ርሑስ ሓዲስ ዓመት 2016

ርሑስ ሓዲስ ዓመት 2016

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ፡ንመላእ ህዝብታት ኤርትራን ዓለምን እንቛዕ ንሓድሽ ዓመት 2016 ኣብጻሓኩምን ኣብጻሓናን ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣብ ዓመት 2016 ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብስርዓት ህግደፍ ዘውርድ ዘሎ ሕሰመን መከራን ስደትን ምብትታን ተስፋ ምቅራጽን ኣብቂዑ፡ ብናይ ሓባር ቃልስን ተጻዋርነትን መንገዲ ራህዋን ቅሳነትን ናብ ብሩህ ተስፋ መቀይሮ ክትከውን ንምነ።

ፍሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሔ ንጉጅላዊ ረብሓ ጥራሕ ዝጠመተ ጉጉይን ኣዕናዊን ፖሎቲካዊ ማሕበረ-ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ፖሊሲታት ንመላእ ኤርትራ ኣብ ናይ መሬት ሲኦል ሰባ ድማ ኣብ ጊላታት መጻኢ ዕድሎም ዝጸልመቶም ህዝብታት ሃገር ቀይርዋ ይርከብ ኣሎ።ነዚ ናይ ተመላልእካ ጥፍኣት ፖሎስታት ብናህሪ ንምቅጻል ድማ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ኣብጺሕዎ ይርከብ፡ እቲ ብግሓቱ ኣትይዎ ዝነበረ ኒዮ-ሊበራል ሽርክነት ንምቅጻል ሕጂ ብዞባዊ ሓይልታት ዝቆመ ብንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ምቅዋም “ተሮሪዝም” እስላማዊ ጥሩፍነት ብዝብል ምስምስ ኣብ ምዝዛም 2015 ብቅሉዕን እውጅን ተጸንቢሩ ይርከብ ኣሎ። ድሮውን ካብ ዝተፈላለዩ እሙናት ምንጭታት ዝቀርብ ሓበረታ ከም ዘነጸሮ፡ ኣብቲ ኣንጻር የመን ተወሊዑ ዘሎ ኩናት፡ መሬት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ወደብ ዓሰብ ብምክራይን ልዕሊ 400 ዝኾኑ ኣባላት ሰርዊትን ኣብዚ ኪናት`ዚ ብቀጥታ ክሳተፉ ገሩ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ኣዕናዊ ፖሊስታት`ዚ ንምሽፍን ናይ ህዝብታት ኣድህቦ ንምጥምዛዝን ድማ ዘይተጸንዔ ናይ ባጤራ ምቅያር ዝብል ምህዞ ነጋዶን ተራ ህዝብን ኣብ ናይ መዓልታዊ ጸገማት ተሓጺሮም ኣብ ኣፍደገ ባንክታት ቀንፈዘው ክብሉን ብ ማዓልታዊ ናብራ ክሓስቡን ጥራሕ ገሩ ኣሎ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣብ 2015 ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምኑ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰርዓት ህግደፍ ብመርማሪት ኮሞሽን ብሕቡራት መንግስታት ዝቀረበ ናይቲ ስርዓት ገበናት ዘቃለዔን ተሓታታይ ዝገብርን ሪፖርት ብምድግፍ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ኣብ ሲውዘርላንድ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት-ጽሕፍትን መዓስከራት ስደተኛታትን ኣብ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈታት ሓድነት ኣፍሪቃን ኮታ ኣብ ቅድሚ መላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም መንነት ሰርዓት ህግደፍ ኣቃሊዖም። ኣብ ልዕሊ`ዚ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓለም ተኣማሚንካ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዕድም ውደባታት ብጣዕሚ ተስፋ ዝህብን ብቀጻሊ ክምዕብልን ዝግብኦ ጅማሮ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ደንበ ተቃውሞ ብሐፈሻ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ብፍላይ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ደውታ ብምውጻእ ባይቶ ኣብ ንቡር ስርሑ ክምለስ መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነታዊ ተጻዋርነት ከርእዩ ይጥለቡ።ግዙኣት ናይ ሕሉፍ ተሞክሮ ከይኮና ህዝብና ንምድሓን ኣብ 2016 ንሓድሽ ጅማሮ ቅሩባት ክንከውን ይግባእ።እንዳበልና ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ዓመተ 2016 ናይ ለውጥን ሰላምን ራህውን ክትኮውን ድማ ንምነ!!
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ርእይቶኹም፣ [email protected]

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.