ብስነ-ጥበባዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤል ዝተዳለወት “ስቕታኻ ግዜ” ሓዳስ ሲዲ…

ብስነ-ጥበባዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤል ዝተዳለወት “ስቕታኻ ግዜ” ሓዳስ ሲዲ…

ብስነ-ጥበባዊ ምሕረትኣብ ሚኪኤል ዝተዳለወት “ስቕታኻ ግዜ” ዘርእስታ ጥዑማት ባህላውን ዘመናውን ናይ ትግርኛ ዜማታት ዝሓዘት ሓዳስ ሲዲ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምውፋይ ንዕዳጋ ቀሪባ ከምዘላ ብሓጎስ ነበስረኩም። ስነ-ጥበባዊ ምሕረታኣብ ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ’ሓደነት’ (http://www.youtube.com/watch?v=lm4C9rFKngM)፡ ’ተበራበር’ (http://www.youtube.com/watch?v=yDNL-sTsfkQ)፡ ’መንኩም’ዩ’ ኤርትራዊ ን ዝብላ ንህልው ኩነታት ሃገርና ዘስተንትና ንወኒ ደለይቲ ፍትሒ ዘበራብራ ምኡዛት ዜማታት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ሕጂ ከኣ እታ ሓያል ጻዕርን ድኻምን ፍሲስዎ ኣብ መፈጸምታኣ በጺሓ ዘላ ሲዲ “ስቕታኻ ግዜ” ጆባእ ይብለና ኣሎ። ንሕና ከኣ ነዚ ንማሕለኻታት ህግደፍ ስዒሩ ንከቢድ መነባብሮ ስደተኛታት በዲሁ ብ ስነጥበባዊ ፍርያቱ ዘተባብዓና ዘሎ ወናም ድምጻዊ ንፍርያቱ ብምግዛእን ብምስማዕን ነተባብዓዮ። ብዘይካዚ ድምጻዊ ምሕረታብ ኣብታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸት ”ስውእ ተዛሪቡ” እትብል ሓዳስ ናይ ትገርኛ ፊልም’ውን ተርኡ ኣበርኪቱ እዩ። ሲዲ “ ስቕታኻ ግዜ” ካብ ሎሞ ጀሚራ ብሕሳብ $10.00 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ተዘርጊሓ ከምዘላ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ ከነዛኻኽረኩም ንፈቱ። ኣብ ምዝርጋሕ እዛ ሲድ ክትሓባበር ዝደሊ ብቁጽሪ ቴለፎን +1702-545-7822 ን ኣቶ ለማ ኣድሓኖም ክንውከስ ንክእል።

ድምጻዊ ምሕረትኣብ ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ሓያል ኣበርክቶ ገሩ እዩ። እዘን ዝስዕባ ከኣ ገለ ካብተን ንስነጥባበውያን ዝበረከትን ፍርያቱ እየን። “ድላየይ” ን ዳዊት ሺላን፡ “ሹኾር” ን ሮበል ሚኪኤል፡ “ሕራይ በሊኒ” ን ፍረሰላም ሙሴ፡ “ሰበይ” ን ዓንዲት ዑቁባይ፡ “ንወደን”ን ሮበል ሚኪኤል፡ “አፈርኩቡ” ን ሮበል ሚኪኤል፡ “ኣፋኒወኒ” ን ሊያ ባይሩ፡ “መዓብይተይ” ን ሊያ ባይሩ ገለ ካብ ፍርያቱ እየን። ንሓየለ ካብ ህቡባት ድምጻውያን ሃገርና ኣበርክቲኡ እዩ። ድምጻዊ ምሕረትኣብ ድሕሪ ናይ 15 ዓመት ብህግደፍ ተረጊጽ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ሓርነቱ ኣዊጁ ኣብ ፍልማይ ሕትመት ሲዲ በጺሑ ኣሎ እሞ ሃየ ንተሓጋገዞ።

መርድእ

መርድእ

ገዲም ተጋዳላይ  ገብረመድህን  መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሕማማ ፣ ሎሚ ዕልት  03-03- 2104  ኣብ ከተማ ማንሃይም ሃገር ጀርመን ዓሪፉ፡፡

ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት  ድማ ንዕለት 11-03-2014 ሰሉስ መዓልቲ ኣብ  Gnadenkirche, Karlsternstr.1  68305  Mannheim  ካብ  ሰዓት 10፡00  ጀሚሩ ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ፡  ስዒቡ ሰዓት 12፡00  ሓመድ ኣዳም ዝለብስሉ ኣብ  Waldfriedhof Waldpforte 144  68305 Mannheim  እዩ። (መቓብር ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እዩ። )

ሓብሬታ፡

  1. ብምድሪ ባቡር ብሰሜን ንእትመጹ፡ ኣብ Waldhof Bahnhof ትወርዱ፡ ካብኡ ኣውቶቡስ ቁ. 53 ወሲድኩም ኣብ Freilicht-Bühne ትወርዱ
  2. ብምድሪ ባቡር ብደቡብ ንእትመጹ፡ ኣብ Mannheim Hauptbahnhof ትወርዱ፡ ካብኡ Straßenbahn Richtung Schönau Linie 1 ተሳፊርኩም

ኣብ Waldhof Bahnhof ትወርዱ፡ ካብኡ ኣውቶቡስ ቁ. 53 ወሲድኩም ኣብ Freilicht-Bühne ትወርዱ።

ኣጋይሽና ንቕበለሉ ቦታ ፡  Eigene Scholle 27
                        68305   Mannheim   እዩ።

ስድራ ቤት  ገብረመድህን  መሓሪ

 

 

 

 

 

 

RALLY 4 FREEDOM

RALLY 4 FREEDOM

Protest Against Inhumanity in ISRAEL

Friday March 7, 2014 [10A.M – 1 P.M]

Washington, D.C.

In Front of the Embassy of ISRAEL

Meet at – VAN NESS – UDC Metro Station at 10 A.M. 

 

 

ዑደት ጋዜጠኛ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ (ኣሰናዳኢ ኣሰና) ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ

ዑደት ጋዜጠኛ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ (ኣሰናዳኢ ኣሰና) ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ

ሕድሪ-ሰማእታት ከይጠልም ቃል ዝኣተወ፡ ህቡብ ጋዜጠኛን ሓርበኛ ናይ ሓርነት ተቓላሳይን ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ጥርናፈን ብዝያዳ ንክሕይልን ናብ ተግባራዊ ስራሕ ንክሰጋገርን፡ ሓጋዚ ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባታት (ሰሚናራት) ንምክያድ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ካብ 8 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ዑደት ክገብር ምዃኑ ንሕብር።

[jqdial code=”dial07bb377569″] ምሉእ ትሕስቶ….[/jqdial]

PDF: Seminar in Indianapolis Indiana

 

 

 

 

ዋዕላ ደለይቲ ፍትሒ ንመስራቲ ጉባኤ

ዋዕላ ደለይቲ ፍትሒ ንመስራቲ ጉባኤ

ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ንምድልዳልን ብሩህ መጻኢ ሃገርና ንምውሓስን መስሪሒና ዝኾነ ፍትሓዊ ሰነድ ብምርድዳእ ንምጽዳቕን ምትካልን ኣገዳሲ እምነ-ኩርናዕ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
ንቃልሲ ዝመርሕ አብ ነጻ ድልየትን ዕግበትን ተሳተፍቲ ተሰሪቱ፡ ንደላይ ፍትሒ ዕግበት ፈጢሩ ኒሕን ተሳትፎን ተቓለስቲ ዘህጥር መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ሓድነት ሃገርን መጻኢ ተስፋ ህዝብናን ብሩህ ንክኸውን አብ ምውሓሱ ተሳትፎ ናይ ኩልና አገዳሲ’ዩ።
ጊዝያዊት ኣካያዲት ሽማግለ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ስያትልን ከባቢኡን ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ነጥብታት ንምዕዋት ሰፊሕ ናይ ደለይቲ ለውጢ መስራቲ ጉባኤ ትጽውዕ  ኣላ።
    ሀ.    ንድፊ መምርሒ ሰነድ ናብ መስራቲ ጉባኤ ንምይይጥ ብምውራድ ክውሰን፡
    ለ.    ድልየትን ትጽቢትን ተሳተፍቲ ብምስማዕ ፍርያም ጉባኤ ክኸውን ፡
    ሐ.    ሓድሽ ንስራሕ ዘዕውት ዘገልግለና መምርሒ ሰነድ ብምጽዳቕ፡
  መ.    ኣብ ነጻ ድልየትን ዕግበትን ተሳተፍቲ ዝተሞርኮሰ፡ ንመጻኢ እተካይድ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ንምምራጽ።

    ዕለት (Date)፡     መጋቢት (March)    15, 2014 (03/15/2014)                         
    ቦታ (Place)፡        ኪንግስ ሆል (King’s Hall)
                2929 27th Ave S, Seattle, WA 98144               
   
    ጊዜ (time)፡    3:00 p.m.

ሓድነት ኤርትራውያን  ይደልድል!
ፍትሓዊ ቃልስና ክዕወት ’ዩ!
ብድሓን ምጹ።