ኣደይ ቅበጽኒ!!!!!

ኣደይ ቅበጽኒ!!!!!
ኣደይ ቅበጽኒ!!!
ኣደይ ቅበጽኒ!!!

ከይደ እየ!! ኣነስ ኣኺሉኒ
ጥይት ዓደይ ቀቲሉኒ
ዓሳ ድዩ ባሕሪ ዉሒጡኒ
ምድረበዳ ሑጻ ደፊኒ
ጋለዶ ናይ ሊብያ ቆሪጹኒ
ሲናይ ዘሎ ካራ ጎሚዱኒ
ኣብቂዔኤ! ትንፋስ ሓጺሩ
ኣይምለስን ኣነስ ድሓንኩኒ።

ኣደየ!!!ኣንቲ ብርሃን ዓይነይ
እንክኸይድ ንስኺ ኣብቕድመይ
ንብዓትኪ ንኽጸርግ ነበረ ትሕልመይ
ኣይካኣልኩን ኣነ ዘይኮነለይ
ተወዲኡ ናብራ ኣብ ዓለመይ
ኣደይ! ወላዲት ይቕረ ግበርለይ
ንብዓትኪ ንኽጸርግ ነበረ ትሕልመይ።

ወላዲተይ ረኻቢት መከራ
ክትወልደኒ ብዙሕ ተሸጊራ
ከተዕቢ ኣብ ዝባባና ጸይራ
ምዓንጣኣ ብገመድ ኣሲራ
ኣዕብያትኒ ብሓሳረ! መከራ
ዘይዉዳእ መርድእ በብተራ
እህህህህ ትብል ሓዘን ጸይራ።

ኣቦይ ቅበጸኒ!!!

ኣኺሉኒ ዓለም ጠሊሙኒ
ዝተመነኹዎ ኣምላኽ ከሊኡኒ
ኣቦይ መዓረይ ምሐረትካ ሃበኒ
ሓደራኻ ከይትቕየመኒ
ኣይከኣልኩን ሃገር ሓሲሙኒ
ተስፋ ዘይርከቦ ስለ ዝኾነኒ
ባርነት ጸሊኤ ኣነስ ይኣኽለኒ
ሃጽ ኢለ ንዓይ ክሕሸኒ።

እንክሪኤካ ገጽካ ተጸውሊጉ
መሳቱኻ ብኩናት ዝተወጉ
ሕጊ ዝሓተቱ በባትር ተሰጉ
እሕሕ ንዝበለ ካብ ዓለም ተሰጉ።

ገዲፈያ ኣደይ ኣብ ገዛ
ምሉቕ ኢለ ከምዛ ዋዛ
ነይ ወሰድኩ እኳታ! ኣጟዛ
ይነፍር ይሓድር ከም ራዛ
ንስድራይ ገዲፈሎም ቃንዛ።

ኣደይ ሓደራ ተዓተቒ ብስልኪ
ኣይትንብዒ ከይትበኽዪ ደኒንኪ
ዉጽእሞ! ኣብ ቕርዓት ተገቲርኪ
ኣደታት ንኹለን ኣኪብኪ
ንገሪ ንዓለም ዘልኽዮ ሕሰምኪ
ይእከልክን ባርነት ንሓርነት ሃልኪ።

ጎራዞ ኤርትራ ክትድፈር ኣብ ሲና
ሕጊ ሓሪሚዋ ትበኪ ደኒና
ቆልዓ ናይ ዓመጽቲ ኣብ ዝባና
እምቢ ንዝበለት ተረሺና
መራሒ ስኢኑ ይሽገር ህዝብና።

ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ግበር
ክሳብ መዓስ ኢኻሞ! ክትሽገር
ሕበርንዶ!! ጸላኢ ክሽበር
በበይንኻ ኣይትበል ዓንገረር
ተላዘብ በብዘለኻዮ ስመርር
ይኣኽለና ብርሰት ሃገር።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
05/5/2015

 

መልቐስ፡ ድሓን ኩን ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም

መልቐስ

ድሓን ኩን ተጋዳላይ
ተስፋማርያም ወልደማርያም
ሓልፊ ክፍሊ ዜና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ዝነበረ።

ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!! ወየኣነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቅነ!!!

ኣትላንታ መጺኤ! ሓወይ ክስኢነ!!!!
ዋይ ኣነ!! ዋይ ኣነ!!! ዋይ ኣነ!!!!

ሃገሩ ንኸደሕን ብጊሓቱ ዝኣመነ
ለባም ጂግና ህዝቡ ክምህር ዝወጠነ
ቀርኒ ናይ ሱሱዓት ብልዝብ ዘምክነ
ኣንታ ዛሃገርና ዘይኮነላ ለባም ክሳኣነ
ትኸል ንቐል ኮይኑ ወርሒ ሰነ።

እዚ ሓውይ ኣነ ክበኽየሉ፡
ነዚ ሓወይ ኣነ ከልቅሰሉ
ነቲ ታሪኹ ባዕለይ ክነግረሉ
ወግዒ ዓድቡኡ ጎደሎ ዘይብሉ።

ተስፋማርያም
ወዲ ቐሺ ወልደማርያም
ወዲ ምህረይ ክፍሉ
ከም ሓኸለ ዝውለድ ኣብ ኩሉ
ቆላኡ ደጋ ከም ብተይ ዝዘለሉ
አየ!! ተማሃራይ ከሎ ከምሕረሉ
መጻሕፍቲ ሳንጣ ተኾልዅሉ
ሽዋ ንኽማሃር ማዕጾ ተኸፍተሉ።

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!
እዋን ኮለጅ ኮይኑ ምስ ከደ ንሽዋ
ቆላታት ኤርትራ ዘመተ በርቲዕዋ
ሃገር ተዓመጸት ዘረፋ በዚሑዋ
ፍትሒ ተሳኢኑ ናብራ ሓሲሙዋ
ሕጊ ተጣሒሱ ደብዳብ ከቢዱዋ
ባርካ ተሰዲዶም ዶብ!! ሱዳን ጥሓሱዋ
ተስፋይ ምስ ብጾቱ ኣስመራ ተመልሰዋ
ሽግር ናይ ህዝብና ንመንእሰይ ከምህርዋ
ብድኻምኩም!!!
ኣጓብዝ ሃገርና ንበረኻ ወረሩዋ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
እዚ ሓወይ ተጋዳላይ ፋኖ!!!!!
ለምለም ሰውሒ ሻኻ ብዘይ መስኖ
ትምህርቱ ጸጊብካ ዘይምኖ
ብጥዑም ቃላቱ ንህዝቢ ዘእምኖ
ዓቢ ደብሪ ፍልጠት ዝምዘኖ
ንዓማጺ ብክእልት የድንኖ
ሙያኻ ይነገር ንህዝቢ ክኾኖ
ጅግነነት ሃገርና ጻማ ዝተሳእኖ
ሓቁ ይነገር፡ ይዘርጋሕ!!ይፈኖ!!!
ወዲ ሀገር ተደፍረ መሬቱ ምስ ሰኣኖ
ጭዋ ተዋረደ መሰሉ ምስ ሰኣኖ
ዘይፈለጠ ይፍልጡ ኣብ መዓልቲ ተፋኖ።

ወየ!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!!!!
ተስፋማርያም ቆልዓ ዓዲዃላ
ወዲ ማይላፎ!! ማይ ጻዕዳ ብኹላ
ኣደከመ ምልጋእ ኣብ ማእከላ
እምባ ሶይራ ምስ ጞላጙል ዓላ
ጋሽ ሰቲት ባርካ ታሕታይ ላዕላ
ሓማሴን ዓንሰባ ከረን ምስ ሓሸላ
ሳሕል ሰምሃር ደንከል ቖላ
ኣፈ ጉባኤ ገድሊ ወሓለ ብዓል ሜላ
ኣብ ኩሉ ዝሓድር ኣፈላላይ ዘይብላ።

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ኣንታ ተጋዳልይ ኣብ ባይቶ ሞጋቲ
ሕጊ ንዘኽብር ትለዝቦ ከም ሰቲ
ንብዓል ነገርካ ተብሎ ፍቲፍቲ
ንሕንጊድ፡ ብቐለምን ብርዒን ዘማቲ
ወለድኻ ምስ ሰብ ሮማ መላዝብቲ
ሊቃውንቲ ነይሮም ንሃገር መጽለልቲ
ዝጸንሔ እዩ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ
ማህደር ሊቃውንቲ ኣርሒቑ ጠማቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ተስፋማርያም ዝቃለስ ኣብ ኩሉ
ኣንታ ዘእምሮኻ ንመን ገደፍካሉ
ትምኒትካ ኣይኮነን ኣብ ስደት ክትህሉ
ግዜ ኣይጠዓመን ዓድኻ ትነብረሉ
ተዘሚቱ ሃገር ብብዓል ተዃሉ
ወስለትለት በዚሑ ጭዋ ዝሓፍረሉ
ቆፎ ሃገር ተዝምርመር ብኹሉ
ተባዕ ተሳኢኑ ንፍትሒ ዝሕሉ
ለባማት በሪሶም ከማኻ ዝበሉ።

ጂግና ሓወይ ኣንታ ዓይኒ ቓላይ
ተስፋይ ለይለይ ኣንታ መዓቢይተይ
መምህረይዶ! ክብለካ መራሒ መገደይ
ዓርከይዶ ክብለካ መዛልልተይ
ወዲ ዓደይ ኢኻ! መርየት መማቕልተይ
ወዲ ሓወቦይ እባ! መማጉተይ።
ወየ!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!

ኣንታ ሓወይ እምብዛ ተዘንጊዕካ
ተትምርምር እኮ! ብዙሕ ነይሩ ሰብካ
ዓለም ብገፊሑ! ንዓኻ ክጸበካ
ዓንዲ ማእከል ከልኻስ ተገሊልካ
ሽግርካ ከይነገርካ ዓለም ኣርኪቡካ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ቤተ ሰብ ዝኾንኩም ኣጸቢቕኩም ንብዑ
መንእሰይ ሃገርይ ደጋጊምኩም ንብዑ
ኣዋልድ ኣወዳት ልቢ ገርኩም ንብዑ
ዳዕሮ ናይ ሃገርናስ!! ደም ነጒዑ
ቀራናት!! ሃገርና ምስ ተሰልዑ
ለባማት ጠፊኦም ከተርቲ ክሰርዑ
ሃገርና ተረፈት ኣብ ቆላዑ።

መናእሰይ ሃገርና መርምርዎ ቃሉ
ቃልሲ ሃገርና ከመይሉ ማዕቢሉ
ዝተጠልመ ሕድሪ ኣብ ዓዲ ክተኽሉ
ፍትሒ ምስ ዘነብ ኣብ ዓለም ዓልሉ።

ኪድ በል ንኹሉ ኣርኪብካሉ
ኣምላኽ ጸዊዑካ ሰዓትካ ኣኺሉ
ሽደን ሓወይ እዚ ጥዑም ቃሉ
ኣምላኽ ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ።

ጽንዓት ይሃብኩም ንስድራ ቤትን
መቓልስቱን ብኹሉ።

 

 

haile-gt-indianaብሓውካን መቓልስትኻን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰርየ!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
2 ማዝያ 2015

 

 

ወርቂ ብሻ ሕጂ ግርም፡

ወርቂ ብሻ ሕጂ ግርም፡

ናይ ወርቂ ብሻ መጥቃዕቲ
ዘየዳግም’ዩ ንትካላት ኣዋፈርቲ
ውሕስነት ከምዘይ የሎ በቲ መንግስቲ
ተረዲእዎም ኣሎ ደለብቲ ሃብቲ፡
ኣይ ሃገር ኣይ ህዝቢ ተረባሕቲ
ንብላሽ ማዕድን ኤርትራ መዝመዝቲ

ሕጂ ግርም ማዕድን ኤርትራ
ትንፋስ ክረክብያ ክትወጽእ ሓራ፡

ወርቂ ብሻ
ዶ ተሓምሽሻ
መኽዘን ሓጎስ ክሻ
ቆፎ ኢሰያስ ተቆርምሻ
ንብረት ነቭሶን ተሮኽምሻ፡

ደምበ ተቓውሞ ካብ ዱሑር ኣንነት ከጥፎኦ ኣለዎ፡

ደምበ ተቓውሞ ካብ ዱሑር ኣንነት ከጥፎኦ ኣለዎ፡

ኣብ ደምበ ተቓውሞ

ክስራሕ ዝግበኦ ጽላል ህድሞ

ብኣንነት ተባሒቱ ካብኮነ ከቑሞ

እንታይ ተገበርና  ያሓይሽሞ፡

እዋ፡ ከይሳዕረረ ብእዋኑ ነርዕሞ

ኣሰር ከይገድፍ ዘርሞ ዘርሞ

ናይ ህግደፍ ያኣክለና ነዛዝሞ፡

 

እወ፡ እወ፡ ብኸመይ’ሞ?

ኣብ ጽላል ደምበ ተቓውሞ

ብመሪሕነት ዝሽየም ሰብ ዝቖሞ 

ተር ከም ዓተር ማዕረ ሓላፍነት ተሰክሞ

ሓሓደ ወዲ ኣውራጃ ተሽሞ፡

ኣብ ዙሪያ ናይቲ መሪሕ መላፍንቲ ይኾንዎሞ

ቦታ ይሕዝ ሚዛን ዘለዋ ደምበ ተቓውሞ

መጥፈኤ ካብ ዱሑር ኣንነት ከይተጸገሞ፡

 

ሞት ክነና ንኢሰያስ ነቐድሞ
ዓወት ንህዝብና ይሸለሞ
2015-02-23

ሰራዊት ኤርትራ ዝራኣየ ዓይኑ ይብራህ፡

ሰራዊት ኤርትራ ዝራኣየ ዓይኑ ይብራህ፡
ERITREAN SOLDIERS BEGIN WITHDRAWL FROM FRONT LINES.ዑፍ ኣስገደት ዘማሪት

ሰማይ ኤርትራ በራሪት

ሰራዊት ኤርትራ ዶ  ርኢኺ

ሃለዋቱ እንዶ ግበሪ

ዓይንኺ ይንቋሕ ሓብሪ፡

ዓመተ 2015  ዳሃዩ ኣስምዕና

ድምጹ ጠፊኡና

ኣሰሩ ስኢናዮ ከይነለልዮ

ደምሂት ድዩ ተኪእዎ

ንሱ ብደዉ ሓላው ሃገር መሲልዎ

ተዳናጊሩ ከይህሉ ሕሹሕ በሊዮ፡

ህዝቡ ክካላኸል ኣረድእዮ

ካብ ሰላሕታ ወራር ኣናግፍዮ፡

ዓመተ 2015፡

ዓመት ራህዋን ቅሳነትን፡ ዓመት ፍትሕን ሰላምን፡ ካብተን ን23 ዓመታት ዝሓለፋ ንዘይትግበር መብጻዓ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ ተግባራታ ክንርኦ መሬት ተኾሊዑ ብጻሓዩ ብሃሰሰ ሃሰስ ዝሃስስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ጸልሚትዎ ብብርሃኑ ኣሰሩ ሃሲሱ ዝበንን ዘሎ ናብቲ ቅርጺ ንቡር ሃገረ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ መስርዑ ለቢሱ ነቲ ደመኛ ኣረሜናዊ ስርዓት ዲያብሎስ መንበሩ ኣሊዩ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንኽትክእ ካብቲ ባርነታዊ ኣርዑት ተላቒቑ ህዝቡ ከድሕን የብቃዓዮ። ዓመተ 2015 ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ዳግማይ ትንሳኤ ትኹኖ።

ትኹነና ኣሜን፡

ንሰላም.ኮም