መድረኽ፣ ካበይ ናበይ?

 መድረኽ፣ ካበይ  ናበይ?
                                                 18 ለካቲት 2014

         ካብ ክፍላ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ቆርበት ደምበ ተቓውሞ ሓደ ብንጹር ዘይልለ ጫሌዳ ቦቒሉ ርኢና። እዚ ብስም መድረኽ ኣብ ፖለቲካዊ ሰረገላ ኤርትራውያን ተወጢሑ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ጉጅለ፡ ከምቲ “ነቓዕ ሓምሓም ንክትፈልጥ ማይ ኣእትወላ ዝበሃል፥ ክሳብ እቲ ዝበቖለ ባልጋ ብንጹር ዝልለን ሰራውሩ ዝፍለጥን፣ ነዞም ሰባት ገማጢልና ክንከታተሎም ጸኒሕና። እዞም ሰባት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ረዚን ሓላፍነት ስርዓተ ህግደፍ ዝነበሩ እውን ኢዮም። ብዛዕባ ኣብ እዋን ገድሊ ይኹን ግዜ ናጽነት ዝነበሮም ሓላፍነትን ጉዳያትን ክንጸባጸብ ኣይምደለናን። እቲ ምንታይ፡ ህዝብና ኣብ ደረጀ ኣፍ-ኣርክቡ ስለዘሎ። እቲ ምስ መድረኻውያን ዘተሓታትት ዘሎስ፡ ካብ ኣበጋግስኦም ዘይንጹርን  መንገዲ ለይቲን ስለዝተኸለሉ ጥራይ ኢዩ።
        ስለዚ ብዙሓት ሰባት ገለ ዶ ኾን መደያይቦ ናብ ጥርዚ ሓርነት ተረኺቡ ይኸውን ዝብል ሃሳሰ-ለባም ኣይተሳእነን። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንጥፍኣት ርብዒ ጎደል ዘለወሉ ግዜ፡ ብኡን ፈረቕኡን ዝበሃል ተወስር ክተርፍ ምተገብአ። ገለ ተቓለስቲ ካብ ምምስራት መድረኽ ኣትሒዞም ዝከኣሎም ከቃልዑ ጸኒሖም ኢዮም። ናይ መድርኻውያን ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፣ ኣብ ከባቢኦምን ብድሕሪኦም ዝነበረ ደበንገረን ክቕላዕ ነይሩዎ። ሓያለይ ሰባት ንኣከያይዳ መድርኻውያን እናፈለጡዎ ክነሶም፡ ዛጊት ገለ ሓበሬታ በጨቕ ኣየበሉን። እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበበይኖም ሕብርታት ክደናገር የብሉን። እዚ መንእሰይ እዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኸተሎ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ፖሊሲ፡ ናይ ታሪኽ ዘኽታም ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ታሪኹን መንነቱን ክፈልጥ ደኣ እምበር ናብ ዕግሽግሽ ክኣቱ ኣይመድለየን። ደጊም ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዝተረፈ ነገር የለን። ምድንጋር ከኣ ይኣክል! 
        ስለምንታይ መድርኽ? መድረኽ እንታይ ኢዩ? ቀንዲ ተዋሳእቲ መድረኽ መነመን ኢዮም? ከባቢያዊን ዓለም-ለኻዊን ዝምድንኦም ከመይ ይመስል? ዘካየዱዎም ሕቡኣትን ግሁዳትን ኣኼባታት ኣበይ ነበሩን ከመይ ይመስሉን ነበሩ? ወ.ዘ.ተ… ብህድኣት ክንርእዮም ጸኒሕና።
        መድረኽ ንጽገና ዝተበገሱ ድዮም ወይስ ንመሰረታዊ ለውጢ? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘይመሽመሸ ኣካል የለን። ስለዚ ጽገና ነየናይ ኣካል ህግደፍ ኣልዮም ኢዮም ነየናይ ከትርፉ? ኣየናይ ኣካል ኢዩ ክጥባሕ? ኣየናይ ኣካል ከ ክስፈ ኣብ ዘይበሃለሉ፤ ንመሰረታዊ ለውጢ ኢና ተበጊስና እንተዝብሉ ዶ ኣይመምሓረሎምን። ኣብ ከምዚ እንርእዮ ዘለና፡ እሞ ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ ምስዚ ትማሊ ዝገበሮ ናይ ኣኽር ንዕቀት ቃለ-መሕትት ከመይ ገይሮም ኢዮም ንህዝቢ ኤርትራ መሰጋገሪ ቢንቶ ክኾኑዎ?
        << … ኣብ ውሽጢ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሉዋት ሰባት ኣለዉና። እዛ ሃገር ዳግማይ ሶማል ከይትኸውን ጥራይ ብደገ ዘለኹም ሓደ ኩኑ እምበር ንኢሳይያስ ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና። ንዓኹም ንምጽባይ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ወዲእናዮ ኢና … ምስጢራዊ ውዳቤና ከኣ ተጻፊፉ ኢዩ>> ዝብል ሃበስ-ቀደስ እኳ እንተሰማዕና፡ ካብ ንዓመታ ደርሆስ ሎሚ ዘበን እንቋቑሖ ከም ዝበሃል፣ እቲ ፍታሕ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚን ሕጂን ክኸውን ምደለናዮ። እቶም ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና ዝበሉዎምሲ ክሳብ ዮም-ኣል-ቕያማ ድዮም ክጽበዩ? ብኢዱ ክሕዝዎ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ከ ሃገር እናጸደፈትን ህዝቢ እናጸነተን እንታይ ኢዮም ክጽበዩ?
        ጉጅለ መድረኽ ዝምድንኦም ምስቲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ዝኾነ መንእሰይ /ደብረዘይቲ፡ ቦሎኛ/ ብከመይ ኢዩ ዝምዘን? ምስ ደምበ ተቓውሞ … ብዘይ ኣፈላላይ ጀብሃን ሻዕብያን ከመይ ነይሩን ኣሎን ኣብ እንዕዘበሉ ከኣ፡ መንገዶም ብንጹር ክልለ ተኻኢሉ ኣሎ። ቅድሚ ብዛዕባ ሓደ ጉጅለ ምዝራብ፡ እቶም ንጉጅለ መድረኽ ዘቖሙ ሰባት በብሓደ ምርኣዮም ኣገዳሲ እመስለኒ። ስለዚ እዞም ሰባት እንታዎት ኢዮም? ኣብ ደገ ካብ ዘለዉ ተቓወምቲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ከ ንበዓል መን ሒዞም? ከመይ ዝበለ ጻውዒት ገይሮም? ኣየናይ ሃገራዊ ዋዕላን ምትእኽኻብን ገበሩ? ገሊኦም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊኦም ግን ብጋህዲ ኣይነበሩን። እቲ ዘተሓሳስብ ዘይምንባሮም ዘይኮነስ፡ ኣከያይደኦም ኢዩ። እቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ ኣባላት መድረኽ፥
               1. ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
               2. ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ
               3. ኣቶ ዓብደላ ኣደም  ኢዮም።
        እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ ዘይግሉጽነቶም ግን ካልኦት ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓብኡ ጎሓላሉ ክህልዉዎም ከም ዝኽእሉ ንጥርጥር ኢና። እሂናይ ደኣ ዘይንጥርጥርሲ! መራሒ ህግደፍ ገበነኛ ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዘይፈተኖ እከይ ተግባራት ከም ዘየለ ኮ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጭፍራ ህግደፍ ዝነጥፈሉ ጉዳይ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። እዚ ስራሕ እዚ ከኣ ካብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብናህሪ ይሰርሕ ነይሩን ኣሎን። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንጽሕፎን ንዛረቦን ዝነበርና፤ ሎሚ እውን ዓው ኢልና እንደግሞ፣ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ፣ እቲ ቀንዲ እሙን ሳተላይት ኢሳይያስ፡  መስፍን ሓጎስ ኢዩ።
        መስፍን ከምቲ ስጋ ዓሳ ከይሓረድካዮ ሕሩድ ዝበሃል፡ እሙን ኣገልጋሊ ህግደፍ ምዃኑ ካብታ ዝወጸላ መዓልቲ ኢዩ ተፈሊጡ። መስፍን ብዘይካ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ብድሕሪኡ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። መስፍን ኣብ ህዝባዊን ቅዋማዊን መንግስቲ ኤርትራ፡ መንበሪ ፍቓድ ከም ዘይረክብ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ንዝሓልቀመ መሓውር ህግደፍ ብመራኹስ ካብ ምድጋፍ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። በቲ በብዓመቱ ዝቃልዖ ዝነበረ ግሁድ ተግባራቱ፡ ሎሚ ንወላ ሓደ ሰብ እውን ከእምን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኮምፓስ ኢሳይያስ ኣብ ደገ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ንካልኦት ጳጳሳት ክትደሊ ነይሩዋ። መስፍን ሓጎስ ከም ተመን ክረምቲ ቆርበቱ ካብ ዓርደደ፣ ካልኦት ሓድሽ ዕፋፈት ዝቐየሩ ተዋሳእቲ ክወፍሩ ነይሩዎም። እዚ ድማ ግድነታዊ ክላሲካዊ ኣከያይዳ ስለያዊ ተግባራት ኢሳይያስ ኢዩ።
       እስከ ናብዞም ንመድረኽ ዘሳስዩ ዘለዉ ተዋሳእቲ ጋእ ንበል። ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃንን ዶክተር ኣሰፋውን ንግዚኡ ዝብሎ ጉዳይ የብለይን። ግን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ቅድሚ ምብጋስ፡ ንድሕሬኻ ምርኣይ ወይ እውን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ምዝራብ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ ጉዕዞ ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ። ዓብደላ ኣደም መን ኢዩ? ታሪኹ ኣብ ዘመነ ገድሊ ሞ ይጽንሓልና! ብቐንዱ ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሙ ድዩ? ዓብደላ ኣደም ሃዲሙ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ፣ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ /ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ/ ዓብደላ ኣደም ብህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ጠሊሙ ከም ዝኸድዐ ተዛሪባ ምንባራ እዝክር።
        ስለምንታይ ንዓብደላ ኣደም ጥራይ ተዛሪባትሉ? ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም ነቲ ስርዓት እንተ ብሓቂ፡ እንተስ ብውዲት ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ኣይተዘርበሎምን።“ኣቶ ዓብደላ ኣደም ካብ ሱዳን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ንክጽንበር ኣይደንጎየን። ታሪኹ ከም ዝምስክሮ ከኣ ካብ ዝጽንበር ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ብዘይካ ንዘዝረግአ ምብታን፡ ንሱ ዘርግኦ ሓሊብን ዝሓቖኖ ኣልባን ኣይነበሮን። ስለዚ ሎሚ ደኣ ከመይ ዝበለ ሱባኤ ኣትዩ ኢዩ መሰጋገሪ ድልድል /ቢንቶ/ ኮይኑ ናብ ኤርትራ ከእትወና።
        ደምበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ንሓሸውየ ዝተፈጥረ ዕንኪላሎ ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ተራን ኣከያይዳን ዓብደላ ኣደም ዘይተዓዘቦ ኣይኮነን። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ ኣየሕደረንን፡ ከም ዝበሃል፤ ካብ ሎሚ ሌላን ጉሌላን ከምኡ ድማ መንገዲ ጸልማት ምኻድ  ዝጀመሩ ጉጅለ መድረኽ፣ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ብፍላይ ከቃልዖምን ክፍንፍኖምን ከም ዝግባእ ከዘኻኽር እደሊ። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ መስተርሆት ንምርካብ፡ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ሰንሰለት ክፈጥር ኣለዎ።  ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ውሽጢ ኢዩ።
         ባይቶ ብመኣዝንቲ፡ ዓይበት ብመቛርንቲ ከም ዝበሃል፤ ሓለፍቲ መድረኽ ኣብ ክንዲ ብጸልማት ብብርሃን እንተትኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንበይንኹም ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤርትራ እንተትመኽሩ መምሓረልኩም። ንሕና ጥራይ ኢና ለባማት፡ ንሕና ጥራይ ኢና ምሁራት፣ ንሕና ጥራይ ኢና ተቓለስቲ … ንሕና ጥራይ ኢና ክንመርሕ ዝግባእ ምባልኩም፤ ኣል-ጂዓን የሕለም ቢል ዒሽ!!
 
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ!!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

 

 

 

ኣህጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2014

ዕድመ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ 

ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤረትሪያን  ኮሞኒቲ

ንኹሉ ስያትልን ከባቢኣን ብኣክብሮት ትዕድም