እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ!
እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ!
ሃብተማርያም ኣብራሃ፡
ለንደን ዓዲ – እንግሊዝ
21 የካቲት 2015
ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ጀጋኑ ደቀይን። ‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ’ ከም ዝበሃል፡ ደጊም ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝተረፈና ነገር የለን።
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…
እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ!
ሃብተማርያም ኣብራሃ፡
ለንደን ዓዲ – እንግሊዝ
21 የካቲት 2015
ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ጀጋኑ ደቀይን። ‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ’ ከም ዝበሃል፡ ደጊም ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝተረፈና ነገር የለን።
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…
Read More By: JAY AKBAR FOR MAILONLINE
ደም ስኒ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ሰንበት 22 ለካቲት 2015
እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝነበረን ዘሎን ናይ ጽልግልግ ጉዕዞ፡ ውጽኢቱ ሓድሕዳዊ ምምንጫት ኢዩ ኣስዒቡ። ብዙሕ ንድሕሪት ምምላስ ከየድለየ፡ ቅድም ኣብ መንጎ ኪዳንን ባይቶን፡ እንደገና’ውን ኣብ ውሽጢ ባይቶ ብዝተፈጥረ ምውጣጥ፡ ዕንወት ባይቶ ኣኸቲሉ ኢዩ። ባይቶ፡ መሰጋገሪ ድልድል ንክኸውን ትጽቢት ተገይሩሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ’ውን በብዓቕሙ ድልድል ባይቶ ንምህናጽ፡ ዝከኣሎ ተንዲኖን ስሚንቶን ኣቐቢሉ ኢዩ። ወላ’ኳ እቲ ትጽቢት ጥርዚ ደይቡ እንተነበረ፡ ኣይኮነን’ዶ ጽኑዕ ድልድል ኮይኑ ከሰጋግርሲ፣ ክንዲ ታንኳ ቶኾምብያ’ውን ክበቅዕ ኣይከኣለን።
‘ደም ስኒ፡ ካብ ቱፍ ትብሎስ ትውሕጦ ይበዝሕ!’ እዚ ብሂል’ዚ ኣብ ኣሕዋት፡ ወይ ኣብ ናይ ዕላማ ሰባት ንዝረአ ዘይምቅዳው ንምውሕሓጥን ምጽውዋርን ዘመልክት ልቦና ዘድልዮ ኣበሃህላ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓበይትን ንኣሽቱን ውድባትን ሰልፊታትን ዝነበረን ዘሎን ምምንጫት ጸብጺብካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን።
ኣብቲ ብዕብየቱን ስፍሓቱን ደሓን ዝነበረ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝኣተወ ምግምማዕን ምስ ኢ. ኤም. ዲ. ጀይ /E.M.D.J/ ዝተፈጥረ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ምትፍናን ከኣ ብጋህዲ ደምበ ተቓውሞ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ሒዝዎ ካብ ዝነበረ መንገዲ ከም ዝተኣልየ ኢዩ ነጊሩና ዘሎ።
ኣብ ወብ ሳይታት ብደምበ ተቓውሞ ንዝጸሓፍ ምክሳስን ኣዋጃትን ገማጢለ ብድሕሪ ምንባብ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ብዘይካ ብውሽጢ ሃገር፡ ብካልእ መንገዲ ክመጽእ ዘይሕሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይሕለም እውን ኢዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ። ህዝቢ ኤርትራ: ገለ ዝኸፍሎ ዕዳ ግዲ ነይሩዎ ኮይኑ፡ ዕድሉ ኣይጸበቐን! ጸበብኡ ይኣክል እንተዝብሎስ፡ ተበግሶ ጅግና ወዲ ዓሊ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ክዕወት ነይሩዎ። ‘ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም!’ ለውጢ ብውሽጢ ክበሃል እንከሎ፡ ገብኢ ዝገብረሎም ጉጅለታት ከኣ ኣለዉ።
ዘገርም’ዩ! ለውጢ በቲ ህዝብና እትብሎ፡ በቲ ስለኡ እቃለስ ኣለኹ እትብሎ፡ ለውጢ በቲ ኣዝዩ ግዳይ ዲክታተር ዝኾነን ድከቱ ዝሰሓነን ወገን ክትቅበሎ ዘይምድላይሲ ምስ ምንታይ’ኮነ ኢዩ ዝቑጸር? ‘እንዳባ ሱር ይተኽሉ፡ ሱር ይነቕሉ፡’ ከም ዝበሃል፣ ውዒልና ሓዲርናስ፡ በቶም ትማሊ ታሪኽ ዝሰነዱ ህዝቢ፡ በቶም ውዒሎም ሓዲሮም ሱር ዝተኽሉን ዝነቕሉን ብእንዳ ኣቦና ኢና ክንድበስ።
ስለዚ ነፍስ-ወከፍ ደላዪ ፍትሒ፡ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ፣ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ህዝቢን ዝርካቡ ሰራዊትን ሰንሰለት ክፈጥር ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ገና ምስ ኮራርምቱ እንከሎ፡ ልዕሊ 30 ውድባትን ሰልፊታትን ኣለዋ ክበሃል እንከሎ፡ ንመስደምም ኢዩ። ‘ክልተ ስኒ ይህልዋኣ’ሞ፡ ብወዲ ሞጉእ ትምውጸን’ ከም ዝበሃል፡ ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዛቢት! ገለ ውድባት ካብ ኣጻብዕቲ ሓንቲ ኢድ ዘይሓልፍ ቁጽሪ ከም ዘለወን ተረዲእና።
ኣብዘን ዝሓለፋ 3-4 ዓመታት፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ፣ (ደሓር’ውን ከም ኢቦላ፡ ናብ መንእሰያት ብስም /EYSNS EYSC/ ዝለሓመ ሕማም ተላገብ) ብዘይካ መመሊሱ ዝግተር ግርጭት፡ ዝፍታሕ ባእሲን ምስሕሓብን ኣይተራእየን። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ፡ ማዕጾ ዘይብሉ ዝኾነ ዝኣትዎን ዝመላለሰሉን ዳስ እንዳ ሓዘን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት እቲ ምኩር ጋዜጠኛ ኣቶ ኣማኑኤል ማህደረ ምስ ክልተ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉን ኣብ ንጡፍ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ፡ ሃገራዊ እጃሞም ዝገብሩ ዘለዉን ሰባት (ቀርነልዮስ ዑስማን፡ ጥዑምዝጊ ሃይሉ /ወዲ ባሻይ/) ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ኣንቢበ። ኣቐዲመ ድማ ነቲ ብዓቢ ተገዳስነት ቃለ መጠይቕ ዝገበረሎም ኣማኑኤል ማህደረ ኣድናቖተይን ምስጋናይን አቕርብ። ኣቶ ኣማኑኤል ማህደረ ኣብ ናይ ክልቲኦም ቃለ መሕትቱ፡ ንቃል-ዓለም እውን ትኹን እንኮ ነጥቢ ኣየትረፈን። ብዘይ ሕብእብእ፡ ብዘይ ቁጡብነትን ብክፉት መንፈስ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕትት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሓቂታት በሪሆም ኣለዉ። ‘ሰብ ይሕመ ዕባራ ይግመ’ ከም ዝበሃል፡ ወላ እቶም ቃለ ምልልስ ዝገበሩ መራሕቲ ውዳብት’ውን ከም ሰባት መጠን ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮታቶም ጉድለት ክህልዎም ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ባይቶን ዝነበረ ዘቕረብዎ ዝርዝር ጉዳያት ግን፡ ብልክዕ ንገጻት ደምበ ተቓውሞ ዝገልጽ ትንታኔ ኢዩ ነይሩ።
ብሰንኪ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝጠፈሹን መንገዲ ሓርነት ዝተደናገሩን ሰባት ዝፈጠርዎ ሓርጎጽጎጽ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንሰራም ጸላኢና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንግዚኡ ኣወንዚፍና፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝረአ ሓላፍ-ዘላፍ ንክንዛረብ ንግደድ ኣለና። ደም ስኒ ዝበሃል ልቦና ዓበይቲ ኣይተዘከረን። እዚ ከኣ ክኸውን ዘይነበሮ ጉዳይ ኢዩ። ኣኽላባት ንሓድሕዶም ብሓንቲ ዓጽሚ ይበኣሱ’ሞ፡ ድምጺ ዝብኢ እንተሰሚዖም ግን ንኩሉ ጉዳያቶም ገዲፎም ኢዮም ንጸላኢኦም ዘባርሩ። እሞ እንታይ ደኣ ኢዩ ማጨሎት ደምበ ተቓውሞ? ኩሉ ተቓላሳይ ኤርትራዊ ስለ ህዝቢ ክብል፡ ንሓድነት ሱባኤ ክኣትወሉ ዝግበኦ ግዜ ሎሚ ኢዩ።
ብፍላይ ከኣ ንስምረት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዝምልከት፡ ድቃስ ዘይህብ ዕዮ ገዛ ኣሎና። ካብኡ ናብኡ ከኣ ንስሙር ቃልሲ መንእሰያት። እዚ ድማ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣከያይዳ ደምበ ተቓውሞን ውልቀ-ሰባትን ዝመጸ ተርእዮ ኢዩ። ውልቀ ሰብ፡ እወንታን ኣሉታን ጥርዚታት ከብጽሕ ይኽእል ኢዩ።
ጠንቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምምዕርራይን ሓድሕዳዊ ምኑቛትን ከኣ፡ ዝተፈላለየ መበገሲን ጥሙሕን ክህልዎ ከም ዝኽእል እኣምን።
እቲ ቀንዲ ድኹም ጎድኒ ደምበ ተቓውሞ፡ ቅድድም ንኮረሻ ስልጣን ኢዩ። እታ ሰድያ’ኮ ሓንቲ ኢያ። ንሓደ ሰብ ጥራይ ኢያ ድማ ትሕዝ። ኣብ ሰድያ ዝተኾየጠ ውልቀ-መላኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንሓንቲ ሰድያ ዝሻመዉ ሓለምቲ ድማ ኣብ ደገ። ከይሰራሕካ ንሓላፍነት ምቅድዳም፡ ፍትሓዊ ንክትከውን ዘይኮነስ፡ ዳግማዊ ውልቀ-ምልካዊ ንክትከውን ምሕላም ጥራይ ኢዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓደ ወትሩ ዝደጋገም መዝሙር ኣሎ፡ “ስልጣን ንህዝቢ” ኢዩ ዝብል እቲ ቅኒት። እሞ ስልጣን ንህዝቢ ኢዩ ኢሉ ዝመሓለ ሰባ ክወዳደርን ክተሃላለኽን’ዶ ይግበኦ ኢዩ። ‘እዛ ብርኩታ፡ እምኒ ኣላታ’ ቃላት ንበይኑ፡ ተግባር ከኣ ንበይኑ።
ናትና ኣከያይዳ ዘገርም ነገር’ዩ፡ ገና ጸላኢና መመሊሱ ህዝቢ እናቐርደደ እንከሎ፡ ሕጻናት ከይተረፉ ቅጫ ኣዲኦም ከይጸገቡ እናሃደሙ፡ ቅድድም! ዘገርም ኢዩ። ማዕረ-ማዕረ ደምበ ተቓውሞ ከም ንፋስ ምድረ-በዳ ዝሕምበብ ተጻብኦ ኢሳይያስ እውን ኣሎ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ነዚ ስለያዊ ሽርሒ እዚ ክጥምት ዝኽእል መነጽር የለን። ንድሕሪት ንመለስ’ሞ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ኣብ እንብለሉ ግዜ፡ ተመኩሮን ውዕሎን ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን፡ መዓልቱ ከም ዘሕለፈ መድሃኒት /EXPIRE/ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ሰባት ኣይወሓዱን። ሃየ በሉ እስከ እቲ ዓቐበት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ’ሞ፡ ኣወጻጽእኡ ኣርእዩና እንተበልካዮም ከኣ፡ ንድሕሪት እናጠመቱ፡ ዝሕጥ-ምሕጥ!!
እዚ ጽሑፍን ሓበሬታን እዚ ብቀንዱ ነቶም ብዛዕባ ዕምቆት ሰውራ ኤርትራን ውዕሎ ደቂ ህዝቢን ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም መንእሰያት ወለዶታት ኤርትራ ብዝያዳ ይምልከት። ‘ተመሃሩ ደቀይ ተመሃሩ’የ’ ተባሂሉ ኢዩ ቀደም። ስለዚ ሕጂ’ውን ናብቲ ክንበጽሖ እንደሊ ጥርዚ ሓርነት ንምብጻሕ፡ ፋረ ቀዳሞት ኣቦ-ሓጎታት፡ ኣቦታትን ኣያታትን ምውራስ ከድሊ ኢዩ። ንገድሊ ኤርትራ ከም ሓጥያት፡ ንኩሉ ተጋዳላይ ድማ፡ ከም ቅርሱስ ዘይዕድለኛ ጌርካ ምርኣይ እናሳዕረረ ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ሰውራ ኤርትራን ተዋሳእቱን ግን (ስዉኣትን ህሉዋትን) ከምኡ ኣይነበሩን። ሕጂ’ውን’ኮ ወላ ህዝቢ በብእነቱ ይጸሊ፣ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ፡ ውዳሴ ማርያም ወይ ዱዓ ዘይኮነስ፡ ብቀንዱ ሰውራ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለዚ ናይ ሎሚ ሰውራ ንክዕወት፡ ንኣሉታዊ ሸነኻት ሰውራ ያዕ ኢልካ፡ ካብቲ ትማሊ ዝነበረ ጽቡቕ ነገራት ዘመነ ገድሊ ክውሰድ ምተገብአ።
ንስለ ምጽሓፍ’ምበር ከምቲ፣ ‘በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፡ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ’ ዝበሃል ምስላ ብሄረ ትግረ፤ እቶም ብቅድሚ 30 ዓመታት ብዝነበረ ኣረጊት ቢኒኮሎ ዝርእዩ ውልቀ ሰባትን ውድባቶምን ርእይቶኦም ንምቕያር ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ዝመስለኒ፡ ንሓደ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ እትቃለሰሉ ግዜ፣ ቅድም ፈተውቲን ጸላእቲን ኣለሊኻ ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ። ምልላይ ፈተውቲን ጸላእቲን ከኣ ሓባሪ ስትራተጂ ኢዩ። ኣብ ቃልሲ ንመሰረታዊ ለውጢ፡ እቲ ቀንዲ ፈታዊ ህዝብኻ ጥራይ ኢዩ። ኩላቶም ካልኦት ፈተውቲ ብድሕሪ ህዝቢኻ ኢዮም ዝስርዑ። እዚ መትከል’ዚ ከይሓዝካ፡ ናብ መዲናታት ኢትዮጵያ ዞኽ-ዞኽ ምባል ፋይዳ ኣልቦ ምዃኑ፡ እነሆ ውጽኢት ሸንኮለል ደምበ ተቓውሞ ብንጹር ስእሊ ኣርእዩና ኣሎ።
‘ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’ ከም ዝበሃል፡ ናይ ደምበ ተቓውሞ ጽላለ ንበይኑ ዓይነት ኢዩ። ነቲ ዝወለዶም፡ ንገዛእ ህዝቦም ዝንዕቁ፡ ንውዕሎ ጅግንነት ሓርበኛታቶም ዘቆናጽቡ፡ ንደም ሰማእታቶም ረሲዖም ስለ ሰማእታት እንዳማቶም ዘስቆርቁሩ፣ ንመንነቶም ለጠቕ ኣቢሎም ንጎረባብቲ ዝንእዱ፡ ንባርካን ሳሕልን ዝረግሙ፡ ንደደቢት ክምርቑ ዝውዕሉ፡ ንውዕሎ ግንባር ናደውን ስርሒት ፈንቅልን ዘቆናጽቡ ውሑዳት ኣይኮኑን።
‘ደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎስ ትውሕጦ ይበዝሕ፡’ ንዑ ደኣ ምክሳስን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ይጽንሓልኩም’ሞ፡ ሞት ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ፣ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ቃልሲ ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ተተሓሓዙዎ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ፍረ ሰላም ኽንዲ ሽሕ
ሰነ-ጥበባዊ ፍረሰላም ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተመሲጢ እየ ተኻታቲለዬ እቲ ታሪኽ እቲ መንእሰይ ገሊኡ ዘሕዝን ገሊኡ ዘደንዝዝ እዩ። ናይ ብሓቂ መንግስቲ ህግደፍ ሃገር ዘይኮነ ዝመርሕ ዘሎስ ገዛ ገዛ እዩ ዝጻወት ዘሎ ኢልኻ ኢካ ትድምድም። ናብቲ ቐንዲ ቑም-ነገረይ ክምለስ። ስነ ጥበባዊ ፍረ ሰላም ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንእሰይ ኽነሱ: ኣወዳድቃ ቃላቱን ትብዓቱን መወዳድርቲ የብሉን: ክሳብ ሎሚ ቡዙሓት ሰነ ጥበባውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስተላእኹ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖሞ እዬም፥ እንተኮነ ግን ብዘይኻ ሓደ ወዲ ትኻቦ ካልእ ብጩቅ ኢሉ ዝተዛረበ የለን። እቲ ብትብዓትን ዝነውሐን ቃለ መሕተት ብምግባር ነግ ፈረግ ከይበለ ነቲ ስርዓት ጉዱ ዘቃልዓ ንእሽቶ ኸነሱ ግን ከኣ ሓየት መንእሰይ ፍረ ሰላም እዩ። ከምቶም ምስ ወጹ ባባ ከይእሰር ማማ ከይትእሰር እንዳበሉ ምስምስ ዘቅርቡ ሉሙሳት መንእሰያት ኣይለመሰን። ተባዕ እንተዘይከውን እውን ብስርዓት ህግደፍ ኣይምተኣስረን ኣይምተጨፍጨፈን። ፍረ ሰላም ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተበደለ ብሞያኡ ንከይዓቢ ዝተጸቅጠ ስነ ጥበባዊ እዪ። ስለዝኾነ ድማ ካብታ ዝፈትዋ ዝዓበየላ ዓዱ ብዘይ ድልየቱ ከም ኹሎም ብዱላት መንእሰያት ተዳፊኡ ከምዝተሰደደ ካብ ቃላቱ ሰሚዕናዬ ኣለና። ኩሉ እቲ ዘሕዝን ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ብዓይኑ ዝረኣዬ ገሊጽዎ ኣሎ።
ኤርትራውያን መንእሰያት፤ ዓበይቲ፥ ኣንስቲ፥ ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገሮም ብዘይ ፍርዲ ብደቆምን የሕዋቶምን ብዘሰቕቅ ግፍዒ ድኸቶም ይርእዩ ኣለው። ንፍዓት መራሕቲ ንሃገሮም ዘጸውዕ ጽቡቕ ነገር ክሰርሑ ለይትን ቐትርን ከይደቀሱ ይሓድሩ፥ መራሒ ህግደፍ ድማ ተማሃራይ፥ መምህር፥ ደክተር፥ ሓረስታይ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣልማማ ዝሰደዱላ ኻብ ዓለም ብስደት ንብምዕፋን ናጽነት ፕረስ ብእሱርቤት ንሻን ዝተሰለመት ሃገር ገይርዋ ኣሎ። ፍረ ሰላም ኩሉ ተንቲንዎ አሎ ደረፍቲ ወይ ሰነ ጥበበኛታት አብ ግፋ ዘዋፍር ስርዓት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እቲ ሽግር ግን ኣብ ኢሰያስ ጥራሕ ኣይኾነን ኣብቶም ሰነ ጥበበኛታት እውን እዩ፥ ኣብ ደገ ምስመጹ ሕጉሳት ኽመስሉ ዓንዲሮም ይምለሱ ከምእውን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ደገፍቲ እቲ ስርዓትን እዩ ። ካብ ከባቢኦም ቁሩብ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ኣብ ምዕቡል ዓለም እንዳተቐመጡ ነብሶም እንበር እእምሮኦም ገና ምስቲ ስርዓት ኣብ ሳሕል ዘለው፥ ኢሰያስ ፍሉይ ፍጥረት ኣብ ዕስራ ወርሑ ዝተወልደ ዝመስሎም ብነብሰ ምትሓት ዝሳቐዩ ብቓላት ዝጥበሩ ሒዙ እዩ ኣብ ርእሲ ውጹዕ ህዝቢ ሸሸ ዝብል ዘሎ።
ስነ-ጥበባዊ ፍረ-ሰላም እቲ ብዙሕ ከፍርየሉ ዝግብኦ ዕድሚኡ ኣብ እሱርቤትን ምፍርራህን ጸ ቕጥን እዩ የሕሊፍዎ ፍረ-ሰላም ከምቲ ዝጀመሮ ናጽነትን ምትብባዕን ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውን ሕጂ ኣበይ ምበጽሐ ነይሩ ንምግማቱ ኣየጸግምን። መራሕቲ ህግደፍ ኹሎም ሓደ እዮም ዓገብ ኽብል ዝኽእል የለን። ”ካብ ሓርገጽ ሃዲምኻስ ናብ ኣሰለት እዩ” እውይ እልኻ ዝሰምዓኻ የለን። እታ ፍታሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ ከምቲ መንእሰይ ፈር-ሰላም ዝበሎ “ፈትሊ እዃ ኣንተተኣኺቡ ኣንበሳ ይኣስር” ኤርትራዊ እንተሰሚሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ኽመጽእ ከምዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን። እታ ለውጢ ብሓድነት እያ እትመጽእሞ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ፍልልይና ኣጺቢብናን ኣብ ሕጂ ኽንምልሶም ዘይንኽእል ሕቶታት ግዜና ከይጥፋእና ነዚ ብስርዓት ህግደፍን ኾራኹርን ዝጸንት ዘሎ ወለዶ ነድሕኖ።
ኣብ መወዳእታ ፍረ-ሰላምኽንዲ ሽሕ እንተበልኹካ ኣየጋነንኹን፥ ከማኻ ገይሩ ተስፋ ዘስነቐና ስነ-ጥበባዊ ከምዘየለን ዓቢ ተስፋ ዘንበርናልካ መንእሰይ ምኻንኻ ኽንገልጸልኻ ንፈቱ፡ ነቶም ቓለ-መሕተት ኽባሃሉ እንከለዉ ትንፋስ ዝሓጽሮም ኣብ ደገ ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ካብዚ ካብ ኹሉኹም ዝነኣሰ ግን ከኣ ተባዕ መንእሰይ ተማሃሩ ጥራይ ኢና ንብሎም። ስቕታ ካብ ፍርሒ ሓሊፉ ጉርሒ፥ ፍልጠት ወይ ርዝነት ኽከውን ኣይኽእልን እዩ፥ ኣሰር ፍረ-ሰላም ሰዓቡ ፍረ-ሰላም ድማ ደንበ ተቓውሞ ከማኻ ዝበሉ ቡዙሓት ስነ-ጥበበኛታት ኣፍሪዩ እዩሞ ኣብ ጎኖም ኾይናኻ ቶም ኣብ እሱርቤተት ኤርትራ ዝጣበቀሎም ሲኢኖም ዝከፋአ ስቕያት ዘሕልፉ ዘለዉ የሕዋትና ኣውያቶም ከተስማዓሎም ይምሕጸነኻ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ሬድዮ ኣሰና ተቓላሳይ ኣማኒኤል ነዚ ተባዕ መንእሰይ ሰፊሕ ቓል መሕተት ኽትገብረሉ ለበዋይ የመሓላልፍ።
ይኹኖ(YOKI) ካብ ላስቬጋስ
ኣዕናዊ ጉዕዞ ኣባ ሉቃስ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ?
ኣብዚ እዋን እዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ድማ ”ንሕናዶ ካብ ዓለምና ዝተፈለየ ኣበሳን ሓጢኣትን ጌርና ኢና? ንምንታይ እዩ እዚ ኩሉ ሽግር: ፈተና: መሪር ስደትን ሞትን ዝበጽሓና ዘሎ?” ዝብል እዩ፣ እቲ መልሲ ሓጺር እዩ። እወ ዝተፈልየ ሓጢኣትን ኣበሳን ጌርና ኢና። እንታይ እንተተባህለ፥
ሃገር ባዲማ። መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ሓሪሱን ርሂጹን ከይነብር፥ ኣደዳ መርገምን ስደትን ገይሮሞ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡሎም ከይኣኽሎም ሕጂ ድማ ኣብ ዝተጸጋዓሉ ሃገር ስደት ስዒቦም፥ ኣብ ንሕድሕዱ ካልእ ጽልእን ቅርሕንትን ንምፍጣርን፥ ምፍልላይ ንምዝራእን፥ ኣብ ጾም ኣርብዓ እዋን ሱባኤ ናብ ኤውሮጳ መደብ ሓንጺጾም ኣለዉ።
እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ንኽነድድ ቀንዲ ኣተሓባባሪ ዝነበረ ሕጂ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ቦታ ተኪኡ ዘሎ ጸረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቶ ግርማይ ዝተባህለ ሰብ ሕጂውን ተመሳሳሊ እኩይ ስራሕ ንኽሰርሑ ኣሰንይዎም ይመጽእ ኣሎ።ብሰንኪ እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ በረኸት ቦታ መርገምን ክሕደትን ገኒኑ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ብርግጽ ንሶም ሰብ ዓላማ እዮም። እቶም ኮፍ ኢልና ንርእን ንሰምዕን ዘሎና ግና ስለ እምነትና ደው ክንብል ይግብኣና’ዩ። ኣብዚ እዋን ጾም ኣርብዓ ቀንዲ ዕላማ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ መምጽኢኦም። ስም ኣቡነ መቃርዮስ ንምጽላም፥ ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንምክፋእ፥ ኣብ መንጎ ካልኦት ሃይማኖታት ጽልኢ ንምጽሕታር፥ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ንምክያድን ምውዳብን እዩ።
ስለዚ: ሓቂ ክትፈልጡ እትደልዩ ተብዓት ኦርቶዶክሳውያን። ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ብልቦና ነዘን ሕቶ እዚኤን ጥራይ ኣቕርቡሎም። ብመልሶምን ትሕዝቶኦምን ከደንጽወኩም እዩ።
ስልጣን ፓትርያርክ ከመይ ይመስል http://tewahdo.org/images/stories/news/Pat_Autority.pdf ዝብል ጽሑፍ ኣንብቡ
ምእመናን: ንእምነትኩም ፈሊጥኩም ንሓቂ ደው በሉ። ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ምፍራህ ኣይግባእን።