ግርጉራት አዛበእ

ግርጉራት አዛበእ

አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም
ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም
ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም
ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም

ናይ ቀደም አዛበእ ይዘምቱ ብለይቲ
ናይ ሎሚ ግን ዋላ ብመዓልቲ
ጨሪሶመን ንከብቲ
ዕባራ ስብሕቲ

መስኪናይ ዓኻይ ጥሪቱ ምሰአነ
አደዳ ጥሜትን ሰእነትን ኮነ

ግርግርቲ ዝቢኢ ምስ ክልተ ደቃ
ናብ ደንበ አተወት ማዕጾ ፈንቂቃ

ንዝደቀሳ እንሣሳ ኧእቲዋ ፋሕ ብትን
ሓደ ሰብ አይነበረን ከድሕነን ዝፍትን

ወይከ አኽላባት ዝነብሑ
አስናን አዛበእ ስለ ዝፈርሑ

ከምዚ’ላ ዝቢኢ ሓንቲ ላም አውዲቃ
ምስ ሽላን መጅሪጣን አስማቶም ደቃ
በይና ክትበለዕ ጸሓይ በሪቃ

ዋላ ንደቃውን ቅንጣብ ስጋ ከየጫነወት
ንውልቃ ክትበለዕ ሓደረት
መረት ምስ ወግሐ ክትሃድም ፈተነት
ከብዳ ስለ ዝኸበዳ ምስጋም ሳአነት

አድሕነኒ ሽላ ኢላ ጸወዐት ንወዳ
ራዕድን ፍርሕን አትዩዋ አብ ከብዳ

በይኑ ዝበለዕ በይኑ ዳአ ይርከባ
እንታይ ኧእተወኒ አብ ናትኪ ጸበባ

በል አድሕነኒ ወደይ መጅሪጣ
እንታይ ዶ ሂብክኒ ኢኺ ዘይትርፊ መዓንጣ
በይነን ዝሓየኻ አስናን በይነን ይዘበጣ
ከምዘይ ሕግዛውን ብሕርቃን አፍለጣ
ጌጋአ ሸዑ ተፈለጣ

ቁጡዕ ህዝቢ ግን ተተሓሓዛ
ብፋስ ብጎዞሞ ባአፍራዛ

ዝበላዓቶ ስጋ ከየሕቀቀት
ተሃሪማ ራዕ ኢላ ወደቀት

ክልተ ደቃውን ናብ ጉድጓድ ከይተሸርቡ
ፈጣን ህዝቢ ዘላዓፎም አርኪቡ

ንጉርጉራት አዛበእ ካብ ሓቂ ዝሓለፉ
ህዝቢ ብሓድነት ተሰሊፉ
ከባርሮም ናብ ገደል ይጽደፉ
ህዝብና እፎይ ክብል ኧዕሪፉ
ሓንሳብ ንሓዋሩ እንኮ አፉ

ውድቀት ንውልቀ ረብሑኡ ዝጸዕር
ዓቅሊ ጽበት ፋሕተርተር ዝገዕር

ዓወት ንደለይ ፍትሒ
ድምጺ ውጿዓት መቃልሒ

ካብ ደላይ ለውጢ ጆርጆ ሃብተ
ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ

 

መልቀስ

መልቀስ
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና።

ሃይለ ሰኣላይ!!!!!የዕሪፍካዶ?
ሓወይ! ዓርከይን! ተፈሊኻዶ?
እሞኸ! ኣብ መገሻኻ በጺሕካዶ?
ናብራ ዓለም! ተሳናቢትካያዶ?
ከድካ ኣለኻ! ፡ ኩሉ ሰብ ዝኸዶ።

ብዓል መንደፈራ ሃይለ ተኽለ
ብንእሱ ኸሎ ለይለይ እናበለ
ቅድሚ ኩላትና ብሙያኡ ዝልለ
ተማሃርይ ከሎ ሰኣላይ ዝተባህለ
ክንደይ በራድ ሻሂሞ! ዘይከፈለ።

ሃይለ ተኽለ ብዓል ድበዛና
ኣብ ማእከል ተኸላ መራሒትና
ዓዲ ደግያት መሓሪ ብዓልዝና
ለባም ናይ ዓዶቦ ደብተር ሰራየና
ጠርኒፎም ዝጽሕፉ ሕጊ ዓደቦና
ብዘንጊ ዝመርሑ ነበሩ ፍትሔኛ።

እዚ ሰኣልይ፡ ዓርከይ ክነግረሉ
ዘይ ጓዳእ ነይሩ፡ ፍሽኽታ ኣመሉ
እንተ በርቲዕዎ፡ ድንን ኢሉ
ጽፍሩ እናቐርጠመ ይሓስበሉ
ንኹሉ ዝዕዘቦ ኣቃሊሉ።

ክዝክሮዶ! ኣብ ርያድ ከለና
ብዙሕ ስሒቕና ብዙሕ’ውን ዘሊልና
ንሳባ ክትምርዖ! ሓቢርና ዘቲና
ኣሮንውን ክውለድ ኣብ ስርሕና
ጥዑም ዘበን ነበረ ኣብ ስደትና
ዳግማይ ስደት ፋሕ ኣእተወልና
ንነብር ርሒቕና፡ ተመዓዳዲና
ኣብ መንገዲ፡ መርድእካ ሰሚዕና
ዘሊልካ ዘይምጻእ፡ ስለ ዝረሓቕና።

ኣምላኽ ሓሲብዎ ምስ ሳባ ነበርካ
ጓል ወዘራዝር ዘውዲ፡እያ ኣብ ኢድካ
ደኸመኒ! ከይበለት ብዙሕ ጸይራትካ
ተረካቢ ኣይኮነን፡ ኣብ ጸሓይ ዕርበትካ
ኣደ ሓርስ ነብሪ፡ ጠርናፊት፡ ናይ ቤትካ
ንኹሉ ኣርኪብካሉ፡ ዘጣዕስ ነይብልካ
ኩሉ ርኢኻዮ ኣብ መርየት ከለኻ።

ኣንታ ዕባይ ቲቦ፡ ዕባይ መንደፈራ
ትዘልል ነበርካ፡ ከም ኢራብ፡ ከም ዛግራ
መጻወድያ! ሒዙካ ዘይሰድድ፡ መፈንጠራ
ማሕለኻ ረኺብካ፡ ዘሊልካ፡ ዘይትሰግራ
ነዛ ዓባይ እምባ ፡ ከመይገርካ ክትሓኹራ
ከረውረው እናበላካ ናብታ! ጉድጓድ ስፍራ።

በልኪድ ዓርከይን፡ ሓወይን ዘበንካ ኣኺሉ
ስድራ ቤት ዝኾንኩም ጽንዓት ተቐበሉ
ንጽቡቑ፡ እናዘከርኩም፡ ዓልሉ
ከነርክቦ ኢና ኣብ እንጽዋዓሉ
ኣምላክ ይቀበሉ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ
ብርሃን ጸሓይ፡ ኢኻ ፍሽኽታ ዝኣመሉ
ንሰናበቶ ብሓበራ፡ ኣብ ሰላም ክህሉ
ክርስቶስ ይቀበሎ መላእኽቲ ኣኸቲሉ።

 

ዝፈትወካን ዘኽብረካን ዓርክኻ!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 29 ሓምለ 2016

 

 

 

 

ኣብ ጀንቫ በጺሕኩምዶ?

ኣብ ጀንቫ በጺሕኩምዶ?

ዝዓበኩም ዝነኣስኩም በጺሕኩምዶ?
ኣዋልድ ሃገርይ በጺሕክንዶ?
ወዘራዝርን ዓድይ በጺሕክንዶ?
ጎበዝ ጎርዞ ጉላኸ ኣርኪብኩምዶ?
መናእሰይ ኤርትራ መርሽኩምዶ?
ደለይቲ ፍትሒ ብሓበራ በጺሕኩምዶ?
ንገሩሉ ንዓለም ንህዝብና ዝኸበዶ!!
ኣርዑት ማፍያ ህግደፍ ዝተጸምዶ!!!
ሓንቲ ከየትረፍኩም ዝተርኽበ ጋዶ!!
ተጠርነፉ ብሓባር ከም ማእዶ!!!
ፍትሒ ክወርደልና ህግደፍ ዝኣጎዶ።

ኣንታይ ንገርሉ በብሓደ ዝኸረረ
ንገርሉ ነቲ ኣብ ጉድጋድ ዝተኣስረ
ብርሃን ከይረኣየ ዓይኑ ዝዓወረ
ኣስደሚምዎ ኣእምሮ ዘዔወረ
ወሳዲኡ ዘይፍሉጥ ዝተሰወረ
ኣሎ እናበካዮ ከይተመልሰ ዝሓደረ
ዝገደፎም ህጻውንቲ ደቁ እናዘከረ
ዘስደም ክንደይ ኣሎ ዘይተነግረ።

ንገሩሎም በደል መማህራን ሃገርና
ስለ ዝበሉ ኣይጠቅም ንደቅና
በብሓደ ተወስዱ ብዓፈና
ኣይተርኽበን ወረ ኣሎ ገና
ኣይተነግረን ሃለዋቶም ንህዝብና
ተገምጢሉ ህግደፍ ይሓተና።

ንገሩሎም በደል ኣካለ ስንኩላን
ምእንቲ ሃገሮም ብምስካል ኮነ ሓጥኣን
ጠያይት ኣርገፍሎም ከም ዕጣን
ቶኮስሎም ጀነራልን ኮነ ግብጣን
ንሕስያ ዘይብሎም ፍጥረት ሰይጣን።

ንገሩሎም ነቶም ጀጋኑ ዓዶም ዘድሓኑ
ዶብ ሃገር ንኸይድፈር ዝሓለኑ
ሰላም ምስተረኽበ ኣብ ዓሰብ ዝተረሸኑ።

ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣስመራ
ከም ኣባጊዕ ተኾንኮቡ ብሓበራ
ኣብ ዊዓ ተኣጎዱ ብኹምራ
ገልን ብዋዒ ደንዚዛ ሓሪራ
ገልን ኣብ ዊዓ ተቐቢራ
ንገሩልም ከይኣጉደልኩም ሓደራ።

ናይ ዓዲ ኣቢቶ ክንዝኽሮ
መንእሰይ ክቕጥቐጥ ከም ከበሮ
ብጠያይት ዓረር ኣፍልቡ ክመትሮ
ወዲ መን ምዃኑ መንሞ! ይንገሮ
ኣሎ ብዙሕ ንዓለም ዘይተነግሮ
ጎዳጉዲ ዝሰተሮ መንይፍሓሮ
ህግደፍ ስራሑ ናይ ምንሽሮ።
ናይ ዶባት ሃገርና ከይርሳዕ
ኣራእስ መናእሰይ ብጥይት ክብሳዕ
እስከ ንገሩሎም ጉዳቶም ይቀላዕ
ኣብ ሃገሩ ከይነብር በባትር ይቅጻዕ
ደንጉኻ ተባሂሉ ፈቐዱኡ ይጽጋዕ።

እስከ ንገሩሎም ግዳያት ምድረበዳ
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ብሓባር ክስደዳ
ፎቖዶ ሳሓራ ብሑጻ ክነዳ
ኣበይ ኣሎሞ! ኤርትራዊ ዘይከዳ
ሕላገትና ኮይኑ ናይ ኣሞራ ኣደዳ።

ከይትርስዕዎ ግዳይት ናይ ሲናይ
ተኽለ ማንጆስ እዩ ቀያሲ ናይ ሲናይ
ምስ ረሻይዳን፡ በደዊን ዶላር ተመቃላይ
ሽያጥ ናይ ኮላሊት ሚልዮን ተቀባላይ
ሓደ ከይትገድፉ ብደም ተሓታታይ።

ኣንታ ንገሩለን ኣደታት ኤርትራ
ኣብ ከብዲ ከለዉ ከይተበኮራ
ብኹርማጃት ህግደፍ ከብደን ዝሓረራ
ፎቆዶ ማእሰርቲ ንቡር ዘይተቐብራ
ንሳተን ደቀንን ብሓባር ተቐብራ።

ኣንታ እዞም ናራ ወዮም! ዞም ኩናማ
ብሓብር ተኣስሩ ኩላቶም ብኣልማማ
መላስ ኣውያት የለን ኣዛኖም ጸመማ
ብህግደፍ ተደፍኑ መርዚ ኣቐዲማ።

ገዳያት ናይ ቀላይ ፡ናይ ማእከላይ ባሕሪ
ጸግምና ተቐልዔ ንዓለም ነጋሪ
ወግሔ ጸብሔ ይሰጥም ናብ ባሕሪ
ክንደይ ክንብሎሞ! ዝወስዶ ባሕሪ
ዓለም ብዓለማ ተኸዲና ጸብሪ
ማፍያ ህግደፍ ኮርዩ! ወሰኸሉ ነድሪ
ኣይፈልጦም! ክብል ግብሩ ኣነዋሪ
ገንዘብ ክፈሉኒ እንተደለኹም ቀብሪ
ቃላት ኣምጸኣሎም ዝጠለሙ ሕድሪ።

ሙሁራት ሃገርና ተቖርጹ ብጎዞሞ
ናይዚኦም ጭካነስ ንዓለም ገረሞ
ኣበይ ዝተፈጥሩ ጭካነ ዝገዘሞ
ድምብርጽ ዘይብሎም ቃንዛ ንዘሕሞ
ኣቦኦም ዝቀትሉ ብፋስ ብጎዘሞ።

ኣንታ ንገሩሎ ንኹሎም በብሓደ
ሃጽ ዝበለ መንእሰይ ንስደት ዝኸደ
ኣፉ ዓቢሶሞ ከይዛረብ ዘስገድገደ
ትምህርቲ ተሳኢኑ ጽሑፍ ዝኣገደ
ተስፋ ምስቆረጸ ናብራ ምስ ከበድ
ሃጽ ኢሉ ኸደ! ባርነት ምስ ገደደ
ካብ ባርነት ኣብ ሃገር! ይሓይሽ ዝተሰደደ።

ኣብ ጀንቫ ዘለኹም ኩሉኹም
ንዓለም ንገሩሉ ደጊምኩም ደጋጊምኩም
ሃገርና ኣልሚስዋ! ህግደፍ ማፍያ ኢልኩም
ፍትሒ ኽወርደልና! ዓለም ርድኡና!!። በጃኻትኩም

ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ፍትሒ ይንገስ
መንእሰይ ኤርትራ ሽግካ ዕተራ።

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 22 ሰነ 2016

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!! 25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
25 ዓመት ባርነት ኤርትራ!!!!!!!!!

ኣንታ!! እዚ ቓንዛ ክሳብ ምዕስ ኢና
ባርነት ከብቅዕ ንበል ይኣኽለና
ለባማት ካብ ተርኽቡ ዝነግሩ ሽግርና
ደልይቲ ፍትሒ ጠርንፉ ምኸሩና።

ዓለም ለኻዊ ተበግሶ ካብ ጀመሩ
ንኽድንፍዕ ህዝባዊ ቓልሲ ኣትርሩ
ኢደይ ኢድካ ንበል ኩላትኩም ሕበሩ
ዝሓይሽ ዝበልካሞ እናዘርኩም ንገሩ።

ዘተ እዩ ፈውሲ ዝኸውን ንሃገርና
እስከ ካብዚ መርድእ ዓዲ ኣድሑንና
ጠፊኡ መንእሰይ መልቀስ ናይ ሃገርና።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኤርትራ ዓደይ ዘይውዳእ ልቕሶ
መዓስ እዩ ዝዛዘም ናይ ገዛና ልቕሶ
ናብራ ዓድና ኮይኑ ደጋጊምካ ልቕሶ
ጎዶቦታት! ዓድና ቤት ከፈተ ልቕሶ
እንዳታት ዓድና ዘረባኡ ልቕሶ
ወረዳታት ሃገርና ዕላላቶም ልቕሶ
ኣዉራጃታት ዓድና ወግሔ ጸብሔ ልቕሶ
ዝቐደመ ኸሎስ ኣብ ርእሲኡ ይድገሶ
ኣንትዞም ስድራና ስኢኖም ደባሶ
መንእሰይ ሃገረይ ግርማና ምለሶ
ንብዓት ወላዲትካ! ከድካንዶ! ሓብሶ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
ኣበይ ከደ ጅግነንት ናይ ኤርትራ
ታሪኾም ዝርስዑ ኣለዉ ሰብ ጃህራ
ሓሶት ዝናብራኦም ጥራሕ ጉራ
ኣሕዋቶም እናተዓመጻ ኣብ ሳሃራ
ገለን ይሽየጡ ብዶላር ብባጠራ
ገና ናይ ኣሕዋትና ዘይተገብረ ቀብራ
ሃገር ጠሊማቶም ኣብ መኽዘን ክሓደራ
ጅግና ወዲ ዓደይ ታዕጠቕ ሽራራ
ንዓባ ህዝብኻ ኣውጻኣዮ ካብ መከራ።

ወየ!!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!
ቆላዑ ናይ ሳዋ መዓንጣ ዘይቆጸሩ
ናፍቖት ወላዲቶም ስለ ዝዘከሩ
ኣስመራ ምስ በጽሑ ጸገሞም ክነግሩ
ንዓሰብ ዘይኮነስ ናብ ዓርብ ክሰግሩ
ምስጢር ንኸይንገር ኣብ ኣስመራ ሓረሩ
ኣብ ቅድሚ ወለዶም ከብዶም ተመቲሩ
ኣለልዩ ጸላኢኹም ሓቢርኩም ዘርዝሩ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!
መንእሰይ ሃገረይ ዘይረኸበ ቀብሪ
ዘበን ጠሊምዎ እናኾነቶ ጓህሪ
ዓለም ጸቢባቶ ደቒቓቶ ከም ኣድሪ
ሳሃራ ወዲኡስ ይድርገም ናብ ባሕሪ
ኣብ ውሽጢ ይጸንሖ! ዓሳ ነባሪ
ሽግርን ናይ ሃገራና ይውሰኾ ስድሪ
ንዝነበረ ሓዘን ይድመሮ ቁሪ
ኣደ መናእሰይ ከምይ ኢልኪ ትሓድሪ????።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ባንደራ ሃገርና መንዩ? ዝሰቐላ
ትርኤ ኣብ ላዕሊ ተንጠልጢላ
ዘይትርከብ ደይብካ ኣብ ዋላ
መጻወቲት ኮይና ንኹቱ፡ ንሽላ
እናሃሰሰ ከደት ሕብራ ተበሊላ
ስኢና ጥዕና ሓደረት ኣብ ገበላ
ሃገር ብሃገራ ምሕረት የውርደላ
ዘይትሕብሕብ ህዝባ ኮይና ተዳሂላ።

ብዙሓት ኣለዉ ዝነብሩ ኣብ ሓሶት
ናብራኦም ካብኮነ ንፋስ ወይ ጽላሎት
ውቕረት ዝዕላሎም ምስ ፍኹሰት
ክብሪ እንተዝመረጹ ምሕሸ ካብ ዉርደት
ሕልና እንተዝገብሩ መምጻኣሎም ቅሳነት።

ዘበነ ጸላም ህግደፍ ንኽድምሰስ
ንብዓት ናይ ወለዲ እንክ ሕበስ
ኣውያትን ብኽያትን እንክዕበስ
ምስ ለባምት ንምከር ህዝብና ኽድበስ
ይኣኽለና ዘሕለፍናዮ ሃበስ ቀደስ
ዓመጽትን ክባረሩ ሕጊ ንኽነግስ
ግዜ ከየጥፋእና ኣይንበል ደበስበስ
ኣብ እስራኤል ዘልኻ ኣንጊህካ ተበገስ
ህጻናት እንክዘሉ ሓርነት ክምለስ።

ዉድቀት ንፋሽሽቲ ማፍይ ህግደፍ
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 14 ግንቦት 2016

መልቀስ

መልቀስ
ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!

ጃኪ!! እልካ ዝጽዋዕ ኣብ ጅዳ
ያዓቆብ ዮሃንስ መንበሪኡ ጅዳ
ተቐባል ኣጋይሽ ንዑምራ፡ኮነ! ሕጃ
ኣዳራሹ ገዚፍ ብዓል ድርብ መጋርጃ
ብንእሱ ዝለበመ ኣብ ኩሉ ወረጃ
ዓንዲ ማእከል ኢኻ ብዓል ግምጃ።

ማይ ጻዕዳ ዓድኻ ኣብ ሰሞሞ
ተኸላ መራጉዝ ምስ እያሞ
ኣከለ ጉዛይ ትውለድ ምስ ሃዘሞ
ሓማሰን ትዉለድ እዞም ሰብ ህድሞ
ትግራይ እንተኸድካ ናብ ሰብ ዳሞ
ጎጃም ቤገምድር ምስ ለማልሞ
ወሎ ኮነ ሽዋ ከይዱ ዘይእግሞ
ብንእሱ ክንደይ ዘይዓመሞ
ኣንዊሑ ዝእምት ዘይጽግሞ።

ወድዘን ወዘራዝር ወድዞም ሓገግቲ
ወዲ ባሕሪ ነጋሽ ንጉሰ ንኹናት ዓጋቲ
ጉንደትን ፡ጙራዕን ክንብለን መስከርቲ
መተማ ዝኸይድ ምስ ሃጸይ ዘማቲ
ሃዘጋ ይመስክር ኣእዛናት ጨረምቲ
ብዓል ሰፊ ገደና ብዓል ርስቲ።

ዓርክርይዶ ክብለካ መዓብይተይ
መባእታ ትምህርቲ መፋልምተይ
ክንዘል ከለና ከምዛ ብተይ
ወዲ ሓወቦ ኢኻ መማጉተይ
ወዲ ዓደይ እባ መርየት መማቕልተይ
ክንድ ሰብ ምስኮና መሳድድተይ
ተሃዊኻ ዓርከይ መላዝብተይ።

ኣብ ሽዋ ተማሂርካ ዓንዲርካ
ክንደይ እወ ዘይሓምበስካ
ባኖ ትኽደን ቅድሚ መሳቱኻ
መኪና ዘዊርካ ብንኡስካ
ኣዲስ ኣበባ ኮይና ታሓመድካ
እዚ ኹሉ ክንደይ ተጸቢኻ
ባዕልኻ ከድካይ ታሰፈርካ።

ያዓቆብ ሓውይ ጥዑም ቃሉ
እስከ ኩሉኹም ዝዓርከይ ብኸይሉ
ክንደይ ከይርከ እቲ ቓሉ
ግዜ ኣይጥዑምን ንስኻ ዘይብሉ
ካብ ነቐለ ርዖኡ ጠቕሊሉ
ድሓን ኩን ንበሉ ብኽያት ተኸልከሉ
ኣምላኽ ይቀበሎ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ
ጽንዓት ይሃብ ንቤተሰብ ኩሉ
ያዓቆብ ሓወይን ዓርከይን ሰዓቱ እኺሉ
ኣብ መርየት ዝግበር ጎደሎ ነይብሉ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 19 ጥሪ 2016