ ሓዳሩ
እቲ ሓደ ኣብ ባሕሪ ሓዲሩ
ሓወይ ጠፊኡኒ! ዓሳከ!!!! ተደረሩ።

ዝተረፈ ኣይተቐብረን! ኣብ ሳዱቕ’ዩ ገና
ንዘይፈለጠ ኣብ ላምፓዱሱ ኢልኩም ንገሩልና
ኣይረኸበን ባይታ ናይ ሃገርና
ኣሕዋተይ ኮይኑ መቕብሮም ኣብ ጋህሲና።

ተሓቲተ ብናይ ሎሚ ሃዋርያት!!!!!!!!
ምስ ጨነቖም ናይ ሓወይ ኩነታት!!!!!
ኣበይ ኣትዩ ሓውካ??? ዚኹሉ ዓመታት?????
ሓቢኤዮ ንኸይዛረብ እዝኹሉ ዘበናት
ናይ ሓወይ ሓቢኤ!!ሳዕሲዔ ንብዙሕ መዓልታት!!!
ገልን ከይገብር!!! ንበይነይ ኣብዛ ብኽያት
ይኣኽለኒ! ተሓቲተ!! ክድሕድሖ እቲ ኣውያት!!!
ክወጽእ ንደገ! ኬኢዊ ኣብ ቕርዓት
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩሉኹም ኣቦታት!!
ተሰዊሩ ሓወይ!!! ድለዩ ፈቀዶ ዓድታት!!!
ሲኢነዮ ሓወይ ንነዊሕ ዓመታት።

“ሓውኻ ዘይብሉ ኣይዓድኻን!!!!!!!!
ዓርክኻ ዘይብሉ ኣይጟይላኻን
ላሕምኻ ዘይብሉ ኣይደምበኻን
ጥሻኻ ዘይብሉ ኣይ ዓድኻን
ብሕጊ ዘይምራሕ ኣይስርዓትካን
ኣጽቂጥካ ምንባር ኣይጸንሓካን
ድለዮ! ንሓውኻ ኣብ ዓድን! ኣብ በረኻን!
ኣማኒ ካብ ኮንካ! ጥልመት ኣይናትካን
ዓደቦና ኮይና ወላድ መኻን”።

እቲ ሰይጥን! ሓወይ!! ሃገርና ኣንዲዱ!!!!!
ዝነገሰ ሓወይ!! እምብዛ ዓቢዱ
በርኻ ምስከደ ብዙሕ እዩ ሰዊዱ
ተቐይሩ እምብዛ መንጉዱ
ዓድና ኣብረሶ! ኣሲሩ ቐፊዱ
ሕጊ ንኸይገብር! እምቢሉ ሓንጊዱ
ኣጥመየና ክንመውት ኣፍቂዱ
ንዝሓትት ሓንቂቕካ! እናበለ ኣቢዱ
ዓለም ገሪምዋ ናይዚ ጭካነስ ገዲዱ
ንሕስያ ዘይብሉ ንህዝቢ ኣንዲዱ
ንመንእሰይ ኣብ ሓዊ ኣጚዱ
ህዝብና ኣደንቖሮ ብጓይላ ኣዕቢዱ
ክነብር ኣብ ከርተት ንስደት ኣስዲዱ
ኣብ ዓዲ ዝነብር! ብፍርሒ ቐይዱ
ሃገርና ኣጽነታ ጋንየን ተወሊዱ።

ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 29 ሰነ 2014