ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ኤርትራዊነት? ኤርትራዊት/ኤርትራዊ?

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን ምስ ኩሉ ተጻዋርነት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእን፡ ምክብባርን ክህሉዉ እናተመነኹ፡ ብዓቕሊ ከተብቡለይ እምሕጸን።

ኣስዕብ ኣቢለ ንዶክተር ረዘነ ኣብ ጀነቫ ጀሚሩ ንዝገበሮ ዝቕጽሎ ዘሎን፡ ከም ኡውን ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ ደልወር ዩንቨርሲቲ ህዝብና ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣብ ዘዘለዎ ይጠራነፍ ዝበልዎ ከመስግን ይፈቱ።

“እንክውዕይ ብማንካ፡ እንክዝሕል ብኢድካ”
ከም ዝባሃል፡ ኣብዚ ተሃዋሲ እዋን ክንጥንቀቕ ይግባኣና። ኔርትራ መን ይሓልየላ ዳኣምበር መን ይበታትና ኣድላይነት የብሉን። “ጸሊም ተመንውን፡ ይናኸስ እዩ” ነብሲሄር ታርጉድ ማርሻል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝነበረ። ከም ዝበልዎ። ብስም ተገዳስነት ካብ ዝበታትኑ ዜጋት ሓርግጽ ወይ ኣትማን ንጠንቀቕ።

በታተንትን፡ ወይ ኣብ ጥርጠራን ፍርሕን፡ ዘየታኣማምንን ዝፈጥሩ ቃላታት ኢሳያስነት ወይ ህግደፍነት!!!!
“ትውልዱ ኣበይ እዩ? ወያነ እዩ ኢሎሞ? ካብ ኢትዮጵያ ትውልዲ ኣለዎ? ንምዃኑ ኤርትርዊ ድዩ? ኣበይ ነይሩ? ካባና ድዩ? ኣብ ግዜ ቃልሲ ክንቃለስ ከለና ተሓቢኡ ይማሃር ነበረ፡ ሕጂ መን ዘምጻኣሉ ዓዲ ክምህርዶ፡ ክመክርዶ! ዝብል፡ ንምኽዋኑ እንታዋይ እዩ?”

እዚ ብሓጺሩ በታታኒ ብባዶ 003 ዝፍኖ ብመርበብ መስከረም ዝደጋገም መናፍሕ ማፍያ ስርዓት ኢሳያስ እዩ።

ኤርትራ ካብ መዓስ ኤርትራ ኮነት? ወይ ተባህለት? ብመንከ ተባህለት?
ኤርትራ ዝበሃል ዘርኢ፡ ወይ ዓልየት ኣይነበረን፡ ኤርትራ ዝባሃል ዜግነት ግና ፈጠርና ካብ ጣልያን ተለቂሕና።

ናይ ሎሚ ኤርትራ ብምዕራብ ህዝቢ መንዓምርን፡ ህዝቢ በጃን ኣብ መርየት ሱዳን ኣሕዋት ኣለዉዎም። ህዝቢ ኩናማን ባዛን፡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ጀበርቲ ወሲኽካ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ኣሕዋት ኣለውዎም። ህዝቢ ቢለንን፡ ዓፋርን ኣብ ምድሪ ዛጙኤ ወሎ ኢትዮጵያ ኣለዉዎም፡ ህዝቢ ጉራጌ ካብ ጉራዕ መጻእና ይብሉ።

ካብ ኢትዮጵያ ምውላድ ዘሔፍር እንተኾይኑ? ስለምንታይ ፕረሲዳንት ኢሳያስ ወዲ ኣፈወርቂ ወዲ ኣብራሃም ወዲ ሓጎስ ወዲ ምራጭ ብዓል ተምቤን ትግራይ ኢትዮጵያ ክሓፍር ምተገብኦ። ስዒቦም፡ መኳንቲ ኤርትራ ሓጎስ ክሻን፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ምስ ኢትዮጵያነት ዘርኢ ከምዘለዎም ማንም ሰብ ይፈልጥ።

እዛ እንፈትዋን፡ እንምነያን፡ ቢለን ዓይንና ዝኾነት ሃገር ኤርትራ! ዕድመኣ ሓጺር እኳ እንተኮነ? ዝተፈጥረትሉ 1890 ዓ.መ.ፈ. ብጣልያን እዩ። ጣልያን ካብ ንጉስ ምነሊክ ብዓል ሽዋ ከም ዝገዝኣ “ዉዕል ዉጫሌ” ኣብ ዝተገብረሉ ተፈጸመ። ናይ ዋጋ ቁጽሪ ገንዘብ “ጥብቂ ምስጢር” ኮይኒ ብገንዘብ ማርያ ትረዛ ከም ዝተኸፍለ መዛግብ ታሪኽ ይምስክሩ፡ ንመወከሲ፡ ብዶክተር/ደገዝማቲ ዘውደ ገብረስላሴ ዝተሓትመት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኦዳጋ ንመሸጣ ቀሪባ ትርከብ።

ኤርትራዊነት፡ ካብ ኩናማን፡ ባዛን ጀሚሩ ክሳብ በለው ከለው፡ ቀጺሉ ሰማውያን፡ ሃማዉያን፡ የመናዉያን፡ ኣግኣዝያን፡ ስዒቡ ሃጸይ ኣላሚዳ ንግስነት ዱባርዋ ክኸውን እንከሎ። ሃጸይ ኣላሚዳ ናብ ኣኽሱም ጊዕዙ ኣክሱም ዘበነ መንግስቲ ቆርቆረ ይብል ታሪኽና።

ኣኽሱም ዘበነ መንግስቲ ምስ ፈረሰ! ብዘበነ መሳፍንቲ ተተኪኡ ክስብ ዘበነ ንጉስ ምካኤል ስሑል ገዛኢ ትግራይን ሕጂ ኤርትራ፡ ስዒቡ ደገዝማት ዉቤ ብዓል ደምብያ ጎንደር፡ ቀጺሉ ሃጸይ ተድሮስ፡ ሃጸይ ተኽለ ገርግስ ብዓል ዝጙኤ (ላስታ) ናብ ሃጸይ የውሃንስ ራብዕይ ብዓል ተምቤን። ኣስዕብ ኣቢሉ ሃጸይ የውሃን ወኪል ዝኾኖም፡ ንራእሲ ኣሉላ ኣብ ኤርትራ ገዛኢ ኮይኖም፡ ሰራየን ሓማስየን ሰምሃርን ባርካን ጋሽን በርካ፡ጋሕተላይ ሰምሃርን የመሓድሩ ነበሩ።

ሻለቃ ኣሉላ፡ መረብ ሰጊሮም ኣብ “ማይ ጎዳጉዲ ጉንደት ሰራየ” ምስ ወራሪ ግብጻውያን ኩናት ገጢሞም ምስ ተዓወቱ፡ ንተምቤን ትግራይ ኣይተመልሱን፡ ንዓዲ ተኽላይ ሓማሴ መጺኦም ተቐመጡ። ካብ ተምቤን ልዕሊ ክልተ ሽሕ (2000) ደቂ ተንቤን ሰራዊት ነበርዎም፡ እዞም ሰራዊት እዚኣቶም ኣብ ማእከል ሓምሴን ተመርዕዮም፡ ወሊዶም ተዋሊዶም ይነብሩ ኣለዉ። ራእሲ ኣሉላ ኣርብዓ ዓመት ዝገበረ ዜግነት ክረክብ ኣወጁ። ደቂ ኣርብዓ ተባሂሎም ነበሩ።

ራእሲ ኣሉላ ዶብ ኢትዮጵያ ስግር ባሕሪ ማዃኑ፡ ቅድሚ ኩናት ዶጎዓሊ ንጣልያን ኣመልኪቶሞ ነበሩ። ስለ ዘይተኣዘዘ ኩናት ደጓዓሊ ና 550 ዓሳክር ጥልያን ህልቀትን ሞትን ኣስዓበ። ንጉስ ምነሊክ መፍደይ ሕነን ዝኸውን መሳርያ 5500 ጠበንጃ፡ ኤርትራ ብ ኣሻሓት ዝቑጸር ማርያ ትረዛን መሸጣ ዉዕል ዉጫለ ኣቃላጠፈ።

ሃጸይ የውሃንስ ንድርቡሽ ወይ ማህዳውያን ናይ ሱዳን ወራር ክከላኸሉ ምስ ሰራዊቶም ንመተማ ክኸዱ ከለዉ፡ ንጉስ ምነሊክ ስምምዕ ምስ ጣልያን፡ መሸጣ ኤርትራ ተሰማሚዑ ፈጸመ። ጣልያን ካብ ባጽዕ ንዝባን ከበሳ ሓማሴን ኣተወ ኣስመራ ሰጊሩ ክስብ መረብ ብዘይ ኩናት ተፈጸመ።1890 ኤርትራ ከም ሃገር ግዝኣት ጣልያን ተባሂላ ተጸውዔት።

ኣብ ኤርትራ ብብግዜኡ ብመዉስቦን፡ ብወተሃደራዊ ዓመጸን እናቐጸል ንብዙሕ ዘበናት ክኸይድ ጸንሔን ትውልዲ ተፋረየን፡ ሕጂውን ኣይተረፈን ኣሎን።ኤርትራውነት፡ ዝተሓዋወሰ ናይ ቅዱምን ድሑርን ኣመጻጽኣን፡ ፍልሰትን ብሄራትን፡ ዓልየትን ዝተሓናፈጸ ወሎዶታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮነ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ወይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዘበነ ቃልሲ” ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝድግፈናን ዝቃለስ ምሳናን ኤርታዊ እዩ” ዝብል ጭርሖ ነበረ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወርሒ ግንቦት 1991 ኣስመራ ኣትዩ፡ ነጻነት ኤርትራ ምስ ተቖጻጸረ፡ ረፈረንዱም ክገብር ስለ ዝነበሮ! መን እዩ? ንረፈረንዱም ዘድምጽ? ዝብል ሕቶ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለ ዝቐረበ፡ ነዚ ዝስዕብ እማመ ከም ዘቕረበ ብኣዋጅ ክዝከር ይግባእ።

  1. ኤርትርዊ ብኣቡኡን ብኣዲኡን ዝኾነ/ዝኾነት፡
  2. ብኣቦ ወስ ብኣደ ዝውለድ፡
  3. ብቕድሚ 1929 ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ
  4. ብቕድሚ 1974 ኤርትራ ዝተወልዱ ወይ ልዕሊ 20 ዓመት ዝተቐመጡ
    ዝብል እማመ ወጺኡ ህግሕኤ መሰረት ዜግነት ኤርትራ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ብኣእምሮ ምዝካር ስለ ዝኾነ ንመረጋገጺ ኣዋጅ “እማመ ረፈረንዱም ኤርትራ” 1992 ተመልከቱ።
ኣብ ኤርትራ ሓደ ሃይማኖት ወይ ሓደ ብሄር ስለ ዘየልቦ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከሽካዕልል ኣይግባእን።

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ቀዳምነት ዘይዋሃበሉ ምንም ምኽንያት የልቦን? ሓልፍነት ህዝብን ሃገርን ንኽወስድ እሙንን ርጡብን፡ ብቕዓትን፡ ክእለትን፡ ፍትሓውነትን፡ ጹረትን፡ ተዓግስነት ክህልዎ ኣለዎ ማለት ናይ ጭዋታት እዩ።

እቶም ኣብዚ ሰዓት እዚ ተገደስቲ መሲሎም ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ጥርጠራ ንኸሕድሩ ዝጽዕሩ ብስም ተገዳስነት ንነብሶም ዘይጸረዩ ብዝረኸብዎ ኤርትራዊ ዜግነት ዝጠራጠሩ፡ እዚ ናይ ኤሳያስ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዝሕልወና ዝብሉ ብነብሶም ዘይታኣማመኑ ጭልቅዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጥራሕ እዮም ክኾኑ ዘለውም።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘበነ ጸነተ ምፍልላይን፡ ምብትታንትን፡ ተጣራጣርነት፡ ዘይእሩም፡ ኣተሓሳስባብን፡ ኣነ ይፈልጥ እናበለ መናፍሕ 003 ናይ ህግደፍ ዘንጸባርቕን፡ ዓንቃፊ ስነ ሓሳብ ዝዝርግሕ ከነለልዮ ይግባእ። ምንም እኳ ብስም መሰል ናይ ምጽሓፍን፡ ናይ ምዝራብን፡ ናይ ምሕሳብን፡ ሱቕ ናይ ምባል መሰሎም ሕሉው እንተኾነ፡ ሓቅነትነቱ ንምጽራይ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓልፍነት እዩ።

ኤርትራውነት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ፡ ኤርትራውያን ዝተመርዓወን መሰል ከምዘለዎ ክንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰልን ግደታን፡ ሓላፍነትን ከምዘለዎም ከነኽብሮ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
31 ሓምለ 2015

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.