ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ – ቀዳማይ ክፋል

 ቀዳማይ ክፋል

                        ካብ  ፈጣሪኣስ  ፋሕጣሪኣ

ብዜካ እቶም ኣዒንቶም ዝዓወሩ ሕሉፋት ደገፍትን ምስ መላኺ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ኢድ ዝመለሱ፡ ምስኡ ሞትና ምስኡ ጥፍኣትና ዝበሉ ገበነኛታት ገዲፍካ፡ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ለውጢ ክመጽእን ክርእን ኣብ ክቱር ትጽቢትን ተስፋን ኢዩ ዘሎ፡፡ ነዚ ዓይነ ስዉር እውን ዳህሲሱ ዝፈልጦ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ስግኣት ኮይንዎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ነዚ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ቁጠዐን ነድርን ህዝቢ ኤርትራ ንምብራድ እዚ ቀታሊ ጉጅለ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕን ከምኣመሉ ብዘይ ጭበጥ መብጽዓ ንህዝቢ ከደናግርን ሎሚ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፍናዮ ናይ ጸላም ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ከም ሎሚ ብህግደፍ ኣይተሰርሓን ኣይበዘሐን፡፡ ይዋእዮም እቶም ንምስሊ ዝተቐመጡ ስማውያን ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን ከማን ተዘኪሮምስ ኣብ መሳኹቲ ቲቪ ኤረ ጉጅለ ህግደፍ ክረኣዩን ክዛረቡን በቒዖም ኣለዉ፡፡ እቲ ኣብ ደገ ኣብ ድያስፖራ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣሕዋት ንምድንጋር ጥራይ ተሓዚኡ ዝነበረ ኣኼባታት ሎሚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር ህዝቢ ነዛ ኮፍ ክብሉን ከዕርፉን እውን ትንፋስ ከሊእዎም ኣሎ፡፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ናይ ኣምሰሉ ኣኼባታት ዝስመዓኩም ግለጹ፡ ተዛረቡ ህግደፍ ጽገናዊ ለውጢ ክገብርን ኣካይድኡ ከመዓራርን ንዝተፈጸሙ ጌጋታት ስጉምቲ ክወስድን ኢዩ፡ ብምባል ኣኼባ ሰሚናር ገምጋም ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብታ ማዕከን ሓሶትን ግጭታት ከባብን ዓለምን ጥራይ እተቃልሕ  ትካል ህግደፍ ቲቪ ኤረ እኳ ንኽትሰምዖ ዘደንጹ መረረታት ህዝቢ ክስማዕ ተራእዩ ኣሎ፡፡ ክሳብ ብማይ ስሓ (ዝተዓሸገ ማይ) ሻህን ቡንን ነፍልሕ፡፡ ዋጓ ዝተዓሸገ ማይ ዘይንቡር ኣዝዩ ክባር ኮይኑ፡፡ ዝብሉ መረረታት ተሰሚዑ ኣሎ፡፡

ብመንጽሩ ኣብዚ ኢሳይያስ እሾኽ ዓጋም ክሓቁፍ እውን ዝፍትነሉ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዕራርቦ ግዜ፡ ዕርቂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንሰምዕን ይፍተንን ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ንልዕሊ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይንላዘብን ኣይንረዳዳእን ክበሃል ከም ዘይጸነሐ፡ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ በረኻታት ሲናይ ክትሰምዖ ብዘደንጹ ምስ ተሓርደ፡ ከም ኣቕሓ መሸጣ ኣብ ዕዳጋ ምስ ወረደ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መላሲ ኣውያት ዘይብሉ ምስጠሓለ፡ ኣብ ምድረ ሰሃራ ምስተጋፈዐ፡ ኤርትራዊ እግሩ ናብ ዝመረሖ ምስ ተበታተነ፡ ኤርትራ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ህዝቢ ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ምስ ተሸመመ፡  ኮር ተገልበጥ ክበሃል ንሰምዕ ኣለና፡፡ ስለምንታይ ኢዩ ሎሚ ኢሳይያስ ትፍኡ ክልሕስ ዝመጣጠር ዘሎ ኣጸቢቕና ክንርዳእን ክንፈልጥን ይግባኣና፡፡ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ተኻዒቡን ካብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራን ወጺኡን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፋፌት መቓብር ተገምጊሙ ክንሱ ቀባሪ ስለ ዝሰኣነ፡ ኣብ ቃሬዛ ተሰጢሑ ለኻኺሙና ክኸይድ ዝዓቕሙ ይፍትን ኣሎ፡፡ እታ ናይ መጠረሽታ ፈተነ ጉጅለ ኢሳይያስ እዚኣን ናይ መወዳእቱኡን ኢያ፡፡

መድረኽ መቐይሮ ለውጢ በጺሑ፡ በሲሉ ጥራይ ዘይኮነ ፈጋዕጋዕ ኣብ ዝበለሉ ህዝቢ ብማዕበል ክትንስእ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምልክን መለኽትን ሸውዓተ ሙዓሙቕ ደብዩ ሓርነቱ ከስተማቕር ለባምን መስተውዓልን ሕያዋይን ትርግታ ህዝቢ ዝሰምዕን ብግዝኣተ ሕጊ ዝቕየድን ወጃሂ ኣማእዛኒ ጓሶት ይደሊ ኣሎ፡፡ ዘሕዝነካ ግን ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ኣብ ዝብሉ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክሰምዑን ህዝቢ ዝደልዮ ነገራት ክገብሩን ዘይበቑዓትን ዘይኮኑን ምዃኖም ኢዮም፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ መንግስን ብዘይ ቁርዑይ ደምበ ተቓውሞን ዝበሎ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ሓቁ ኢዩ፡፡  ኣብ መገዲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘይኮኑ፡ ኣብ ሹኩሽኳ ጓል መገዲ ኣትዮም ዝገርዘሙ ምዃኖም ኢዮም፡፡ ድሕሪ ፍጻመ 21 ጥሪ 2013 ዝተራኣየ ማዕበላዊ ምልዕዓል መንእሰያት ክምህሮም ምተገበኦ፡፡ ድሕሪ ህልቂት ግዳያት ላምፓዱሳ ብውልቀ ተበግሶ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ባካሮ) ዝተራኣየ ምልዕዓላት ህዝቢ ዓይኖም ከንቁሑ ምተገበኦም፡፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዝብገስ ከምዚ ዓይነት ብርኩት ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተራኣዮ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ክገብር ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ኢዩ ደምበ ተቊሞ ኣብ ልቢ ህዝቢ ዘየለ……? እቲ መልሲ ባዕሎም ሓቲቶም ባዕሎም መልሲ ክህብሉ ክገድፎ እየ፡፡ ገለ ትዕዝብተይ ግን ካብቲ ብዙሕ ቁንጣሮ ወስ ከብል፡፡

ከም ውልቀ ጀማሪ ጸሓፋይን ብዙሕ ነገራት ዝጎድለንን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርእዮም ዓንቀፍትን ሓለኽትን ብፍላጥ ዝግበሩ ጌጋታት ኣዝዮም ይገርሙንን የሰንብዱንን ኢዮም፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ እታ ዕትብትና ዝተቐብራ፡ ዝዓበናላን ደምናን ረሃጽናን ዝኸፈልናላ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሕላገታ ኤርትራ ድዮም ዝዛረቡ ዘለዉስ፡ ዋላስ ንሕና ዘይንፈልጣ ኣብ ካልእ ፕላኔት ትርከብ ኤርትራ ኢያ ክትብል ዘድፍረካ ኢዩ፡፡ እታ ንሕና ንፈልጣ ኤርትራን እቲ ንሕና ንፈልጦ ህዝብን ምስቲ ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፈን ዘለዋ ውድባት ኤርትራ ዝብልኦ ፍጹም ዘይኮነን ዘይሳነን ኣብ ባይታ ዘየለን ነገር ኢዩ፡፡ ሕጂ ውን ክደግመሎም እቲ ንሶም ዝብልዎን ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎን ብሓደ የለን፡፡

ህዝቢ ኤርትራ መንዩ…? እንታይʼዩ ዝደሊ ዘሎ ርሑቕ ከይከድና ፍጻመ 21 ጥሪ 2013፡ ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ ቁጠዐ ህልቂት ላምባዱሳ ዘስዓቦ ማዕበላዊ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ባካሮ) ዝተገብረ ተበግሶን ዝተራኣየ ግብረ መልስን ደጊሞም ክርእይዎን ክመሃሩሉን ከዘኻኽሮም ይደሊ፡፡ እዚ ህዝቢ እዚʼዩ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክምጽእ ብሂወቱ ብግልበቱ ብገንዘቡ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ፡፡ ኣብ ሕድሕዱ ክደጋገፍን ሓድነት ሓይሊʼዩ ክብልን ብትሪ ንጉጅለ ህግደፍ ክቃወምን እምበር ክገዳዳዕ ክፈላለ ኣይተራኣየን፡፡ ግድን እንተዘይ ተፈላሊኻ ረብሓ ውልቅና ኣብ ምፍልላይካ ኢዩ፡ ዝብሉ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ክትርኢ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ካብቶም ቃልሲ ክንመርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከነረጋግጽ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ገለ መራሕቲ ውድባት ህዝቢ ካብኦም ንላዕሊ ነቒሑ እንታይ ከም ዘዋጽኦን ፈሊጡን ምህላዉ ዝዘንግዑ ይመስሉ፡፡ ኩነታት ኣብ ስደት ዝርከቡ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ ኮይኑ ብዘይ ዝኾነ መቐይሮ ሕጂ እውን ይኸይድ ኣሎ፡፡ ኣብ ክንዲ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ህጹጽ መልስን ስጉምትን ኣብ ልዕሊ ቀታሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝወስድ፡ ፍልልያቱ ኣወጊዱ በቲ ከሰማምዖ ዝኽእል ነገራት ብሓደ ሰሚሩ ኣድማዒ ስራሕ ዝሰርሕ ንፋሕጣሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኢሳይያስን ጉጅለ ህግደፍን ኢዩ መድሎ ዝኸውን ዘሎ፡፡

ይ…..ቕ……ጽ…..ል……

እዚ ጽሑፍ ውልቃዊ ርእይቶን ትዕዝብትን ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

 

 

 

 

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስያትል ኻይዱ

ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን ዝተጸውዔ ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናር ቀዳም ዕለት 2 የካቲት2014 ተኻይዱ። ሰሚናር ብቀንዱ ነቲ ብጊዝያዊት ኣካያዲት ሽማግለ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ዝነደፈቶ ሰነድ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ርእይትኡ ከንብረሉን ሓሳባቱ ክውስኸሉን ዝዓለመ ኢዩ ነይዩ።

Public Seminar Held in Seattle February 1-2014