ደገፍና ንሰላምዊ ሰልፊ ዕለት 23 ሰኔ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዝግበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ደገፍና ንሰላምዊ ሰልፊ ዕለት 23 ሰኔ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዝግበር
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ዲሞክራስያዊ ውድብ ቢሄረ ብሌን ካብ ዝብገስ ኣብ ሃገርና ሰላምን መሰል ብሄራትን ዝኸብር ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ኣብ ቓልሲ ኣሎ።

ደገፍና ንሰላምዊ ስልፊ ብሊንዲ ደሽክሊዲስ 23062016

 

SMS ዓቕሊ ጽበት ህግደፍ

SMS ዓቕሊ ጽበት ህግደፍ

ነቲ ኣብ ጋቢና ወይውን ኣብ ባኮ ተዓሺጉ ብመቓልሕ ናይታ እንኮ ዝኾነት ብሓንቲ ልሳ ናይ ሓሶት መጋቤሪያ ቲቪ ኤረን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ጸሚሙ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ማዕከናት ዓለም ከይሰምዕ ዝተሓረሞ ህዝቢ፡ ጉጂለ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት Crimes Against Humanity ከምዝፈጸመ ዘማሓላለፎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝመጽእ መስርሕ ኣብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ዘ-ሄግ ቀሪቡ ክፍረድ ከም ዝኾነ ዝራዓደ ምልኪ ኢሰያስ ህዝቢ ከይፈልጦ ነቲ ብኮምሽነር ዝሓለፈ ውሳነ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲታት ህዝቢ ንምድንጋር ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክጽምብርዋ ደሊዮም ብዝብል ጎስጓስ ካብ ኤምባሲታቱ ዝማሓላለፍ ዘሎ በቶም ኮራኹሩ ዝኾኑ መንደልሓቕቲ ንቀረብቶምን ነቶም ኢሰምዑናዮም ዝብልዎም ሰባት ኤሰመስ SMS እንዳሰደዱ ፕሮፓጋንዳ ይዝርጉሑ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ዝርከብ ህዝቢ ብሽወደን ዝተጻሕፈ ከምዚ ይብል… Nu eller aldrig, historia upprepar sig, västländer, USA och FN i spets har aldrig velat ha en självständig Eritrea. De vill ha Eritrea som en del av Etiopien. Nu är upp till oss att försvara vårt kära land, vårt folk och vår regering. Detta är en direkt angrepp på Eritrea som stat. Det har ingenting med mänskliga rättigheter att göra. Det är falsk anklagelse bara för att , de vill inte ha ett fritt och oberoende Eritrea. De vill ha en till Libyen, Irak eller Syria. Vi ska visa vårt stöd till Eritreanska folket. De ska inte beröva oss våra rättigheter att få vara Eritreaner. Nu måste alla åka till Geneve och visa de att vi har varit om det här tidigare, vi har betalt dyrt med vårt blod och vunnit förr och vi ska besegra de nu som tidigare. Alla måste åka nu till Geneve , de som inte kan åka får medverka så att andra åker. Aset N’Hafash ብትግርኛ ከምቲ ዘለዎ ዝተተርጎመ… ሕጂ ወይ ኣበደን፡ ታሪኽ ንኽድገም፡ ሃገራት ምዕራባዊያንን፡ ኣመሪካን፡ ሕቡራት-ሃገራትን ናይ ኤርትራ ነጻነት ኣሚነሙሉ ኣይፈልጡን። እቲ ድሌቶም ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኢዮም ዝጽዕሩ። ስለዚ ሕጂ’ዩ ሰዓቱ ነታ ንፈትዋ ሃገርናን ንህዝብናን ንመንግስትናን ክንካላኸል ዘለና። እዚ ብቀጥታ ምውራር ንኤርትራ ከም ሓንቲ  ልኡላውነት ሃገር ምጉባጥ ኢዩ። እዚ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብፍጹም ዘራኽብ የብሉን። እዚ ፋልሶ ዝኾነ ናይ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ፡ እቲ ዘይድሌቶም ጥራሕ ሰላምን ናይ ኤርትራ ብልጽግና ክሪኡ ዘይዋሓጠሎም ምዃኖም’ዩ። እቲ ድሊየቶም ሓንቲ ተወሳኺት ከምእኒ ሊቢያን፡ ኢራንን ሱሪያን ኢዩ። ከነርኢዮም ኣለና ሕቡናት ህዝቢ ምዃንና። ነቲ መሰልና ክወስዱልና የብሎምን ኤሪትራውነትና። ናይ ግድን ኩልና ሕጂ ናብ ጀነቫ ከድና ከነርኢዮም ኣነና ከምቲ ዝሓለፈ ቅድሚሕጂ። ዝኸበረ ከፊልና ኢና ብደምና ዝሳዓርናዮም ሕጂውን ከምቲ ዝሓለፈ። ኩሉ ናይግድን ናብ ጀነቫ ክኸይድ ኣለዎ። እቶም ክኸዱ ዘይክእሉ ንኻልኦት ክታሓባበርዎም ኣለዎም ንኽኸዱ። ዓወት ንሓፋሽ    

ትርጉም ብእንግልዘኛ… Now or never, history repeats itself, the Western countries, the United States and the United Nations in lace has never wanted an independent Eritrea. They want Eritrea as part of Ethiopia. Now it is up to us to defend our dear country, our people and our government. This is a direct attack on Eritrea as a state. It has nothing to do with human rights to do. It’s false accusation simply because they do not want a free and independent Eritrea. They want to Libya, Iraq or Syria. We should show our support to the Eritrean people. They should not deprive us of our rights to be Eritreans. Now everyone must go to Geneva and show the that we have been about this earlier, we have paid dearly with our blood and won before, and we will defeat the now as before. Everyone must now go to Geneva, those who can not go to be involved so that other field. Awet N’Hafash

ምስዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ህግደፋዊ ፕሮፓጋንዳ ዝተታሓሓዘ ወጋሕታ 12 ሰነ 2016 ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወገን ጸሮና ንሓያለ ሰዓታት ዝቐጸለ ብርቱዕ ውግእ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብዚ ፈተነዚ ክልተ ጸወታዩ ዝደሊ ዘሎ። ቀዳማይ ንህዝቢ ንምድንጋር፡ እቲ ካልኣይ ነቲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣውሪድዎ ዘሎ ዝወረዶ ፍርዲ ግዜ ንምንዋሕን መመኽነታ ኣብ ኲናት ኢዩ ዘሎ ክባሃል መታን ግዜ ክናዋሓሉ ንምጽዓር እዩ። እዚ ሜላ’ዚ ግን የዋጽኦ ዲዩ ኣየዋጽኦን ቀስ ኢልካ ዝረኤ ጉዳይ ኢዩ። 

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ Coordinamento Eritrea Democratica – ኣገዳሲ መግለጺ

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ
Coordinamento Eritrea Democratica

 

ዕለት 08/06/16

ኣገዳሲ መግለጺ

ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ብሓደ ሰብ ዝቖመ ስርዓት ዝወለዶ ኢዩ።

PDF ኣገዳሲ መግለጺ

ምጽራይ ሕ.ሃ. ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ

ምጽራይ ሕ.ሃ. ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ

Geneva (8 June 2016) – ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ብዝሰፍሐን ሜላውን መልክዕ ኣብ ናይ ኤርትራ መዳጎኒ ማእከላት፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ቦታታት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 25 ዓመታት ተፈጺሞም፡ ብመሰረት ረቡዕ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ ናይ ሕ.ሃ. ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

ገበናት ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር፡ መስቀይቲ፡ ምግፋዕ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ከም ኣካል ናይ ሰፊሕን ሜላውን ወፍሪ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምዝራእ፡ ተቓውሞ ህዝቢ ንምግታእን መወዳእትኡ ድማ ንናይ ኤርትራ ሲቪላዊ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን ካብ 1991 ዓ.ም ማለት ኤርትራውያን ሰበ-ስልጣናት ቁጽጽር መሬት ኤርትራ ምስ ተረከቡ፡ ዝተፈጸሙ እዮም፡ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኤርትራ፡ መላኺ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ፡ ነጻ ፈራዲ ኣካል የለን፡ ሃገራዊ ባይቶ የለን፡ ካልኦት ዲሞክራስያውያን ናይ ምሕደራ ኣካላት ውን የለዋን። ካብዚ ናይ ምሕደራን ግዝኣተ ሕግን ባዶነት ዝመንጨወ ናይ ዘይተሓታትነት ሃዋህው ድማ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣኽኢሉ። “እዞም ገበናት ሎሚ ውን የጋጥሙ ኣለው፡” ኢሉ ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ምጽራይ።

“ናይ ኤርትራ ስርዓተ-ፍርዲ፡ ንገበነኛታት ብርትዓውን ግሉጽን መንገዲ ተሓተትቲ ክገብሮም እዩ ዝብል ርጉጽ ተስፋ የሎን። ፈጸምቲ እዞም ገበናት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም፡ ድምጺ ናይ ግዳያት ድማ ክስማዕ ኣለዎ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሕጂ ስጉምቲ ክወስድ ይግብኦ፡ እንተላይ ንኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ን ኣብ ቤት-ፍርድታት ሃገራቶም ዘለዉ ሕጋጋትን ካልኦት ኣገባባትን ብምጥቃም፡ ተሓታትነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግፍዕታት መታን ክረጋግጽ፡” ክብል ስሚዝ ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ፡ “ኤርትራውያን፡ ኣደዳ ገደብ-ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ብሰንኪ ብህሎኣዊ ገበን ኣባላት ስድራ ዝወርዱ ሕኒ-ሕነኣዊ ስጉምትታት፡ ኣድልዎ ብሰንኪ ሃይማኖትን ብሄርን፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታ-ዝመበገሲኦም ዓመጻትን መቕተልትን ኮይኖም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ፡” ብተወሳኺ የብርህ።

ገደብ-ኣልቦ ፕሮግራማት ወተሃደራዊ/ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ብኤርትራውያን ከም ቀንዲ ጠንቂ ካብታ ሃገር ምህዳሞም ይጥቀሱ። ኣብ 2015, 47,025 ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮፓ ዑቕባ ሓቲቶም። ብዙሓት ካብኣቶም፡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ መዲተራኒያን ብሰንኮፍ ጃልባታት፡ ብደላሎ ሰባት እንዳተመዝመዙ፡ ድሕነት ንምድላይ ዝሰገሩ እዮም።

እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ፡ ብ ሰነ 2015 ኣብ ዝተዘርግሐ ቀዳማይ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ተሰኒዶም ዝነበሩ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእየ ይምልከት።

እቲ ጸብጻብ “ፍሉያት ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ፡ እታ ኣብ መሪሕነት ትርከብ ሰልፊ – ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ.) – ከምኡ ውን ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካልኦት ግሉሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኖም፡” የለሊ።

እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ተሰካሚ ሓላፍነት ናይ መብዛሕኦም ጉዳያት ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ማሕዩርን መስቀይቲ ኣብ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን መዳጎኒ ማእከላትን እዩ፡” ይብል።
ኮምሽን፡ ኣብ ልዕሊ ዝቑጸሩ ውልቀ-ሰባት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ንምእማን ርትዓዊ ምኽንያት ዘለና፡ ጸብጻብ መርትዖ ሰኒዳ ኣላ። እቲ መርትዖ፡ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ንዝምልከተን ኣካላት ምሕደራ ክፉት ክግበር እዩ፡ እንተላይ ንቤት-ፍርድታት ሕጊ፡ ጽኑዕ መምርሒታት ምሕላው ድሕነት ናይ መሰኻኽር ብምኽታል፥ መታን ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከም ዝረክብ ንምርግጋጽ።

መሰረት እቶም ኣብዚ ጸብጻብ ተገሊጾም ዘለዉ ኣገባባት ኣካይዳ፡ 833 ቃለ-ምስክርነታት ብኤርትራውያን ከምኡ ውን 160 ጽሑፋት ደብዳቤታት፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስራሕ ኮምሽን ምጽራይ፡ ካብ ፍርቂ-2014 ክሳዕ ፍርቂ-2015፡ ዝተቐበልናዮም እዮም።

ኮምሽን፡ ካልኣይ መርመራኣ እናካየደት ኣስታት 45,000 ደብዳቤታት ተቐቢላ። ዝበዝሑ ካብዚኦም፡ ንናይ ኮምሽን ቀዳማይ ጸብጻብ ዝነቕፉ ብእኩብ ዝተጻሕፉ ደብዳቤታትን ጥርዓናትን እዮም።

እዞም ደብዳቤታት፡ ሓባራዊ ቴማታትን ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ዘለዎም ኮይኖም፡ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ ብመንግስቲ ዝተጠርነፈ ነቲ ምጽራይ ንምጽላም ዝዓለመ ዘመተ እዮም። ዝተማልአ ትንተና እዞም ደብዳቤታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኮምሽን፡ ንመርመራታታ ዝምልከት ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይምልኡ ደምዲማ።

እቲ ጸብጻብ፡ “እቲ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ ንዝበጽሕን ነቶም ኣብ ክፋላት እታ ርእሰ-ከተማ ዝተሓጽሩን ብግህዶ ዝረኣይ ግዳማዊ መልክዕ ህድኣትን ንቡርነትን፡ ምስቶም ብቐጻልነት ዝረኣዩ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገራጮ እዩ፡” ይብል።

እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል፡ “እቶም ብ ኮምሽን ተሰኒዶም ዘለዉ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ዓይነታት ግሉሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት … ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ኣይኮኑን ዝፍጸሙ፡ እንታይ ደኣ? ኣብ ድሕሪ ሽፋን መናድቕ መዳጎኒ ማእከላትን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላትን። መስቀይትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ንቡር ኣብ ክፉት ዝፍጸሙ ገበናት ኣይኮኑን፡” ይብል።

ሽሕ’ኳ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ እንተቕረበት፡ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ንኽትኣቱ ፍቓድ ኣይረኸበትን። ኮምሽን፡ ናብ ኤርትራ በጺሓ ዝደሓረ ርኽበታታን ርእይቶታታን ብቐጥታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከተቕርብ ድልውነታ ተረጋግጽ።

ተፈጸመ


ምልክታ ን ኣሰናዳቲ፡

ንዝያዳ ሓበሬታ ን ዳን ማክኖርቶን ኣብ [email protected] ወይ +41 79 618 3474፡ ተወከሱ።

ተወሳኺ ንመራኸቢ ብዙሓን ዘድልዩ ነገራት፡ እንተላይ ቪደዮ፡ ቢ-ሮል፡ ስእልታት፡ ምስክርነት ካብ መሰኻኽር፡ ፋክቶግራፊ ኣብ www.ohchr.org/CoIEritrea/ ክርከብ ይከኣል።

ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ከም ኣካል ናይ ዝሰፍሐ ወይ ሜላዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዝኾነ ሲቪላዊ ህዝቢ ዝፍጸሙ ገበናት እዮም፡ ወላ ብረታዊ ግጭት ኣብ ዘይህልወሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ ሰነ 2014 ንመጀመርታ ዝቖመ እዩ።

ቀዳማይ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ 8 ሰነ 2015 ተዘርጊሑ፡ ኣብ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ/ሃገራዊ ኣገልግሎት ፕሮግራማት ዝካየዱ ግሉሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ዝተናውሐ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ምዃኑ፡ ኣሰቃቒ ኩነታቱን ምጥቃም ክቱባት ን ግዱድ ዕዮን፡ ሰኒዱ።

ኮምሽን፡ ብ ሰነ 2015 ብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንኮምሽን፡ “ኣብ ኤርትራ ሜላዊ፡ ሰፊሕን ግሉሕን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር፡” መምርሒ ሂብዋ። ዕላማ እዚ መርመራ፡ ምሉእ ተሓታትነት ንምርግጋጽ እዩ፡ እንተላይ እዞም ግህሰታት ክሳዕ ደረጃ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበጽሑ ምስ ዝኾኑ።”

ቃለ-መሕትታት ኣብ 13 ሃገራት ተኻይዶም- ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጥልያን፡ ኔዘርላንድ፡ ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዩናይትድ ኪንግዶም (UK) ከምኡ ውን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ።

ኮምሽን፡ ሰለስተ ዘይሻራውያን ክኢላታት ትሓቁፍ፡ ኣቦ-መንበር ኣቶ ማይክ ስሚዝ (ኣውስትራልያ)፡ ኣቶ ቪክቶር ዳንክዋ (ጋና) ከምኡ ውን ወ/ሮ ሼላ ቢ. ኪታሩት (ማውሪሸስ)፡ ብተወሳኺ ከም ፍልይቲ ልኡኽ ሕ.ሃ. ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኮይና ተገልግል ዘላ።

ኮምሽን ምጽራይ ጸብጻባ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንዕለት 21 ሰነ 2016 ከተቕርቦ ተወጢኑላ ኣሎ።

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ERITREAN VETERANS DAY ንምዝካር ህዝባዊ ጻዊዒት

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ERITREAN VETERANS DAY ንምዝካር ህዝባዊ ጻዊዒት

PDF: EritreanVeteransFlyer_31May2016_Tigrinya