ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?

ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?

ሓቂ ኣብዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ወሲደ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ነገር እንተሃልዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ሎሚ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮን ክኣትዎን ኣይደለኹን፡፡ እቲ ምንታይ ሓቂ ኣብ ዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ዝተመስረሐ ትያትሮታት ኢሳይያስን ደቂ ዕቁቡን ኣፍና መሊእና እዚዩ እቲ ሓቂ ክንብል፡ ዘመነ ምስማዕን ምጽሓፍን ምዝራብን ዘመነ ሓቂ ዝግለጸሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን እቶም ፍረ ክርዳድ ኢሳያስን ዝኾኑ ሃሱሳቱን ግን ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮኑ ዘጽንቱ ዘለዉ፡ ታሪኽና እውን ንሶም ብዝደልይዎ ሰናኒዖሞ ኢዮም፡፡ ነዊሕ ዓመታት ብዝተሰናነዐ ሓሶት ታሪኻት ኣእዛኑ ጸሚሙ የዒንቱ ንዝዓወረ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘይ ግዚኡ እቲ ሓቂ እዚዩ እንተበልካዮ፡ ግር ክብሎን ኣይ ኣይፋልኩምን ክብልን ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ኩልና ንደልዮን ንብህጎን ዘመነ ሐቂ፡ ዘመነ ፍትሒ፡ ዘመነ ሓሳብካ ብዘይፍርሂ ትገልጸሉ ርሑቕ ዘይኮነ ግዜ ንሽዑ ክገድፎ፡፡ ዝተወሰነ ንእሽቶ ሓሳበይ ግን፡ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዝብል ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ፡ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ድንግርግር ኣትዮም ድንግርግር ዘብሉ ዘለዉ ገለ ክብሎም፡፡

ብሓቂ ዲና ነዛ ብኣእላፍ ኩቡር መስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ናጽነታ ዘረጋገጸት ሉኡላዊት ሃገር፡  ገለ ኮትሮማንዲስታ ሰባት ከይሸጥዋን ንኢትዮጵያ ብፍላይ እውን፡ ነቲ ኣብ መልሓስ ብዙሓት ህግደፍ ዝወቀጦ ወያነ ኣሕሊፎም ከይህብዋን ንፈርሕን ንስከፍን ንጠራጠርን ዘለና…..? እዚ ኢሳይያስ ዝዘረኦ መርዚ ግን ከኣ ናይ ዓያሹ ትያትሮ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ክሳብ ክደይ ኣዓሺዉናን ኣገሪሁናን ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ በሪሁልና ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ መሪሕ ጭረሖ ተሓንጊጦም፡ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ዘሎ ዝደግሙ ግሩሃት ተቓለስቲ፡ ወይ እውን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓሸውየ ክንነብር ዝደልዩ መሳርሒ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሃሱሳት፡  ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቃ ከምታ ዘለዋ እናሰሓቐ ውሕጅ ጥፍኣት ህግደፍ ክወስዶ ይሰርሑን ይገብሩን ኣለዉ፡፡ ሎሚ ኣብቲ ዝኸፈአ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝደረስዎ ትያትሮ ክንመራመረሉ ይግባእ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብመስዋእትናን ድምጽናን ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት መኸተምታ ጌርናሉ ኢና፡፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡

ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ስለምንታይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብል ኣርእስቲ ሰይሞም ነቲ ኣዝዩ ረዚን ሓሳብ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ደጋጊምና ንመርምሮ፡፡ እቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ግንባሩ ዝሃበ፡ ዝተሰወኣ፡ዝሰንከለ፡ ዝኸርተተ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለ ወዲስዉእ፡ እቲ ወላድ መኻን ዝኾነ ስድራቤታት ኩሉ ኣበይ ኣሎ…..? እዚ ንብሎ ዘለና ሕጂ ካብታ ዝፈትዋ ዓዱ መሪርዎ፡ ጨኒቕዎ ብጅምላ  ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ ኢዮኮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ኩሉ እንትንኡ ዝወፈየ፡፡ እዚ ኤርትራ ናይኤርትራውያን ክትከውን ዝተሰወአ ዝሰንከለ ዝተኻላበተ ህዝቢ ሎሚ ኤርትራ ናቱ ከይተኸውን ዝገበር ዘሎ ድኣ መንዩ..? እቲ ፍትሒ ተረጊጹ ሃገር ንወዲ ሃገር ብምባል ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎʼዶ፡ ወይስ እቲ ንጥፍኣትና ድግድጊት ዝተዓጥቀ ህግደፍ….?

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንወድያመን ድኣ…..? ንሶማልያውያን፡ ንሱዳናውያን፡ ንኣሜሪካውያን ወይስ ከምቲ ህግደፍን ሃሱሳት ህግደፍን ዝብልዎ ንኢትዮጵያን ንወያነ….? እዚ ናይ ዓያሹ ትያትሮ ሎሚ ክንቕሓሉን ክንልብመሉን ይግባኣና፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና ኢያ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓሊሱ፡ ተሰዊኡ፡ ሰንኪሉን ንዓመታት ከርተት ኢሉን ኢዩ፡፡ ዓስቢ መስዋእቱን ምስንካሉን ከርተቱን ገድሉን ድማ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራያን ኮይና ኢያ፡፡ ሎሚ ነቲ ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ደጊምና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ኣምበይ ምተገበኣን፡፡ ግዳ ገሌና ብዘይፍላጥ ስሚዒትን ውሕጅ ሓሶት ህግደፍን ገፊዑና፡ ገለ ድማ ሕልፈትና ከምታ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝተለምዋ ክርዳድ ምእንቲ ክንፈሪ፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ኮር ተገምጠል ኮይኑ ንርእዮ ኣለና፡፡ ብሓቂ እቲ ምዃን ተሳኢኑ ዘሎ ግን፡ ኤርትራውያን ናይታ ዝተሰዋእናላ፡ ዝሰንከልናላ፡ ዝተሞቓሕናላ፡ ዝተጋደልናላን ዝኸርተትናላን ኤርትራ ክንከውን ኣይከኣልናን፡፡ ሕልፈት መዋእልና ትማልን ሎምን ሓደʼዩ ዘሎ፡፡ ትማሊ ተጓኒና ሎሚ እውን ብዝገደደ ተጓኒና፡፡

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ኣብቲ ርሱን ፖለቲካዊ መድረኽ መፋርቕ ኣርበዓታት ብሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣቦታትናን ኣበሓጎታትናን ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን ዝመጸን ዝተላዕለን ሕቶ መንነትናን ክብረትናን ኢዩ፡፡ ኣብቲ ተሃዋስን ተኣፋፍን ግዜ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓበጀረዋይ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝነበረ፡፡ እዋን መርገጺኻን ኤርትራውነትካን ኣነጽር ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ ኤርትራ ብሓደ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ፡፡ በቲ ካልእ ወገን ኤርትራ ከም ስጋ ጉዚ ትጎዛዘ፡፡ ኤርትራ ከም ቆልዓ ሕድሪ ብሞግዚትነት ትጽናሕ…..ካልእ ካልእ ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ እቶም ኣብ ታሪኽና እንሕበነሎም ሓርበኛታት ኣቦታትና ኤርትራ ኣይትቑርመም ኣይሽርመም፡ ኣይትጉዘ ኣይትቆራረስን፡ ናይ ኤርትራውያን ኢያ ብምባል ጸኒዖም ተቓሊሶም፡፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ድምጺ ህዝቢ ዓፊኑ ግጉይ ውሳነ ሂቡና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሓቀኛ ቃልስና ብሰለማውን ሕጋውን መገዲ ስለ ዝሰኣናዮ ጠበንጃ ኣልዒልና፡፡ ንሳላሳ ዓመታት ገድልን መስገደልን ሓሊፍና፡፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና፡፡ ሰንኪልና ከርቲትና ተዎቒሕና ተሰዲድና እውን፡፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሕቶና መሊስናዮ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና፡፡ ነዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ዝተመለሰ ሕቶና ሎሚ መንዩ ዝጠራጠረሉ….? ኣይንዓሹ ኣይንገራህ ኣሕዋት ኢሳይያስ ዝደረሶ ገና ውስጠዘ ሚስጢራቱ ዘይተቐልዐ ውሕጅ እናሰሓቕና ኣሰርና ከየጥፍኣና፡፡

እስከ ሓንቲ ሕቶ ኣልዒለ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ከሰጋግሮ፡፡ እዛ ብቓልሲ ህዝብን ብመስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ነጻን ሉኡላዊትን ዝኾነት ሃገር፡ ክሸጣን ብፍሉይ እውን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህባን ከረክባን ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣሎ ኢልና ንሓስብ ዶ….? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብጭቡጥ ከምዚኦም ዓይነት ተቓለስቲ ኣለዉ….? ሃገር ክበሃል ከሎ መሬት ባሕሪ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ነዚ ገድልን መስገደልን ዝተሳገረ ንመሰልን ሪምን መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ህዝቢ ከምኣቕሓ መሸጣ ክትሸጦን ክትልውጦን ከ ይከኣልʼዶ ይኸውን…..?  መልሲ ንነበብቲ፡፡

ካልአይ ክፋል ይቕጽል

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele 251-921924501