ኣገዳሲ መግለጺ – ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ዕለት፡ 22/11/15

ኣገዳሲ መግለጺ
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንቡር መዓልታዊ ሂወቱ ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጸወታን ዕድመን ከይፈለየ ንዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ስደት ኮይኑ ምርጭኡ። ስለዚ ሃገርና መንእሰይ ዘይብላ ባዶ ትኸውን ስለ ዘላ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ። ብሓፈሽኡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢዮም። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምግታኡን ፍታሕ ንምርካብን ብደረጃ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን መራሕትን ወከልትን ኣፍሪካ ኣብ ቫለታ -ማልታ ብ11-12/11/15 ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ኤርትራ ብሰንኪ መራሕታ ባዶ ትተርፍ ኣላ ዝበልዎ ድማ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይነበረን።

ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ካብ ቅድም እናተወሃለለ ዝመጸ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ጽባሕ ዘይብሃለሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ኩለን ውድባት ይኹና ብውልቂ ፍልልያተን ኣወንዚፈን ብሓደ ምእኩል መሪሕነት ግንባር ፈጢረን ህዝብን ሃገርን ከድሕና ይጥለባ።

ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን በብመድረኹ ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ዝተጠርነፉን ኣብ ዝኾነ ውድብ ኣባልነት ዘይብሎምን ብሓባር ክቃለሱ ጸኒሖም ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓበራዊ ስርሓት ብምግምጋምን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብኦም ዝጥለብ ዕውትን ኣድማዕን መታን ክኸውንን ብዝያዳ ግልጹነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብዓዲ ጣልያን ደረጃ ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ብወግዒ ቆይሙ።

ካብ ሮማ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝመጹ ብዕለት 21/11/15 ኣብ ሚላኖ ካብ ሰዓት 10፡35 ክሳብ ሰዓት 18፡00 ጉባኤ ብምግባር ዝምርሕሉ ውሽጣዊ ሰነድ ድሕሪ ምጽዳቕን፡ ንሓደ ዓመት ተገልግል 9 ዝኣባላታ መሪሕነት ብደሞክራሲያዊ መገዲ መሪጾም።

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኮይኑ ተደናገጽትን ደገፍትን ኢጣልያውያን እውን ኣለውዎ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ!
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ” – መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣዀባን ምርጫን

በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ”
መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣዀባን ምርጫን

bay-area-edc

ብኽብረትኩም ብግዜ ምጹ            PLEASE BE ON EIME

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ ሞት ኣስታት 400 ኤርትራውያን ብስሩዕ መሪሕነቱ መሪጹ ስርሑ ዝጀመረ ንሓድነትን ሃገራዊ ረብሓን ኩላቶም ኤርትራውያን ንምውሓስ እጅግኡ ሰብሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል ‘ዩ።

ራእን ተልእኾን ምንቅስቃስ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞካስያዊ ለውጢ ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስነ- ሓሳብን ኣገባብ ቃልስን ፍልልይ ዘለዎም ፖለቲካውያን ፓርትታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላትን ፡ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ዝበዝሕ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ስጡም ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነዚ ኣብ ከርሲ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ዓማጽን ጨቋንን ስርዓት ሳቮያ ብምባል ንክጸርግዎ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለልካ ምስራሕ እዩ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምሰረት ክሳብ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ ኣሎ። ምድላው ንጉዳይ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ምእንጋድ እቲ ብኹቡር ኣቦና ነፍስሄር ዶር. ተወልደ ቫካሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ዑደት፡ ምድላው ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝጽዉዕ ባህላዊ ምዝንግዓት ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ 24 ግንቦት ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቶጎርባ : ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎ ፡ ምክያድ ናይ ዝኽሪ እግሪ ጉዕዞን ናይ ሽምዓ ሰልፍን ኣብ ግዜ መዓልቲ ሰማእታትን ሓዘነን፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስነ ሓሳብን ኣባላቱ ክብ የብሉ እዮም ዝበሎም ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት እዚ ማህበር ፡ ህግደፍን ሰዓብቶምን ንነዊህሕ ዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ከተማ ሪችመንድ : ሎሚ ዓመት እዚ ከተማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝኽልክሎም ገሩ ።

ሎሚ ዓመት ውን ምንቅስቃስና ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃሳት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻይደ ብናይ ንውዮርክ ደሞ ዝፍለጥ ብብዙሕነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ሰሩሑን ፡ ኣስታት 40 ካብ ኣባላቱን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብምስዳድ ውን ብቐጥታ ተሳቲፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ውን ንሳልሳይ ግዜ ህዝባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ሓድሽ መሪሕነት ብምምራጽ፡፡ ነዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳሽ ዓመት 2016፡ “ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነቲ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ዝዝይምን ዘሎ ህቡብ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ምሸት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ናይ ምንቕቓሕን ምዝንጋዕን ምሸት ብኹሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤትራውያን ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳንድያጎ፡ ላስቨጋስ፡ ስያትልን ዝመጹ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ እዮም።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ንሓድነትን ስጡም ቃልስን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2016 ኣብዚ ትርጉም ሓዘል ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ክሳተፍ ብልብን ኣክብሮትን ንዕድም። ብተሳትፎ ኩልና ዝረጋገጽ ሓርነት ቃጻልነቱ ዝተረገገጸ እዩ እሞ፡ ሓርነትና ንምውሓስ ሎሚ ሓድነትና ነረጋግጽ።

“ሓድነትና ዋሕስ ሓረንትና ‘ዩ”
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ