ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ
ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ
ኣቡን ድዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ: ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ፡ ደረቕ መግቢ ክወስዱ ስለዘይክእሉ ድማ ሰባት ደጊፎም ፈሳሲ ነገር ከምዝምግብዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ እታ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ በቲ ናይ ፖለቲካ ልኡኽ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ትምራሕ ኣላ።
ኣቡን ድዮስቆሮስ ኮነ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ዕድመ ወዲ ሰብ ድሩት ስለዝኾነ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ስንክልና ተማሂሮም፡ ሕጂ ብህይወት እንኰለዉ ምስቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንስሓን ይቕሬታን ክገብሩ፥ ምስ ኣምላኾም ክዕረቑ እቲ ዝበለጸን ክርስቲያናዊ ግዴታኦም ምዃኑን ከስተውዕሉ ይግባእ። ንርእስኻ ዘይትገብሮ ንኻልኦት ብዛዕባ ንስሓን ይቕሬታን ምምሃር ግና ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝህቦ ረብሓ ከምዘይብሉ ክርስዕዎ ከምዘይግባእ ብትሕትና ነዘኻክሮም።
ግዳይ ግርህነቶም ዝኾኑ ኣባ ድዮስቆሮስ፥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህይወት እናሃለዉ፡ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክነት ዝሓዙ ኣቡን እዮም። ሕጂ ግና ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።
ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ጸሎትናን ምንዮትናን እዩ።