ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን
ኣቐዲምና ምስ ምሉእ ጥዕና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኹም ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልኩም።
ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብሓፈሻ፡ ብጉዳይ ተራ ናይ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ከኣ ብፍላይ፡ ንምዝርራብ ን 3 ጉንበት 2014 ህዝባዊ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ንሕብር። ሃገርን ህዝብን ናይ ሓባር ከም ምዃኖም መጠን፡ ኩሉኹም ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ክትርከቡ ብትሕትና ንምሕጸን።
ዝግበረሉ ቦታ – 55 South State Avenue, Indianapolis IN 46201
ዝግበረሉ ዕለትን ሰዓትን – ቀዳም 3 ጉንበት (May 3rd ) 2014
ሰዓት – 3:00 ድሕሪ-ቀትሪ
ንዝያዳ ሓበሬታ – 317/332-1584 ወይ 317/414-8889
ብድሓን ምጹ!
ሽማግለ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ
ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን
4/11/2014
መዓልቲ ሓዘን ስውእ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር
ብምኽንያት መስዋእቲ ጅግና ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ናይ ሓዘን መዓልቲ መዲብና ኣሎና።
ብሓብር ነዚ ስውእ ጅግና ንክንዝክሮ ናይ ሓዘን መዓልቲ ንቀዳም ምያዝያ (ኣፕሪል)5 ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውን ስይትልን ከባቢኣን ክንርከብ ንኹሉ ፈታው ሰላምን ፍትሕን ንሕብር።
ኣዳላዊት ሽማግለ
ስያትል