Ethiopia’s middle class rises, with western diseases in tow

Ten years ago, Tamrat Bekele would have been lucky to find 25 customers a day. Today, his medical laboratory in Addis Ababa tests 10 times as many.

The Ethiopian entrepreneur is surprised less by the swell in business than the rising popularity of tests more often associated with affluent, western lifestyles, especially cholesterol and hypertension.

“We used to be overwhelmed with infectious disease but as the middle class increases and lifestyle changes, all these non-communicable diseases are now rising very, very fast,” says Mr Bekele, who hopes International Clinical Laboratories, the most advanced testing facility in Ethiopia, can expand

to serve more of the country’s 90m people, as well as other countries in eastern Africa.

Although Ethiopia remains largely agrarian, poor and closed to foreign investors, it is also one of Africa’s fastest-growing economies and the last big market on the continent that investors want to crack.

“When I opened this place, I’d say 10-15 per cent of people in Addis [Ababa] could afford us, today it’s 70 per cent,” says Mr Bekele of his 900,000 customers to date. Growing wealth and sedentary lifestyles also amplify old traditions that die hard. “Traditionally Ethiopia is a very . . . meat-eating society,” says Mr Bekele, adding that rising spending power is raising an already high consumption of red meat, which may increase the risk of diabetes.

Lab work reflects other social developments. Mr Bekele trains judges in paternity testing because so many court cases focus on inheritance claims. His plan to bring DNA testing in-house will reduce the fee to $60 from $250 (tests currently have to be carried out in the US).

The government is also making DNA testing for flight crew and army personnel compulsory, while bringing in mandatory healthcare insurance for the broader population and introducing a kidney transplant programme – all of which will necessitate more tests.

Mr Bekele came up with the business idea when he came home from the US in the 1990s to assist his father, who was sick with cancer. He was appalled by long queues and poor hygiene at the local testing facility. “It was a horrible, horrible place and it just hit me: ‘What am I doing? I have this ability [to do something about it], it’s what I’m working in’,” says Mr Bekele, who was then director of operations at LabCorp, a large listed US diagnostics company.

It took him 11 years to apply his expertise and navigate red tape and the impact of war with breakaway neighbour Eritrea, while also convincing the US government to lend him $500,000 to start up his business in the capital.

The 46-year-old says he would never have stuck it out were he a foreign investor without blood ties to Ethiopia: “It made me determined to stay despite all the problems.”

He now believes he can compete across the continent, aided by the fact that wages in Ethiopia are eight times lower than in South Africa – which boasts two world-class labs – and five times lower than neighbour Kenya.

The network of the state-owned Ethiopian Airlines is extensive enough for samples to be flown into Addis from across the region. As part of a drive to double revenues in two years, Mr Bekele plans to open in Sudan, South Sudan, Kenya and Uganda while also expanding domestic operations through profit-sharing partnerships with hospitals outside the capital.

Next month a regional private equity firm that prefers not to be named will back Mr Bekele’s vision by investing $2.5m. But he is far more excited about the prospect of setting up a gym and health food store, as well as promoting walking. “The good thing is all these new diseases are preventable, and that’s what we’re trying to do.”

 

 

 

ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ንህዝብና ኣጽኒቱ ንሃገርና ብምብራስ ታሪኽና ነበረያ ነበረ ክገብር ብንግሁኡ ዘንቀደ መራሒ ህግደፍን ገበነኛታት ኣጫፈርቱን፡ዕላማኦም ኣብ ምትግባር ብሰሪ ኣፍሉጦናን ንቅሓትናን ነንሕድሕድና ብምንቋት ንተሓባበሮም ምህላውና ንዘስተውዕል ዘይጠፋኦ እኳ እንተኾነ፡ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ንድሕነትና ምቅላስ ዓቅምን ብቅዓትን እንከለና ሰኣን ንልብና ሰሚዑ፡ ንሃንቀውታና ተረዲኡ ብልሳንና ተዛሪቡ ዝቅልሰና ብቁዕ መርሒነት እንሆ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት ተንጠልጢልና ንርከብ ።

ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ተበቲና ብማይ ቀጠነ ክንመናጨት ሱቅ አሉ ዝዕዘበናን ክንሃድእ እንከለና ብኣብ ውሽጥና ዝዓሰቦም፡ ብኢድ ኣዙር ዘስንቆም፡ ላምባን ክርቢትን ኣቀቢሉ ናይ ቃላት ኲናት ብምብራዕ ተስፋ ቆሪጽና ንህግደፍን ደምበ ተቃውሞን ብማዕረ ጸሊእና ነብስና ካብ ቃልሲ ከም እነግልል ዝገብረና እከይ ብልሓት ፣ ኣሹንኳይ ዝወቅዖ ትንዕ ዝብሎ እውን ስለ ዘይረኸበ እንሆ ኣጣጢሑ የባድመና።

ብኣካል ሃሉ ኣይተሃሉ እንድሕር ክቡር ባህልኻ ተበሪዙ፡ መንነትካ ተበሊሉ፡ ተስፋኻ ማህሚኑ፡ ኣኸለ ዝተረፈ የለን። ዋላ እኳ እቶም ዝተሰደድና ዘለና መሲሉና መልሓስና እንተውለብለብና ፡እቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ እውን ብዓሕን ዒሕን ትልኽ እንተበሉ ፡ ካብ ትውልዲ ዓዱ ዝተነቅለ መምለሲ ስለዘይብሉ ፡ ክብረቱ ዝተመንዘዐ እውን ኣካሉ እምበር መንፈሱ ከምዝሞተ ብንጹር ክስወጠና ኣለዎ።

ሎሚ ኲናት መልክዑ ቀይሩ ዘይከምቀደም መሳርሒ ውግእ ብዓረርን ቦምባን፡ ነፈርትን ታንክታትን ዓጢቅካ ዘይኮነ ናብ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝልወጥ ነዊሕ እዩ ገይሩ። ሓጸልጸል ዝብል ሓጺነ-መጺንን ንዑኡ ዘንቀሳቅሱ ሰራዊትን መሰነይታ እዩ ኮይኑ ። መራኸቢ ብዙሃን ዝተፋኦ መርዛም ቃላት ካብ ዝፍንጀሩ ቦምባታት ይበልሕ ፡ ቃንዛኡ እውን ይመርር፣ ሕንዙ ካብ መርዚ ባሩድ ብዝኸፍአ ኣእምሮ የልምስ። ኣብቲ ብኣጽዋር መራኸቢ ብዙሃን ዝካየድ ዓውደ ውግእ ኣብ ሆስፒታላት ዝሕከሙ ቁሱላት፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝቅበሩ ምዉታት፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝሕበሱ ምሩኻት ኣይትርእየሉን። እንተኾነ እቲ ካብ ኖጎዳ መድፍዕ ዝብርትዕ ማይክሮፎናት ዝውንጭፎ ተምዘግዛጊ ቃላት ከም ምጾኦታት የንቀጥቅጥ። ሓንሳብ በኒኑ ዘይቅህም ፣ ኣብ መኽዘናት አለክትሮኒክስ ተዓቂቡ ብምጽናሕ እናሻዕ ስለዝንዛሕ ዝሃድእ ኣይኮነን። ስሕለቶም ዘይጎድም ብርዕታት ኣብቲ ከም ሰማይ ደረት ኣልቦ ዝስፍሓቱ ወረቃቅቲ በቲ ክንዲ ማያት ውቅያኖስ ዝብዝሑ ቀለም ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበባት ምስተወቀጠ ካብ ካልኢት ብዝሓጽር ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ካብ ጻት ንጻት ክዝርጋሕን ክራባሕን ብእኡ መጠን ንኣእሙሮ ሰማዕትን ኣንበብትን ምሩኻቱ ገይሩ ጅሆ ብምሓዝ ብዘይዱጓና ክኹርኩሞም ንርእዮ ኣሎና። መንፈሶም ደሚዩ ብሞራል ሞይቶም ሕልነኦም በዲኑ ቀባሪ ዝሰኣኑ ግዳያት መዲያ ቤተ-ሰቦም ንቡር ምጽንናዕ ኣይረኽቡን ። ናይዚ ዓውደ ኲናት እዚ ቁሱላት መኣዝኖም ኣጥፊኦም በቲ ዕንብረ ወረን ዶሮና በለካ ለኽዓካን ተዓብሊኾም ከም ዘዕነንዉ መርትዖ ዘድሊዮ ኣይኮነን ።

መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓይንን እዝንን ብቀሊሉ ብምብጻሕ ናብ ኣእምሮና በሲዑ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ካብ ዝገብረና ኣትሒዙ ነዚ ጸጋ እዚ ዝወነኑን በዚ ሞያ እዚ ዝሰልጠኑን ንህዝብታት ዓለምና ናብ ድላዮም ክገላብጥዎን ኣብ ቃሕ ዝበሎም መዓላ ከም ዘውዕልዎ ኩላትና ግዳያቱ እንፈልጦ ሓቂ አዩ። ብሰሩ ኣህጉራዊ ናዕብታት ተሳዊሩ፡ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ምጭፍጫፋት ተወሊዑ፡ ስሰዐን ብሕትውናን ሰማይ ዕሪጉ፣ እታ ተሳኒና ክንነብረላ እኹል ጸጋ ዝዓቆረት ዓለምና ተናዊጻ። ዕዳጋ መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝሰሰነ ሰብ ብርኪ ክጽልምት እንከሎ ተኾሊዖም ይረኣዩ ኣሎዉ።

ናይ ህግደፍ መራኸቢታት ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ከም ጣኦት ከምልኾ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ዝተመጽወተ ሞባእ ካብ ኣብያተ ጸሎት ክምንዝዕ፡ ንቅዱስ ስፍራታት ከራኽስ፡ ንመንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ክሕይር ኣኽኢልዎ። ሎሚ ኪንኡ ብምምጥጣር ንድኻምና መዝሚዙ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ሰሊኹ ብምእታው ብዘፍለሶም ዘርኢ ክርዳድ ናይ ብርዒ ኣስማት እናተጠቅሙ ኣብ ኣእሙሮን ስምዒትን ህዝብና ዘየሎ ናይ ዓለትን ወገንን ምፍልላያት ስሒሉ ነንሕድሕድና ከም ዘይንተኣማመን፡ ኣብ ሃበስ ቀደስ ዝዓይነቱ ቆይቊ ተሸኺልና ጸላኢና ከም ንርስዕ ገይሩና ኣሎ።

ንዕላማኻ ምውፋይ ትብዓት እኳ እንተኾነ ቀዳምነትካ ምፍላጥ ድማ ብልሒ አዩ። ናብ ዕላማኻ ኣቶኲርካ እትሰርሓሉ ሕንጻጽ እንተዘይሃሊዩካ ምስ ማዕበል ተገሪዝካ ክትከይድ ይኹን ናብ ጓል መገዲ ክትእለ ገፊሕ ተኽእሎ ኣሎ። ንስኻን ዕላማኻን ምስወገንካ ዘለካ ምጥዕዓም ዝመዝኖ ዝበዝሐ ህዝቢ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ግዜ ዝወሰደ እኳ እንተኾነ ሎሚ ግን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተጓሃሂሩ ልቢ ደለይቲ ፍትሒ ብምስንባር ናብ ተስፋ ምቁራጽ ከየምርሕ የስግእ ኣሎ። ህግደፍ ዕድመ መዋእሉ ጸንቂቁ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን መድያ ደምበ ተቃውሞ ትንፋስ ይሰኹዓሉ ኣሎዋ። ስለዚ እዋናዊ ህጹጽ ምሕጽንታና ፡

መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ
-ሕጂ ነንሓድሕድኩም ምጥቅቃዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጠጠው ኣብሉ
– ምእንጋድ ተጻባእቲ ውልቀ ጽሑፋት ኣቋርጹ
– ብርዕኹም ኮነ መጉልሕ ድምጽኹም ኣንጻር ህግደፍ ይቅናዕ
– ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተ ብምስታፍ ብኩሉኹም ብእትቅበሉዎ ናይ ሓባር መምርሒ ስራሕ ንምዕያይ ድልውነትኩም ኣመስክሩ ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ
-ኩሉኹም መራሕቲ ውድባትን ሲቭክ ማሕበራትን ንድልየትኩምን ድሌት ውሑዳት ሰዓብትኹምን ዘይኮነ ንባህጊ ሓፋሽ ህዝብኹም ብምምእዛዝ ሕድሕዳዊ ምቱኹታኽ ኣቋሪጽኩም ቃልስኹም ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ።
-ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ንመራኸቢ ብዙሃንና እትምእዝኑሉ እዋን በሲሉ ኣሎ እሞ ህጹጽ panel discussion ብምክያድ ንኹለን መድያታትና ዝጠምር ስነምግባር code of ethics ንምድንጋግ ተሸባሸቡ።
-ክቡር ሓው ዶክተር ተስፋማሪያም [ወዲ ቫካሮ] ከተካይዶ ናይ ዝጸናሕካ ዑደት ንሓድነት መቀጸልታ፡ ሞያውያንን ሰብ ተመኩሮን ጸምቢራካ ናብ ምውህሃድ መራኸቢ ደምበ ተቃውሞ ኣቅንዕ ።
-ኩሉ ዝሓለፈ በደልን ብጠንቁ ዝሰዓበ ጽልእን ምእንቲ ወጽዓ ህዝብና ግዜን ኩነታትን ንምረጸሉ። ንዕኡ እተጻሪ ሕጋዊት ኮሚተ ወጺኣ ክሳብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ፍታሕ ዝወሃቦ ካብ ምጽሕታሩ ንቆጠብ።
-ፋሕ ኢሉ ዘሎ መራኸቢታትና ተጠራኒፉ ዓቅምታቱ ብምውህሃድ፡ ኣንጻር ህዝብናን ሃገርናን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝሰርሓሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ንእዋናዊ ጠለብ ምትዕራቅን ምስማርን መራኸቢ ብዙሃና ዘተኣናግድ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ኩሉ ግዱስ ደላዪ ፍትሒ ይጠቅም ዝበሎ ሓሳብ ንኸቅርብ፡ ከም መበገሲ ንመዛተዪ ኣርእስቲ ወሲድና ከነቅርቦን ሃናጺ ርእይቶና ከነፍስስን ብኽብሪ ግዜ ይዕድመና ኣሎ።

መተሓሳሰቢ

ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ካብ ዝረኸባኦ ዌብሳይት ወሲደን ኣብ ገጻተን ክልጥፈኦ ብመጉልሕ ድምጸን ከቃልሕኦ፡ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርደኦ ቋንቋ ከም ዘለዎ ተርጒመን ከቅርበኦ ሃገራዊ ሓላፍነተን ምዃኑ ይላቦ።

መስመር ዋህድ