ኮ/ል ተስፋልደት ተኣሲሩ፡ ምቕናይ ጥራይ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 05 ሓምለ 2015
ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ፡ ግዜ ከም ሰተታ ንክግምጠል ዝቀራረብ ዘሎ ኢዩ ዝመስል’ሞ ምቕናይ ጥራይ። ኣከያይዳ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እታ በብመዓልቱ ናብ ክሳድ መሳርሕቱ ዝውርውራ ገመድ መመሊሳ ኢያ እትሽንቆቕ ዘላ። ፍልስፍና ኢሳይያስ፡ “ብዘይ መጎትካዮ ተፈረድ፡ ብዘይ ደየብካዮ ውረድ” ኣብ ዝብል ሰረተ-እምነት ዝተመርኮሰ ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣብ እንዳ ኢሳይያስ፡ ቅዋም፡ ሕጊ፡ መጎተ፡ ጠበቓን ፍትሒን የለን። ብጸድፊ ደይብካ፡ ብጸድፊ ንክትወርድ ትፍረድ። ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሎሚ፡ ብዘይካ ተኣሲሩ ዝብል ዜና’ምበር፡ ተፈሪዱ ወይ ተፈቲሑ ዝብል ወረ ኣይተሰምዐን።
ካብቲ ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ዝነበርና ናይ ምእሳር ወረታት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ፍልይ ዝበለ ማእሰርቲ ሰሚዕና። ንሱ ከኣ ምእሳር ኣብ ቤት ጽሕፈት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ሓላፊ ጸጥታ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ ኢዩ። ባህርያት ኢሳይያስ ንዘይፈልጥ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ዜና ኢዩ ዝነበረ። እቲ ምንታይ፡ ዋና ተለኣኣኺ፡ ኣሳሪ፡ ቀጥቃጢን ሰላሕታዊ ቀታሊ ሰባትን ዝነበረ ሰብ ተኣሲሩ ክትሰምዕ እንከለኻ፣ ንምእማኑ ስለዘጸግም ኢዩ። ‘ህዉኽ ኣዳጉራ፡ ኣብ ቁራዕ እንከሎ የጥርጥ’ ከም ዝተባህለ፣ ኮ/ል ተስፋልደት ድማ ኣብተን ርኣዩኒ…ርኣዩኒ ዝብለለን ዝነበረ ህዉኻት ዓመታቱ፡ ንክንደይ ሰባት ዘየሽቆጥቆጠን ዘየጥረጠ!
ደሓር’ውን ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ደድሕሪ ምእሳር ሞት’ምበር ሂወት ዘይሕሰብ ስለዝኾነ፡ ቀንዲ መጋበርያ ገበነኛ ስርዓት ዝነበረ ተስፋልደት ምእሳሩ፣ ብድሕሪ ምእሳሩ’ውን ህጣሙ ምጥፋእ፣ እህምምምም! ከየበለ ኣይሕለፍን ኢዩ። ምእሳር እዚ ኮሎኔል እዚ፡ ኣብ ዘመነ-ህግደፍ ብዘይካ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይእሰር፡ ዘይድስክልን ዘይባረርን በዓል ስልጣን የለን ማለት ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ። ‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ፡ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ወዲ ተካሊት! ነዞም ሎሚ ዘመናውያን ገበርቲን ሓደግቲን ዘለዉ ኮሎኔላትን ጀነራላትን’ውን ብመዓልቶም ከረኻኽበሎም ኢዩ። ኮ/ል ተስፋልደት ካብ ተኣስረ፡ ጉዳይ እቶም ካልኦት ቀንዲ ኢደ-በይዛ (ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ሃ/ድሕነትን፡ ጀነራላት፡ ኮሎኔላት፡ ወ.ዘ.ተ.) ከመይ ክኸውን ኢዩ? ኢልካ ምሕሳብ ሰዓቱ ዝኣኸለ ይመስል። እዚ ዕሉል ሰታዪ ደም፡ ነዚ ሜላ’ዚ ካብ ፈለማ ሰብዓታት፡ ክሳብ ሎሚ ይጥቀመሉ ኣሎ።
ኣብ ዘመነ ገበነኛ ኢሳይያስ፡ ምእሳር ብሞት ከም ዝትካእ፡ ጎዳጉዲ ሓለዋ ሰውራን ዒራዒሮን ምስክራት ኢየን። ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15፡ እቶም ቀንዲ ኣገልገልቲ ህግደፍ ዝነበሩ በዓል ዓብደላ ጃብር፡ ሙስጣፋ ኑር ሑሴን፡ ሜ/ር ጀነራል ዑመር ጠዊል፡ ተኣሲሮምን ጠፊኦምን ዝብል ዛንታ ኢዩ ስዒቡዎም። ንምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ብዝምልከት፡ ብዕለት 29 ሰነ 2015 መግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ እውን ጸብጻቡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ተስፋልደት፡ ሓደ ካብቶም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኣዝዮም እሙናት፡ ቀንዲ ደቂ ውሻጠ፡ መጋበርያ ህግደፍን የማናይ ኢድ ኢሳይያስን ምንባሩ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ስለዚ፡ ገመድ ዳሕረዎት ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ!
ከምቲ ‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ፡ ንጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ዝበሃል፣ ምእሳር ኮሎኔል ተስፋልደት ማለት፡ ምንጽልላው መልኣከ-ሞት ነቶም ንኢሳይያስ ናይ ቀረባ ተለኣኣኽቲን ተግበርቲ ገበናት ዝነበሩን ዘለዉን ሰባት ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።
ብድሕሪ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት፡ ‘እንዳ ኣንጭዋ ቡቕሊ፡ እንዳ ጻጸ እኽሊ ኣይሰኣንን’ ከም ዝበሃል፣ እንዳ ኢሳይያስ ከኣ ወረታት ምእሳርን ሞትን መሊኡ ኢዩ’ሞ፤ ብድሕሪ ምእሳር እዚ ኮሎኔል እዚ መን’ዩ ኣሚኑን ደቂሱን ክሓድር? ምቕናይ ጥራይ! ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ብዘይካ’ቶም ብደምን ባዮሎጂን ኣሕዋቱ ዝኾኑ ሰበስልጣንን ኣባላት ደምህትህን ዝኣምኖ ሰብ ከም ዘየለ ኢዩ ዝነግር ዘሎ። ካብ ሎሚ ንደሓር እቶም ኣብ ደማስ፡ ጋዴንን ዓላን ዓስኪሮም ዘለዉ ወተሃደራት ደምህት፡ ኣብ ኤርትራ ገበርትን ሓደግትን ከም ዝኾኑ፣ ናይ ኣደባባዪ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ብኣቆጻጽራ ኢሳይያስ፡ ሰዓት ምፍናውን ምእሳርን ኤርትራውያን፡ ምሻምን ምስሳይን ደምህት ዝኣኸለ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ኩሉ ምስጢራዊ ጉዳያቱ፡ ብዘይካ ኣሕዋቱ ደቂ ትግራይ፡ ኤርትራዊ ደም ዘለዎ በዓል መዚ ደጊም ኣየድልዮን ኢዩ። ነዚ ብወለዶ ዝልለ ኣገባብ ኣሰራርሓ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብቁሩብ ክለማመደሉ ብድሕሪ ምጽንሑ፡ እዋሓስ፡ አግብእ! እነሆ ብጋህዲን ብጸሓይ ቀትሪን ይጥቀመሉ ኣሎ።
ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ካልእ ሜላ፡ ንሰባት ከም ዲስፖሳብል ስሪንጋ ተጠቒምካ ምቕያርን ምድርባይን ኢዩ። ወላ’ኳ ውሑዳት መኮንናት /ከም በዓል ብ/ጀ ኢዮብ ሓሊባይ/ ንራዕዲን ሽበራን ተኣሲሮም ይፍትሑ እንተነበሩ፡ ናብ ቀንዲ ኣማኒኡን ተግባሪ ውጥናቱን ዝኾነ ኮ/ል ተስፋልደት ገመድ ክዝርግሕ ግን ዘገርም ኢዩ። ወላ’ኳ ኣብ እምነት ኢሳይያስ “ምስጢራት ንዝፈልጡ፡ በብመዓልቶም ምጥፋእ” ዝብል ሰረተ-እምነት ዝኽተል እንተኾነ፡ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ግን ዝቐልጠፈ ይመስል። ብኣሰራርሓ ኢሳይያስ፡ ከም ተስፋልደት ዝኣመሰለ ቀንዲ እሙን ልኡኽን ፈላጢ ከበድቲ ምስጢራትን፡ ድሕሪ ምእሳሩ ብሂወት ናይ ምምላስ ዕድሉ ኣዝዩ ዝማህመነ ኢዩ።
ኮ/ል ተስፋልደት፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ኢሳይያስ ተጸሚዱ ዝከታተል ዝነበረ በዓል ስልጣን ኢዩ ነይሩ። ማዕረ’ቶም ካልኦት ደቂ ውሻጠ፡ ኣሎ ዝበሃል ምስጢራት ደብተራን መንግስቲ ህግደፍን ዝፈልጥ ዝነበረ ሰብ’ውን ኢዩ።
ተስፋልደት ኣብ ‘ንግስነት’ ኢሳይያስ ክሳብ መዓልቱ ዘእክል (ኤክስፓየር ዝኸውን) ገባርን ሓዳግን ዝነበረ፡ ንሙሉእ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብድሕሪ መጋረጃ ዘመሓድር፡ ንኮሎኔላትን ጀነራላትን ስእሊ መራሒኡ ተሓንጊጡ ዝህድድ፡ ዘውርድን ዘደስክልን፡ ንኣሃዱታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝኽልጥን ዝቆጻጸርን ዝነበረ ኣዝዩ ተኣማኒ ሰብ ኢዩ። ተስፋልደት፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ሕንቁቕ ሕሳስ ልደ ህግደፍ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን።
ካብ ዝኾነ ሚኒስተር፡ ጀነራልን ኣማሓደርቲን ፍሉይ ሓለፋ ዝነበሮ ኮ/ል ተስፋልደት፡ ኣብ ኣስመራ ንምዕዳል ምሩጽ ቪላታትን መሬትን ቀዳማይ በዓል ስልጣል ኢዩ ዝነበረ። ብሰንኪ ንሱ ዝህቦ ዝነበረ ትእዛዛት ከኣ ብዙሓት ስድራ ቤታት ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝተቐመጥኦ ኣባይቲ ብወተሃደራት ተጓሒፈን ኢየን። ‘መርገም ወለዲ እንተዘይ ቀተለስ፡ የዕነኒ’ ከም ዝበሃል’ምበኣር፣ እቲ ብዝርንዝሕ ንብዓት ኣዴታት ዝተሰነየ፡ ናብ ሰማያት ክሳብ ኣርያም ዝዓረገ መርገም፡ እነሆ ኣብ ምእሳር ኮ/ል ተስፋልደት ኣሃዱ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ እዚ ትራጄዲ’ዚ ካፋ ኢዩ፣ ካብኡ ዝገድድ መሾምቦባ ድማ ምስዓቡ ዘይተርፍ ኢዩ። ከምቲ ‘ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ’ ዝበሃል፡ ኮ/ል ተስፋልደት፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ሰለስተ ዓበይቲ ቪላታት ነበሮ። ሓደ ኣብ ጥቓ ጋራጅ ኦድዮን፣ ኣብ ከባቢ ማ/ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ፡ ምሉእ ፓላሶ፡ ካልኣይ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት “ማሕበር ውጥን ስድራቤት” ጥቓ ኤምባሲ ግብጺ፣ ከምኡ’ውን ሳልሳይ፡ መቋመሪ፡ መስከሪን መዐመጺ ኣዋልድን ኣብ እንዳ ኮርያ ምሩጽ ገዛ ነበሮ። ንብረትን ሽመትን ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ግን፡ “ግራት ፈረቓን ሽመት ዓቓን” ኢዩ። ብድሕሪ ምእሳሩ፡ ሓንቲ ካብተን ቪላታቱ፡ ነቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን መነጽር ጀነራል ፊሊጶስ ወድዩ ‘መን ከማይ’ ዝብል ዘሎ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 59 ኮ/ል ‘ጆን-ዓሊ’ ተዋሂባቶ ከም ዘላ ይስማዕ ኣሎ።
ኣብ ዘመነ ህግደፍ፡ ብዘይካ ኢሳይያስ ንኮ/ል ተስፋልደት ዝሓትት ሰብ ኣይነበረን። ኩላቶም ጀነራላት ኣብ ትሕቲኡ ኢዮም ዝሰግዱን ዝንብርከኹን ዝነበሩ። እዚ በዓል መዚ እዚ በብመዓልቲ መካይን እናቀያየረ ዝዛወር ዝነበረ፡ ብኢሳይያስ ይወሃቦ ንዝነበረ ቅንጸላ ደቀባት ዝትግብር ዝነበረ ምዃኑ ኣብ ኣስመራ ይዝረበሉ ነይሩ ኢዩ። መንእሰያት ኣስመራ “ዓፋኝ ጓድ” ዝብል ሳጓ ሂቦሞ ነይሮም ኢዮም። ካብ ኣማውታ ገዲም ተጋዳላይ ዳውድ ማሕሙድ ራካ (ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ) ክሳብ ኣማውታ ኮ/ል ሓድጉ ሃብተገርግሽ (ኮምሬድ)፡ ወዲ ምዒተ፡ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፡ መሓመድ ሓጎስ (እንዳ ኦሞ)፡ ከምኡ’ውን ክሳብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ብብሃንደበታዊ ሕማም ሞይቶም” ብዝብል ምስምስ ብመርዚ ተሰሚሞን ዝጠፍኡ ዝነበሩ ደቀባትን መራግእቲ ሃገራውነትን ቀንዲ ተግባሪ ኮ/ል ተስፋልደት ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ሰባት ኣብ ምጥፋእ ናይ ኢሳይያስ ኢደ-በይዛ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ከም በዓል ብ/ር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) እውን ተረፍ ኣለዉዎ።
ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ፡ እሕሕ ክብል! ሕነ ክፈዲ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ፡ ወይ ንእሽቶ ተቓውሞ ዘርኣየ ዜጋ ብቕጽበት ኢዩ ዝጠፍእ። ሞት ሓው ዑቕበ ኣብርሃ፡ ሞት ሓው ዳውብ (ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ጃልያ ዝነበረ) ሞት ዶክተርር ፍስሃ ሃይለ (መምህርን ዲን ኤዲኬሽንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ) ወ.ዘ.ተ… ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓትን ተሰሚሞም ተቐቲሎም ኢዮም።
ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ካብ ግዜ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ በብዓመቱ ዝርሸኑን ዝጠፍኡን ዝነበሩ ሃገራውያን፡ ምኽንያት ብምፍጣርን ብኢደ-በይዛን’ምበር፣ ብኢድ ኢሳይያስ ዝተቐትለ ሰብ ኣይነበረን። ኢሳይያስ እቲ ቀንዲ ንኤርትራን ህዝባን ብጅምላ ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ምኽንያት፡ ምብራዕ ኲናት ኣብ ባድመ ኢዩ። ካብ ወርሒ ግንቦት 1998 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝጠፍኡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መሪሕነት መንግስቲ ህግደፍን ህዝቢን ድማ ቆጺርካ ዝውድኡ ኣይኮኑን።
ኢሳይያስ ኣብ ቃልሲ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ንመንግስቲ ህግደፍ፡ ዘለቕለቕ ከም ዘይብለኦ ማዕረ ቁመቱ ገይሩ ኢዩ ሰሪሕወን። ወዳጄ ክኢላ ሳርቶ!! ብዘይክኡ ካልእ ዜጋ ቀሲኑ ክነብረለን ማለት ዘበት ኢዩ። ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ድማ፡ ህድማን ስደትን ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ብዘይካ ንሱን ናይ ባዮሎጂ ኣሕዋቱን መን ኣሎ ዘይሃድምን ክሃድም ዘይደሊን? ብርሃነ ወዱ’ውን ሓደ ካብቶም ክሃድም ፈቲኑ ዝተታሕዘ መንእሰይ ኢዩ። ብርሃነ ብሰንኪ ናብ ኣቡኡ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ምስ ተቐጥቀጠ ኢዩ ምስ ራብዓይ ርእሱ ንህድማ ዝወጠነ።
ኣብ መወዳእታ፡ ‘ዳዕሮ ዕንክሊል፡ ገበልኡ ገዲፉ ዘይገበልኡ የጽልል’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ዓደቦኹም ክሒድኩም ምስ ልኡኽ ጥፍኣት ትስዕስዑን ተዳኽሩን ዘለኹም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ህግደፍ፡ ኣብ ምስትውዓል ዘድልዮ እዋን ኢና ዘለና’ሞ፤ ከምዛ ናይ ኮ/ል ተስፋልደት መሸንቆቓ ገመድ ከይተደርበየትልኩም እንከላ ሕሰቡ። ’ህድግ ለነ ከመ ንሕነ ንሃድግ ለዘኣበሰ-ለነ’ ተባሂሉ ከም ዝጽለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ጽንቃቕ ህድግ-ለነ ከይወድአ እንከሎ፤ ሎሚ ተጠዓሱ።
ከምቲ ህጣራ ስነ-ጥበባዊ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ “ዝበላዕኩሞ ምለሱ ብዱላ ከይትኹልሰሱ” ዝበሎ፡ ብርግጽ ከኣ ዘመነ ፍዳ ክመጽእ ኢዩ። ህዝቢ ቅዋማዊ መንግስቲ ተኺሉ ዝመሓደረሉ፡ ሕነ’ቶም ፎእ ሞት ዝሞቱ ዜጋታቱ ዝፈድየሉ ዘመን ርሑቕ ኣይኮነን። ትማሊ በርቂ ኣብ ጀነቫ መስ-መስ-መስ! ኢሉ ኣሎ። ጽባሕ ቢጊሓት ከኣ፡ ሃሚን ማይ ኖህን ክወርድ ኢዩ። ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ኢያ። እታ ውልፍቲ ደም ሰብ ዝኾነት ጋህሲ ዒራ-ዒሮ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ነቶም ገበነኛታት ጭፍራ ህግደፍን ኣበ-ነፍሶም ኣባ-ከይሲ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ትጽበዮም ኣላ።
ንሰፈር ዕንዱላይ ንየማን ገዲፉ ዘንቆልቁል ጽርግያ ዓናጉለ፡ ጥውይዋይ ሓራማጥል፡ ውርድ ምስ በልካ’ውን ኣጻድፍ ኣደይ ቅበጽኒ፣ ሞግኦን ሳቡርን ከኣ ደርጓዕጓዕ ዝብል ድምጺ ገበነኛታት ንክሰምዓ ተዳልየን ኣለዋ። ንኺድ ናብቲ ብሩህ ደረት-ትርኢት፣ ንደርዘን ዓመታት ሃንቀው ዝበልናያ ጸሓይ ሓርነት እትበርቀሉ ጥርዚ ክንርኢ ኢና’ሞ ምቕናይ ጥራይ!!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ