ጥውይዋይ ልብታት!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
26 ለካቲት 2015
ቀደም ዘመን፡ ‘ለካቲት ቅጫ ኣይተርጉዲ በላ ንሰንካቲት’ ኢዩ ዝበሃል ዝነበረ ኣብዚ ወርሒ’ዚ። ሎሚ ከኣ ብሰንኪ እዚ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ዝተኾደመ፡ ገና’ውን መኸልሒ ዘይተረኽቦ መንደዓት ህግደፍ፣ ቅጫና ካብ ዝረቅቕ እነሆ ርብዒ ዘመን ኮይኑ። ቅጫና ጥራይ እንተዝረቅቕ’ውን፡ ኣይምጉሃናን። ብሰንኪ ሓጺናዊ መስገደል ኢሳይያስ፣ መሰልና ረቂቕ፡ ባህጊና ረቂቕ፡ ጻማና ረቂቕ፡ ተስፋና ረቂቕ ኮይኑ። ንሱ ጥራይ ከይኣክ ከኣ፡ ጠባይና’ውን ከም ቋሬጣ ዘመነ- ኣካሒዳ ረቒቑ። ምስ’ዚ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና፡ ጥውጥዋይ ልብታት ኣይወሓደን ያ ጀምዓ!
ኣብ ክፍላ ወርሒ ለካቲት፡ ብቅንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 25 ዓመታት ንስርሒት ፈንቅል /ብሩራዊ ኢዮቤልዩ/ ከብዕል ኢዩ ቀንዩ። ከምቲ ‘ንቁም በብህላወነ’ ዝበሃል፡ ኣብ ልቢ መራሕቲ ህግደፍን ኣብ ልብታት ህዝቢ ኤርትራን ዝነበረ ዝኽርታት ግን ነንበይኑ ኢዩ። መዓስ ንሱ ጥራይ! ኣብ ሃገራውያን ጉዳያትና ብዝምልከት፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዝነበረን ዘሎን ልብታት’ውን ጥውጥዋይ ዝበዝሖ ኢዩ።
ህዝቢ ንጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ዝዝክረሉ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ይኹን ንመዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘኽብረሉን እዋን፡ ዓቢ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኣሎዎ። ናብቲ ስርሒት ዝተኻየደሉ ቦታ ክጓዓዝ እንከሎ ድማ፡ ካብ መቓብር ጀጋኑ፡ ከም ንግደት ሜካን ኢየሩሳሌምን ሕልናዊ ዕግበት ንምርካብ ኢዩ ከካብ ገዛውቱ ዝብገስ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝገብሮም ሃገራውያን በዓላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓረማ ከም እትሕለብ ላም፡ ብጅግንነት ደቁ እናኣዛናግዐ ንምህማልን ኢዩ ዝሰርሓሉ። ‘በጥ በል ሽደን፡ ብጻይና ኣይኮነን ወደያ ግብረቱ’ ከም ዝበሎ ሰብኣይ በዓል እምባደርሆ ከኣ፡ እወ! ኣንታ ህዝቢ፡ ወላ’ኳ ምሳኻ ኮይኑ እንተሳዕስዐን እንተመደረን፣ ብጻይካ ኣይኮነን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ።
ደምበ ተቓውሞ’ኸ ብከመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ወይ ዝኽሪ ኢዩ ዘብዕሎ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለሉ ዓበይቲ ውራያት። እቲ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብውድባቱ /ተ.ሓ.ኤርትራን ህ.ግ.ሓ.ኤርትራን/ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ብሙሉኡ ንጉጅለ ህግደፍ እንተደኣ ተገዲፉሉ፡ ኣጸጋሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ጸቢብ ኣረኣእያታት ከይተላቐቐ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክተዓረቕን ብጋህዲ ክላለን ኣይክእልን ኢዩ። እንተደኣ ንዝኾነ ስርሒት ሰውራ ኤርትራ ናብ ቆፎ ኢሳይያስ ዘእቱ ኣረኣኣያ ኣሎ ኮይኑ፡ ኣይግድን! ስለዚ ውዕሎ ስርሒት ፈንቅል፡ ብቀንዱ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ፣ ብዉዕዉዕ መንፈስ ከብዕሎን፡ ነቶም ኣብኡ ዝወደቑ ዜጋታቱ ብዕምቆት ክዝክርን ምተገብአ።
ከምቲ ውሕጅ እናሰሓቕካ ኢዩ ዝወስደካ ዝበሃል፡ ኢሳይያስን ስርዓቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ትሪም-ሪም ብዝብል ኮቦሮታት እናኣሳዕስዐን እናኣደበለን ኢዩ ናብ ውዲት ‘ትግራይ ትግርኚ’ ንክወስዶ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ ዘሎ። ‘ትግራይ ትርግኚ’ ዝብላ ቃላት፡ ብሙሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ንብዙሕ ዓመታት ተዛሪበለንን ጽሒፈለንን እየ። ምንም ከኣ ንድሕሪት ዝምለስ ኣረኣእያ የብለይን።
ሓቂ’ዩ፡ እዘን ‘ትግራይ ትግርኚ’ ዝብላ ቃላት ሓያሎይ ሰባት ኣይፈትዉወንን ኢዮም። ስኽፍክፍ ኢሉ ከም ዝኾኹዮም ከኣ፡ ኣብ ቦታይ እንከለኹ እስመዓኒ። ገለ ሰባት’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ይድውሉለይን ኢመይል ይጽሕፉለይን ኢዮም። ግን፡ እቲ መልእኽተይ ከኣ ንዕላማን መንገዲን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገልጽ’ምበር፡ ኪንኡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ደበንገረ ንዝተኸወሉ ሕቡኣን ዝምልከት ኣይኮነን። ‘ተሓቢአን ይጠንሳ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርሳ’ ከም ዝበሃል፣ ናይቶም ሕቡኣን ምልላይ ድማ፡ ግዜ ዝምልሶ ጉዳይ ኢዩ።
ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኢና! ንውዕሎ መስተንክራዊ ጅግንነት ተጋደልቲ ኤርትራውያን ድማ፡ ብዝኽሪን ኣንክሮን፡ ብንብዓትን እህህታን ኢና እንዝክሮ። እሂናይ ደኣ’ኸ ናትና’ኳ’ዮም እቶም ሰራሕቲ ታሪኽ! ንሕና ዘይዘከርናዮም ደኣ መን ክዝክሮም? እቶም ኣብ ረግረግ ሳሊና ዝተቐብሩን፡ ከም ጥረ ካብ ብሱል ሓጻውን ሩስያ ተሰኪሞም ዝኸዱ ዘለዉ ስንኩላንን’ኮ ክሰርቁ እንከለዉ ኣይኮኑን ለሚሶም።
ንስጋለት ቀጣን ዝሰገሩ፡ እጹብ ድንቂ ታንኪታት ከም ሰብ ዛርቲ ዘሰራሰሩን ሂወቶም ዝወፈዩን እኒ ገረዝግሄር ከሰተ /ማጉላ/ እኒ የማነ ፍስሓጽዮንን /ቁፍሩላህ/ ወዲ ኣለምን ከመይ ቢልና ንርስዖም? ንሳቶም እኮ ኢዮም ሓዋርያ ስርሒት ፈንቅል!
እታ ናይ ጀጋኑ ታንኪ፡ ንስጋለት ቀጣን ከም ስርኤል ቀትሪ ኣብ ክንዲ ቋሕ-ሰም ዘይኣክል ግዜ ሰጊራስ፡ ነታ መንገዲ ዓጊታ ሰብ ዝወድአት ናይ ጸላኢ ረሽራሽ /ዙ-23/ ጽዒና ዝነበረት መኪና ኣብ ልዕሊኣ ተኾዲማ ጨፍለቐታ።
ታንኪ ተጋደልቲ ከኣ ምስ ሰባ፡ ብፋጎት ዝተባህለ ዘመናዊ ተተኳሲ ጸላኢ ነደደት። እዚስ ይእመን’ዶ? መድፍዕ፡ ሰብ ይደሊ ኢዩ። ስለዚ እኒ ጃጓር፡ ታይገርን ኮማንደርን ከኣ ሰባት ኣለልየን ኢየን ንመስተንክር ስርሒት ፈንቅል ዝተበገሳ። ስርሒት ፈንቅል ዝሰርሐን ኣብ ሳሊና ዝወዓለን፡ ወዲ ኤርትራ’ምበር ካብ መንዶበልዎ ዝነጠበ ኣይነበረን። ስለዚ፡ እቲ ሕፍሶ ዓወት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግምጃ’ምበር፡ ናይቶም ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሱ፡ መቓብር ሰማእታት ዘንቀጥቀጡን ንደምህት ዝሕብሕቡን ጠላማት ህግደፍ ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ ብምግንዛብ፡ ጉራማይለ ልብታት ኣይመድለየን።
ስርሒት ፈንቅልን ውጽኢቱን፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ግርም’ዶ! እምበኣር ንብረት ህዝቢ ካብ ኮነ፡ ኣብ መስተንክር ውዕሎ ደቂ ኤርትራ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ክምልስዎ ዝግበኦም ሕቶታት ኣሎ። ብሓቂ ንዝቕበሎ ሰብ ወይ ጉጅለ ድማ፡ ስርሒት ፈንቅል መበገሲን መራኸቢን ክኾነና ምተገብአ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ንተራን ክብሪን ሰውራ ኤርትራ ዘነኣእሱ ሓደስቲ ፈላስፋታት፡ ንውዕሎን ጅግንነትን ተጋደልቲ ኤርትራውያን ፍጹም ዘይቅበሉ ጎቦ-ጨረታት፡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ንምግዳል ከም መርገም፡ ነቲ ንነፍሱ ረሲዑ ከም ባሕታዊ ገዳም ዝተጋደለ፡ ተጋዳላይ ድማ ከም ዕላማ ኣልቦ ኮብላሊ ገይሮም ዝርእዩዎ ምህላዎም ዘስደድምም ኢዩ።
ደርፊ ወዲ ትኹልን ወዲ ሸኽን ዝሰምዓ፡ ዜማታት ከድጃ ኣደም ወይ ኣብርሀት ኣንከረ ዝሰምዐ: ብስም “ደጋፊ ህግደፍ” ምኹናን ምስ ምንታይ ኢዩ ክቑጸር። ብዛዕባ ኣባልነት ህግደፍ ደኣ፡ ኣለዋ’ኮ ኣብቲ ምምዝጋብ ንኣባልነት ህግደፍ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብመራኹስ ከይደን ዝተመዝገባ። ነይሮም’ኳ ኢዮም ናይ ክልቲኡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ህግደፍ ናይ መንነት ካርድ ዝተቐበሉ። ናብ ህግደፍ ዘይተመዝገበ ዜጋ፡ ረድኤት ይኹን ጤሳ ኣይወሃቦን ኢዩ ይበሃል’ውን ነይሩ ኢዩ’ኮ።
ሓሸውየን ጥውጥዋይ ልብታትን ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ኢዩ። ብካልእ ወገን’ውን ገና ኣብቲ “ጀብሃ” “ሻዕብያ” ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝቕልሱ ምህላዎም፡ ቀንዲ ጠንቂ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ኮይኑ እስመዓኒ። ‘ጀብሃ’ ናትና፡ ‘ሻዕብያ’ ድማ ናትና ኢዮም። ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ግን ሃይማኖት፡ ጃምዕ ኣልኹላፋ ኣልራሺዲን ወይ ቤተ ክርስትያን ኣይኮነን። ክሳብ ልክዕ ዕድመኻ ከም ሃይማኖት ክትኣምነሉን ከተምልኾን ምንባር ድማ፡ እነሆ ውጽኢቱ ብጋህዲ ይነግረና ኣሎ። እቶም ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩን ዘለዉን ዜጋታት ናትና’ዮም! ንመን ደኣ ክንህቦም?
እቶም ንውዕሎን ታሪኽን ‘ጀብሃን’ ‘ሻዕብያን’ ዝጠለሙ ከሓድቲ ህግደፋውያን ግን፡ ናትና ናይ ህዝቢ ኣይኮኑን። እንታይ ማለት’ዩ’ኸ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን “ጀብሃ” “ሻዕብያ” ኢልካ ምብትታን? ብኣረኣእያ’ዞም ሰባት ምግዳል፡ ወይ ተጋዳላይ ብላሽ እንተኾይኑስ፣ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ክብሪ፡ ዋጋ በለስ ክኸውን ኢዩ ማለት ኢዩ። መረብ ንተከዘ ሒዛ ትዕበ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንሰውርኡን ንውዕሎ ጀጋኑ ደቁን ሒዙ ኢዩ ዝዕበ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ዘይተጋደለ ህዝቢ ስለዘይነበረ፣ ምግዳል ሓበን ዝነበረሉ እዋን ኣይረሓቐን። ንፍረ ገድሊ ዝኾነ ናጽነት ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓለም፡ ብ99.8% “እወ ንናጽነት” ኢሉ ድምጹ ዝሃበሉ። መን ደኣ ኣፍረዮ ናጽነትን ረፈረንደምን? ምግዳል ብላሽ እንተኾይኑ፡ ደም ጀጋኑና’ውን ደመ-ከልቢ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ኣንቱም ሰብ ጥውይዋይ ልብታት፡ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ ዘራይ ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዑ ደኣ ጋእ በሉ።
ሎሚ ብሰንኪ ኢሳይያስን ውሑዳት ጭፍራኡን ግዜ ምስ ሓንገደ፡ ንኩሉ ‘ህዝባዊ ግንባር’ ‘ሻዕብያ’ ‘ህግደፍን’ ኣብ ሓደ መኹባዕቲ ኣእትዮም ዘደባለቑዎን ብኣልማማ ኩነኔ ዝተራእየን። እንደገና’ውን እዞም ሰባት፡ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘብዕሎ “በዓል ባሕቲ መስከረም” “በዓል ናጽነት” “በዓል ሰማእታት” ከብዕሉን ክእከቡን ይረኣዩ። እቲ ናጽነት ብደሙ፡ ብኣዕጽምቱን ሂወቱን ዘምጽአ፡ እቲ ንሞት ብፍሽኽታ ዝተቐበለ፡ ከም ጽምብላሊዕ እናረኣየ ናብ መግሃር ሓዊ ዝኣተወ … እወ! እቲ ኣብ ጉዕዞ ንናጽነት ዝተሰውአ’ኮ ተጋዳላይ ኢዩ ዝነበረ’ምበር ቀሺ ዓጣን ደብሪ ኣይነበረን።
ህዝቢ ኤርትራ እምባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ እንከሎ፡ ዓለም ዘይገሰሱን ደናግልን ደቁ ኢዮም ተበጅዮም። ወዲ ሓጂን ወዲ ቀሺን፡ ምርያምን መርየምን፡ ትግረን ትግርኛን፡ ሳሆን ዓፈርን፡ ኩናማን ናራን፡ ብሌንን ሕዳርብን ኢዩ’ኮ ከፊሉ እዚ ህዝቢ። መስተንክር ጅግንነት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ድማ፡ ብርቂ መለክዒ ኤርትራውነት ኢዩ ዝነበረ። እሞ ንምንታይ ደኣ ልቢ ህግደፍ ጥራይ ከይኣክልሲ፡ ካልእ ጥውጥዋይ ኣድለየ? ኣብ ስርሒት ፎርቶ፡ ኣብ ውዕሎ ጅግና ወዲ ዓሊ ዝነበረ ሓዞቕዞቕ’ኳ ተማሂርናሉ ኢና። ብሳላ ግዜ፡ ከምቲ ‘ኣሎ ተካል ዕልልታ፡ ኣሎ ከኣ ርሑስ ኣውያት’ ዝበሃል፡ ንተበግሶ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ፎርቶ፡ ነንበይኑ ጸሎት ኢዩ ተሰሚዑ። እዚ ከኣ ካብ ነንበይኑ ልብታት ዝመንጨወ መንጫዕጫዕታ ኢዩ ዝነበረ። ንለውጢ ዓወት ብውሽጢ ንከይመጽእ ስግኣት ዝነበሮም ሰባት’ውን ርኢና’ኮ ኢና። ‘ኣሓ ርእዮም ቃውጭ ይሕጸዩ’ ከም ዝበሃል፡ ከደት ጉዳይ ፎርቶ ምስ ተባህለት ከኣ፣ ግምጥል ኢሎም ድጉሽቶትና! ኢሎም። ሽዑ፡ ንጅግንነት ወዲ ዓሊ ማዕረ ሰማይ ሰቒሎሞ ክነሶም፡ ሎሚ ንግሆን ምሸትን ዝዛረብዎ ግን ነንበይኑ ኢዩ።
ብድሕሪ ስርሒት ፎርቶ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ድሕሪ ምግምጋም ክንደይ ርሕቀቱ መንገዲ’ኸ ተሪፉና ኣሎ ምባል ንጉዕዞኻ ዝኸውን ጫማ ንከተዳሉ ይሕግዘካ ኢዩ። ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ ካብ መጻወድያ ኤርትራውያን ኣምሊጡ’ኳ እንተኾነ፡ ገና ብድሕሪ ወዲ ዓሊ፡ ብሃገራዊ ፍቕሪ ናይ ዝነደዱ ደቀባት ዝተደጎለ ጓህሪ ክህሉ ከም ዝኽእልሲ ንኣምን ኢና። እቲ ምንታይ፡ ጉዳይና ጉዳይ 5 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለዝኾነ።
ከምቲ ቀደም ግዜ ‘ሰስግኡ ንከልቢ እንዳ ጎይታና፣ ዓዓጽሙ ድማ ንዓና’ ዝበሃል ዝነበረ ጽውጽዋይ፤ እቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ጨው ዝፈረየ ተጋዳላይ /ኣብ ተ.ሓ.ኤ.ን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን/ ስለ’ቲ ደርማስ ኣበርክቶኡ ሓኸለ ናጽነት’ኳ ዝግብኦ እንተነበረ፣ ኣይከም ዝተጸበዮን! ስለዚ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኢልና ቅድሚ ምትላምና፡ ልብታትና ነወሃህድ። ንማሕበረ-ቁጠባዊን ፖለቲካዊ መዋቕርን ኤርትራ፡ ታሪኽን ውዕሎን ጀጋኑ፡ ህሉው ኩነታት ግንባር ህግደፍን ግንባር ህዝቢን ብደቂቕ ምትንታን ድማ የድሊ ኣሎ። ጥውጥዋይ ልብታት ያዕ ንበሎ!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!