ሓወይ ኣበይ ኣሎ!!!!!!!!

ሓወይ ኣበይ ኣሎ!!!!!!!!
ንዓይ ጠፊኡኒ ኣሎ!!!
ሓፍተይ ኣበይ ኣላ!
ጠፊኣትኒ ተሸሪባላ!!!

ኣበይ ኣሎ ሓወይ!!!!! ኣንታ ንገሩኒ!!!
ኣበይ ኣላ! እዛ! ሓፍተይ በጃኹም ኣዳልዩኒ!!!
እዚ ሓውይ እዚ ምቃል ጎነይ
እዛ ሓፍተይ እዛ ጽላል ዓይነይ!!!
ብጀካኣ!! ኣባዲ ዘይብለይ!!!!
ትራኣየኒ ኣብዛ!! ቕድሚ ዓይነይ።

እንኪ ዓቢ ዘራይ ዝኾነነልይ
እንኪ ዘልል ኣጆኻ ዝብለለይ
ኣበይ ከደ እዚ ሓወይ ናተይ
ጠፊኡኒ ሓወይ ድለዩለይ
ጸገመይ! ሕሰመይ!! ሕዝቢ! ፍለጠለይ።

እዚ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና
ኣቐዲሙ ከይዱ ራሕሪሑና
ኢሎምኒ! ከይዱ ነጻነት ከምጽኣልና
ኣይተመልሰን ቁሪ ኣእትዩልና
ምስከደሞ ምዓስሞ ጥዒሙና።

እታ ሓፍተይ ዝነበረት ጎርዞ
ንመርዓኣ እናተባህለ!!! ኣምጻኣዮ! ሓዞ ሓዞ!!!
ንበረኻ ከደት ወሰኸትሉ ንቓልሲ ጉዕዞ
ንስድራ ኮነ! ንዓድና ኣፍዘዞ
ነጻነት መጺኡ! ተፈጸመ ሃገራዊ ጉዕዞ።

ገረመኒ እቶም ዘይተመልሱ
ፈቐድኡ ሓሊፎ ጎቦ እናጠሓሱ
ዓስቢ ዘይርክርቦ ንብላሽ ፈለሱ
ወልዲ ስዉኣት ምንም ዘይተኻሕሱ
ኣብ ክንዲ ደበሶም ሰዓቡ ዝነኣሱ
ቅዱምን ድሑርን ኣሕዋተይ ዘይተመልሱ
ወዶም!! ጟሎም!! ዱር ዝጣሕሰሱ
በብሓደ ገዛና ፈሪሱ ።

ዝተመልሰ ሓወይ!!! ኣሎ ኣብቲ ዒራዒሮ
ማእሰርቱሞ! ኣብ ዓለም ዘተይገበሮ
ብማእሰርቲ ደንዚዙ ኣጥፊኡ ኣእምሮ
ናህና ሓዘን ክንደይ ኢልካ ክትይቑጸሮ።

ከይዱ ሓወይ ዱር ቀሳቂሱ
ብመረብ ሰገረ ዉሕጅውን ጥሒሱ
ቀጸለ መገሻ! ብረሻይዳ ተሓቢሱ
ዶልር ብምስኣኑ ከብዱ ተፈሪሱ
ኣብ ኩርቢት ሲናይ!!! ኣሕዋተይ ፈለሱ
ንወለዲ መንከ ኢዩ ደቢሱ
ሓዘን ናይ ገዛና ደጊሙ ተሓዲሱ
ወግሔ ጸብሔ ጸሊም ናብራ ንሱ!!!!
ዉላድ የለን ንንብዕት ዝሕብሱ።

ሓወይ ከይዱ ሰሃራ ሰጊሩ
ልብያ ኣትዩ ኣብኡ ተኣሲሩ
ብኽንደይ መከራ ኤውርጳ ተሳጊሩ
ናብራ ስደት ከርተዩ ሓዳሩ
እቲ ሓደ ኣብ ባሕሪ ሓዲሩ
ሓወይ ጠፊኡኒ! ዓሳከ!!!! ተደረሩ።

ዝተረፈ ኣይተቐብረን! ኣብ ሳዱቕ’ዩ ገና
ንዘይፈለጠ ኣብ ላምፓዱሱ ኢልኩም ንገሩልና
ኣይረኸበን ባይታ ናይ ሃገርና
ኣሕዋተይ ኮይኑ መቕብሮም ኣብ ጋህሲና።

ተሓቲተ ብናይ ሎሚ ሃዋርያት!!!!!!!!
ምስ ጨነቖም ናይ ሓወይ ኩነታት!!!!!
ኣበይ ኣትዩ ሓውካ??? ዚኹሉ ዓመታት?????
ሓቢኤዮ ንኸይዛረብ እዝኹሉ ዘበናት
ናይ ሓወይ ሓቢኤ!!ሳዕሲዔ ንብዙሕ መዓልታት!!!
ገልን ከይገብር!!! ንበይነይ ኣብዛ ብኽያት
ይኣኽለኒ! ተሓቲተ!! ክድሕድሖ እቲ ኣውያት!!!
ክወጽእ ንደገ! ኬኢዊ ኣብ ቕርዓት
ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩሉኹም ኣቦታት!!
ተሰዊሩ ሓወይ!!! ድለዩ ፈቀዶ ዓድታት!!!
ሲኢነዮ ሓወይ ንነዊሕ ዓመታት።

“ሓውኻ ዘይብሉ ኣይዓድኻን!!!!!!!!
ዓርክኻ ዘይብሉ ኣይጟይላኻን
ላሕምኻ ዘይብሉ ኣይደምበኻን
ጥሻኻ ዘይብሉ ኣይ ዓድኻን
ብሕጊ ዘይምራሕ ኣይስርዓትካን
ኣጽቂጥካ ምንባር ኣይጸንሓካን
ድለዮ! ንሓውኻ ኣብ ዓድን! ኣብ በረኻን!
ኣማኒ ካብ ኮንካ! ጥልመት ኣይናትካን
ዓደቦና ኮይና ወላድ መኻን”።

እቲ ሰይጥን! ሓወይ!! ሃገርና ኣንዲዱ!!!!!
ዝነገሰ ሓወይ!! እምብዛ ዓቢዱ
በርኻ ምስከደ ብዙሕ እዩ ሰዊዱ
ተቐይሩ እምብዛ መንጉዱ
ዓድና ኣብረሶ! ኣሲሩ ቐፊዱ
ሕጊ ንኸይገብር! እምቢሉ ሓንጊዱ
ኣጥመየና ክንመውት ኣፍቂዱ
ንዝሓትት ሓንቂቕካ! እናበለ ኣቢዱ
ዓለም ገሪምዋ ናይዚ ጭካነስ ገዲዱ
ንሕስያ ዘይብሉ ንህዝቢ ኣንዲዱ
ንመንእሰይ ኣብ ሓዊ ኣጚዱ
ህዝብና ኣደንቖሮ ብጓይላ ኣዕቢዱ
ክነብር ኣብ ከርተት ንስደት ኣስዲዱ
ኣብ ዓዲ ዝነብር! ብፍርሒ ቐይዱ
ሃገርና ኣጽነታ ጋንየን ተወሊዱ።

ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 29 ሰነ 2014

 

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.