ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ መርማሪት ኮሚሽን ብባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ዝተመስረተ ሬዞሉሽን 26/24

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ መርማሪት ኮሚሽን

ብባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ዝተመስረተ (ሬዞሉሽን 26/24)

ሓበሬታ ንኸተቕርቡ ዝግበር መጸዋዕታ

20 ሕዳር 2014

መእተዊ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ባይቶ መሰል ደቂ ሰብ (HRC) እቲ ሞንጎ ሃገራት ዝዓዪ ዝለዓለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሙሉእ ዓለም ንመሰል ደቂ ሰብ ጎስጋስ ዝገብርን ካብ ግህሰት ንኽሕሎን ሓላፍነት ኣለዎ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2014 ዝተኻየ ደመበል 26 ኣኼባ፣ HRC ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ንምምርማር፣ ዕላምኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር፣ ሓንቲ ናይ መርማሪት ኮሚሽን (ኣብ ዝቕጽል “መርማሪት ኮሚሽን” ተባሂላ ክትጥቀስ እያ) ንኸትቕውም ወሲኑ። እቲ ዝምርመር ጉዳያት፣ ነዚ በዛ ፍልይቲ ጸብጻብ ተቕርብ ኣካል ቀሪቡ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ኤርትራ እዩ (ሬዞ ሉሽን 26/24)።

ናይዛ ኮሚሽን ዕላማ ምርመራ፣ ብዝተኻእለ መጠን መሰል ደቂ ሰብ ንምግሃስ ዝግበር ፍሉይ ኣሰራርሓ ወይ ድማ ሜካኒዝም ንምልላይ፣ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሓፈሻዊ መሰል ደቂ ሰብ ክምሓየሸሉ ዝኽእል ሓሳባት ምቕራብ፣ ኣብ መጻኢ እዋን ነቲ ሕጋዊ ተጠያቕነት ምርግጋጽ ተርኣ ከበርክት እያ። እዛ ኮሚሽን ነዚ ስራሕ ክትሰርሕ ኮላ፣ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ከም ዝፍለጥ እዉን እጃማ ከተበርክት እያ።

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ተዋሂቡዋ ዘሎ ሓላፍነት፣ ክሳብ ነቲ እታ ፍልይቲ ኣካል ዝኾነት ኣቕራቢት ጸብጻብ ዘርዚራቶ ዘላ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትወጽእ ጀሚራ ዝተገብረ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ፣ እዉን ዝምልከት እዩ።

እዚ ምርመራ ዝግበሮ ሕጋዊ ደረታት፣ ነቲ ኤርትራ ከማልኦ ኢየ ኢላ ተሰማሚዓቶ ዘላ ኩሉ ግቡኣትን ዓለምለካዊ ዉዑላት መሰል ደቂ ሰብ መሰረት ዝገብር ክኸውን ከሎ፣ ከምኡውን ብሓፈሻዊ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ናይ ህዝብታት ባህላዊ ሕግን ልምድን እዉን ይምልከት እዩ።

ኣባላት ናይዛ ትምርምር ኮሚሽን፡

  • ኣቶ ማይክ ስሚዝ፣ ኣቦ ወንበር
  • ወይዘሮ ሸይላ በ. ኪታሩን፣ ከምኡውን
  • ኣቶ ቪክቶር ዳንክዋ

እዞም ኣባላት ትምርምር ኮሚሽን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰራሕተኛታት ኣይኮኑን፤ ነዚ ዝሰርሕዎ ስራሕ ደሞዝ የብሎምን፣ ካብ ጽልዋ ካልኦት ኣካላት ነጻ ኮይኖም ዝሰርሑ ሰብ ሙያ እዮም።

ኣዛ ኮሚሽን ነቲ ውጽኢት ምርመራኣ ምስ እቲ ኩነታት ዝመሓየሸሉ ሓሳባት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ብጽሑፍ ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ከተቕርብ እያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 እታ ኮሚሽን ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ናይ ቓል ጸብጻባ ከተቕርብ እያ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ነቲ ሙሉእ ኣኼባ እዋናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ እያ፣ ኣብኡውን ናይ ቃል ጸብጻብ እዩ ዝቐርብ።

ሓበሬታ ንኸተቕርቡ ዝግበር መጸዋዕታ

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ተገዳስነት ንዘለዎም ውልቀሰባት፣ ጋንታታትን ማሕበራትን፣ ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ እዋን ጀሚሩ፣ ዝተኸሰተ ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ ዘረጋግጻ ሓበሬታታት ይኹን ዶኩሜንትታት ንኸተቕርቡ ትዕድም ኣላ።

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ነቲ ተቕርብዎ ኩሉ ጸገማት ዝገልጽ ሰነዳት ብግቡኡ ኣዳልያ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ንምቕራብ ምእንቲ ክትክእል፣ ነቲ ዝቐርበላ ሰነዳት ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ ንምቕባል ናይ ጊዜ ገደብ ወሲና ኣላ።

ንጥፈታት ምቕራብ ሓበሬታ

እቲ ዝቐርብ ሓበሬታ ብመልክዕ ጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ፣ ምስ እቲ ሰዳዳይ ንራኸበሉ ኣድራሻ እዉን ክጥቀስ ኣለዎ። ሓበሬታ ትሰዱ ማሕበራት ከምኡውን ዉልቀሰባት ነቲ ትህብዎ ሓበሬታ – ወይ ድማ ሓደ ክፋል ናቱ – ብምስጢር ክተሓዝ ትደልዩ እንተኴንኩም ንኽትጠቕሱ፣ ብኽብረትኩም ንልምነኩም ኣለና። እቲ ጉዳይ ኸምኡ እንተኾይኑ፣ መንነት ናይቲ ጸሓፋይ ወይ ጸሓፊት ሓበሬታ ከምኡዉን መንነት ናይቶም ኣብቲ ሓበሬታ ዝጥቀሱ ዉልቀሰባት ንኸይቕላዕ፣ እቲ ሓበሬታ ምስ መጸና ኣድላዪ ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።

እቲ ዝቀርብ ሓበሬታ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እንተኾይኑ ካብ 10 ገጻት ክልዕል የብሉን። ካብኡ ዝተረፈ እዉን ሓበሬታታት ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ንቕበል ኢና፣ በዘን ቋንቋታት ዝቐርብ ሓበሬታ ካብ 5 ገጻት ክሓልፍ የብሉን። እታ ትምርምር ኮሚሽን ምናልባሽ ነቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ዝምልከት ሕቶ እንተለዋ፣ ምስ እቲ ሓበሬታ ዝሰደደ ዉልቀሰብ ክትራኸብ እያ።

ቪዲዮ፣ ኣውድዮ ወይ ድማ ስእልታት ዝምልከት ኣቕሑት ብኢ – ሜይል ክለኣኽ የብሉን። ናይ እታ ትምርምር ኮሚሽን ቤት ጽሕፈት እዚኤን ተጠቒሰን ዘለዋ ነገራት ብኸመይ መገዲ ክለኣኻ ከም ዝኽእላ ክትሕተት ኮላ ክትነግረኩም ትኽእል እያ።

ሓበሬታ ዝስደደሉ መራኸቢ ኣድራሻ

ብኢ – ሜይል፡ [email protected]

ብደብዳበ ዝስደድ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር ኮሚሽን

UNOG-OHCHR
8-14 Rue de la Paix
CH-1211 Genf 10
Schweiz

ብዛዕባ ሬዞሉሽን ባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ከምኡውን ካልእ ብዛዕባ እታ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር ኮሚሽን ኣብዛ ትቕጽል መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡
http://www.ohchr.org/EN/HRBodies/HRC/CoIEritrea/Pages/commissioninquiryonhrinEritrea.aspx

ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ

ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡

ኣቐዲምና ኣብ ጥዕናኹም ሰናይ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኹም ከኣ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልኩም።

ጉባኤ ናይ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ኣብ ዝቀራረበሉ ግዜ፡ ቅድሚ ጉባኤ ክሰላሰሉ ዘሎዎም ስርሓት ንምልዛብን፡ ክህሉ ዝኽእል ሓበሬኣን ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስን ህዝባዊ ኣኼባ ክግበር ምዃኑ ንሕብር። ብዝያዳ ከኣ ህዝቢ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ መረጸ ኣብ ቅዋም ማሕበር (ዕላማን፡ ዓንዲ-ሕግን፡ ማሕበራዊ-ቅርጻን፡ መደብ-ስርሕን) ምምሕያሽ ዘድልዮም ጉዳያት ህዝቢ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ርእይቶኡ ክህብ ይኽእል።

ንሃገርን ህዝብና ካብ’ዚ ኣንጸላልዮ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን፡ ህዝቢ ኣብ ዘዝርከበሉ ከተማታት/ቦታታት ብናይ ሓባር ዕላማን መደብ-ስራሕን ተጠርኒፉ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ተስፋ ብምዃን ምልካዊ ስርዓት ብህዝባዊ ማዕበል ንከልግስን፡ ህዝቢ ዝቖጻጸሮ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ነፍሲ-ወከፍና ዓቕምና ዝፈቕዶ እጃማናን ግብራዊ ተሳትፎናን ከነዕዝዝ ንላቦ። ስለምንታይ፡ ለውጢ ብኣፍ ዘይኮነ ብግብራዊ ተሳትፎ ጥራሒ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።

ኣኼባ፡ ብሰዓቱ ጀሚሩ ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓት ክዛዘም ክኽእል፡ ኩላትና ኣብ ግዜና ክንርከብ ንምሕጸን።

ኣኼባ ዝግበረሉ መዓልትን ዕለትን – ቀዳም 22 ሕዳር (November) 2014

ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓት    –     ካብ ሰዓት 1 ክሳብ 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ (1:00 – 3:00PM)
ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ      –     ደገ-ሰላም ደብረ-ገንት ኪዳነ-ምሕረት ቤተ-ክርስትያን

230 W Morris Street, Indianapolis IN 46225

ንዝያዳ ሓበሬታ – 317/332-1584 ወይ ከኣ 317/414-8889

 

ብድሓን ምጹ!
ሽማግለ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ
(ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን)

2014 Annual Community Event – Family Picnic

While we are here we would like to take this opportunity to invite you to our upcoming Family Picnic to be held on Sept. 27, 2014. We encourage you to come with your family and friends to enjoy this day.

ecc

 

 

 

ፖል ሓርነት ንዘተ – Eritrean Harnnet Discussion Room

ፖል ሓርነት ንዘተ – Eritrean Harnnet Discussion Room

PDF: ምሉእ ትሕስቶ…

 

 

 

 

 

 

ስዉእ ተዛሪቡ

’ስዉእ ተዛሪቡ’ ዘርእስታ ፍሊም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኦክላንድ ክትርኤ ስለ ዝኮነት ኩሉና ንሰንበት ግንቦት 11 (May 11th) ካብ ሰዓት 3 – 5 ቆጸራና ኣብ 474 24th St. Oakland 94612 ይኩን።

The Bay Area Eritreans for Democratic Change cordially invites you to the screening of the new film ’Sewue Tezaribu’ from the great Eritrean artist, writer and director Fuad Alamin. The movie encompasses shortly the struggle for liberation and its promise and the current sufferings of our people. The film represents the new level our all inclusive struggle for justice in Eritrea has reached. Artists, academics, professionals, the elderly the youth including our diaspora born children are fighting pfdj in their own way and this film is a significant addition to that struggle. On Sunday May the 11th we will be gathered together to watch the film as sign of our solidarity with those behind the project. This is a great community event, where we will all pull together for a great cause. Tickets are priced at $20.00, including a free DVD (additional DVDs can be purchased separately). Please come and bring your friends and family, let us support the struggle for justice by supporting Eritrean artists to fight back through their powerful art. All proceeds will go to forthcoming projects of the Eritrean artists in exile.

Please check out our new Facebook page: www.facebook.com/bayareaedc. You can also visit it via www.bayareaedc.org (currently pointing to our Facebook page).