መልቐስ ንጀነራል ዉጩ!!!!!!!

መልቐስ ንጀነራል ዉጩ!!!!!!!

ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ዓቢ ሰብ መይቱ
ዋላ ንጽለ ኣዮ! ዓቢ ሰብ ነይሩ ኣብ መንግስቱ
ክንነግረሉ ከምቶም ዝሓለፉ ኣሕዋቱ
ባህልናዩ ዓቢ ሰብ እንድሕር ሞይቱ
ራእሲ እኮ እዩ! ነይሮም ኣብ ሰዓቱ
ተግባሩ! ሕንጊድ ዘይገጥም ሓኽሊ ኣብ ልዓት።

ወየ!!!! ወየ!!!! ወየ!!!!!!!
ዉጩ ተባህለ ጎያያይ ዘላላይ!!!!
ጀነራል ከይዱ እዚ ዝባሃል ዘላላይ
እንታ ዉጩ ስምካ ጅግና ተቓላሳይ
ወዲ እዘን ጸላይት! ወዲ እዘን ኢታይ!!!።

ተባዕ ነይሩ ተወርዋሪ ተጋዳይ
እሙን ተላኺ ናይ ጎይታኡ! ዝብል ኣያያ!!!!!

ኣንታ ዉጩ !!!!! ዉጩዶ!!! ዘየበለ
ኣብ ልዕሊ ጸላኢዶ ዘይደበለ
ናዶው ክዝበጥ ከሎ ዘመስከረ
ኣብ ልዕሊ ረሳታት ደርጊ ዝተሰቕለ
ኣፍዓበት ሰጊሩ ንባጽዕ ነቐለ።

ታሪኽ ባጽዕ መሪር ክዝከረ!!!
ናይቀዳማይ ከይ ኣክል ካል ኣይ ዝመረረ!!
ኣብ ሳሊና ክንደይጂግናወ ዘይሓረረ
ክንደይ ጂግናሞ! ምስ ጨው ተጸምበረ
ሳሊና ዝተገብረ ክንደይ ኣሎ ዘይተነግረ
ክንርስዖ ንፍትን!! ታሪኽ መሪር ካብ ዕረ ዝመረረ
ኩሉ ገዲፍና ዓለልና ባጽዕ ምስ ተሰገረ።

ድሕሪ ባጽዕ ነቐለ ንደንከልያ
ዓሰብ ወደብ ነጻ ክገብራ ከሕውያ
ኣይጸንሔትን ኣስመራ ተታሕዘት ብዓባያ
መልእኽቱ ፈጸመ ዓሰብ ነጻ ደንከልያ።

ዉጩ!!! ዉጩ!!! ተጋዳላይ ጂግና
ፊደል ከይቖጸረንሜዳ ዘርከበ ቃልስና
ሃ!! ሁ!! ሂ!!! ኢሉ ዝጀመረ ኣብ ሜዳና
ተማህረ በብሓደ ከርክብ ንብጾትና
ክድይብ ኣብ እንግድዓ ሙሁራትና
ክዓጽድ ኣብ እዋን ሕቶን ርእይቶን! ቃልስና
መንድዓት ኮይኑ ንምሁራት ተጋደልትና
ተሓዝለ ኣብ እንግድዓ ጀጋኑና
ሕጽረቱ ፈሊጡ ኣርኪቡ ሓለፈና
እናበሉ ይገልጹ ገለ ገለ ብጾትና።

ኣንታ እዞም ካርነሽም ንዓኻ ወሊዶም
እዚ ኩሉ ጹሩራ ኣብ መንኮብ ናይ ሓዎም
ንባሕሪ ገጽኩም ከይትወርዱ ተባሂሎም
ንባሕሪ! ንፍልፍል! ከይትወርዱ በገዛእ መርየቶም
ተኸልከሉ መርየቶም! ብዙሓት ደቆም ኣሰዊኦም
እረ! ናታትኩም መዓርግ እንታይ ክኾኖም።

ወየ እዞም ሓማስየን ማይ ቛጺሮም
ኩሉኹም ጀነራላት ኮለነል ብላሽ ኮይኖም
መርየት እንዳቦኦም ክውሰድ ተታሊሎም
መሲልዎምደታ!! መንግስቲ ናይ በይኖም።

ደቂ ሓማሴን ኣሕዋቶም ኣታሊሎም
ኣይጥዑምን ዝቕኒ ሰብ ጹሩራ ኮይኖኖም
ዓዲ ንፋስ ሓማሰን ተሸየምቲ በይኖምን
ሰብተራ ኣለዉ ክመጹዮም የግዳስ! ኣጽንሕሎም።

ጀነራል ዓንድማይራም ወዲ ኻርነሽም
ወዲ ድምበዛን ዓንሰባ ወደ ደቂ ተሽም
ብዓል ፍልፍል! በዓል ባሕሪ ባራ መርየት ገሳስም
ንዘይ ፈተኻዮ ተብሎ ግስም!!! ግስማ!!! ግስማ!!!።

ኣንታ ጀነራል በትሪ ናይ ለባማት ኩሎም
ማሕጸ ጎራሓት ነበርካ ተብሎ ክርትም!! ክርትም!!
መደልደል ዓራት ዋላ መጺጽ ግጥም!!!!!!!!
ዝተገብረ ይገበር ኣይንገርን ሕትም! ተግባሮም
ወዳጀ ዉርዝውና ስጥም ግጥም! ኣመሎም
ነቓዕ ዘይርከቦ ኩሉ ሕትም!! ሕትም!!።

ወይ ዉጩ! እዚ ልቡ ዘይዓበየ!
ኽንደይ ስድራቤት ብኣኻ በኸየ
ክንደይ ጎበዝ እዎ ብኣኻ ተሳቐየ
ንኽንደይ በራዉር! ጎራዙ! እወ! ዘየብከየ
ክንደይ መራዑት ብኽያተን ዛረየ!!!
ፍትሒ ዘይፈልጥ ህዝቢ ዘብከየ!!
ንዘዕበይዎን! ንዝመሃርዎን!! ኣብ ጉድጓድ ዘእተየ።

ዓቢ ጀነራል ናይ ሃገር ኤርትራ
ብዓል ዓቢ ኮኾብ ብዓል ጹሩራ
ከይ ዓበየ ከደ ምስ እዚ ኩሉ ጉራ
ንጭካነ ቢዱ ዝዓተራ! ብኻራ ዝመትራ
ኣያይ!! ኣያይ!! እናበለ ሓኽሊ ኻራ።

መኪናኻ ክንደይ መናእሰይ ንሱዳን ኣስጊራ!!!
ኣንታ ክንደይ ኣብ ጉድጟድ ቀቢራ
ወዮ ዶላር!! ዛኣከብካዮ መን ይቑጸራ
ክንደይከ ካሻ! መጸ ካብ ረሻይዳ ሰብ ካራ
መሳኪን ቖላዑ ልቢ ዘይ ቖጸራ
ክንዲ ትሕብሕቡ ትሸጥዎም ንሰብ ካራ
ኣይጽብቑን ታሪኽኩም በብሓደ ይቕበራ።

ወየን እታይዶ ጸሎተን ኣብጺሔን
ወዮ ዉጩ! ወደን ምስ ኪዳን ከይዱለን
ኣብ ቃረዛ ኸሎ ዝስለም ወሊደን
ዝባኑ ከይተቐልዔ ብዓጀባ ተፋንዩ ወደን
ታሪክ ወደን ሓተላ ሃገር ምኻኑ ይነገረን!!!!

ፍትሒ ይንገስ
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንዳያና
ሰምየን ኣመሪካ
2 ማዝያ 2014

 

 

 

እምኒ ገበጣ!

እምኒ ገበጣ!

14 ሰነ 2014

“ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት” ዝብል ምስላ ኣበው፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ይመሳሰል። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ እውን ብሴፍ ዝበሃል፣ ዕሉም ብሂወት ክሳብ ዘሎ፡ ዝኣመነን ዝኸሓደን ኩሉ ክእሰርን ክጸንትን ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቶም ካብ መፋርቕ 60ታትን ካብ በዓቲ ዓላን ኣትሒዞም ናቱ ምስጢራት ዝፈልጡ፡ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ይሃልዉ ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስተር ይጸዋዕ ኣምባሳደር፡ ጀነራል ይሰየም ኮሎኔል፤ ትልኽ እናበለ በብሓደ ክጸጽዮም ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ጫፍ ጥርዚ ኣደይብካ፡ እንደገና ናብ ህጉም ምኽታቱ ውዒሉ ዝሓደረሉ ሕብራዊ ተዋስኦ ኢዩ። ዝግ ድሕሪ ዋንጫ!
ኢሳይያስ፡ መስትያት ኣብ ቅድሚኡ ምስ ኣቐመጠ ንነፍሱ ይፈልጣ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጥርጥሮ እውን ኣጸቢቑ ይርደኦ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ፡ እንተተመሰለሉ ስልጣኑ ንወዱ ንምውራስ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፡ ቀዳምነት ብድሕሪኡ ምስጢር ዝበሃል ክተርፍ የብሉን ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ፤ ከም ካልኣይ ጉዳይ’ውን ጽባሕ ንግሆ እሕሕ ዝብል ድምጺ ደቀባት ናብ እዝኒ ወዱ ክስማዕ የብሉን ካብ ዝብል እከይ ውዲት፤ ቅንጸላ መመሊሱ ክዓቢ ኢዩ። ብዙሓት ንሕቡኣት ምስጢራት ኢሳይያስ ዝፈልጡ ዝነበሩ ምስጢራቶም ተገኒዞም ሓሊፎም ኢዮም።

ገለ ውሑዳት እውን ኣብ ደገ ኣለዉ፤ ካብኣቶም ከኣ “ምስጢራትና ሒዝና ኢና ንቕበር” ዝበሉ ኣይተሳእኑን። እዚ ስለምንታይ ይኽውን? ንኣዳም ገረሞ ኢዩ። ቤተ መዘክር’ኳ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ደኣ’ምበር ኣብ ንየዋይ ዓለም ከም ዘሎስ ዝረኣዮ ሰብ የለን። ኢሳይያስ ብሰንኪ ዘይስምረትና፡ ኤርትራዊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ። ድምጽና ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ክሳብ ዕለተ ዕርበቱ ደም ሰባት ክሰቲ’ዩ።

ኣብቲ ንሱን መስትያትን ገጽ-ንገጽ ዝጠማመቱሉ መድረኽ፡ ቀዳማይ ጸላኢኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ ኢሳይያስ። ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣቐዲሙ ቤት ጽሕፈቱን መንበሪኡን ናብታ ከም መንገዲ ጻጸ ብሓንቲ ጽርግያ ጥራይ እትእቶ ወደብ ባጽዕ ዝገበሮ። መታን ስኽፍ ከይብሎ’ውን ንደቀባት ተቐማጦ ባጽዕ ብመኾስተር ጉሒፍዎም ኢዩ። ኢሳይያስ ንገዳይም ሓለውቱ ኤርትራውያን እውን ኣይኣመኖምን! ቀስ ብቐስ ንዕኡን ንኩሉ ኣገዳሲ ትካላቱን ዝሕልዉ ኣባላት ደምህት፡ ብፍላይ እውን ብታሕቲ ታሕቲ ደቂ ተምቤን ኣብ ምቁጽጻር ጸጥታ ኤርትራን ኣብ ምርመራን ምርሻንን ዜጋታትን ፍሉይ መፋትሕ ይህቦም ከም ዘሎ ካብ ኣዒንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሰወረን።

እቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰክዔት ፊሊጶስ ዝህደኑ ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ብኣባላት ደምህት ኢዮም ዝእሰሩ ዘለዉ። እታ ኣብ ትሕቲ ፊሊጶስ ብቀጥታ ተመዲባ ትኣስር ዘላ ጋንታ ደምህት ከኣ፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ይኹን ፖሊስ ኤርትራ ኣይፈልጣን ኢዩ። እህህህህም! ኤርትራዊ ዓሻ ላልማየ-ላሎ! እናደረፈ እንከሎ፣ መስታህብል ድማ ብዛዕባ ቅዋም የደናግር። ከምቲ መሬት ከብዲ ኣድጊ ጸኒሓ ቂሐ-ጽልሚ ትኸውን፤ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ ዘሎ ውዲት “ትግራይ ትግርኚ” እውን ውጥም-ቅልቅል ምባል ጀሚሩ ኣሎ። እነሆ እዚ በርቂን ነጎዳን “ትግራይ ትግርኚ” ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ። ‘ማይ መጸ በየን መጸ፣ ብጎዳጉዲ’ ከም ዝበሃል ድማ፡ ሰርቢ ዳግማይ ጥፍኣት ደቂ ኤርትራ ንክወርድ ኣዒንትና ናብ ሰማያት ንጠምት! እቲ ዘገርም፡ ኣዝዩ’ውን ዘደንጹ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሳይያስ ብብሩህ መንገዲ ዝኸዶ ዘሎ ዘይሰማምዕሉ ሰባት ምህላዎም ኢዩ።

ኩምራ ሰራዊት ደምህት ኣብ ኤርትራ፡ ዕርቡን ንዳግማይ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ደምህት፡ ኣንጻር መን ይቃለሱ ኣለዉ? ዋልቃይት’ዶ ጸቢቡዎም መሬት ጸገዴ! ተከዘ’ዶ ርሒቑዎም ጎላጉል ዳንሻ! ደጊም ኣንቱም ደሓን ኣለና እትብሉ ዘለኹም፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኹም ገዳይም ተጋደልቲ ንእሽቶ ዝተረፈት ጩራ እንተላ፡ ከይቀደመኩም እንከሎ ሎሚ ገለ ግበሩ። ዓሻ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት፡ ከምዚ ናትኩም ዝኣመሰለ ዕንክሊል ኢዩ ዝመስል። ብውሑዱ’ኳ ንሂወት ደቅኹም ኣውሕሱ።

ኩልኻ ገዲም ተጋዳላይ፡ ካብ ዓላ ክሳብ ብሌቓት ዝተዓለምካን ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ትሰርሕ ዝነበርካን፣ ምስጢራትን ገበናትን ኢሳይያስ እትፈልጥ ዘበልካ ተራኻ ቀሪቡ ከም ዘሎ ፍለጥ! ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ኩሉ ኤርትራዊ ሚኒስተር ይኹን ጀነራል ሮታመ ኢዩ።ተር ከም ዓተር! እምበኣር፤ ኣብ ቀረባ ሪጋ መስርዕ ሒዝኩም ከም ዘለኹም ፍለጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብዙሓት ኣብ እትናብለ ኢሳይያስ ፎቶሪኖታት ዝነበሩ ሰብ ባሊቃ ከም ዝስዕቡ፡ ኣከያይዳ ስርዓት ህግደፍ ይነግረና ኣሎ።

ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ብድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር፡ ናብ 2ይ መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስረ፣ እንደገና’ውን ብ/ር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) ተኣሲሩ ዝብል ውዑይ ዜና ሰሚዕና ኣለና። ካልኦት ሓደ ደርዘን ዝኾኑ ኮሎኔላትን ሌተና ኮሎኔላትን’ውን ናብ ዳስ ሓውያ ይቕጽሉ ኣለዉ። ‘ንገረብ ብሓኽላ’ ከም ዝበሃል፡ ሎሚ ኢሳይያስ ንዘጥፍአ ምስ ኣጥፍአ፤ እታ ሰባብ በትሪ ዲያብሎስ ንጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ ኣረኪብዎ ዘሎ። ብኢደ ዋኒኑ ንምጥፍኦም ኣጸጊሞሞ ንዝነበሩ ደቀባት ከኣ ሕጂ ብጀነራል ፊሊጶስ ገይሩ “ቾፕ-ላ” ክብሎምን ክጸጽዮምን ኢዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎኡ ፊሊጶስን ኣብ መንጎ ውጩን ዝነበረ ህልኽ፡ ኣብ ጎድኒ ውጩ ዝነበሩ መኮንናት ምክልኻል፡ ኣማሓደርቲ፡ ነጋዶ፡ ወ.ዘ.ተ… ደበና ጥፍኣት የንጸላልወኩም ኣሎ’ሞ ወይልኹም! በብሓደ ክቕፍደኩም ምዃኑ ከኣ ከይደቀስካ ዝተሓልመ ሓቂ ኢዩ።

ከምቲ ንምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ምስጢራት ኣምሊቑ፤ ከምኡ እውን ንስርሒት ፎርቶ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኢሉ ብድሕሪ ምጥቃኑ ነቶም ቀንዲ ዓንገልቱ ዓብደላ ጃብርን ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዘጥፍኦም፡ ሓደስቲ ንምእሳርን ምቕንጻልን ዝተረፉ ገዳይም እውን እታ ናይ 03 ወረ እትጥሕን ፋብሪካ ከም ብሓድሽ ተወቒራ ስራሓ ክትቅጽል ኢያ። ‘ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት’ ደጊም ከምዚ ናታትኩም ብሂወትኩም፡ ብዕድል ሃገርኩምን ብመጻኢ ደቅኹምን ምጽዋት ይመስል።

ምእሳር፡ ቅንጸላ፡ ምስማም ወ.ዘ.ተ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገዳይም ፈለጥቲ ምስጢራት ኢሳይያስ፡ ገና ካፋ ኢዩ ዘሎ፤ መቃነዪ ኢንፍዩዥን እንተረኺቡ ከኣ ኣልማማ ናይ ምእሳር ዳግማይ ማይ ኖህ ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ ‘ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብልዓዮ’ ኢዩ ነገሩ፣ ሰበስልጣን ህግደፍ ጸሓዮም ክትዓርብ እናረኣዩዋ፣ ካብ ወጋኢት ላም’ውን ኣየድሕኑን ኢዮም። ብውሕዱ’ኳ ነብሶምን ስድራ ቤቶምን ከድሕኑ ዘይክእሉ ብደዎም ዝተማረኹ ዳንደታት ኢዮም።

እምበኣርከስ፡ ኣንታ ሚኒስተር፡ ኣንቲ ሚኒስተርን ኣማሓዳሪትን፡ ኣንታ ጀነራልን ኮሎኔልን ኣንቱም ኣማሓደርቲ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ብድሕሪ ምጽጻይ እቶም ሓዋርያት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጉጅለ 15፣ ከምኡ’ውን ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ መሓመድ ስዒድ ባረ፡ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን ኮሎኔል ዓብደልራሕማን ጃስር፣ ድሒሮም ዝተቀንጸሉ ጀነራላት ኣማኑኤል ሃንጀማን ቫይናክን ገዲም ተጋዳላይ ደሱን፡ ምእሳር መሓመድ ዓሊ ዑማሮን ገና መመሊሶም ዝስዕቡ ዘለዉ ተጋደልቲን፤ ምጾታትኩም ይቀራረብ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርድኣኩም ዘሎ።

መቓብር ሓርበኛታት ቀይሕ ሓመዳ ጋሊሃን ኣፋ ሃህ ኣቢላን ትጽበዮም ዘላ ገለ ስሙማት ከኣ ኣብ ሱዳን ማጨሎት ይሕጸቡ ኣለዉ።
መናወራ! ንይምሰል፡ ገልጠምጠምን ተኽሊጥን ይግበር ኣሎ። ‘ስብሓት ዝመጽኣካ መዘዝ ኣይትስሓት’ ኢልና ኢና’ኮ። እነሆ ድማ ግሩም ተዋስኦ! ስብሓት ናብ ተራ፡ ፊሊጶስ ናብ እራራ ደየበ። ገና እታ ገበጣ ካልእ ጸወታ ከተርእየና ኢያ። ምምዛዝ ወልደንኪኤል ኣብራሃ ናብ ሓድሽ ስማዊ ሚኒስተር ከኣ ናይ ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ኩሉ ሚኒስተርን ጀነራልን ምስ ተቐጥዐ፤ ኢሳይያስ ፉንቲ ኮይኑ ንክተርፍ ዝተሃንደሰ ውጥን ግን ምልኽኻም ከም ዘስዕብ ንግምት። ምቕናይ-ምቕናይ ከም ዝበሎ ደራፋይ፡ ደጊምሲ ገለ ጉድ ክንሰምዕ ኢና።

ኩሉኹም መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ /እስላምን ክርስትያንን/ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ከምቲ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወሰድዎ ተባዕን ሃገራዊን ስጉምቲ ንምውሳድ ሎሚ ብተኹ። ሃገር ደጊም ዝተረፋ የለን! ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደሊ ዘሎ ኢሳይያስ? ከኣ መመሊሱ እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ‘ጻመውከ ለከንቱ’ ዝብል ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ ዝኸፈሎ ደም፡ ናብ ደመ-ከልቢ ገጹ ይኸይድ ኣሎ።

ብዘይካ ንኢሳይያስ እምኒ ዳዊት ምንጽጻር፡ ማጨሎት ይኹን ብሕሩድ ምጅላጥ ጥዕና ዝህብ ኣይኮነን። እሞ እንታይ ኢና ክንሰምዕ? ናብታ ገሃነብ ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ መን ይቐጽል! መቓብር ጸጸራት ከ ናይ መን ዕንባባታት ንምርኣይ ኢያ ክትጽበ?

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!