ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእከ ፍሉይ መልእኽቲ

ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእከ ፍሉይ መልእኽቲ

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝነብሩ ሃገራውያን “ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት” ዝብል ጸዋዒት ሃገር ሓዘል ጽሑፍ ብስም ኤርትራን ህዝባን ይዝርግሑ ኣለው። እዚ መድረኽ እዚ ዕድል ኤርትራ ኣብ ኢድ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝወደቐሉ፡ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ብውልቂ ዝሕተተሉ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ታሪኻዊ መድርኽ ምኻኑ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። እዚ ጽሑፍ ከኣ እዛ ተስፋኣ ተጸንቂቑ ንሓዋሩ ንኸይትጸንት ትሰሓግ ዘላ ኤርትራ፡ ንኹሎም ደቃ በብሓደ እናጸወዐት ርድኡኒ ካብ ጥፍኣት ኣድሑኑኒ እናበለት ናይ ሓደጋ ደወል ትድውለሉን ምሕጽንትኣ ትገልጸሉን ዘላ ጽሑፍ’ዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ብዘይካ እቲ ይቕረታ ክሓትት ዘይፍቅደሉ ብፍላጥ ሃገር ዘዕኑን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ኢሳይያስ ኣፈወረቅን ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝተወሰነሎም መሻርኽቱ ውልቀ ሰባትን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ምሉእ ምሕረት ክግበረሉ ከም ዝግባእ ይኣምን። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኩሉ ይቕረታ ሓቲቱ ህዝቡን ሃገሩን ክኽሕስ ድልው ዝኾነ ዜጋ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ. ም. ምስ ፖለቲካን ሃገራዊ ጉዳይን ዝተሓሓዝ ዝፈጸሞ ገበናት ብምሉኡ ምሕረት ክግበረሉ፡ ብስም ሰማእታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ውሳንኡ የቕርብ። 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ መዓልቲ ሰላምን ዕርቅን መዓልቲ ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን፡ መዓልቲ ፍቕርን ምትሕቑቓፍን ኤርትራውያን ምእንቲ ክትከውን፡ እዛ ዕለት እዚኣ መብጽዓ ጀጋኑ ሰማእታት ብግብሪ ዝሕደሰላ፡ ካብ መሬት ኤርትራ ቂምን ቅርሕንትን ንሓዋሩ ዝሕከኸላ ዕለት ክትከውን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ውሳነኡን ምሕጽንትኡን የቕርብ። ካብ እዛ ምሕረት ዝተወሰነላ ዕለት ካብ 20 ሰነ 2014 ዓ.ም.  ንደሓር ብፍርሒ ይኹን ብረብሓ፡ ብትእዛዝ ይኹን ብውልቀ-ድልየት፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መሳርሒ ስርዓት ኢሳይያስ ክኸውን ዝፍትን ውልቀሰብ ንህዝቡ ይቕረታ ከም ዘይሓተተ ይሕሰብ። ብህዝቢ ንዝተዋህቦ ምሕረት ሸለል ኢሉ ኣገልጋሊ ኢስይያስ ኮይኑ ክቕጽል ብምምራጹ ከኣ ናይ ኩሉ’ቲ ኣብ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ በደልን፡ ናይ’ቲ ኩሉ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝፍጸም ገበናትን ብውልቁ ተሓታቲ ይኸውን።

ምሉእ ትሕስቶ ኣብ መርበብ ኣሰና…

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ! 1ይ ክፋል

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ!
1ይ ክፋል

ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ስዉኣት፡ ‘ንዓመታ ኣብ ኤርታር’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሓንቲ ስድራ ኣብ ዘመነ-ገድሊ ዘሕለፈቶ መሰክሕ ጉዕዞ ክንጸዊ ኢና። ዝተፈራረቐ ሂወት ገድሊ፣ ኣብቲ ንበይንኻ ምግዳል’ኳ ንጋዳ ዝነበረሉ ፈታኒ እዋን፡ ምግዳል ብስድራ ቤት ከመይ’ኮን ነበረ? ንሎሚ ፍቕሪ ሓዳርን ፍቕሪ ስድራ-ቤትን ክንርኢ ኢና’ሞ እስከ ዝግ ኢልና ንከታተል። ፍቕሪ ውላድ “ወሊድካ ፈትን’’ ዚብል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወሊዱ ዝፈተነ ኢዩ ዚፈልጦ። ፈተነ ኣብ ህይወት ወላዲ ናይቲ በሊዕካ እትጸግብ ተኸዲንካ እትማሙቕ ዘይመስሎ ርህሩህ ወላዲ። ሕጊ ተፈጥሮ ግዲ ኮይኑ ግን ውሉድ ምስ ወለደ ጥራይ ኢዩ ኣብ ውላዱ ዝፍትኖ። “ከብዲ ወላዲ ፈጥ-ፈጥ ከብዲ ውሉድ ገጥ’’ ዝብልዎ ከኣ ከምዚ’ዩ። ግን ከብዲ ወላዲ ከኣ ካብ እምኒ ዝጸንዓሉ ግዜ ኣሎ። እቲ ጊንጢ ተርእዮ ናብ ዝኸፍአ ጫፉ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ንምጭካን ዝወለደት ማህጸን’ኳ ትገድድ።

ተጋዳሊት ጸሃይቱ ፍሰሃየ ጓል 53 ዓመት ኣደ 6 ቆልዑት ክነሳ ምስ ኩላቶም ደቃ ንክትጋደል ኢላ ናብ ሜዳ ወጸት። ዋእ! ኣብቲ ንቁርባንን ስግዳንን ትቀራረበሉ ዝነበረት ዓመትሲ… ንገድሊ! እህምምምምም! ለካ ጉዕዞ ንናጽነትሲ ልዕሊ ቁርባንን ስግዳንን ስለዝነበረ ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮኑስ ዓበይቲ’ውን ዝተሳተፉዎ። ሎሚ ሓደ ነቢይ ከም ገለ ኢሉ፦ “ኢሳይያስ ሞይቱ ንክሓድር መን ኣላ 6 ቆልዑታ ሒዛ ንሳሕል እትኸይድ?” እንተዝብለናስ ኣየነይቲ ስድራ’ኾን ምተበገሰት! እስከ ናብ ታሪኽ ተጋዳሊት ጸሃይቱን ስድራ ቤታን ንኺድ፦
ጓል 53 ጸሃይቱ ብድሕሪ ምዱብ ታዕሊም ናብ ኮር 491 ተመደበት። ዕድመን ሕሰም ናብራ ገድሊን ኣብ ኣካላታ ዝገደፉዎ ኣሰር ንምርዳእ ነጋሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይነበረን። ጸሃይቱ ኩሉ ዓይነት ኣደ’ያ። ከም ኣደ ወላድ፣ ከም ኣደ ሓርበኛታት፤ ከም ንባዕላ’ውን መስርዕ ዝኾኑ ቆልዑት ገዲፋ ምግዳላ ክሳብ ክንደይ መዓቀኒ ነይሩዎ ይኸውን ሃገራውነታ?

ጸሃይቱ ኣብ 60ታት (ዘመነ-ክፍልታት) በቶም ቀዳሞት ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ተጋደልቲ በዓል ኣብርሃም ተወልደ፣ ናስር ኪዳነን ዳውዶን ተተባቢዓ ተወደበት። ሰውራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ኣብ ዓዳ ኣውህነ (ከባቢ ዓዲ ቀይሕ) ብምስጢር ንተጋደልቲ ትዕንግልን ትሕብሕብን ነበረት። በዓል ቤታ ተጋዳላይ መምህር ጸሃየ፣ መጀመርያ ኣብ ስሳታት ብሃገራዊ ጉዳይ ስለዝተኣስረን ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሜዳ ስለዝወጸን መነባብሮ ኣዝዩ ጸንከራ። ጸጉሪ እናቖነነትን ክዳውንቲ እናሓጸበትን ኢያ ንደቃ ከተዕቢ ዝጀመረት። ኣብ 1977 ከኣ እቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ደሪኹዋ ናብ ሜዳ ወጸት። እንተኾነ ደቃ ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለዝነበሩ ናብ መደበር ዑቕበኛታት ኢያ ኣትያ።

“መጀመርያ ንዝነበረኒ ናይ ምግዳል ድሌት ስለዘይተማላኣኣለይ ማዳን ጓህን ኮይነ። እቲ ዝተቐበለኒ ናይ ሓድነትን ሰሓቕን ማሕበራዊ ናብራ ግን ንህይወተይ ቀይሩዎ። ሕጉስቲ ድማ ኮንኩ።” ትብል። ኣብቲ መዓስከር ንዝነበረ ህይወት ድማ ትዝርዝር፣ ሽዑ ኣብ ደብዓት ተዓቚበን ዝነበራ ኣዴታት ንግሆ ተንሲአን ካብ ነፋሪት እናተሓብኣ፣ ክዳውንቲ ውጉኣት ኪሓጽባ ይውዕላ ነበራ። ገሊአን ሳኣኒ ስለዘይነበረን ነቲ ብብርቱዕ ጸሓይ ዝረሰነ ሑጻ ደብዓት /ሳሕል/ ኪረግጽኦ ስለዘይከኣላ፣ ባኮ ቀዲደን ብፈትሊ ሰፍየን ከም ጫማ ይጥቀማሉ ነበራ።

ሓንቲ ኣደ ባኮ ጫማ ኣብ እግራ ኣሲራ ነቲ ረመጽ ሑጻ ምስ ሰገረት፣ ነታ ደድሕሪኣ እትስዕብ ሩባ ዘይተሳገረት ኣደ ትድርብየላ ነበረት። ምስቲ ኩሉ ጽንኩር ሂወት ግን ኣጋ ምሸት ስርሐን ምስ ወድኣ፣ መጋርያ ኣጒደን ህር…! ዝበለ ጓይላ ይገብራን ይስዕስዓን። ኣብቲ መጀመርያ ተመኩሮ ከይደለባ ከለዋ፣ ዝተቖርጸ ስረ ወይ እጅገ እንተርእየን፤ ደቅና /ሰብኡትና/ ተቖሪጾም ማለት’ዩ እናበላ ይነብዓ ነበራ። ደሓር ግን ለመድኦ። ምኽንያቱ ኩለን ብረት ሒዘን ኣብ ግንባራት ክዋግኣ’ምበር ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ኮፍ ክብላ ድሌት ስለዘይነበረን። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ነባሪ ሕላገት ኤርትራውያን። ስለዚ መስዋእቲ ጀጋኑና ንብላሽ ኣይኮነን። ብርግጽ ከኣ ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና።

ጸሃይቱ ናብ ሜዳ ክትወጽእ ከላ ነብሰ-ጾር ኢያ ነይራ። ምስቲ ጽንኩር ግዜ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ድማ ኣብ ከብዳ ዕሸል ተሰኪማ በዲሃቶ። እዚ ተጠኒሱ ካብ ዓዲ ዝወጸ 6ይ ውላዳ ድማ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ወለደቶ። ነቶም ሓሙሽተ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ የእትያ፣ ነቲ ሕጻን ኣብ 10 ወርሑ ናብ መዕበያ ቆልዑት ገዲፋ ከኣ ንክትጋደል ናብ ሓይልታት ከደት። ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ግን ነቲ ዕሸል ምስ ረኣዩዎ፣ ካብ ግንባራት ተመሊሳ ወዳ ንከተዕቢ ሰሓብዋ። ሕጻን ምስ ዓኾኸ ድማ ኣብ 1982 ዓ.ም. ከም እንደገና ናብ ግንባራታ ተመልሰት።

ቦኽሪ ወዳ ኢሳይያስ ጸሃየ ቅድሚኡ ኣብ 1976 ንሜዳ ምስ ወጸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኢዩ ዓብዩ። ሓደ ካብቶም ብዋዒኦም ዝተፈልጡ ድማ ነበረ። ካብቶም ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘፍረየቶም ኣሽሓት መንእሰያት ኢዩ። ምስ ዓበየ ናብ ቅድመ ግንባራት ከደ። ድሕሪ ታዕሊም ግን ናብ ክፍሊ ጋራጅ መራፊት ተመደበ። ኣብ ግዜ 6ይ ወራር ድማ ናብ ግንባራት ሞሊቑ ባዕሉ ከተተ። ኣብ ግንባራት ንብጾቱ ምሂሩ፣ ሰሪሑ፣ ተዋጊኡን ከም መንእሰይ ድማ ኣፍቂሩን ተመርዕዩን ነበረ።

ከም ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ውግእን ሳዕቤናቱን ሕሰም ፍቕሪ ጀሚሮም ከይተጻገቡን ዕላል ፍቕሪ ከይተገላለጹን ዝተፈላለዩ ተጋደልቲ ድማ፤ ከቢድ ምፍልላይ ኣጋጢሙዎም። እነሃ ድማ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ወላዲቱ ዝጸሓፋ ደብዳበ ከምዚ ትብል፦

14/05/1990

ናብ ዝኸበርክን ዝተናፈቕክን ኣደይ ጸሃይቱ ፍስሃየ። ብመጀመርያ ድሙቕን ዕዙዝን ብጻያውን ውላዳውን ሰላምታይ ንዓኺ ይኹን።

ክብርቲ ወላዲተይ!

ኣብ ሂወትኪ ሓጎስ፣ ቅሳነትን ጥዕናን እምነየልኪ። ብኡ መጠን ኣብ ቀጻሊ ንጥፈታትኪ ዓወትን ኣሳልጦን ግስጋሰን እጽበ። ብምስዓብ ኣደይ ወላዲተይ ብወርሒ 4 ወረቐት ሰዲደልኪ ነይረ። ሕጂ’ውን ዳግማይ እሰደልኪ ኣለኹ። ኣነ ከም ቀደመይ ጽቡቕ ኣለኹ። ኩላቶም ብጾትን ስራሕን’ውን ጽቡቕ ኣለዉ። ንስኺ ሓርበኛዊት ኣደይ ከኣ ጽቡቕ ክትህልውለይ ሰናይ ትምኒተይ ኢዩ። ኩሎም ኣሕዋትናን ስድራናን ብጾትን ከኣ ጽቡቕ ኪህልዉ በዓል ዓቢ ተስፋ እየ። ኤደን ጽቡቕ ኣላ። ኣዱሊስ፣ መሪሕ፣ ተኽልንኪኤል ከኣ ምስቶም ርህሩሃት ስድራ ኣዴና ጽገሃና ጽቡቕ ኣሎዉ።

ዝከበርኪ ወላዲተይ!

ኣበባ ልክዕ ከምቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ሰማእታት ጽዋእ መስዋእቲ ተቐቢላ ዋጋ ሓርነት ኮይና ሓሊፋ ኣላ። ህላዌ ኣበባ ውላዌ ኢሳይያስ ኢዩ። ከምኡ ናትኪ። ጥማዕ ደም ኣበባ ግን ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ስለዚ ኣነ ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣበባ ኮይነ ዘይተሰዓርነተይ ከረጋግጽ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ ጨጓር ንውሽጢ፤ እነብሕን እምርሽን ኣለኹ። እወ! ድሕሪ ኣበባ ወላ ንሓንቲ ሰከንድ’ውን ትኹን ኣየር ኤርትራ ንከተንፍስ ፍቓደኛ ኣይነበርኩን፣ ኮይኑ ግን። ይኣክል ጸሃይቱ…የ! ብዙሕ ኣይተዛርብኒ። እቲ ምንታይ እናነባዕኩ ይጽሕፍ ስለዘለኹስ ድሕሪ ማይ፡ ንብዓተይ ናብ ደም ከይቅየር።

ንስኺ ከኣ ኣበባ ዚርሳዕ ሕላገት ስለዘይብላ፣ እንተለኹ ጽቡቕ ከምኡ እንተኾነ ከኣ ንስድራቤታ ኣይትጥለምዮም ሓደራ! ኣይትንገርዮም… ወይ እውን ዘጠራጥር ምልከት ኣይተርእይዮም። ካልእ ኩሉ ስእልታትና እሰደልኪ ኣለኹ። ዝተረፈ ስእልታትን ዶኩመንትን ምስ ወዲ ሽፍታ ኢዩ ዘሎ። ወዲ ሽፍታ ናብ እንዳ 24 ተቐይሩ ናብ ግንባር ከረን ስለዝተመልሰ፣ ሕጂ ክሰደልኪ ኣይከኣልኩን። ኣብ ቀጻሊ ግን ንካላኣይ ግዜ ኣሕጺብኪ ንክትሰድዮ እሰደልኪ ኣለኹ። ካልእ ናይ 89 ስእልታትና ምስ ወዲ ፈረጅ ኢዩ ዘሎ፣ ምስ ወጸ ኪሰደልኪ እየ። ኣበባ ቅድመይ ሓሊፋ ኣላ። ኣነ’ውን ንናጽነት ኣይክርእያን እየ። ብርግጽ እየ ዝብለኪ ዘለኹ። ግና ከም ቀደምኪ ንከብድኺ ክሳብ ህዝብና ብናጽነት ዝዕልል እምኒ ምልእያ። ብዝተረፈ ይኣኽለና። ምናልባት ንክንራኸብ ናብ ድግድግታ እንተትመጺ ጽቡቕ ምኾነ። እንተዘይተኻእለ ግን ቻው…ቻው!!! ረሲዐ’ባ ንጳውሎስ ሰላም በልለይ ኢኺ።

እዛ ዝሰደልኪ ዘለኹ ግጥሚ ግዜ እንተረኺበ ክሳብ ኣስፊሐ ናብ ካሴት ዝቐርጻ ንመዘከርታ ምሳኺ ሓዝያ። ኣፍቃሪተይን ክብርቲ በዓልቲ ቤተይን ኣበባ ብዕለት 09/04/1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፣ ግሓይት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ልክዕ ሰዓት 05፣30 ወጋሕታ ብቦምባ ኢድ ጸላኢ ኢያ ተሰዊኣ። ምናልባት ግዜ እንተተረኺቡ መቓብራ ከርእየኪ እየ።
ኢሰያስ “… ንጣብ ደም ኣበባ ዘይርሳዕ ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ኣነ ከኣ ጨጓር ንውሽጢ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ እምርሽ ኣለኹ።’’ ኢሉ ናብ ኣዲኡ ወላዲቱ ደብዳቤ ሰዲዱ። እንተኾነ ከም ሰብ መጠን ከይሓዘነ ኣይተረፈን። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ሓጺር ምዉቕ ፍቕሪ ብዙሕ ኢዩ ገጢሙ።

ኣብታ ጽሑፋት እትዕቅብ ንእሽቶ ኖት ቡክ ዓጺፉ ብውሕልነት ኣብ ጓል-ብስክሊቱ (ዕጥቁ) ኣንቢሩዋ ነበረ። ምናልባ ፍቕሪ ብሰለስተ ፊደላት እትግለጽ ሓጻር ሓረግ መሲላ ትርአ ትኸውን። ናይ ኢሰያስን ኣበባን ፍቅሪ ግን እቲ ኣብ መንጎ መዳፍዕን ደብዳብ ነፈርቲን ዝበቖለን ብሓዊ ዝዓምበበን ፍቕሪ ኢዩ። ፍቕሪን ብጻይነትን፤ ፍቕሪን ሓያል ዕላማን። ናይ ሜዳ ፍቕሪ፣ መርዓን መስዋእቲን ጉዳም ኢዩ። ክልቴኻ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ትምደበሉ ግዜ’ውን ብዙሕ ኢዩ። ኲናት እናክጽዕጽዕ ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእስኻስ ናይ ኣፍቃሪትካ ሂወት ይርኣየካ። እቲ ምንታይ ፍቕሪ፣ ስለ ፍቕሪ ጥራይ ስለዘይነበረ።

 

ሓወልቲ ኣብ ልብና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
20/06/2014
ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና

 

 

 

መልቀስ ንመምህር መዋእል መብራህቱ!!!!!!

መልቀስ
ንመምህር መዋእል መብራህቱ!!!!!!

ወየ!! ኣነነ!!!!! ወየ ኣነ!!!!!! ወየ!! ኣነ!!!!!!!
ኣብ ካሊፎርንያ!!! ኣይጥዑምን ወረ
ኣብ ሳንድያጎ!! ኣይጠዓመን ወረ
ኣብ ኣመሪካ ተረኽበ ሓዘን ዝመረረ
ኣንታ መንእዩ? መርድእ ዘበሰረ
መምህር ናይ መማህር ዓሪፉ ሓደረ።

ኣንታ! እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ
መምህር መዋእል! ከይዱ ወርሒ ሰነ
ሓረስታይ ዓድና ዝዘርኣሉ ረኸበ ሰኣነ
ኣይጥዑምን ወረ ናይ ለንቀነ
መምህር ጽዒሩ ንፍትሒ ከይቃዘነ።

መምህር መዋእል ተስፋ ህዝቢ
ትምህር! ትምዕድ! ንእሽቶ ምስ ዓቢ
ክትምረጽ ፓርላሚ ከም ሹም ንህቢ
ዓንሰባ ዓድኻ! ሓማሴን! ካብ ከባቢ
ኣብ ባይቶ ትምድር ከም ድቢ
ብዓል ሰፊሕ ኣእምሮ! ብዓል! ዓቢ ልቢ።

ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ እንከለኻ
ኣድልዎ ምስተገብረ ኣብ ቅድሜኻ
ዘንባዕ ኣዋጅ! ክእወጅ! ስለ ዝርኤኻ
ካብ ባይቶ ወጻእካ ደቂ ኤርትራ ኣኻኺብካ።

ኣባል ከለኻ መርማሪ ኮምሽን
ብሕጊ ትኸይድ ብዘይ ጉምብስ ድንን
ንሓደን ኣይትተክል! ንሓደን ኣይትነቅልን
ፍትሔኛ ነበርካ ንኹሉ ተማዛዝን።

ንሜዳ ኣቶኻ ክትጋደል ክትስለፍ
ኣብኡ ጸንሑኻ! ብዓል! ዘይዕጸፍ ዘይትንከፍ
ናይ ኤርትራ ሽግር ዘይውዳእ ዘይሽረፍ
መምህር! ቃልስኻ! ዘይጽንቐቕ ዘይኩለፍ
ትምህርቲ ይኹኖ! መንእሰይና! ይሰለፍ።

ቃልሲ በርቲዑ ምስ መረረ
ተጋዳላይ ንስደት ኣምርሔ ተባረረ
ፍትሒ ንኽደሊ ንዓለም ውን ዞረ
ሃገሩ ከይተመልሰ ኣብ ስደት ተቐብረ።

ህግደፍ! ባድመ ወሪሩ ምስ ጎበጠ
ኣቶ መዋእል መደረ! ኣፉውን ረምጠጠ
ብዓመጽ መርየት ከምዘይምለስ ስለዝፈለጠ
“ እጀታ ዘየጽናሕካ ኣይሰልጥን ብጎበጠ”
እናበለ መደረ! ህዝብን ከ! ሰሚዑ ኣስቀጠ።

መምህር ናይ መማህር ካብ ከደ ኣርሒቁ
ዝደንዘዘ ኣእምሮ ንክበራበር ነቓኒቑ
ኤርትራውያን ተንስኡ ፍለጡ ኣዳቕቁ
ጸገም ህዝብኹም ምሃሩ ኣዕምቑ
መምህር ኣይምለስን ከይዱዩ ኣርሒቑ።

መምህር ዝሓዘካ ሕማም ዘየቀኒ
ምስ ግዜ ዘይኸይድ ዘየዳኒ
መላእኽቲ ይውሰዱኻ! ናብ ክርስቶስ ጎኒ
ንዓናስ ምሕሸና ነይሩ ተትቕኒ
ንዓለም ካብ በልካያ ድሓን ኩኒ
ንሙሉጌትን! ንቄሳርን! ርኸበልና ብለን ዓይኒ!
መስዋእትኹም ይኹነልና መወዳእታ ሕሰምኒ
ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ኣይትበሉ ከበድኒ
መምህር ዓንዲ ማእከልዩ! ብዙሕ ኣይትሕዘኒ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 21 ሰነ 2014