ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

“ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ።

ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ? ብዝሒ፡ ቀመም ከ! ይጥዕምዶ? ወሓለ ዘይሰርሓቶ! ይነ ኣድ ዶ?።

ሕሉፍ!! ሓለፋ!!!ሕሉፍነት እንታይ እዩ? ሕሉፍ ምዃንከ! እንት እዩ ረብሓኡ? ሕሉፍ ብምዃን፡ የፋቕር ዶ? ሰላምን ምርግጋእን ከ! የምጽእ ዶ? ፍትሕን! ስርዓትን ኣሎ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ብምዃኑ! ሰብ ይነኣድ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ይዕወት ዶ?

ሕሉፍነት! ባህርይ ኣብ ኤርትራውያን፡ ንሃገርናን፡ ንህዝብናን ኣብ ድቕድቕ ጸላም ኣእትዩዋ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍነት! ዘስዕቦ! ካብ ጥቕሚ!! ጉድኣቱን፡ ስቓዩን፡ ድኽነቱን፡ ዉርደቱን፡ ድንቑርናኡን፡ ዕሽነቱን፡ ስድነቱን፡ ብዕልግናኡን፡ ድሕረቱን፡ ስድራቤት ምብታኑን፡ ህልቀቱን፡ መቕዘፍቱን፡ ኣደራዑን፡ መረረኡን፡ ደሚርካ ኣጉዲልካ መልሱ፡ ባዶሽ፡ዝኾነ ዜግነት ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ። ሕሉፍነት!! ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ኣንነት፡ ብመጽናዕትን፡ ብታሪኽን፡ ብባህልን፡ ዘይድገፍ፡ ሓዱሽ ባህሊ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ፡ ብዓዋሉ፡ ብናይ መንንነት፡ ቅልውላው፡ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ፡ ናይ ሓሶት ልዕልና፡ ኣብ ልዕሊ፡ዜጋን! ኣብ ልዕሊ፡ ህዝብን! ኣብ ልዕሊ ሃገርን፡ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ፡ መጽነትን፡ መቕዘፍትን፡ህልቀትን፡ ኤርትራውያን እዩ። ሓቢርና፡ ንመልከት።

“ነዋሕ፡ መሽላ!!ወይ ንዒፍ!!ወይ ንወንጭፍ!!” ከም ዝባሃል፡ ኣስዕብ ኣቢልካውን፡ “ብዘበነይ ይጥዓሞ ንወገነትይ” ይባሃል እዩ።

ሓለፋ ንምንታይ ኣድለየ? ሓለፋ ዝደሊ ዓማጺ!! ብሕጊ ዘይ ከይድ ጥራሕ እዩ። ሓለፋ ዝደሊ፡ ንዓይ ንዓይ፡ዝብል ፍጥረት እዩ። ናይ ሓሰማ ባህርይ ዘለዎ። ኣነ ይጽገብ፡ ጸጊበ ይድቅስ፡ ብድሕሪኡ ይሕረድ። ናይ ዓመጽ፡ ባህርያት፡ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ዓመጽ፡ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት፡ ዘይናትካ ምድላይ፡ ብዘይ ጉልበትካ ምንባር፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ሽፍትነት፡ ጸብለትነት፡ ተበላጽነት፡ እንተ ዘይኮይኑ! ካልእ ዘምጾኦ፡ ትርፍን፡ መኽሰብ፡ ረብሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣይተራእየን።

ሕሉፍነት እንታይ እዩ?

ሕሉፍ ዝባሃለ ከመይ ዝኣመሰለ ኮን ይኸውን? ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ክድርደር ስለ ዝኽእል፡ ሕሉፍ ማለት ካብ ዓቀን-ዝሓለፈ፡ ካብ መጠን-ዝበዝሔ፡ ካብ መምዘኒኡ፡ ዝዛየደ፡ ብቑመት ኮነ! ብኽብደት! ብስፍሪ! ካብቲ መለክዒ! ቅቡል ዝኾነ ኣብ ሓደ ህዝቢ ወይ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ዳኝነት፡ ኣብ ኣከባቢ፡ ኣብ ሃገር ኮነ! ኣብ ኣሕጉራዊ፡ ንሰብ ኮነ! ንነገራት ዝልከዓሉን፡ ዝምዘነሉን፡ መለለዩ፡ ባህርያዊን፡ ሳይንሳውን፡ ሕጋውነት ዝለበሰ እዩ። ዓቀኑ ብዙሕ ኮይኑ ዝርከብ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓሊፉ ዝርከብ፡ ሕሉፍነት! ጸብለልትነት ኣለዎ፡ ክብሃል ይከኣል።

“ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ” ምስላ ናይ ኣድከመ ምልጋእ።

ሕሉፍ!!! መን እዩ? ሕሉፍ ዝባሃል እምበኣር ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ጸብለልነት ዝሓትት፡ ዝያዳ ንዓይ ቀርቡለይ ዝብለ፡ ቅድሚ ሰበይ ክዛረብ ዝብል፡ ታራኡ ዘይጽበ፡ ንዓይ ስምዑኒ፡ ኣነ ምስተዛርብኩ ካልእ ክዛረብ የብሉን ዝብል፡ ልዕሊ ሰበይ ምሁር፡ “ዓለም ኩላ ደንቆሮ” ኣነ ብዝያዳ ፈሊጥ ስለ ዘለኹ!! ካልእ ሰብ ከም ዘይምልከቶ ጌርካ ምውሳድ፡ ኣብ መስርዕ፡ መስርዕካ ከይተጸበኻ ኣቀዲምካ ምሕላፍ፡ ጉዳይ ስለ ዘለኒ ቀልጢፍኩም ኣፋንዉኒ ምባል፡ ቅድሚ ሰብ ክትከውን ምፍታን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንበዓል ስልጣን ስለ እትፈለጥ! ጉዳይካ ብዘይ ኣግባብ ክሰልጠካ ምግባር፡ ብምጕብዕባዕ፡ ቆሉዑ ስለ ዘለውኒ፡ መገሻ ስለ ዘለኒ፡ ኣኼባ ስለ ዘለኒ፡ ዕድመ ስለ ዘለኒ፡ ኣጋይሽ ኣብ ገዛ ስል ዝገደፍኩ፡ ኣነዶ ከም ኩሉ ሰብ ክርኤ ኣለኒዩ፡ ……ወዘተ። ዝብል ሓለፋ ምድላይ።

ሓለፋ ብምድላይ ሰላም የምጽእዶ? ሓለፋ ዝደሊ ብምንታይ ይልለ? ኣብ ዕለታዊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓን፡ ተግባሩን ሕሉፍነት ክርኤ ይኽእል። ሓለፍ ዝደሊ እንታይ ረብሔ? ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሸኒ ስለ ዝብል፡ ተበለጸ። ሰስዔ፡ ስነ ስርዓት ኣጉደለ፡ ኣነ ጽሩይ ማይ ኣስትዩኒ፡ ብድሕረይ! ማይ ይዘረግ።ኣነ ከለኹ ዳኣ ይጸብቕ እምበር ብድሐርይ ይበላሾ። ኣነ ኣይኮንኩን ባዕሎ እዮም ኣጨማሊቖሞ!። ዝገበርካ ምስ ገርካ ካብ ሓልፍነት ምህዳም፡ “ ኣነ እንተ ሞይተላ ዳንደር ኣይትብቆላ” በለት ኣድጊ ከም ዝባሃል እዩ። “ኣነኮ ሓደ ሰብ እየ! ዓዲ ብዓዳ እንድያ ከምኡ ትገብረ ዘላ” አናበልካ ምሽክዕላል።

መተሓሳሰቢ!!!ኩሉ ዜጋ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት፡ ስነ ምግባር ናይ ምሕላው ሓልፍነት ኣለዎ። ስነ ምግባር ዘጉደለ፡ ስርዓት ሃገር ኣጉደለ፡ ፍትሒ ኣዘናብዔ፡ ሕጊ ረገጸ፡ ሃገር ኣፍረሰ ወይ ሃገር ኣዕነወ እዩ።

ሕሉፍ፡ኣብ ሃገራውነት!!!!

ሕሉፍ!! ሃገራውነት፡ኽ? ካብ ዝጅምር፡ ዕድሜኡ ነዊሕ እካ እንተኾነ፡ እዚ ሕሉፍነት እዚ እናተወራረሰ፡ ምስ ግዜን ኩነታቱን፡ መልክዑን ሕብሩን፡ እናቐያየረ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ብጭብጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተምዝጊቡን፡ ተሰኒዱን፡ ተኾሚሩን ይርኤ ኣሎ። ብዘበን እንግሊዝ ዝጀመረ ሕሉፍነት፡ዝተዘርኤ ዘርኢ ሕሉፍነት፡ ስዒቡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብሕሉፋት፡ ዜጋታት ዝተመስረተ፡ቃልሲ ኤርትራ? ሕሉፍ ሃይማኖትነት፡ ዓረብነትን፡ ስለ ዝተወሰኾ፡ ሕሉፍ ገድሊ ኤርትራ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስረተ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ እንታይ ይሕሸና? እንታይ የሰማምዓና? ከመይ ኢልና ሓቢርና ክነብር ንኽእል? ዝብል ሕቶታት ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ!!! ኣነነት ስለ ዝዓብለለ ኣብዘይ ኣድለየና፡ ናይ ህልኽን ናይ ቅርሕንትን፡ ናይ ሓጺር ስጉምቲ፡ሓጺር ዉሳኔ ብምውሳድ፡ ምስ ውልቃዊ ረብሓ ብሕዋስ ጸገምናን፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን ከይተፈትሔ፡ ሽግርና፡ እናበዝሔን፡ ናብራ ህዝብና እናኸፍኤን ይኸይድ ኣሎ።

ይተካእ ይለቀም፡ ድሕሪ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ፡ እንተ ብቕንዕና!!እንተ ብተንኮል፡ ኣቐዲምካ ስልጣን ሒዝካ ጎብለልነት ምዃን፡ ምስጢሩ ብሩህ ብዘይኮነ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ኣብ 1970 ዝተገብረ ምፍንጫላት፡ ደቂ ባርካ ኮነ ደቂ ሰምሃር ብሓደ ወገን ደቂ ከበሳ በት ሓደ ወገን ንጽር መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ነናትካ ታሪኽ እናተጸባበቐ ህዝቢ ኤርትራ ብበሎ በሎ ክንድንቑር ከኣለ። “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ባርካ ዑበሊን፡ ኣብ ከበሳ ወይ ክርስትያን፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ” ኢልካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ደጋጊምካ እንክርኤ፡ ሕሉፍነት፡ ዘስዓቦ መሪር ናይ ሓቢርካ፡ ዘይምስራሕ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ኣጉዲልካ፡ ሕግን ሓልፍነትን፡ ረጊጽካ፡ ኣብ ዘየድሊ ፈኸራን፡ ዕንደራን፡ ተኣትወ። ንእትብሎ ሓቅነት ከተልብስን፡ ደጋፊ ሰዓብን ክትረክብ፡ ናይ ሓሶት ታሪኻን፡ ገበናትን እናደራደርካ፡ ዝጠፌኤ ሂወት መንእሰይ ኤርትራ፡ ዝጠፌ ጉልበትን፡ ቅንጸላን፡ መስዋእትነትን፡ መሪር ታሪኽን፡ ሓተላ ምምሕዳር፡ ኣጽናቲ ስርዓትን፡ተፈጢሩ ዘሎ፡ ሑፍነት ዘስዓቦ ጠባያትን፡ ተግባራትን እዩ።ኣብ ታሪኽ ሓተላ ዝኾነ ትግባራት እዩ።

“ምሳና ዘይኮነ ካባና ይፈለ”

ዝዓይነቱ ኣመሃህራን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን፡ ኣሰራርዓን፡ ኣወዳድባን፡ ካብ ወላዲኻን፡ ወላዲትካን፡ ሓፍትኻን፡ ሓውኻን፡ ሓዳርካን፡ ደቅኻን፡ ሂወትካን፡ ዓርክኻን፡ ዓድኻን፡ ወረድኻን፡ ኣውራጃኻን፡ ፈሊኻ፡ ሕሉፍ ሃገራውነት ከተእምንን፡ ከተጽልይን፡ ከተስምዕን፡ ከተሕስብን፡ ተጋዳልይ! ከተስቆርቑርን፡ ብምግባር፡ መደንቆር ዝኾነ ትምህርቲ!!! ንኣእምሮ ተጋዳልይ ሰለበ።ተጋዳላይ ጻዕዳን ፡ ጸሊምን ክፈልየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃውን በጽሔ። ተጋዳላይ፡ ናብ ሮቦት ወይ ናብ ዛህላልነት ተቐየረ። እዚ ስለ ዝተገበረ፡ ዘስዓቦ! ወይ ዘፍረዮ፡ ምግዳል ከም መለኮታውነ ኮይኑ ክእመን ከኣለን፡ ለበሰ። መስዋእትነትን፡ ጅግንነትን፡ ድማ ኣንዊሕካ ኣብዘይ ትጥምተሉ ስለ ዝበጽሔ!!! ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናተባህለ፡ ናብ ከቢድ ስምዒታዊ ወይ ከም ሻህረትነትን፡ ተቐየረ። ተጋዳላይ! ንሂወቱ ምንም ዋጋ ኣብ ዘይህበሉ እዋን ተብጽሔ። ተበልጽቲ ክጸንሑ፡ የዋሃት ኣቐዲሞም ተበጀዉ።ኣባጽሕን፡ ዕሸላትን መናእሰይ ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ባርዕ ኩናት እና ኣተዉ፡ ሃገራዊ መስዋእቶም ቀጸሉ፡ በጃ ሃገር ህዝብን ሓሊፎም ነጻነት ናይ መርየትን፡ ክብሪን ግርማን!!! ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪቦም ሓለፉ።

ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ኤርትራ፡ ዝተሰዉን፡ ዝሰንከሉን፡ ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝወዱኡን፡ ዝደኽሙን፡ ኣብ ኣገልግሎትን ዘለዉ ኩሎም ምስጋና ይብጻሓዮም።

“ተመሊስካ ትርእዮ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ”

ሕሉፍነት፡ ዜጋ!! ኣብ ርእሲ ዜጋ ብምዃን፡ ሓደን ክእመን እቲ ሓደን ክጥእርጠር እናገበርካ፡ ሓደን ክግደስ ብዙሕ ስለ ዝሕሰወ፡ እሙን ዜጋ ክመስል፡ ሓሳዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሳዊ፡ ዜጋታት ኔርትራውነ ተወዳደሩ፡ ናይ ዘይኮንካዮ ሕልምን በለጽን፡ ዝተኣልመ ማእለማ ሕሉፍ ተኣማኒ፡ “ሕሉፍ ጸጋማይ፡ ሕሉፍ የማናይ፡ ሓለፋ ዝዋሃቦ ኣውራጃ፡ ንሓለፋ ዝወዳደር ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዘየድልዮ ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዝወሃቦ፡ ሃይማኖት፡ ሓለፋ ዝሰኣነ ሃይማኖት፡ ሕሉፍ ሓገራዊ፡ ሕሉፍ ሓፋሽ ዉድብ፡ ሕሉፍ….ወዘተ። ብሕሉፍነት ሃገርና በረሰት።

ሕሉፋውያን ዓድታት፡

ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓለፋ ክዋሃብ ተራእየ፡ ሕሉፋት ጀጋኑ!!! ዘፍርያ ክመስላ ኣብ ሓለፋ ሽመትን መዓርግን ተሰሪዔን ይርከባ። ሕሉፋት ዓድታት፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ዓሰርተ ጀነራላት፡ ካብ ሚእትን ዕስራን፡ ንላዕሊ ኮሎነላት፡ ክህሉ እንከሎ፡ ጥዑይ ዓይንን ኣእምሮን፡ ዘለዎ ዜጋ፡ ክሓትት ናይ ግድን እዩ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ካኣለ? እዛ ዓዲ እዚኣ ንበይና ድያስ ከማኣ ዝኣመሰላ ዓድታትከ ኣለዋዶ? ኢሉ ንዝሓትት፡ እወ፡ ኣብ ከባቢኤን ዘለዋ ዕድታት እየን እዩ መልሱ። ሕሉፍነት!! ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ሕሉፍ ኣውራጃ እንሆ። ናይ ሃገር መከላኸሊ ምኒስተር ብሓደ ኣውራጃ ክምራሕ፡ ንፍትሕን ስርዓትን ፡ ንሃገራዊ ቕዋም ጠጠው ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ንነብሶምን ንዝሸሞምን፡ ከገልግሉ እዮም ተመዲቦም።እዚ፡ ስል ዝኾነ ድማ እንሆ! ጀነራላት ኤርትራ፡ ሕሉፍ ሓገራውነት ተጎልቢቦም፡ሃገርን ህዝብን እናበረሰ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ኣለው።

ካባና ዘይኮነ!! ካባና ይፈለ ዝዓይነቱ፡

ስርዓት ኤርትራ ካብ ሓደ ኣውራጃ ብብዝሒ ጀነራላትን፡ ኮሎነላትን፡ ማጆራትን፡ ብጠቕላላ መኮነናት፡ ሃገራዊ ጸጥታን፡ ድሕነትን፡ ምክልኻልን ስለ ዝተታሕዜ፡ ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ስራሕ ውዓለ። ሕሉፍነት ዝተጎልበቡ ምሁራት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ “ሃገርናን መንግስትናን ንሓሉ” ሃገር ንበይኖም ከም እትብጽሖም፡ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ዕለታዊ መደርን ሓቂን እዩ። ብሕሉፍነት!!! ሃገርና ኣበየናይ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ተወሳኺ መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሃገራውነት፡ ሓለፋ ናይ ኣገልግልቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋኻ ኣሽካዕልል!! ድላይካ ግበር፡ ሕጊ ንስኻ ኢኻ፡ ሕጊ ከምድላካ! ተርጉሞ! ዘድለካ ግበር ሃገር ናትካ!! ናተይን! እዩ ዝብል ንጉስ ኣብ ኤርትራ ነገሰ።

“ደርሆ!! በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝባሃል፡

ገለ ገለ ኣካዳሚክስ ትምህርቲ ዘለዎ ሕሉፋት ዜጋ ኣብ ዕብዳን ምዝርና፡ ብዕልግናን፡ ከም ሓለፋ ወሲዶም፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ ክመላለሱ ይራኣዩ። ሕሉፍነት ዝተኸድኑን፡ዝተዓጥቑን፡ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ንህዝቢ ዓለም ዘደናግሩን፡ ንዲክታተር ንጹሁነት ዘልብሱን፡ ሃገርና ብጸላእቲ ተኸቢባ፡ እናበሉ ዝግዕሩ ብገንዘብ ዝተዓደጉ፡ ንቖልመጽመጽ ዝሓድሩ፡ ኣብ ኤርትራ ከይዶም ከምድላዮ ክምንዝሩን፡ ክብዕልጉን፡ ይፍቀደሎም። መንእሰይ ሃገርና፡ ኣብ ባርነት ክነብር ጥዑይ መነባብሮ ስለ ዘየብሉ፡ ድኽነት ስለ ዝበዝሖን፡ መስዋእትነትን፡ ስደትን ተወሲኹ፡ ኣዋልድ ኤርትራ ሓዳር ክገብራ ስለ ዘይከኣላ፡ ኣደዳ ምንዝርናን፡ ዉርደትን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ።

ተወሳኺ! ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዘበነ ጸነተ!!! ናብ ኤርትራ ዘኺዶም ንኽምንዝሩን ንኽዓብዱን፡ ድሃይ ገዛይ ክፈልጥ እናበሉ ይገሹ።

ሃገራዊ!!ንገበንካ ሓቅነት ዘብሉ፡ ከተምስል ተጣበቕቲ ስል ዘድልዩ፡ ካብ ህዝቢ፡ክትምልምል ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ብትምህርቲ ኣካዳምያዊ ደረጃኦም፡ ልዕል ዝበሉ ብማስተርስን፡ ብዶክተርነት፡ ዝወድኡ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዕን በደልን ኣብ ስደት፡ ንዝግበር ምንቅስቃሳት ከተዓናቅፉን፡ ነቲ ዝግበር ኣብ ህዝቢ በደላዊ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ሕጋዊ ስም ከልብሱ ይኽእሉ ዝባሃሉ ይቑጸሩ። ቑጻር ወይ ዓሰባ ዝተባህሎ ይፍጽም። ገለን ብገንዘብ ተቖጺሮም፡ ገለን ብሕሉፍ ሃገራውነት ኣእምሮኦም ሸፊንዎም፡ ዝተበላሸዉ፡ ንህዝቢ ዓለም፡ ሃገርና ኤርትራ ምዕብልትን ብልጽግትን ብወርቂ፡ዝነትዔትን፡ ድኽነተ ኣልቦ ክገብሩ ይፍትኑ። ኣብ ስደት ካብ ሓደ ከተማ ናብቲ ሓደ ከተማ እናኸዱ ይግዕሩ ኣለው።

ናይ ኤርትራውያን ሕሉፍነት!!!ንበይኑ እዩ??

ኣቕሽሽትን፡ መሻይኽን ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶም፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘፋቕሩ ከባእሱን ይውዕሉ ኣለዉ። ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብሕሉፍነት ተበላሽዩ ስለ ዘሎ፡ ካብዚ መርዛም ብልሽውና፡ ጠባይ ክንፍወስ ናይ ግድን እዩ።ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዘይሓልፍነታዊ፡ ዘይ ስነ ምግባራዊ፡ ዘይሕጋዊ ተጋባራት ክፍጽሙ ይዉዕሉን፡ ይሓድሩን፡ ኣለዉ። እዚ፡ ድማ፡ ኣብ ዘዝነብሩ ዓዲ፡ ኣብ ሓገዝን፡ ረዲኤትን፡ እንጀራ ልማኖ እንዳነበሩን፡ እናበልዑ፡ ዝበልዕሉ ጻሕሊ ክሰብሩ ይራኣዩ።ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ወይ ሃገር፡ ዑቕባ ክሓቱ ከለዎ ዝበልዎ ረሲዕም፡ኣብ ኤርትራ እንክበጽሕ ኣብ ሓሶትን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ክጥሕሱ ይርከቡ ኣለዉ።ኤርትራዊ ስነ ስርዓት ኣጕዲሉ ይርከብ ኣሎ።

“ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ኮይኑ ስለ ዘሎ ኣንዊሕና ክንሓስብ ይግባኣና።

ሕሉፍነት ዘይፍወስ ሕማም ምንሽሮ ኤርትራ እዩ።

ኤርትራዊ፡ ነን ነብሱ፡ ይፈትሽን ይመርምርምን፡ ብሕሉፍነት ምንም መድሃኒት ኣይርከቦን እዩ። ሕሉፍ ቛንቛ የለን። ሕሉፍ ሃይማኖት፡ የለን። ሕሉፍ ብሄር የለን።ሕሉፍነት ዜጋ እውን የለን። ሕሉፍ ኣውራጃውን የለን።ሕሉፍነት ሕማም ምንሽሮ እዩ። እሞ ሕማም ምንሽሮ ካብ ኮነ፡ እዚ ሕማም ምንሽሮ ተሰኪምና ካብ ምንባር ክንገላገል ንጽዓር፡ ፈውሲውን ንርከበሉ።

ካብ ሕሉፍነት ሓራ ንኹን።ህዝብና፡ ተር ከም ዓተር ኢሉ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ማዕረ ዳኣምበር!!! ሓለፋ፡ የብሉን።ኩሉ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣብ ማዕርነት ዜጋታት፡ኣሚኑ ክነብር፡ ብቕዋም ክምራሕ፡ ብሕግን፡ ብፍትሕን ብስነ ርዓትን፡ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ክነብር እንተዳኣ ኮይኑ? ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገራዊ ትካልን፡ ቅዋምን ንኽተክል ክጽዕር ሓላፍነት ኣለዎ።ናይ ኩሉ ዜጋ ጻዕርን ድኻምን ድማ ይሓትት። ደው በለለይ ክብለጸልካ ግዜኡ ኣብቂዑ እዩ።

ፍትሒ ይንገስ!!!
ዉድቀት ንሸፋቱን ሕሉፋት ሃገራውያንን
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ፡ ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 03/21/2016

ዘተ ምስ ዓብደላ ዓሊ ቀዳም 23 ጥሪ 2016

ዘተ ምስ ዓብደላ ዓሊ ዝተገብረ ማሃርን ሃናጽን መልእኽቲ ዘሕለፎ ዝርርብ ቀዳም 23 ጥሪ 2016 ምስ ራዲዮ ኤረና። 

ህልዊ መድረኽን ግደ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራን

ህልዊ መድረኽን ግደ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራን

ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ብ2016-02-(19-20) ኣብ ስቶኮሆልም ኣኼባ ኣካየደ።
 ምሉእ ትሕስቶ ናብ PDF

መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ናብ ኩሎም ብጹኣን ጳጳሳትን፡ መራሒ ሃገርን፡ ምእመናንን።

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝሃብዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት እትሓልፎ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን፥ ከምኡ ውን ኩነታት ሃገርን፥ ናይ ኣባታዊ ፍቕሪ ዝመልኦ ማዕዳን ተግሳጽን ሂቦም። በረኸቶም ጸሎቶምን ኣባታዊ ማዕዳን ኣይፈለየና። ኣምላኽ ዘመን ኣገልግለቶም ይባርኽ።

 

መስትያት ቃልስና??????? ምእሳር ተጋደልቲ ኣብ ሱዳን።

መስትያት ቃልስና???????
ምእሳር ተጋደልቲ ኣብ ሱዳን።

ኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን ከሊፋን ኣቦ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓምዳይን፡

ኣብ ሃገር ሱዳን ብ31 ጥሪ 2016 ተኣሲሮም ዝብል ዜና ሰማዕና። ዘሕዝንን፡ ዘስደምምን፡ ዝገርምን፡ ዘሰንብድን፡ ዘጨንቕን፡ዘንዕቕን፡ዘሔፍርን፡ መግለጺ ታሪኽ ቃልሲ ደምበ ተቓዉሞ ከምዝኾነ ከስምረሉ ይደሊ።

“ኣናፍራ ቖቓሕ፡ ዘይፈልጥ፡ኣይ ሃዳናይን” ከምዝብሉ ሓረስቶት ዓድና፡ ኣስዕብ ኣቢሎም “ዘይሓስብ! ኣይንገድ” ይብሉ። እንተ ብሃዳናይ፡ እንተ ብነጋዳይ፡ ክምሰል መልእኽቱ ሓደ እዩ። ሓዳናይ ቖቓሕ፡ ዛግራ፡ ዓጋዜን፡ ጠለበዱ ወይስ ኢራብ ሃዲኑ ክመጽእ ኣለዎ። ኣብ በርኻን ጣሻን ክሃድን እየ ኢሉ ከይሰለጦ ምስ ዝመጽእ ግና ደጋጊሙ ሕመቑን፡ ስንፍናኡን፡ ጉድለታቱን፡ ዝንጋዔኡን፡ ስለምታይ ዝሓሰቦ ከይሰለጦ ከም ዝተመልሰ “እሕም……ም…..ም” ኢሉ ኣስተንቲኑ ሓሲቡ መልሲ ምስ ረኸበ፡ ካልኣይ ከይደግም ክጥንቀቕ ከምዘለዎ፡ ዳግማይ ፍሽለት ከይርከብ፡ ኣፉ እናረምጠጠ፡ ማዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ዝናሩ ዓጢቑ፡ ጠብንጃኡ ሎጊሙ፡ ኣዒንቱ ዉሪሕሪሕ እና ኣበለ ንሃድን ይብገስሞ! ከምዝሓሰቦ ምስ ኮነሉ ድማ፡ ቖቓሕ፡ ዛግራ፡ ሰስሓ መፍለስ ደራሪቡ መልዒሱ፡ መልዒሱ ምስገድፈን፡ ኣራርዩ! ኣድጉ ኮነ በቕሉ ጺዒኑ ንገዛኡ ክምለስ ከሎ፡ ሃዳናይ ተፈሲሁ ንዓዲ ክኣቱ ይርኤ!! ኣብ መንገዲ ዝራኣዮ ኮነ ኣብ ዓዲ ዝጸንሑ ደቂ ዓዱን፡ ወለዱን የኽብርዎን፡ የመስግንዎን። ኣየ!!!!ጂግና!!!! ኣየ ሰብኣይ!!!ኣየ ሃዳናይ!!!ተባሂሉ ይጽምበለሉን፡ ይዉደሰሉን።

ወዮ ሃዳናይ!! ሃዲነ ዘምጻእኩዎ ስለዝኾነ፡ በይነይ ጠቢሰ፡ ጠጢቐ፡ ኣብሲለ፡ በይነይ ምስ ደቀይ ጥራሕ ክንበልዕ ኣለኒ ዶ!!!!ይብል፡ ኣይፋሉን፡ እንታይ ዳኣ ይገበር? ነቲ ሃዲኑ ዘምጻኦ!! ምስ ዓዲ ሓቢሩ እዩ ዝበልዕ። ከመይ እንተ ተባህለ? ንገለን ኣብ ገዛኡ ዓዲሙ፡ ንዓበይቲን መኳንንትን፡ ንቤተክህነትን፡ ንሽማግለታትን፡ ብጠቕላላ “ንሓማዮ” ተኻፊሉ ይበልዕሞ! ኣብ ርእሲ ጥበቡን ክእለቱን፡ ልቦና ይውስኽ፡ ኣብ ዓዱን ኣከባቢኡን ይምስገንን፡ ይኽበርን።

እዚ ብንእሰነትና ዝራናዮ ኣብ ከባቢ ዓድዃላ ማይጻዕዳ ዝፍጸም ዝነበር እዩ፡። ንምጥቃስ ግራዝማች ኣስመላሽ ኣስፋሃ፡ ቀነዝማች ኣብራሃ ዑቕባዝጊ፡ ኣቶ ግደይ መዓሾ ብድሓር ድማ፡ ኣቶ ኪዳነ ፎቶ ካብ ጉንደት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ።

ነጋዳይውን ልክዕ ስራሑ ካብ ሓደ ከተማ ወይ ዕዳጋ፡ኣቑሑት ገዚኡ ናብ ካልእ ከተማ ይሸይጥ። ኩሉ ግዜ ነጋዳይ፡ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ ነቲ መጀመርያ ዝዓደጎ ሓጀት ወይ ኣቓሑ ተወሳኺ፡ ንመኸዘኒ፡ መስቀሊ፡ መውረዲ፡ መጎዓዚ፡ ግብሪ ሃገር ወይ ግብሪ ዕዳጋ፡ ዋጋ ስለ ዝኸፍል፡ ናይቲ ዋጋ ኣቕሓ እናደየበ፡ ወይስ እናወሰኸ ይኸይድ እሞ፡ ኩሉ ዘውጸኦን ዝበልዕን፡ ዝደቀሶን ደማሚሩ፡ ካብዚ ንላዕሊ ምስ ዝሽየጥ ኣብ ገንዘበይ ኣለኹ፡ ካብዚ ንላዕሊ መኽሰብ ክንድዚ ኣለኒ፡ ካብዚ ንታሕቲ ግና ክሳራ ብክሳር ክኸውን እየ ኢሉ ይድምድም።

ናይ ዋጋ እኹል መለክዒን እኹል ስእልን ይረክብሞ! ብዙሕ ከይሰስዔን፡ ብዙሕ ከይጎደለን መጠናዊ መኽሰብ ብሸያጣይን፡ ብዓዳጋይን ቅቡል ስለ ዝኾነ! ቀጻልነት ናይ ንግዲ ጥበብ ስለ ዝድልብ፡ ምስ ኩሉ ተሳንዩን፡ ተመስጊኑን፡ ተሓጓጉስን ይነብር። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ቀጻሊ መኽስብ ብትሑት ክሳራታት፡ ዝጙዓዝ ነጋዳይ ኣብ ስራሑ፡ ይምስገንን፡ ይኽበርን፡ ይናኣድን፡ ዓዲ ይፈትዎ፡ ዕዳጋ የኽብሮ።

ንኹሉ ክእለትን ጥበብን ኣለዎ።ብሃዳናይን ብነጋዳይን መንቀሊ ተጠቒምና ናብ ካልእውን ክንዝርዝር ይካኣል እዩ። እንተኾነ፡ ኩሉ ወድ ሰብ ዝሓዞ ብዉሕልነትን፡ ብሓልፍነትን፡ ብመሃዝነትን፡ ትማሊ ከመይ ኢላ ዘይቀንዓትኒ፡ እሞኸ! ዳኣ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፡ ዝብል ሰብ ካብ ጊጋኡ ይማሃር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ በሊሕን መስተውዓልን ይኸውን።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ታሪኽ መዛግብ ዓለም ከም ቀዳሞት ስልጣኔታት እተመዝገበት ሃገር እያ።ብወደባት ዙላን ኣድሉሲን ጀሚርካ፡ ናብ እምባታት ቖሓይቶ፡ ድባሩባ፡ ኣኽሱም ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ምስ ቀዳሞት ብእመንት ትቑጸር። ብኽርስትና እምነት ቀዳመይቲ፡ ብምስልምና እምነት ቀዳመይቲ እያ።

ቀዳሞት ወለድና፡ብሕግን ስርዓትን ዝምርሑ ህዝቢ ነበሩ። ዝገደፉልና ሕግታት፡ “ሕጊ ኣድግና ተገልባ ኣብ ኣከለጉዛይ፡ ኣድከመ ምልጋእ ኣብ ሰራየ፡ ሕጊ ሎጎ ጭዋ ኣብ ጽልማን ሎጎጭዋን፡ ደብተር ዓዲ ቖንጺ፡ ደብተር ሸውዓተ ዓንሰባን፡ኣብ ሓማሴን። ደብተር ቢለን ኣብ ሰንሒት፡ ኣብ ባርካን ሳሕልን ዝምርሑሉ ሕግና ኣግባብ ከም ዝነበሮም ይግለጽ”፡ ዘሔብን መሰረታዊ ሕጊ ደቂ ሰብ ካብ ናይ ምስዕራባውያን እንተዘይ በሊጹ ዘይንእስ ሕጊ ገዲፎምልና ከይዶም። ናይ ኤርትራ ህዝቢ ብብዝሒ ዘርኢ ሃበሻ እዩ። ናይ ኩሻዊ ዘርኢ ወሲኹ ብሰላም ንኣሻሓት ዓመታት ብሰላም ይነብር ነበረ።

ሕጂ ዳኣ እንታይ ተረኸበና? እዚ ካብ ግዜ ጣልያን ጀሚሩ፡ ዘበናዊ ትምህርቲ ወሲደ ዝብል ወለዶ እንተ ብፍላጥ? እንተ ብዘይ ፍላጥ? ብመነቱን፡ ብታሪኹን፡ ዘይሕበን እናኾነ ከደሞ! ነቲ ዝጸንሔ ናይ ህዝቦም ታሪኽ ኣዕሚቖም፡ ኣጽኒዖም ከይሓዙዎ ተረፉ። ገለን ከተማነት ብልጭልጭ ምስ ራኣዩ፡ ዓደቦ ድሓንኩን ኢሎም ንሃገረሰብ ከይተመልሱውን ተረፉ። ተቐንበልቲ እምነት ክርስትና ኮነ እስልምና ኩሎም ሃደ እዮም። ካብ ባዕዲ ጣልያን ዘምጽኦ ብልጭልጭ፡ ኣመጋግባ ኮነ ኣከዳድና ከም ኡውን ካብ እንግሊዝ፡ ካብ ኣምሓራ ተቐበልቲ ኮይኖም ንረኽቦም። ኣከዳድናኦም፡ ኣመጋግባኦም፡ ኣዘራርባኦም፡ ተለቃሕቲ ኮኑ።

ካብ ዘበነ እንግሊዝ ጀሚሩ፡ ዘበነ ፈደረሽን፡ ዘበነ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ፡ ዘበነ ደርጊ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብዘበነ ገድሊ ወይ ዘበነ ሰውራ፡ ክሳብ ዘበነ ሳዋ ዝተወልደን ዝተማህረን መንነተ ኣልቦ ዝኾነ ትምህርቲ ደስነት ኮሚኒስትነት ማሕበራውነት እናተባህለ ስለ ዝዓበየን፡ ዝተማህረን፡ ዓዋንን፡ ደንቖሮን፡ ስስዑን፡ ተበላጽን፡ ሰንፈላልን፡ ፈራሕን፡ ብቐሊሉ ዝደሃልን፡ ኣንዊሑ ዘይሓስብን፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ፍልስፍና ሱሱዓት መሰረተ ጥፍ ኣት ተቐኒቱ ጭካነን ስድነትን ኣብ ዝባኑ ተሓንጊሩ ክጙዓዝ ይርከብ ኣሎ።
“ቖርበት ኣበይ ተባላሻያ? ኣብ ምንፋሓ! ኣብ ምንፋሓ ኣይኮነን ኣብ ምጥባሓ” ከም ዝባሃል ፡ ካራ ዝኣተዋ ቆርበት ንሎቖታ ስለ ዘይትኸውን፡ ብውሓለን ኪኢላን እያ እትጥባሕ። ብወዘልዘል ዝተሓደት ቆርበት ንሎቖታ ኣይትኸውንን እያ።

ቃልሲ ኤርትራ ክጅምር እንከሎ! ንየማን ንጸጋም ቁሊሕ ምሊሕ ኢሉ፡ ክንደይ ብሄራት ኣለዉና፡ ክንደይ ሃይማኖት ኣለዉና፡ ንዓኣቶም ዝውክልከ! ኣለዉናዶ? ዝብል ሕቶታት ስለ ዘይጸንሔ፡ ብሓደ ሃይማኖት፡ ብዉሑድ ብሄር ስለ ዝጀመረ፡ ጥርጠራን ፍርሕን ንኽህሉ ናይ ገድን ኮነ። ኣስዒቡ፡ ሃገራዊ ሕቶ ወይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣብ ክንዲ ብምልዛብን፡ ብምክታዕን ዝፍታሕ፡ ብምቕንጻል ተጀመረ።ገድሊ ኣብ ምምቕቓል ኣተወ። ኣበይ ከይበጽሑ እና ተባህለ ንሓምሳ ዓመታት ኣሕሊፉ ገና መዕለቢ ዘይተገብሮ ሃገርና፡ ትጸንትን፡ ትበርስን ኣላ።

ጉዳይ ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ ድኣምበር፡ ናይ ፍሉያት ዉልቀሰባት፡ ኪኢላታት፡ ወረዳታት፡ ኣውራጃታት፡ ዓልየታት፡ ብሄራት ወይስ ሃይማኖታት ኣይኮነን። ንሓደን ዝምልከቶ ንኻልእን ዘይምልከቶ ጌርካ እናተረእየ እናተሰርሔን ስለ ዘሎ ብጀካ ጸገምን መከራን፡ ዉርደትን ሕስረትን፡ ድኽነትን ዉድቀትን፡ ኣብ ድኽነት ምንባርን፡ ምብትታንን፡ መጨረሽኡ ድማ ንዕቐትን ዉርደት ኮይኑ ይርከብ።
ኣቦሓጎ ተጋዳልይ ሑሰን ከሊፋን ብጻዩን፡ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ካብ ሂወቶም ኣብ ቃልሲ ኣሕሊፎሞ እዩም። እንታይ ዓይነት ቃልሲ?፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ፡ “ሃዳናይ ኮነ ነጋዳይ” ኣብ “ዝወፈርዎ ዘየፍርይን፡ ዘይ ኽስቡን፡ እንተ ዳኣ ኮይኖም ንቡዙሕ ዓመታት ሂወቶ ኣብ ዘየኽስብ ንግድን፡ ዘየፍሪ ሃድንን፡ ኣሕለፉዎ? ዝብል ሕቶ ካብ ደቂ ደቆም ክቐርቦም ከሎ መልሶም፡ “ገድሊ ንመን ክንገድፈሉ፡ ኣነ እንተዘይሃለኹ ገድሊ ክትጠፍ እያ”። ኣነ ኣልማዕኩዋ ወይ ብዘይብኣይ ልምዓት የልቦን፡ ናተይ ርስተይ ቃልሰይ፡ ብጾተይ ዝሓለፉ ረሲዔዮም፡ ወይስ ጠሊመዮም ማለት እኮ እዩ”።

ደንበ ተቓዉሞ፡ ብኣነ ዝቖማ ስለዝኽና፡ ከም ናይ ጨው ዝነግድ ካብ ተሰነይ ንባጽዕ ጨው ክሸይጥ ዝኸይድ ከምዘሎ ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። እንተድኣ፡ ምስ ግዜን ኩነታትን፡ ምስ ሓድሽ ትውልድን ዘይትኸይድ ኮንካ? ሰማዒ ዘይብልካ ትተርፍ። ስለምታይ ንበይንኻ ዓረር ትብል? ኢሉ ንዝሓትት ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ? እዩ ዝደጋገመ።

ንኣቦሓጎ ተጋዳላይ ሑሰን፡ ከም ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ብ2010 ረኺበዮ ነይረ። ልዙብ፡ ዝሓለፈ ዘሎን ዝግምግም መሲሉ ተራእዩኒ ነበረ። ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ግና ኣብቲ ናይ ቀደም ዓብላልነት መንፈስ ተቖሪኑ ጸንሓኒ። ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቑፍ፡ ማዕርነት ሃይማኖታት፡ ማዕርነት ብሄራት፡ ማዕርነት ቆላን ከበሳን ደጋን ወይ ነደጋን ዝብል ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይ ዘበነ ሱሳታት ዝነበረት ተጋድሎ ሓርነት ወይስ ብሃይማኖት ዝዓብላልነቱ ጋቢ ተጎምጊሙ ጸንሓኒ። “ተጋዳላይ ሁሰን ከሊፋ ኣብ ኣቃቂ፡ ሓወልቲ ክንገብረልካ እንተደሊኻ፡ ንፍትሒ ተመርኮስ ኣብ ጎንኻ ኣለኹ ኢለካ ነይረ፡ ትዝክርዶ? ኢለ ሓተትክዎ “እወ በለኒ” ንምንታይ ዳኣ ኣብ ኣዋሳ ጠሊምካና? ኣይመለሰለይን.. ስቕ በለ። ኣስዕብ ኣቢለ በል ኢሳያስ ብኣኻን ዝኸማኻን ኣይክወርድን እዩ እዚ ባይቶ ቆይሙ ዘሎ ፍሹል እዩ” ኢለ ተሰናበትክዎ። ባይቶ ብምፍሻሉ፡ ናይ ሕልና ወቐሳ ይስማዓኒ። ባይቶ ኩልሻዕ መሰረት ሕግና ስለ ዝኾነ። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ኣዋሳ ግና ናብ ዉድቀት ዘምርሕ ምንባሩ ንዘስተውዕል ጥልመት አዩ ተኻይዱ። ኣብ ቃለይ ግና ኣለኹ።
“ስጋኹም ዘይብል ጥቃ ሓራስ ኣይቕረብ”። “ዓዲ ንግበር ተገራሪህና፡ ዓዲ ነጥፍእ ተጎራሪሕና” ከም ዝባሃል፡ ኤርትራ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ኣውራጃታት፡ እንዳታት፡ ቀቢላታት፡ ሃይማኖታት ስለ ዝኾነት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተጠቕምናሉ ኣግባብ ቃልሲ ናይ ሸፋቱ ኣግባብ ምንባሩ፡ ዓው ኢልና ክንዘራረብ ኣለና። እዚ ምስ ኣመናን፡ ምስ ፈለጥናን፡ ከኣ እሞ እንታይ እዩ ዝሕሸና ንኹላትና ብሰላም ዘንብረና? ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ክንክእለ ኣለና።

ወለድና ንሸውዓተ ሽሕ ዓመታት ከመይ ኢሎም ይነብሩ ነበሩ? ሕጊ ነበሮምዶ? ወይስ ኣብ ዉግእ ኣሕለፍዎ?

ህግደፍ ክገልጾ እዚ ህዝቢ ምንም ዘይሓስብ ደንቆሮ ንኹሉ ዘይተቀርበ ኢሉ ገለጸ። ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ እንዳ ወይ ዓዳዊ እናበለ መደንቆር ትምህርቲ ክምህር 40 ዓመታት ሓለፈ። መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝበሎ፡ “ትምህርቲ ሻዕብያ ተዘይቀተለ የዕነኒ” ሃገርና ኣብ ዕንይንይ ኣትያ ኣላ።ናይ ሻዕብያ ትምህርቲ ጥልመትን ጭካነን ምዃኑ ንማንም ብሩህ እዩ፡ ሰላም ራህዋን ከምጽእ ግና ኣይተረኽበን።ህዝቢ ክበታተን፡ ክጠፍእ፡ እምነተ ኣልቦ ኮይኑ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበለ ናብ ዝኸዶ ከይመረጸ ሃጽ ይብል ኣሎ።

ህዝብና ተጓራሪሑ፡ ሓቂ ምዝራብ ገዲፉ፡ ኣብ ጓልዘረባ የሕልፎ ኣሎ። ደምበ ተቓዉሞ እንተኾነ ከም መንበሪ ናይ ጥሮታ መንበሪኦም ገሮም ወሲዶሞ ይርከቡ። ኣቛቑውማ ዉድባትና፡ ብዉሑዳት ኣውራጃ ዝቖማ፡ ብሃይማኖትን ብወገን ዝተላዕጠጣ እየን። ዝባነን ቀሊዔን፡ ኣነ ነዚ ኣውራጃ ክውክል እየ። ዝጸንሔ ሕጊ ዓደቡኡ ከምጻኣሉ እየ፡ ህዝበይ ተኸተሉኒ እንተዝብላ ቅቡል እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ኣውራጃ ካብቲ ሓደ ኣውራጃ ብሕግን ብስርዓቱን ይፈላለ ስል ዝኾነ። ኣዉራጃኡ ዘኽብር ዜጋ ንኻልኦት ኣውራጃታት የኽብር እዩ።

ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ገባቲ፡ ናይ ሓደ ኣውርጃ ምዃኑ ምንም መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምምሕዳሩ ሽፍታ፡ ተግባሩ ቀጣፊ፡ ኣነባብራኡ ዓማጺን እዩ። ሹማምንቱ ሓልወኒ ክሕልወካ እናበሉ ዝነብሩ እዩም።ንኻልእ ዜጋ ከም ባርያን ኣገልጋልን ፡ጁሆ ሒዘሞ ይርከቡ ኣለዉ።

ሓድነት ዓዲ፡ ሓድነት ወረዳ የምጽእ። ሓድነት ወረዳታት ሓድነት ኣውርጃ የምጽእ። ሓድነት ኣውራጃታት ሓድነት ሃገር የምጽእ። ምክብባር ደቂ ሰብ፡ ክብርን ስነ ስርዓት ዘለዎ ዜጋ የፍሪ።

ከምቲ ጽቡቕ ገረብ ወይ ወይኒ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ፡ እሙን ቅኑዑን ዜጋ ድማ ጹኑዑን እሙንን ስድራቤት ይሃንጽ። ስድራ ቤታት ሕጊ ዘለዎ ዓዲ ይፈጥራ፡ ሕጊ ዘለዋን ዓድታት ድማ ሕጊ ዘላዋ ወረዳ ይፈጥራ ብሰላም ብፍቅርን ይነብራ። ብሕጊ ዝምራሕ ህዝቢ ፡ኣብ ሸፈጥን ኣብ ዓመጽን ኣይነብርን እዩ። ንጽህና ንኸምጽእ ድማ ንህዝቡ ይግደስን፡ ንወረዳኡን ፡ንኣውራጃኡን፡ ንሃገሩን ብሕጊን፡ ብስርዓት፡ ዝመሓደር ህዝቢ ድማ ስልጡን ይብሃል። ስልጣኔ ብንብረት ፡ብልጭልጭ ዝኾነ ፡ጥሪት ኣይኮነን ዝምዘን። እንታይ ዳኣ ብልቦናን ብፍትሓውነት ንጭውነቱን እዩ ዝምዘን።

ሕጂ ኣበይ ኩነታት ኣሎና? ከም ህዝቢ ፡ዝተናዓቕናን፡ ዝተዋረድናን፡ ዝተደፈርናን፡ ዝደኸናን፡ ዝደንቖርናን፡ ዝዓሸናን፡ዘይንሰማማዕን፡ ዘይንከባበርን፡ ቅድሚ ሰብ ከምዘይነበርና፡ ድሕሪ ዓለም ተሪፍና። እሕዋትናን፡ ደቅናን፡ መጻወቲ፡ ረሻይዳን፡ ወጻአቲ፡ በደውን ኮይኖም፡ ኩሊቶምን፡ልቦምን፡ ተተጠቢሑ ከም ጠለ በጊዕ ንዕዳ እናወረደ! ከምዘይምልከተና ኣማዕዲና ንርኢ ኣሎና። እዚ ኹሉ ዝመጽእ፡ ዘሎ ዓቕምና ዘይምፍላጥን፡ ብዕሽነትና፡ ትምህርቲ ህግደፍ ሓውን ሓው ከናቑተና፡ ክንምክቶ ኣይከ ኣልናን፡ ብ ኣንጻሩ “ዓወት ንሓፋሽ” መሪጽና።

ናይ ኣቦሓጎ ተጋዳይ ሑሰን ከሊፋ ምእሳር ድምር ናይ ስስዕነት መራሕቲ ዉድብና ፡ሓቢርካ ዘይ ምስራሕን፡ ሓቢርካ ዘይ ምንባርን ስለ ዘይለመዱ ፡ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ተጋድሎዶ! ሎሚዶ! ናብ ማእሰርቲ ወይስ ካብ ንዓዲስ ንበረኻ መምራሕና?። በዚ ክውዳእ ኢልካ ክሕሰብ የብሉን ፡ቀጻልነት ክህልዎ እዩ። እንታይ ንግበር? እንታይ ይሕሸና? እንታይ ንምከር?????????ክንብል ኣሎና።

ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ግበር!!!!! ሕሰብ ተበራበር!!!!!፡ ክብርኻ ባዕልኻ ኢኻ!!!!!ተምጽኦ ማንም ከምጽ ኣለይ ኢልካ ኣይትጸበ!!!!!!!!!!።
ተኸባበር ፡ንበይነይ ዝብል ስስዕነት ኣጥፍእ። ንኹልና፡ ንዓድና፡ ንወረዳና፡ ንወገና፡ ንኣውርጃናን ንሃገርናን ንበል። ኣብ ዘዘለኻዮ ተጠርነፍ ብኽያት ምንም ዓወት ኣየምጽእን እዩ። ብሰላምዊ ሰልፊ ዓወት ኣይመጽእን እዩ። ኣብ መንጎኻ ዘለዉ ሰለይቲ ሕግደፍ ኣዳቒቕካ!! ኣለልዮም፡ ኣብ መንጎኻ ኣለዉ።

ሓደ ህዝቢ ድኻን፡ ደንቖሮን፡ ዘይጥርንፉን፡ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ተናዕቑን፡ ተዋሪዱን፡ ሓሲሩን ይነብር። ሃገናን ህዝብናን ዝተሳእነ የብሉን፡ እንተኽነ ፡ ብስሱዓት መራሕቲ ኣብ ዉሽጥን ኣብደገን ጥርናፈ ስ ኢኑ ተበታቲኑ ክነብር ኣይግባእን። ክስብ መዓስ እዩ ህዝብና ክነብዕ ዝነብር? ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት እዩ።

ካብዚ ዉርደት ክንወጽእ ልቢ ይሃበና።

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ
ሃይለ ገብረትንሳኤ ዘብሄር ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 8 ለካቲት 2016