ብሊና ዕግሎ-ሻኑዅ(ኮንፈረንስ) እስቶኾልምል

ብሊና ዕግሎ-ሻኑዅ(ኮንፈረንስ) እስቶኾልምል
08 ትልድ 10-08-2015 ኣኽራሲክ እርጋዂ
ሰርገልድ ደኩዅ።

እና አወት ህድግሶ ህንባኹው ግርጋትሊ ብሊና ዕግሎ-ሻንዅ(ኮንፈረንስ) እስቶኾልምል ኣኽሮ ሻን ሓይሳን ብሊና መቕርሕ እስቶኾልሙ ሺራዂልድ ነየትናዅዲ ግብርሊ እርግሮ ሰሄርናዂዲ ግን። እና መቕርሕ ስቶክሆልሙ እክባ እኩዂ ኒ ብርፍ የትልድ 25 ኤመታት ደኩሶ ህንቦ ህንበኲ። እና እክባ በ ሪል ኣኽን ጅዋ ይና ኮሊትል ብሊንሲ ና ጋብ ዲ ና ዓዋዲት ና ናይ ዲ ተብድኖ ጉድጉድነድ ፈለዃ ሻዂ ግን። ፋርዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዂ/ሆደ፡ እና ዕግሎ-ሻኑዅሲ ‘’ኳኽ ኣንእከላዂ’’ ዮ ለበከድ ከልብሮ ኒ ተምኔት ሰና ጠፍሖ ሰርገልዶ ሻንዲ መቕሪሑኹር ለመለም ዩዂር። ውረድ ብሊና መቕርሕ እስቶኾልሙዂ ኣኽኒ ናው ሽጝናዂ ክንፈረንስ፣ ብሊንሲ እክብነዲ፣ ና ወራት ሲ ና ላውድ ሻኽድኖ፣ ለመለም የንቱረዲ ኣኽውድ።

እና ግርጋ ኒል ተኸቱዲ ሺራዂዲ ላ ልጝል ዓገልና እማ ና ብጅኽ ረኤይ እክቡስኽር ና ፈራዕስኽር ና እምነትስኽር ገምድኖ ብሊና ወረበድኽር ታምም ገቢለትኽር ዋዓድ ጋብዲ ዓዋዲዲ ኣዋኸ ዳበርን ያዂ ኒ ንሰልፍ ግን። የሙሙ ገሸው በደርኖ ጥፍሕድኖ ወራሲ ደበልትኖ ሻኽንነዲንሉ ግርም ፈሩዂ። ዪና ቀልብ ኣዳንዶኽር ሚኺርሰውሲ ኤልብድሮኽር ዪና ሻን ኣምራንሲ ዓደሞኽር ተሪሶኽር ና ደም ደመድ ረደቕድኖሉ ሓቐፍንዂ። ኒ ተርልድ ኒ ድⶔንል ኣኽራስክ ሕሽምድ እንቲ ጋቢ ኣን ግጅሪ ኒኪደኩ ዪልድ ኒድ እወሉ ያዂ ዕግሎት እርጝነዲን ፍንሕኒሕ ብሊናዂ ዓጀብዳዂዲ ደንቢራ ወንተረጋኹዲ ኣኸት መስከርዱዂ። ገድም እነ ፍኒሕኒሕ ብሊኑዂ ቀረጭሰንኻ ጠጥዓኹ አበድረንኻ ትዲሰና ፍዲሰና ባጋዂ ጊራ ኣኽሮ ከወልደንኻ ገለርየት እሰ ሕንፍሎ ዶኳዂ ኣኸት ቛልስቱዂ። እን ሓደርኖ እርግናዅርድ ዪና እምነትል እምነት፣ ዪና ላሕሚል ላሕማ ኮዶ ዪና ሳደስ ሰማ ዓረግዱዂሉ።

ሻን ሓይሳን እና ክድመት ኒን ለመለምድ ጋእ ዪስታዂ ግን። ናጝር ሙርቛ ብሊናዂ ብሄር ክድመት ጨበረኩሉ። እና ዕግሎ-ሻንዅ (ኮንፈረንስ)ኽር ብሊና ጭገምዲ፣ ና ጋብ ድድሮ ጀርብሰትዲ፣ ኒ ብራ ወረርሰትዲ፣ ኒ ቊርኻ ቅሬናተል ፋሕ የነትዲ ቛሎ ህንበኲ። እና ጨገም ጀረዮና ህንባዂሲ ካርኖ ኣከን ብሊን ክድመትድር ላሕመድር ለመለም ዩኖ ዋነትና መገለይ እዎ ህንበኲ። ናውክ ዪን ህንብናዂልክ እክብስኖኽር እኺርኽርሲ ካባኹ እካ እክብ (መሕበር) ኢስኖኽር ተቛዂ ሙዂር ዪና ከስል ገምዱዂና። እና ፊና ኒን እርግናኽርድ ካያ ኣኽጚ ዋስና ብነድ ውሪ ክድመትድ ውሪ ሺርጝድ ከብትነኽርስር ቛላኹ ሻና ፊና ግን። ኒ በሀርድ ናውክ ጃለስናዂ ኣኽሮ አመረድ ኣከው ክድመት ብሊና ገብለት ጋይትኖ ህንብናኽር ድ መደብ እሰ ህንበኲ። ዪና አክ ኣካንሊ ዲባታት ሻኑ መህድኖ አመራ ደንብኻ እና ዲባታት እክብሶ ላሪ ገሽ ኤሮቢል እሲኖ ሓለንሶ ህንበኲ። ‘’ብሊናር ክድመትድ ጃቢትኒ ያዂ’’ ዪና ጀመራ ኣኾ ናውክ ዪና በና ዪና ሙርቛድ እሲኖ ዪና ዋጅብ ኣኸት ዪን ህንብናኹ ኮሊትልክ ኮድጝኒን።

ሻን ሓይሳን ኮንፈረንስ እስቶክሆልሙዂ ዪና ወራትሲ ኤሪው እሲድኖልና ወላ ጀረበነን ቀድረግነት ቋሎ ዪን ህንብናዂልክ ዪና ገቢለትድ ሓመምኖኽር ኮድጝኖኽር ሞኾኾ ኒ ዕግሎት ሰላምድር ሰገልድር ዱⶔዂ።

እስቶኾልም መደርተው ዪና ሻን ሓይሳን ና ነብረድር ና ዓቚድር ና ወሸቐድር ገሽ ፋርሕድ ከለብረውሲና ዓየሸውሲና ሓመድነኩን።

ሰርገል ዪና ኮልስኽር ዪና ወረበድር!!
ገሽ ፋርዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዂ/ ሆደ!! 8/14/2015

ሕልና!!!!!!

ሕልና!!!!!!

“ኣይተዕርብ ሕልና፡…..ብዙሓት ኣለዉ ዉጹዓት ከማኻ” ብመምህር ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ ካብ ዜማኡ ብ1960ታት።ሕልና ደቂ ሰብ፡ ክበራበር እንከሎ፡ ኣእምሮ ብቕንዕና ይርኢ። ጻዕዳን ጽሊሞን ብዘይ ኣድልዎ ነናቶም ሕብሪ ይህቦም። ኣብ ምድማር ድማ፡ ክልተ እንተ ተደመሮ ክልተ፡ ኣርባዕተ(2+2=4) ምዃኑ ብትብዓት ይምልሽ። ሓጺርን ነዊሕለ ብትኽክል ይፈሊ። ረጉድን ቀጢንን ብርግጽ፡ ሓደ ከም ዘይኮነ ሚዛኖም የረጋግጽ። ፍትሓዊ ተግባራት ይኽተል። ዘይፍትሓዊ ከም ቕጥፈትን፡ ስርቅን፡ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ሓሶትን፡ በለጽን፡ ገበንን፡ ኣብ ቅኑዕ ስድነት፡ ሕልና ዘለዎ ሰብ ኣይርከቡን ወይ ኣይፍጸሙን እዮም።

ኣብዚ ሰዓት እዚ ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን፡ ብትብዓት ጸገም ህዝቦምን፡ ሃገሮም፡ ህሉው ኩነታት ዝግምግሙ ይርከቡ ኣለዉ። ምግምጋም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይሕለል፡ ናይ ነዊሕ እዋን ሰብ ሕልና ብዛዕባ ሃገሮም ህዝበሙን ፍትሓውነት ህዝቦም ንምርካብ፡ ኣብ ዘዝተፈላለየ ማዕከናት ዜናን፡ መርበብ፡ ኢንተርነትን፡ ረድዮን፡ ፓልቶክ፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ኣኼባታት፡ መጽናዕትታት፡ከም ኡውን ብረታዊ ቃልስን፡ ኣብ ዝተፈላለይ ቦታን፡ ኣብ ስደት ዝቃለስዎን፡ዓርር ዝብሃልዎ ዝነበሩን፡ ከይተሓለሉ ገናውን ዝቕጽል ዘሎዉን፡ ንኹሉ ብሩ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ ድማ ናህሪ ወይ ጉያ ክውስኽሉ ይጅምር ከምዘሎ ይርኤ።

ንኣብነት “ደለይቲ ፍትሒ” ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ፡ ክጠራነፉን፡ ክተኣኻኸብን ከም ዝጀመ ዝዝከር እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት 2015 ኣብ ቨና ቭርጂንያ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ብምትእኽኻብ ዘተ ክሳብ ዕስራ ዝበጽሓ ዉድባትን፡ ወሓለታት፡ ኣካደሚካውያን ኤርትራ፡ “ ኤርትራውያን ምስ ፍልልያቶም ሓቢሮም ክሰርሑዶ! ኣይክእሉን እዮም” ኣብ ዝብል ቴማ ዝርርብ ተገይሩ ነበረ።ፍልልያትና ኣብ ምጽባብ፡ ጉዕዞ ቃልሲ ፍትሓውነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምጽናት ክድሕነሉ ዝኽእል መንገዲ ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይዋዓሉን። ኣብ ራድዮ “ብናዝ” ዝፍለጥ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ፡ ብኣቶ ኪዳነ ሓጎስ “ኣብ ዘዘለናዮ ከተማ ንጋባእ፡ ኣብ ከከተማና ድማ ፈላጣትን ኪኢላታትን ዝመርሑና ክንረክብ ኢና” ዝብል ኣርእስቲውን ቀሪቡ ነበረ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ብሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ መርማሪ ኮምሽን ዝቐረበ፡ ብጭብጥን፡ ብመርትዖን” ዝተሰነየ ጸብጻብ ዘቕረብዎ “ኤርትራውያን ብፍርሕን ተሸቑሪሮም ይነብሩ፡ ከምዘለዉ ፡ ብሕግን፡ ብፍትሕን” ዝበልዎ፡ ንህዝብና ኣብ ስደት ዝነብር ብህግደፍ ሕልናኡ ደንዚዙ ዝነበረውን ከበራብሩ ኪኢሉ! ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተበራቢሩ ናህሪ ክውስኽ ጀሚሩ።

  1. ሰላማዊ ጀነቫ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታትን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሰላማዊ ሰልፊ ተገብረ። ሰብ ሕልና ድሕሪ ጀነቫኸ! ናበይ? ዝብል ናይ ሕልና ሕቶ? ኣስዓቡ።
  2. ካብ ሎንዶን፡ ብስም “ድምጽና” ዝቐረበ ኣካዳሚካዊ ሓሳባት፡ ብሰብ ሕልና ኤርትራውያን ዝናኣድ መጽናዕቲ ቀሪቡ ኣሎ፡ “በብዘለናዮ ዓድን፡ ኣከባብን ንተኣኻከብ” ተኣኪብካ ወከልትኻ ዝኾኑ ሰብ ዓቕምን ሰብ ሕልናን ምረጽ ዝብል መጸዋዕታ የቕርብ።
  3. ኣስዕብ፡ ኣቢሉ ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ካብ ደልወር ዩንቨርሲቲ “ኣብ እንነብረሉ ከተማ፡ ወይ ኣብ ዘዘለናዮ ዓዲ ይተኣኻኸብ፡ ተኣኻኺቡ ወከልቱ ይምረድጽ፡ ኣብ ስደት ዓለም ለኻዊ ኣካል ብስም ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛረብ ሓልፍነት ንሃቦም” ዝብል ሰነድ ምቕራቡ ዝናኣድ እዩ።

ሕልና፡ ዘዕረበ፡ ወይ ሓሞቱ ዝፈሰሰ!!!!!

ኣብ ጸልም ይነብር፡ ሓሶት፡ ጥልመት፡ ቕጥፈት፡ ምድንጋር፡ ህልኽ፡ ጸለመ፡ ወስለትለት፡ ብመነንቱ ዘይታኣማመን፡ ፍርሕን ራዕድን፡ ምሽክንክን፡ ሓሞተ ፍሱስ ኮይኑ ይነብር ይንቀሳቐስን። ስንፍናኡ ንኽሽፍን፡ ንኻል ሰብ ንኸይ ብርትዕን ከይባራበርን ድማ ዕንቅፋት ክኸውን ይርከብ።ሕልናኦም ዝሸጡ ዜጋታት፡ ምሁራትን፡ ኪኢላታትን ጸረ ህዝቦ ዝንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ከይተዘከረ ኣይሕለፍን፡ ኣብ ዝርዝር እኳ እንተዘይ ኣተና፡ ብቓሎምን፡ ብተግባሮምን፡ ብመርበብ ኢንተርነትን፡ ከም “መስከረም ነት፡ ዝኣመሰሉ ይጥቀሱ፡ ብቲቪ ኤርትራ”፡ ክቃላሑ ይውዕሉ ኣለዉ።

ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ናይ ሕልናዊ ሕቶ እዩ።

ሕልናዊ ሕቶ ባዕሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወይ ዜጋ ባዕሉ ይመልሶ። ዘይፈልጥ ኩነታት ሃገሩ እንተ ኣልዩ ይሕተት። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሰነዳት ፍትሓ ሰነድ እዩ። ከላዝበና ይኽእል፡ ከሰጋግረና ይኽእል ኢላን እንተኣሚና ድማ! ነቓዕ እንተ ሃልይዎ ምጽጋን። ዝጎደለ እንተሃለዎ ይወሰኮ፡ ዝሓጸረ ይለቀሞ። ፍጽም ገርካ ክውሰድ የብሉን። መጀመርያ ካብ ትምህርቲ ህግደፍን፡ መምርሒ 003 ሰብ ሕልናኡ የጽሪ። ካብ ቕንኢን፡ ጥርጠራን፡ ፍርሕን ኣበይ ዝነበረ፡ ኣበይ ዝነበረት ካብ ዝብል ኣዕናውን፡ በታታንን፡ ኣጉዳምን፡ ስድነትን፡ ዘልፋን፡ ኣነ ይፈልጥ መን ኮይኑ እዩ? ትምህርቲ ህግደፍ መደንቆርን መዔወኒን ስለዝኾነ ጥንቃቐ የድሊ። “ትምህርቲ ህግደፍ፡ እንተዘይቀተለ፡ የዕነኒ” መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ከምዝበሎ።

ህግደፍ ወይ ኢሳያስነት ከም ፍልስፍና፡ ኣሰራርሕኡ ማፍያዊ፡ ብዝሒ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ኢዱ፡ወርቂ ብሻ ተተሪኢሱ ከምዘሎ ከይተረስዔ! ብዙሓት ተኸተልቱ ድማ፡ ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀዉ ስለ ዝኾኑ ኣብ ጎንና ማለት ኣብ ስደት ብዙሓት ከምዘለዉና፡ምሳናውን ስለ ዘለዉ ከይንግራህ። ገንዘብ ንደቂሰብ የታል እዩሞ! ኩሉ ኣብ ኢንተርነት ዝሓትት ኩሉ ግዱስን ሕልናኡ ንጹህን ክኸውን ስለዘይክእል፡ ኣብ እንገብሮ ኮነ እንዛረቦ፡ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዳኣምበር፡ ብስምዒት ተዓጢቕና፡ ክንጎይ ኣይግባእን። ስምዒት ግዜኡ ዝሓለለ ስለዝኾነ ብዙሕ ጥንቃቐ የድሊ። “ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ” ከም ዝባሃል ሃገር ናይ ብዙሓት ብሄራትን፡ሓንፈጽን ስለዝኾነት፡ ንድሕነታን፡ ንምጥርናፋን፡ ከቢድ ጻዕርን ጉዕዞን ከም ዝኾነ ኩሉ ዜጋ ክግንዘብ ይግባእ። “መኺርካን ሓሲብካን ዝገበርካዮን፡ ኣድቂቕካ ዝሓየኻዮን፡ እቲ ኣይሓምቕ፡ እቲንከ! ኣይሓንቕ”

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!! ማፍያዊ ምልኪ ይረስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 12 ነሃሰ 2015