ኣማኔል ኣስራት ”ተባዕ ጸሓፊ” ተሰሊሙ፡ ሮቤል ኣስራት ብዛዕባ ን 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሓዉ ይዛረብ

ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ኣማኑኤል ኣስራት ብፐን/ኦክስፋም ዝዕደል ዓመታዊ ተባዕ ጸሓፊ ብምባል ተሰይሙ። ዋና-ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ዝነበረ ኣማኑኤል ኣስራት ነቲ ሓሙስ 14 ጥሪ ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝተቓንዐ ፈስቲቫል ምስ ቱርካዊ ጃን ዱናርን ምስራዊ ዑመር ሓዘክን ብምዃንዩ ተዓዊቱ።ነዚ ኣመልኪትና ንሓዊ ኣማኒ ኤል ኣስራት ዝኾነ ሮቤል ኣስራት ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ቃለ መሕተት፡ ምሉእ ትሕስቶ SBS ናብ…

ፍትሒ፡ ትጽቢትናን መደባትናን ኣብ ዓመት 2016

ፍትሒ፡ ትጽቢትናን መደባትናን ኣብ ዓመት 2016

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓዲሽ ዓመት ክኣቱ ከሎ ዝሐለፈ ግላውን፡ ማሕበራውን ሃገራውን ጉድያት ብምግምጋም፡ ኣብ’ቲ ሓዲሽ ዓመት ከማልኦ ዝድለዮ ባህግታት ክህሉው ባህርያዊ ኢዩ። እቶም ድሌታት ንክረጋገጹ ከኣ ብቀዳምነት ኣብ ሓንጎልካ ክትስእሎምን ብኸመይ ከምእተዐውቶምን ክትሓስበሎም የድሊ።

ምሉእ ትሕስቶ ናብ PDF:..

 

Promo ng the Concept of Grassroots Movement: the Strategy of Bo om-up & the Role of the Media

By Goitom Emam

January 1, 2016
”Change won’t come from the top; Change will come from mobilized grassroots.” Barack Obama

Marke ng and promo ng new concept or idea is very important in order to persuade & get people’s a en on and support. Many corpora ons fail not because they do not possess a good product, but because they fail to market their product. Millions of Dollars is spent every year by big corpora ons for adver sement. To sell an idea or concept such as the “Bo om-Up Grassroots’ Movement”, you need to have a clearly defined concept; you need a promoter, and a medium (media outlets) and audience that can buy the idea. Clearly defined concept needs to be clear and easy to understand by people. You need promoters who are skillful enough to carry the message, convey or sell the idea. You need to have a media outlet that can relay your message to the general public. Of course, you need to have an audience that is interested in your ideas. I think most of us try to sell new ideas without knowing these important components….

MORE PDF: Promoting the Concept of Grassroots Movement and Role of Media

ርሑስ ሓዲስ ዓመት 2016

ርሑስ ሓዲስ ዓመት 2016

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ፡ንመላእ ህዝብታት ኤርትራን ዓለምን እንቛዕ ንሓድሽ ዓመት 2016 ኣብጻሓኩምን ኣብጻሓናን ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣብ ዓመት 2016 ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ዘውርድ ዘሎ ሕሰመን መከራን ስደትን ምብትታን ተስፋ ምቅራጽን ኣብቂዑ፡ ብናይ ሓባር ቃልስን ተጻዋርነትን መንገዲ ራህዋን ቅሳነትን ናብ ብሩህ ተስፋ መቀይሮ ክትከውን ንምነ።

ፍሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሔ ንጉጅላዊ ረብሓ ጥራሕ ዝጠመተ ጉጉይን ኣዕናዊን ፖሎቲካዊ ማሕበረ-ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ፖሊሲታት ንመላእ ኤርትራ ኣብ ናይ መሬት ሲኦል ሰባ ድማ ኣብ ጊላታት መጻኢ ዕድሎም ዝጸልመቶም ህዝብታት ሃገር ቀይርዋ ይርከብ ኣሎ።ነዚ ናይ ተመላልእካ ጥፍኣት ፖሎስታት ብናህሪ ንምቅጻል ድማ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ኣብጺሕዎ ይርከብ፡ እቲ ብግሓቱ ኣትይዎ ዝነበረ ኒዮ-ሊበራል ሽርክነት ንምቅጻል ሕጂ ብዞባዊ ሓይልታት ዝቆመ ብንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ምቅዋም “ተሮሪዝም” እስላማዊ ጥሩፍነት ብዝብል ምስምስ ኣብ ምዝዛም 2015 ብቅሉዕን እውጅን ተጸንቢሩ ይርከብ ኣሎ። ድሮውን ካብ ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ዝቀርብ ሓበረታ ከም ዘነጸሮ፡ ኣብቲ ኣንጻር የመን ተወሊዑ ዘሎ ኩናት፡ መሬት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ብምክራይን ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኣባላት ሰርዊትን ኣብዚ ኪናት`ዚ ብቀጥታ ክሳተፉ ገሩ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ኣዕናዊ ፖሊስታት`ዚ ንምሽፍን ናይ ህዝብታት ኣድህቦ ንምጥምዛዝን ድማ ዘይተጸንዔ ናይ ባጤራ ምቅያር ዝብል ምህዞ ነጋዶን ተራ ህዝብን ኣብ ናይ መዓልታዊ ጸገማት ተሓጺሮም ኣብ ኣፍደገ ባንክታት ቀንፈዘው ክብሉን ብ ማዓልታዊ ናብራ ክሓስቡን ጥራሕ ገሩ ኣሎ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ 2015 ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምኑ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰርዓት ህግደፍ ብመርማሪት ኮሞሽን ብሕቡራት መንግስታት ዝቀረበ ናይቲ ስርዓት ገበናት ዘቃለዔን ተሓታታይ ዝገብርን ሪፖርት ብምድግፍ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ኣብ ሲውዘርላንድ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት-ጽሕፍትን መዓስከራት ስደተኛታትን ኣብ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈታት ሓድነት ኣፍሪቃን ኮታ ኣብ ቅድሚ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም መንነት ሰርዓት ህግደፍ ኣቃሊዖም። ኣብ ልዕሊ`ዚ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓለም ተኣማሚንካ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዕድም ውደባታት ብጣዕሚ ተስፋ ዝህብን ብቀጻሊ ክምዕብልን ዝግብኦ ጅማሮ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ደንበ ተቃውሞ ብሐፈሻ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ብፍላይ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ደውታ ብምውጻእ ባይቶ ኣብ ንቡር ስርሑ ክምለስ መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነታዊ ተጻዋርነት ከርእዩ ይጥለቡ።ግዙኣት ናይ ሕሉፍ ተሞክሮ ከይኮና ህዝብና ንምድሓን ኣብ 2016 ንሓድሽ ጅማሮ ቅሩባት ክንከውን ይግባእ።እንዳበልና ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ዓመተ 2016 ናይ ለውጥን ሰላምን ራህውን ክትኮውን ድማ ንምነ!!
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ርእይቶኹም፣ [email protected]

12