ድቂ ሃገር፣ ዓገም ንበል ንግብሪ ፋሺስቲ ፈስቲቫል በሎኛ!!!

ድቂ ሃገር፣ ዓገም ንበል ንግብሪ ፋሺስቲ ፈስቲቫል በሎኛ!!!
ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣7/2/2014

ከተማ በሎኛ ኣብ ታሪኽ ጸረ ፋሺስቲ ጣልያን ይኹን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ታሪኽ ዘለዋ ከተማ’ያ። ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ብዓለማ ጸማም እዝኒ ሂባ ከላ በሎኛ ሳላ ሙዑታት ሃገራውያን ተቓለስቲ ኣፍደጊኣ ብረሒብ ዝኸፈተትልና ከተማ’ያ። ህዝብታት ኤርትራ ካብ ሓምሽተ ኮንትነንት ዓለም ነቂሎም ብዛዕባ ቃልሲ ሃገሮም ከዕልሉን ክፈልጡ ዝነበሮም ኣበርክቶ ህዝቢ ከተማ በሎኛን ፖሎቲካውያን ውድባትን ብኣኽብሮት ክዝከር ክነብር’ዩ። ፈስቲቫል በሎኛ ክጅመር ከሎ ውሑዳት ሃገራውያን ዝጀምርዎ’ዩ። ምስ ግዜ ግን ህግሓኤ ናይ ስለላ ማሓውራት ብምውፋር ጠቒሊላ ቢሒታ፣ ፖሎቲካውን ፕሮፓጋንዳን ቑጠባውን መኽሰባት ድማ ሓፊሳትሉ። ብሓፈሻ ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ጣልያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተሪኽካ ዘይውዳእ ተወፋይነት ምስ ብረታዊ ቓልሲ ዝዳረግ መተስተንክር ዝኾነ ሃገራዊ እጃም ዝፈጸሙሉ ቦታ’ዩ። ምስ እዚ ኹሉ ናይ ህዝብ ተወፋይነት ግን ብዓይኒ ፋሽስቲ ኢሳይስ ፈስቲቫል በሎኛ ናይ ቁጠባ ምንጪን ፋሺስታዊ ባህሉ ዝንህዝቢ ዝዝጋሓሉ መደብ’ዩ ዝነበረ። እዚ ፈቲቫል ካብ ዝጅምር ሕቶ መሰልን ፍትሕን ከም ዛዕባ ብርትዓዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኣውሪዱ ኣይፈልጥን። ኣጀንዳታቱ ኩሉ ብላዕሊ ተውዲኡ ዝመጽእ ናይ ኣምሰሉታት ትያትር’ዩ ዝነበረ። ቀንዲ ዕላማኡ ጃህራን ፈኸራን ባህሊ ፋሺዝም ዘዕንብብ ኮይኑ ”ግንባር ኣሎኒ ኣብ ህግሓኤ ዝወደበኒ” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ሰብ ከይሓስብ ማዕጾ ዝዓጸወ መሳርሒ’ዩ ዝነበረ። ”ግዜ ውቤ ዝጸመመ ዝባን ውቤ ክብል ነበረ” ከም ዝበሃል ከኣ እቶም ሽዑ ዝጸመሙ ሃገሮም ክዓኑ ውላዶም ኵሊቱ ክሽየጥ ኢሳያስ ደው ይበለና ዝብሉ ኮይኖም ኣለው። ኣየስተዉዕሉን ኮይኖም እንበር ባምዕጾ ተደፊኦም ወጺኦም ብፊኔስትራ ዝኣተዉ’ዮም። ነዚ ገባር ቅያ ዝነበረ ሓፋሽ ውድባት ዝተወደበ ሓይሊ ንፋሺስቲ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ቀቅድሚ ነጻነት ብዘይ ውድባዊ ኣገባብ ”ደስኪልኩም” ኢሉ ጸልጺልዎም’ዩ። ንቁሩብ ቁራቦ ዝኾኑ ኮራኹሩ ከኣ መተካእታ ታጋደልቲ ገይሩ ኣብ ስልጣን ኣምጺእዎም። ብዙሓት ኣዴታት ሃገር ጣልያን ኤህ ክብላ መይተን ገለን ኣብ ስቓይ ይነብራ ኣለዋ። ህግደፍን ሓፋሽው ድባትን ገለ 18 ዓመት ገለን 30 ዓመት ውድባዊ ጉባኤ ከይገበራ ናይ መናፍስቲ ውድባት ኮይኑ ኣለዋ። ነዚ ጥልመት’ዚ ቀንዲ ዝፈልጡን ዘተማቀርዎን ኣባላት ህግሓኤ’ዮም። ከም ዝረኤናዮ ድሕሪ ነጻነት ንፈስቲቫል በለኛ መተካእታ ተባሂሉ እቲ ዶላር ከይተርፎ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክግብር ጸኒሑ። እንተኾነ ቃልሲ ሓፋሽ ብውሽጥን ብደገን እናሓየለ ምስ መጸ ተቓዋሚ ሓይሊ ንፈስቲቫል ምኽንያት ብምግባር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክይውላዕ ስለ ዝፈርሐ ንሳዋ ከም ዝወርድ ተገይሩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ልዕሊ ተማሃሮ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ከተማ ከም ዝርሕቁ ገሮሞ። ከም ድልየቶም ገንዘብ ክእክብ ህዝቢ ከታልል ስለ ዝጸገሞ እነሆ ሎሚ ከም’ቲ መራሒ ፋሺስታዊ መንግስቲ ኤርትራ ”ማይ እንተዘየሎ ኣብ ቦታ ማይ ኪዱ” ከም ዝበሎ ኣብ ኤርትራ ዶላር ስለ ዝጠፍኤ ዶላር ክደሊ ነዚ ብቃልሲ ህዝቢ ዝወረዶ እገዳ ከኣ እንተ ኣልዓሉሉ ህዝቢ ዝድግፈኒ ኣሎ ክብልን ንዉሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብፕሮፓጋንዳ ንምድሃልን ዝጠፈሸ ነጋዳይ ናይ ኣቡኡ ደብተር ይፍትሽ ከም ዝበሃል በለኛ ዘኪርዋ ዘይፈልጥ ክዝክራ ጀሚሩ ኣሎ።

ክቡር ህዝብና፣
ፈስቲቫል በለኛ ድሕሪ ላፓዱሳ ሓዘንን ቁስልን ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ይግበር ኣሎ። መንእሰያትና ጉቡእ ሓመድ ኣዳም ከይረኸቡ ቤተሰቦም ረሳ ደቆም ከይተቀበሉ ጋይላን ዳንከራን ምግባር ሃገራዊ ሓዘን ስለ ዘላና ብባህልና ውጉዝ’ዩ። እዚ ባህላዊ ሸነኽ ኮይኑ ፖሎትካዊ ሸነኹ ስለምታይ በሎኛ ሎሚ ኣድለየ፣ ናይ 10 ወይ ን20 ወይ 30 ዝብል ተበግሶ ስለምታይ ቅድም ዝይትገብረ ኢልና ምስ ንሓትት መልሱ ንኹልና ብሩህ’ዩ። እቲ ሓፋሽ ውድባት ህግሓኤ ይኹን ንህግሓኤ ዝተክኤ ህግደፍ ”ብሽም” ጥራይ ህላውየ ኣለዎ። ኣባላቱን መራሕቱን ተቀቲሎም ገለ ከኣ ኣብ ቤት ማሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። መን ደኣሉ ነዚ ፈስቲቫል በሎኛ ሎሚ ክግብር ዝደልዮ እንተበልና እቶም ምስ ፋሺስቲ ዝወገኑ ነዚ ፋሺስቲ ከም ቀደም ብጃህራን ፈኸራን ልቢ ሰብ ኣሕቢጦም ንፋሺስታዊ ስርዓት ዕምሪ ክውስኹሉ ዝሓስቡ ሓዋርያታት ጥፍኣት’ዮም።

ክብር ህዝብና፣
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ”ኣበይ ኣሎ ሓውኻ” ዝብል ሓተታን ትምህርትን ለበዋን ሓቂ ዝዘርዘረ መልእኽቲ ኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካውዊት ቤተክርስትያን ነቢብና። ብዙሓት መራሕቲ እምነት ብዓቢኡ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንዚ ሰርዓት ዘይብሉ መንግስቲ መንፈሳዊ ተግሳጽ ስለ ዝገሰጸጹ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ኣዋሪዱ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ደርብዩዎም ኣሎ። ስደት ከም ምፍትሒ ሽግር ኮይኑ ህዝብና ሃገሩ ሓዲጉ ይጠፍእ ኣሎ። ኣብ እስራኤልን ናይ ባሕሪ ምዝራይን ንሰምዖ ኣሎና።

ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ’ያ። ዜጋ ሓዉን እምነቱን ሃብቲ ሃገር ክዝመት ከሎ ዓይኑ ዝዕምት ዝገደደ ከኣ ዝጣቕዕ ምስ ዝኸውን ሕሰምን መከራን ናይ ህዝብና ክገድድ’ዩ። ህዝቢ ካ’ዚ ረብሓ የብሉን። ሃገራዊ ጉቡኣትና ኩልና ንልፍልፎ ኢና ኣብ ግብሪ ግን ኣይግድን። ሸምዓ ሰማእታት ንዉልዕ ቀኒና ሕድሪ ሱዉኣትና እንታይ ከም ዝነበረ ዝጠፍኣና ኣይመስለናን ስለ’ዚ ዓገብ ንበል። ሎሚ ብፍላይ ነዚ ገበነኛ መንግስቲ ሸለል ንብለሉ መድረኽ ኣይኮነን። ንበሎኛ ንሕጅን ንሓዋሩን ክቀብጻ ክንገብሮ ይጋባእ፡ ካብ ዘዘላናዮ ሃየ ንተዓጠቅ። በሎኛ ንፍሽሽታውያን ኣይናትኩምን እያ ንብረሎም።

ሰማእታትና ሕድሮም ብግብሪ ይዘከር!!!
ፋሺስታ ኢሳይስ ዕምሩ ይሕጸር!!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣7/2/2014

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.