ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም ኣለዉ። እቲ ገበናዊ ክሲ ብዘማሓላለፍዎ ናብ ፖሊስ ሽወደን ዝቐረበ ብመረሰት ናይ ዳዊት ኢሳቕ ኩነታት ሂወት ኣስጋኢ ከምዘሎ ተበግሶ እኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ብዘለዉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝጽውዕ’ዩ።

እቶም ክኢላታት ሕጊ ናብ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ክሲ እዚ ኣብ ሽወደን ንመጀመራያ ዝቐርብ ዘሎ ብምዃኑ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ኣብ ልዓሊ እዞም ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ናይ ፕረሲደንት ተሓባባሪ ቤት/ጽሕፈት የማነ ማንኪ፡ ናይ ወጻኢ ሚንስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ናይ ምክልዃል ሚንስተር ስብሓት ኤፍረም፡ ከምኡውን ሚኒስተር ሰብኣዊ መሰል ሶፊያ ሓሽም ዝርከብዎም ኣብ ልዕሊኦም ክሲ፡ ኣብ ሽወደን ጥራይ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ መታን ንኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ከይተረፈውን፡ በዞም ሰበስልጣናት ኤርትራ ፈጺሞሞ ብዝብሃል ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኽሕተትሉ ዝዓለመውን እዩ።

በዞም ኪኢላት ሕጊ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ የሱስ ኣልካሌ፡ ፐርሲ ብራት፡ ፕሪስካ ኡርሶነኣው፡ ዘቕረብዎ ክሲ ከም ሻሙ ሰማዒ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግብራዊ ዝኾነሉ ሕጋዊ ባይታ ተጣጢሑ ከምዘሎ፡ ብዜናዊ ማዕከን ብዘይ ዶብ ዝፍለጥ ምስ ናይ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ጸብጻብ ይጠቕሱ።

ሃገራውያን ሰበስልጣናት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ገበናት፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ገበን ዝፈጸመ፡ ኣብ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይተፈተነን። ሕጂ ግን ንመጀመርያ ግዜ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሕጊ ካብ ወርሒ ሸውዓተ ብፈረንጂ ዕለት 1/7/2014 ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ሽወደን ቤት/ፍርዲ ገበናዊ ሕጊ ብዘጽደቖ ዓንቀጽ ኣብ ልዕሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገበን ዝፈጸመን፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበረን መኖም ብዘየገድስ ሓፈሻዊ ዘጣቓለለ ፍጻሜታት፡ ናብ ፖሊስ ሽወደን መንግስቲ ሽወደን ክካታተሎ ኣማላሊፍዎ ኣሎ።

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.