ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!
20 መጋቢት 2015
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

እቲ ‘ዱላ ኣብ ኢድካ፡ ተመን ኣብ ቅድሜኻ’ ዝብል ኣበሃህላ ጀጋኑ ወለዲ፣ ዕሙቕ ዝበለ ውስጠ-ዘ ዘለዎ ብሂል ኢዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ እግርኻ ዝተጸግዐ ተመን እንተዘይቀቲካዮ፡ ንነፍስኻ ቅበጻ ማለት ኢዩ። ወዮ’ኳ እቶም ሰብ ጋሽ-ሰቲት፡ ኣሰለት ደሞም ሰትያ ንክትቀትሎም ምስ ተጠምጠመቶም፣ ካራ ኣውጺኦም ዝቐትሉዋ፣ ንስኻ ኣንታ ሰናድር ዝዓጠቕካ ህዝቢ ድማ፡ ነዚ ደምካ ዝሰቲ ዘሎ ኣሰለት ሎሚ ንሰናድርካ ኣዛርቦ’ሞ፡ ብተኮ። እወ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብዚ እነሀኻ ድንቂ! ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራውያን’ምበኣር ከምዚ ኢዩ ዘሎ። ሰናድር ኣብ ኢድና እንከሎ፡ ብሓደ ተመን ኣጻምእ ንመዋእል ተነኺስና ኢና። ስለዚ ሕጂ’ውን፡ ‘ዝመጸ ከይመጸ ብርኩታኻ ንጸ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንታ ሰናድር ኣብ ኢድካ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እዛ ሃገር ናብ ዘይውጻእ ደልሃመት ከይተሸመመት እንከላ፡ ኣዕጽምቲ ስዉኣትና ካብ ጎዳጉዲ ከይተተፍአ እንከሎ፣ ሎሚ ብተኽ’ሞ ነቲ ዓባስ ሰናድርካ ኣዛርቦ። ሓቂ’ዩ፡ ብደገ ለውጢ ንክመጽእ ንብዙሕ ዓመታት ሃንቀው ኢልካ ኢኻ ህዝበይ። ግን ‘ኣይከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካን፡ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ’ዩ’ ኮይኑ ዘሎ ነገሩ። ንደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡ ወላ’ኳ ንብዙሓት ሰባት እቲ ሓቂ ዝኾኹዮም እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ትንታኔን ምግባር ግን ሰዓቱ ሎሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ፡ ከምቲ ‘ንስኺ’ዶ ከይትበልዒ ሸዊት፡ ኣነ’ዶ ከይሕዛ ነዊት፣ ተተሓሒዝና መስከረም ንመውት’ ዝበሃል፡ ንሱ ኣይበልዕ፡ ኣየብልዕ ኣዝዩ ብብዙሕ ሕማማት ዝማህመነ ንጹፍ ኢዩ። ካብ ንጹፍ ደምበ ከኣ፡ ለጋዕን ብርኩታ ለጋዕን ትጽቢት ኣይግበረሉን ኢዩ።
ደምበ ተቓውሞ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ነቀይ-ነቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ኣልዩ ህዝባዊ መንግስቲ፣ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክተክልሲ፡ ካብ ወጋኢት ላም ከድሕን ዘይክእል ዶምባይ ቀርኒ ከም ዘይብሉ ብዕራይ ሰነ ኢዩ። እዚ ን24 ዓመታት ፖለቲካ ዝጎስዐ ደምበ ተቓውሞ’ዚ፡ ኣብ ሓንቲ ባይታ ጋም-ማን ክብል ዝነብር ጉጅለ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ፡ ማለት ሕልሚ ውድባትን ሰልፊታትን፣ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ወይ ብውሽጣዊ መስርሕ ምስ ወደቐ፣ ከምቲ ሽመት ዝለመደ ሰብ ንሩባ ወሪዱ፡ ‘ንስኽን ቅድሓ፤ ንስኽን ድማ ጽንሓ’ ይብል ዝበሃል ምስላ፣ መራሕቲ ውድባትን ሰልፊታትን ከኣ ንዓኻ ከመሓድር ዝህንጠ ዘሎ ጉጅለ ኢዩ። ስለዚ ፍታሕ ካብ ሰናድርካ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹን ዝመላለሱን ዘለዉ ኣብ ክሳውዶም ክራቫታ ዝኣሰሩ፡ ብሽቑረራ ዝነብሩ ወረጃታት ማዕዶ ኢዮም። ናይ ርእይቶን ውሳኔን ናጽነት ዘይብሎም፡ ሕልንኦም ጸቒጦም ዝነብሩ ሰባት ኢዮም። ገሊኦም ናትካ ፕረዚደንት፡ ገሊኦም ሚኒስተራትካ፡ ገለ ድማ ጀነራላት ኤርትራ ንክኾኑ ዘንባሁቑ ዘለዉ፣ ገለ’ውን ሕዱር ሕነ ንክፈድዩ ድቃስ ዝሰኣኑ ሓለምቲ ኢዮም። ልዕሊ 33 ውድባትን ሰልፊታት ኣለዋ ክበሃል እንከሎ፡ ንመስደምም’ዶ ኣይኮነን? ገለ ብሄራውያን፡ ገለ ሃይማኖታውያን፡ ገለ’ውን ጸቢብ ኣቀዋውማ ዘለወን ውድባት ኢየን። ንውድብ ከም ፖለቲካዊ መደያይቦ ዘይኮነስ፡ ከም ሃይማኖታዊ ትካል ዝርእያ’ውን ኣለዋ። ገለ መራሕቲ ውድባት ከኣ፡ ነቲ ፖለቲካ ከም ንግዳዊ ልቸንሳ ዝጥቀሙሉ ኣይሰኣኑን ኢዮም። ብሓጺሩ ደምበ ተቓውሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ውጥናት ዘይብሉ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ብትኽክል ዘይፈልጥ፡ ከምቲ ውሕጅ መሕደሪኡ ከይፈለጠ ኣጉናድ ተሰኪሙ ዝኸይድ፡ ተቓወምቲ ውድባት ድማ መዕለቢአን ዘይፈልጣ ጋሻ ውሕጅ ኢየን እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ስለዚ ካብ ኤርትራ ጋሻ ክወጽእ በዓል ቤት ንክኣቱ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብ ብለቓት ሳሕል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ነቲ ሽዑ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት መሪሕነት ዝነበረ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር /ኣቡ ጥያራ/ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክንመሃር ጸናሕናዮ። ብኣስተርጓማይ ገይሩ ከኣ “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ ሓተተና። ንሕና ፖለቲካ ንመሃር ከም ዝነበርና ነገርናዮ። እታ ኣቦና ኣቡ ጥያራ ሽዑ ዝበለና ዘይትርሳዕ ዘረባ፤ “…ፖለቲካ በትሪ ሕማቓት ኢያ። ብዘይካ ኣብ ወተሃደራዊ ፍታሕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ ኣይትእመኑ” በለና። ስለዚ ሎሚ’ውን፡ ነዚ ብሓጺን ዝሃርመና ዘሎ፡ ብሰናድር ምጭልጋሙ ጥራይ ኢዩ ፍታሕና። ስለዚ ፍታሕ ካብ ሰናድርካ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ፖለቲካ ደምበ ተቓውሞ፡ ግብሪ ዝረሓቖ ገበጣ መሕለፊ ግዜ ኢዩ። ቀደም ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓልታት ዝነበረ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት!” ኢዩ ዝብል ዝነበረ። ሓንቲ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ዝነበረት ሓዳስ ኣሃዱ ደቀንስትዮ ተዓሊማ ምስ ወደአት፡ ዓላሚት “ብሰላም ዕረፍ” ምስ በለት፣ ተዓለምቲ ከኣ፡ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት!” ኢለን ጨርሓ። እታ ዓላሚት ነገሩ ደንጽዩዋ፣ “ወይለየከይ ኣበባ! እቲ ሞት ከደኣ መን ኢዩ ክሞተልክን?” ኢላ፣ ከም ብሓድሽ ነቲ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ፡ ዓወት ወይ ሞት” ብምባል ኣድገመተን። ሎሚ ከኣ እነሀልካ ራእሲ! ተወፋይነት ዘይብለን ውድባትን ሰልፊታትን፡ ካብቲ ጸቒጡካ ዘሎ ደናጉላ ህግደፍ ንወላ ሓንቲ እምኒ’ውን ክፍንቅላ ዝከኣለን ኣይኮነን። ስለዚ ፍታሕ ካባኻ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከኣ ሕልማዊ “ዓወት” እምበር “ዓወት ወይ ሞት” ዝብል ተወፋይነት የለን። ሎሚ ቅነ እዞም ናይ ፖለቲካ ነጋዶ፡ ‘ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ’ ከም ዝበሃል፡ ዘይወዓልዎ ውዒልናዮ፡ ዘይተገብረ ስርሒት፣ ክእመን ብዝኽእል ኣገባብ፡ እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ኣቀራርባ ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒት ሰሪሕና ዝብሉ ዘለዉ ናይዚ ዘመን’ዚ ቱንቱላታት ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝተሰርሐን ዝተዓወተን ስርሒት ኣሎን የለን ከኣ ንስኻ ኢኻ ምስክሩ። ኣብዚ ዘለናዮ ጽንኩር ግዜ፡ እቲ ብውድባትን ሰልፊታትን ክዕመም ዝግበኦ ዝነበረ፣ ህዝቢ ንምድሓን ዝተዋፈሩ/ዝተዋፈራ ኤርትራውያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ምስጋና ይግበኦም ኢዩ። ብካልእ ሸነኽ’ውን እዘን ዝርካበን ሓበሬታ ዘቕርባ ዘለዋ ሚድያታት ደለይቲ ፍትሒ እውን ክምስገና ይግበአን። ንሳተን ከም ሳተላይት ናብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ እናዳህሰሳ፡ ዓቕመን ዝፈቕዶ ሓበሬታ ይምግባና ኣለዋ። ንኩሉ ከም ኣረጊት ጨርቂ ዝተበታተነ ጉዳያትና ናብ ሓደ ንምምጻእ ድማ፡ ሎሚ ንሰናድርካ ኣዛርቦ ህዝበይ።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

እታ ለይቲ ብኣኻ ኢያ ክትወግሕ’ሞ ሎሚ ሰናድርካ ኣስተኻኽል። እቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ጨርባሕባሕ ዝብል ዓረራት ንመን ከም ትሃርመሉ ዘክር። ብበትሪ ንዝድስቐካ፡ ካብ ገዛእ ገዛኻ ብመኾስተር ንዘባርረካ ጸላኢ ብኢድካ ክትከላኸሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዓረር ንዘጥፍኣካ ጸላኢ ከኣ፡ ብጸርፊን ፖለቲካዊ ወፍርታትን ጥራይ ክትስዕሮ ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ይመስክር። ኦ! ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ሞዶሻን ኡንኲዲኖን ተቐርቂርካ ከም ዘለኻ፣ ብዓይኒ መርፍእ ትሓልፍን ኣብ ብልሒ መላጸ ረጊጽካ ከም ዘለኻን ንፈልጥ ኢና። ብልክዕ! ተስፋና ግን ካባኻ ኢዩ። ዋልታ ሃገር ድማ ንስኻ ኢኻ። ህዝቢ ጥሜትን ግፍዒን ጥራይ ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ኣብቲ ፈጺሙ ዝደኸየሉ ግዜ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ይፈርስ ኣሎ። እቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ሰናድር ደኣ ዘይትትብትቦ! ናብቶም ነኸስትኻ ዝኾኑ ውሑዳት ኣትማን ንከተነጻጽሮ ግዜ ይጽውዓካ ኣሎ’ሞ ሰናድርካ ኣይተዓበስ።

ዘዝጎበዘ ተሪፉስ፡ ዘዝነውሐ ግፋ መንእሰያት ጥራይ ከይኣክል፡ ክቖርቡን ክሰግዱን ዝግበኦም ደቂ ስሳን ሰብዓን፡ ሰብ ትካላትን መራሕቲ ታክሲን ንብረቶም ረጊጦም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓጠንቲ ኣድባራትን ከይተረፉ ኢዮም ብረት ዓጢቖም ኣብ ታዕሊም ዝዘባዘቡ ዘለዉ። ትማሊ ፍታሕ ክትከውን ዝነበራ ዓረር ወዲ ዓሊ፡ ኣይተዓወተትን። ሎሚ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓንቲ መፍትሒት ጥራይ ኢያ ተዃዕኒና ዘላ፡ ፍታሕ ብሰናድር!! ሽግር ኤርትራ ዘለኣለማዊ ንክፍታሕ፡ መቓብር ጀጋኑ ስዉኣትና ንክቐስን፡ መልክዕ’ዛ ሃገር ንክምለስ፡ ህልቂት ባሕሪን ሲናይን ንከብቅዕ፡ ድርሙም ኣራእስ ኣዴታት ንክፍታሕ፡ እዚ ብዜጋታት ተዓጢቑ ዘሎ ብረት’ዚ ናብቲ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ባዕሉ ዝነገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክነጻጸር ኣለዎ። መዓስ? ሕጂ! ንሱ፡ እዚ ብደም ኤርትራውያን ዝተሓጽበን ዝጎስዐን ገበነኛ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንህዝቢ ከም ሰላጣ እናቐርደደ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ናብኡ ዝኾነ ሓጺን ከነነጻጽር የብልናን ዝብል ፍልስፍና ንኤርትራውያን ዘጥፍእ’ምበር ዘድሕን ኣይኮነን። ስለዚ ሰናድርካ ኣይተዓበስ!

‘ደርሆ፡ በምዑት ደቃ ትጻወት!’፡ ሎሚ ግን ከም ግዛዕ ኮይኑ። ብዙሓት ደቂዛ ሃገር ህዝቦም ብሓጻውን እናተደሰቐ፡ መንእሰይ ኣብ ኮንተይነር እናማሰነ፡ ዒራዒሮ ዝወለደተን ኣብያተ ማእሰርቲ መመሊሰን እናኻዕበታ፡ ዘቑጸልጸለ ፖለቲካ ከዘውትሩ ይስምዑ ኣለዉ። ኢሳይያስ፡ ካብታ ንሜዳ ኤርትራ ዝተሰለፈላ ቅርስስቲ ዕለት ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ብማእሰርቲ፡ ጭፍጨፋን ምርሻንን ብካልእ መንገዲ ኣይሓዞን። ማእሰርቲ ብማእሰሩ ድማ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ መሰክሕ!! ሃገር ን24 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ሕጊ፡ ብፋሉላዊ ኣገባብን ስርዓተ ሽፍትነትን ትመሓደር ኣላ። ንሱ ንዓና ብዘይ ንሕስያ ክቕንጽል ፍቑድ፡ ንሕና ግን ኣብ ልዕሊኡን ደቀ መዛምርቱን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክንወስድ ኩኑን ዝገብር ሕጊ እንታይ ኢዩ ዝበሃል?

‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፣ ቅድም ተሰከመን፤ ደሓር’ውን በርኩተን ይብለካ!’ እዚ ንዓና ዝምልከት ብሂል ኢዩ። ብዙሓት እከያት ተግባራት ኢዮም ሓሊፎም ኣብ ዘመነ ህግደፍ። እቲ ህዝቢ ደም ንክጥዕሞ ኣብዚ እዋን’ዚ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ወፍሪ፡ መመሊሱ ናብ ይቕጽል ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑና፣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ን21 ዓመታት ካብ 1970 ክሳብ 1991፤ ደሓር’ውን ካብ መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት ን24 ዓመታት ምስ ሕሱም ኢሳይይስ ተላፊንና።

ከም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ፎርዖን፣ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ኢሳይያስ ን44 ዓመታት ብሓንቲ ጩግራፍ ተገሪፍና ኢና’ሞ፡ ሰናድርካ ኣነጻጽር ይኣክል በል ህዝበይ።
ይዋእ! እቶም ዝተሰውኡን በብወርሓቱ ዝሃልቁ ዘለዉንሲ ዕጨ-እምኒ ጸቒጥዎም ኢዩ። ዝርእዩዎን ዝሰምዕዎን ዕንወት ኣባይቲን ሃገርን፡ ሞትን ወረ ሞትን የብሎምን። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳይይስን ስርዓቱን ኣብ ልዕሊ መሬት ብሂወት እንከለኻ፣ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ከኣ ንታሕቲ ተቖጺርካ ዝተረፈካ የለን’ሞ፡ ሕጂ በቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ህያብ ስዉኣት ዝኾነ ሰናድር ሓንቲኣ ወስን። ኣብ በዓቲ ኢሳይያስ ኣድብዮም፣ ደምህትን ውሉፋት ደም ዝኾኑ ሓይልታትን፡ መዓልቱ ከም ዘሕለፈ መድሃኒት ንክጉሕፉኻ ኣሸበሸብ ይዳለዉ ኣለዉ’ሞ ከም ኣረነ ባሕሪ ካብ ዛዕጎልካ መሰስ በል።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

ን18 ዓመታት ብምኽንያት ግፋ ብኣባትር ደቅኻ ዝተሃረምካዮ ከይኣክል፣ ሎሚ ኣብዚ ዝደኸኻሉ፣ ዝጠመኻሉን ዝጸምእካሉን ሕሱም እዋን ድማ፤ ብደቂ ትግራይ ብዴምህት ንክትህረም፡ ጨቖቕ ኢልካ ዝሰራሕካዮ ኣባይትኻ ከይተመረቐን እፎይ ኢልካ ከይሰፈርካዮን ንሃዶሽዶሽ ተፈሪዱ። ደጊም ንሞት ተፈሪድካ ኣለኻ’ሞ መንገዲ ኢሳይያስ ናበይ ገጹ ምዃኑ ኣስተዕል ህዝቢ ኤርትራ።
ተቓውሞኻ ወላ’ኳ ንምሕንኳሉ ብዙሕ ገመዳት ተጻዊዱሉ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ዘብዘብን ስጉሚን ስለዘሎ፡ ብትብዓት ቀጽሎ።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!
ሰናድርካ ኣይተዓበስ!
ብሓደ ድምጺ፡ ሞት ክናና ንኢሳይያስ በል።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.