ህግደፍን ውድባትን ኣብ ሓደ ሓዲድ – ካልኣይ ክፋል

ካልኣይ ክፋል

                       ህግደፍን ውድባትን ኣብ ሓደ ሓዲድ

እዚ ጽሑፍʼዚ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ምስ ህልው ኩነታት ጉጅለ ህግደፍን ኣካይዳ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞን ብምንጽጻር ብርግጽ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቃለስን ንሰርሕን ኣለናዶ ንዝብል ክምለስ ዝግበኦ እዋናዊ ሕቶ ዝድህስስ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘቕርቦም ሓሳባት ንዑኡ ብዘንጸባርቕ ዝቀያየር ምዃኑ ቀዲመ ከዘኻኽር ይደሊ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ኣብዚ ዘቕርቦ ሓሳባት ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፎም ዘለዉ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ዝነቅፍ እኳ እንተዘይኮነ፡ ጌጋታት እናተፈጸሙ ደምበ ተቓውሞ ክስጉም ኣይኮነን ምንቕ ንኽብል እውን ከልኪልዎን ዓጊትዎን ዘሎ ሓላኺ ፍጹም ዘየቀራርብን ዘየረዳድእን በታኒ ሓሳብ ገለ ውድባት፡ ናብ ህዝቢ ብዓውታ ብዘይ ምቅልሖም ካብቲ ጌጋ ነጻ ኢዮም ክትብል ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ዝብሉ፡ ቁስሊ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋናት ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ኢዩ፡፡ እዚ ቁስሊ እዚ ክሓዊ እንተኾይኑ ሓደው ክጉዳእ ወይ ድማ እቲ ጋንግሪን ዝገበረ ኣካል ተቖሪጹ ክእለ ኣለዎ፡፡

ሎሚ ኢሳይያስ ዝመርሖን ዝዝውሮን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ኩነታት ኢዩ ዘሎ፡፡ ልዕሊ እዚ በሲሉ ፈጋዕጋዕ ዝበለ እዋን ንደምበ ተቓውሞ ዝበለጸን ዝሓሸን ግዜ ድማ የለን፡፡ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ግዜን ኩነታትን መዝሚዞምን መዚኖምን ካልእ እንተ ተረፈ ናብ ረብሐኦም ክቕይርዎን ክገብርዎን ብሓባር ክሰርሑን ክቀራረቡን ይግበኦም ነይሩ፡፡ የግዳስ ኣብ ሕድሕድ ምክሳስን ከም ኣነባብራ ዓሳ ንሕድሕዶም ኣብ ምብልላዕን እምበር ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ይገብርን ይሰርሕን ኣሎ ፋዕራ ውን ዘለዎም ኣይመስሉኻን፡፡ ትጋገዩ ኣለኹም እዝን እዝንዩ ክግበርን ክስራሕን ዘለዎ ኢልካ እንተ ነቒፍካዮም ድማ፡ ልክዕ ከምታ ጉጅለ ህግደፍ ወያነ ኢዩ ኢሎም ዘጸልሙኻ፡ ካብ ህግደፍ ብዘይፍለ ልኡኽ ናይ ህግደፍ ኢዩ ዝብል ቅጽል ስም የልጉቡልካ፡፡ ሃናጺ ሓሳብን ርእይቶን ዘቕርብ፡ ንጌጋታት ብትሪ ዝቃወምን ዓገብ ዝብልን ምስ መራሕቲ ውድባት ተሳንዩ ክኸይድ ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡ ኣብ ገለ ገለ ግዜ እዞም ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ካብ መላኺ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልዮም እንታይ ኢዩ……? ኢልካ ንኽትሓትት ዝድርኸካ ኢዩ፡፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓንቲ ሓዲድ ይጓዓዙ ከይህልዉ ትጠራጠር፡፡

ዘለናዮ ግዜ ሰዓታት ህግደፍ ዝእለየሉ በጺሑ ጥራይ ዘይኮነ ሓሊፉ እውን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብ ድኻማትናን ፍልልያትናን ኢዮም ተዐቒቦም ዝነብሩ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ መራቲ ውድባት ደምበ ተቓውሞ ግዜ ቀዲምዎም ይሕምበብ ምህላዉ ተገንዚቦም ካብቲ ከቢድ ድቃሶም ማይ ዝሑል ተሓጺቦም ክበራበሩ ኣለዎም፡፡ ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ማለት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጀመርያ ዕለታት ወርሒ ለካቲት 2014 ብመትከል ብዕላማ ዘይኮነ ህሉው ኩነታት ኣገዲድዎም ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ኣፈናዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ጭቡጥ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ ክሰዓብን ክድፋኣሉን ዝግበኦ ተበግሶ ምዃኑ እናኣመንኩን እናደገፍክዎን ግን፡ ሕጂ እውን ብሓደ ኣቦ መንበር ናይ ሓንቲ ውድብ ተዘሪቡ ካብ ዝተባህለ ነጺህካ ብመትከልን ዕላማን ተኣማሚንካ ኣብ ምስራሕ ስግኣትን ትዕዝብትን ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ንስራሕ ዘይኮነ ንስለ ጥዑም ስም ከም ምሕዝነት ኪዳን ባይቶ ከይከውን ትሰግእ፡፡ መራሕቲ ውድባት ናብዚ ሕጂ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ዝብል እዋናዊ ሕቶ ክበጽሑ ከቢድ መሰናኽልን ከም ዝሓለፉ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ግዳ ሕጂ እውን ብዙሓት መራሕቲ ውድባት ደምበ ተቓውሞ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ መን አዩ….? ባህርያቱን ኣነዳድቑኡን ከመይ ዝበለ ኢዩ……? ምልኪ ስልጣኑ ንኽዕቅብ እንታይ ሜላን ሽርሕታትን ይገብር ….? ንዝብሉ ቀዲሞም ክፈልጥዎም ዝግብኦም ነገራት ብትኽክል ዝፈልጡን ዝተገንዘቡን ኣይመስለንን፡፡ ወይ ድማ ከምቲ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ዝበሃል ረብሓናን ስልጣናን ኣብቲ  ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅበሎ ፈላላይ ርካሽ ሓሳቦም ተሓቢኦም ውድብ ዘይኮነ መንበሪ ድኳን ከፊቶም ኣብ ሓሸውየ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኢዮም፡፡ ከምዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ምኽንያት ካብ ባዶ ነቒለ ዘይኮንኩ ብተደጋጋሚ ዘልዕልዎ ሕቶ ኣብ ባይታ ዘየለ ንምስሊ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ካልእ ኣንፈት ቀይሮም ኣብ ክንዲ ንለውጢ ብሓባር ምብጋስ ግዜኦም ኣብ ሸንኮለል የሕልፍዎ ስለ ዘለዉ ኢየ፡፡

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጹሃት ኤርትራውያን እናቐተለን እናኣሰረን እናረገጸን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተሸቕሪሩ ኣብ ፍርሒ ተዋሒጡ ክነብርን ተማእዛዚ ናይ ምልኪ ስልጣኑ ክኸውን ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመታት ብዝተራቐቐ ስልቲ ዝሰረሓሉ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ብግስ ክብል ንዕኡ ከም ነብይ እናርኣና ከናብሮን ከስርሖን ዝኽእል እከይ ነገራት ገና ካብ በረኻታት ሳሕል ነዲፉን ሰሪሑን ኢዩ፡፡ ንኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ኣቃቲልዎም ኢዩ፡፡ እቲ ፍጹም ክርሳዕ ዘይክእልን ዘይሃሰሰን ናይ ቅትለት በሰላታት ገድሊ ኤርትራ መን ንመን ብመን ተፈጺሙ ንሱ ዝግለጸሉ መዓልቲ ንግዜ ገዲፍና፡ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ምልኪ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን እንታይ ዓይነት መገዲ ኢዮም ተኸቲሎም ግን ካብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ኣብዚ ዳሕረዋይ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ሚሊየነም ዝኸዶ መገዲ ኣሽንኳይ ብዕድመ ዝበሰለ ማዓንጣ ዘየቆጸሩ ኤርትራውያን ህጻናት እውን ተገንዚቦሞስ ኣደዳ ስደትን ጭውያን ኮይኖም ኢዮም፡፡ ዘሕዝነካ ግን መራሕቲ ገለ ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ነዚ ጉዳይ ዘይፈልጥዎን ዘይሓስብሉን ምዃኖም ኢዮም፡፡

ከም ትዕዝብተይን ገምጋመይን ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣርባዕተ ንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን ዝፈራርሑን ተማእዛዝነቶም ብቐጥታ ንሓለቖኦም ኢሳይያስ ዝኾኑ መሓውራት ዝተኸፋፈሉ ኢዮም፡፡ እቲ ቀዳማይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት ጉጅለ ህግደፍ ዝተቛታጸረ እሙን ክፍሊ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ብስም ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ስለላን ሽርሕን ምእሳርን ምቕታልን ዝተዋፈረ ዓብይ ትካል ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ንወተሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን ዝጸቖጻጸረ ዓንዲ ሕቆ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ እቲ ራብዓይ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ኣዝዩ ምስጡር እንተላይ ንጀነረላትን ሚኒስተራትን ዘጻሕጽሖምን ዘባህርሮምን ቀታሊ ጉጅለ ትንፋስ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ ብዜካ እዞም ኣርባዕተ ጉጅለታት ኣብዚ መጠረሽታ ሰዓታት ኢሳይያስ መድሕን ነብሲ ክኾኖ ዝኽእል ግዳማዊ ሓይሊ ደምሒት እውን ሰሪሑ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡

ኢሳይያስ ዝመርሖ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ውዳበን ቅርጽን ካብ ሃለዎ፡ እዚ ቀታሊ ጉጅለ ነየናይ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ ዝውክል…….? እዚ ስርዓት እዚ ብሄር ሃይኖት ወገን ዝበሃሉ ባህርያት ዝተዓጥቀ ድዩ….? እዚ ሕቶ ንስለ ሕቶ ኣይኮንኩን ኣልዒለዮ ዘለኹ፡፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ክፍወስ ዘይተኻእለ ክሮኒክ ሕማም ስለ ዝኾነ ኢየ፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ፍትሒ ይንገስ ኢሉ ዝቃወሞ ዘሎ ኤርትራዊ ንገለ ምስ ሃይማኖት ንገለ ምስ ወገን እና ጠቀነ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጥርጣር ከእትዎ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ዘሕዝነካ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ቅትለትን ማእሰርትን ግልያነትን መሪርዎ እግሩ ናብ ዝመረሖ ፋሕ ብትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኣለና ካብ ዝብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ከይተፈለጦም ምስ ህግደፍ ኣብ ዳሕረዋይ ባጎኒ ተወጢሖም ኣብ ተመሳሳሊ ሓዲድ ይጓዓዙ ምህላዎም ኢዩ፡፡

ይ………ቕ………ጽ………ል……

እዚ ጽሑፍ ውልቃዊ ትዕዝብትን ርእይቶን ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]