ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

esdlምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ኣብ መባእታዊ ሰሙን ወርሒ የካቲት 2014 ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽሪ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ስርሒት ፈንቅል ጸንቢሉ። ስርሓት ፈንቅል ህዝቢ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከርፋሕ መበባብሮ ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ ህሞት፡ ብማእለያ ዘይብሉ ወጻኢታት ምብዓሉ ተሓቢሩ። ኣብዚ ጽንብል’ዚ ብሕታዊ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ምርኢት ታንክታት፡ ከቢድ ኣጽዋር፡ ደርፍታትን ለይታዊ ትልሂትን ካብ ምምሕልላፍ ዘሊሉ፡ ጀነራላትን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሕሉፍ ታሪኽ ካብ ምድግጋም ሓሊፎም፡ ስርዓቶም ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ብጭቡጥ ግዝኣተ ሕጊ፡ ልዕላዊ ስልጣን ህዝቢ፡ ቅኑዕ ፖሎቲካዊ ስርዓት፡ ሰናይ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ብልጽግና፡ ዓይነታዊ ልምዓት፡ ዝድህሰስ ማሕበራዊ ለውጥን  ኣገልግሎትን ምርግጋጹ ከቕርቡ ፍጹም ብቅዓትን ድፍረትን ከም ዝሰኣኑ ተገሊጹ።

ኣብ መዛዘሚ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ብ09 የካቲት 2014 ገባቲ ኢሳይያስ ንሃገራውን ከባብያውን ኩነታት ኣመልኪቱ ቃለ-ምሕትት ኣካይዱ። ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ግስጋሰን ብልጽግናን ከም ዘረጋገጸት ክገልጽ ምጽንሑ ረሲዑ፡ ኣብቲ ሃገር ተጋሂዱ ዘሎ ቅልውላውን ሕጽረታትን ክኣምን ተገዲዱ፡ ከምቲ ልሙድ ኣመሉ ብተግባር ዘይጭበጥ መብጽዓታት ምድግጋሙን ምድርዳሩን ተገሊጹ። ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ዕስራን ሰለስተን ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ሕጽረት ማይ፡ ሕጽረት ገዛውቲ፡ ክፈትሕ ዘይምኽኣሉ፡ ሰፊሕ ትሕተ ቅርጺ ክዝርግሕ ዘይምብቕዑ፡ መሬት ብዘይኣገባብ ክሽየጥን ክልወጥን ምጽንሑ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ዘነይት ለውጢ ዘይምርግጋጹ፡ ኤለክትሪክ ብሰንኪ ዘይምህላዉ ፋብሪካ ሰሜንቶን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት ልምዓትን ደው ዝበለሉ ኩነታት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምህናጽን ምፍቓድ ሰልፍታትን ብዝምልከት፡ ኣብዚ ሃገር’ዚ ካብ ፖሎቲካ ህ/ግንባር ወጻኢ የለን፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ምስ ዝህሉ፡ ምህውታት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ክኸይድ ይህልዎ፡ ሰናይ ምሕደራ ንምርግጋጽ ህግደፍ ምሕያል ኣገዳስን እንኮ መፍትሕን ጥራይ ምዃኑ ተንቲኑ።

ንዋሕዚ ሰደት መንእሰያት ኤርትራ ዝምልከት፡ ትማሊ ንእግረ መንገዱ ምስ ማሕበረ ኮም ህግደፍ ኣብ ኬንያ ዝገበሮ ርኽብ፡ መንእሰያት ተሰዲዶም 50,000 ዶላር ሒዞም ምስ ዝመጹ ተቓውሞ የብልናን ምባሉ ዘንጊዑ፡ ብነጻ ንዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ካሕሳ ከይኸፍሉ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰረቕቲ ኢዮም ክብል ገሊጹ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ ዝናፈስ ዘሎ ሓበሬታት ክሳብ ክንደይ ሓቅታት ኣለዎ ንዝብል፡ እዚ ዘይሕሰብ ህውተታ’ዩ፡ ስርዓት ወያኔ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይተወገደ ማንም ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ከምኡ ክሓስብ የብሉን ኢሉ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ዝምድና ኤርትራን ኣሜርካን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ብኣምባሳደር ኩሄን ዝግበር ጻዕርታት ምህላዉ ንዝግለጽ፡ እዚ ምስ ንፋስ ዝጎዪ ሃውተታ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2014 ህዝቢ ዞባታት ዓንሰባ፡ ማእከልን ደቡብን ካብቲ ንዓመታት ብትዕግስቲ ክጻወርዎ ዝጸንሑ ከርፋሕ ሂወትን ሕሱም መነባብሮን ተበጊሶም፡ ነቲ ንይምሰል ዝተቐመጠ ሚኒስትሪ ማይን መሬትን ከባብን ኣቶ ተስፋይ ገ/ስላሴ፡ ከቢድ ሕቶታትን መረረኦምን ኣቕሪቦም።
   
ኣብ ጉዳይ መሬት ዝምልከት፡-
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ንትካላት መንግስቲ ተባሂሉ ንነዊሕ ዓመታት ዝሕዛእ ልሙዕ ዝኾነ መሬት ተሰሪሑ ንህዝቢ ኣገልግሎት ንምንታይ ዘይህብ? ተሰሪሑ ኣገልግሎት ክሳብ ዘይሃበ ድማ ከይሕረስ ተኣጊዱ ንምንታይ ዝባድም?  
መንግስቲ ዘመናዊ ዝኾነ ገዛውቲ ክስርሕ ኣይረአን’ዩ፡ ኣብ ዓድታት ንነዊሕ ዓመታት ባህላዊ ገዛውቲ ከይስራሕ ንምንታይ ተኣጊዱ? ብስንኪ’ዚ ብርክት ዝበሉ መንእስያት ተመርዕዮም ኣብ ከቢድ ሽግራት ክወደቑ ንምንታይ ይግበር?
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድታት እቲ ድኻ ዝኾነ ኣካል ሕ/ሰብ ንትእዛዝ መንግስቲ ኣኽቢሩ ገዛ ምስራሕ ክቁጠብ ከሎ፡ ገንዘብ ዘለዎም ንኣመሓደርቲ ከባቢ ግቦን ብላዕን እናሃቡ ገዛውቲ ክስርሑ ከለዉ ንምንታይ ተሓታትነት ዘይህሉ? 
ንዝተፈላለየ ትካላት ተባሂሉ ዝወሃብ መሬት ግለ-ሰባት ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ ብምሽራኽ ብጉቦን ብብላዕን መንበሪ ገዛውቲ ክሰርሑ ከለዉ ንምንታይ ምቁጽጻር ዘይግበር።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዊንትኦም ክገብሩ፡ ብብልሽውና ክስዕርሩ፡ ኣብ ሕ/ሰብ ሌላን ጉሌላን እናካየዱ ከለዉ መንግስቲ እንታይ ይገብር ኣሎ?

ኣብ ጉዳይ ማይ ዝምልከት፡-
መንግስቲ ሕጽረታት ማይ ንምውጋድ ንምንታይ’ዩ ጻዕርታት ዘይገብር?
ህዝቢ ኣብ ገጠራት ዒላታት ፍሒሩ ዘለዎ ሕጽረት ማይ ከይውግድ ዝእገድን ኣብ ከቢድ ሽግር ክወድቕን ዝኸውን ንምንታይ?
ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ብስንኪ ሕጽረት ማይን ልሕሉሕ ምቁጽጻርን ጽሬቱ ዘይሓለወ በዓል ክልተ ሊትሮ ዕሹግ ተባሂሉ ካብ ቡንባታት ዝምላእ ማይ ክሳብ ካብ 60-80 ናቕፋ ክገዝእ ከሎ መንግስቲ እንታይ’ዩ ግዲኡ?
ሆስፒታላትን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዝርከብ ትካላት ጥዕናን ብሕጽረት ማይ ካብ መጠን ንላዕሊ ብጨና ዘይቕረብ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ይኹን ጥዕና ናበይትን በጻሕትን ንዘውርድ ዘሎ ኩነታት መፍትሒኡ እንታይ’ዩ?

ኣቶ ተስፋይ ገ/ስላሴ ነቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታት ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ሕቶታትን መረርታትን ክሒዱ እወ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ዝወሰደ ዓምጺ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ካብ ብልሽውና፡ ሌላን ጉሌላን ሓራ ዝኾነ ንህዝቢ ኣውንታዊ  ልምዓት ከም ዘበርከተ ብፍጹም ከረጋግጽ ኣይኸኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕታዊ ቲቪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋ ሚካኤል ተኸስተ መሰላት ህዝቡ ብሓፈሻ መሰል ናይቶም ተረኸብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ኣብ ገዛእ ዓዶም ክሕለወሎም ክማጎት ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዝተፈልጠ ክንሱ፡ ቀንዲ ምንጪ ዋሕዚ ስደት ንሱን ስርዓቱን ምዃኖም ብምዝንጋዕ፡ መንእሰያት ብጎረባብትን ሃገራት ምዕራብን ተታሊሎም ይስደዱ ከም ዘለዉ፡ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ብምርዳእ፡ መሰሎም ክሕለውሎም ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ መንእሰያት ብሕታዊ ቲቪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣቶ ተስፋ-ሚካኤል ተኸስተ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዜና ላግጺ ምዃኑ፡ ጠንቂ ናይ ስደት ባዕሉ ኣምባሳደርን ስርዓትን ክሳብ ዝኾኑ፡ ንመሰልና ክጣበቑ ትጽቢት ኣይንገብርን ብድሕሪ ምባሎም፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብመንእሰይ ምሽሓጥን ምቁማርን ይኣኽል ይብሉ ምህላዎም ተፈሊጡ።    

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ኣውራጃ ሳሕል ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ዝተካየደ ናዕቢ ብሞት ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ተዛዚሙ። ብድሕሪኡ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንህዝቢ ዝተገበረ ኣኼባታት፡ መንግስትና ድኹም’ዩ፡ ኣውራጃ ሳሕል ሓብሓቢትን መዕቆቢትን ብረታዊ ቃልሲ ክንሳ ክሳብ ሕጂ እንታይ ዓይነት ልምዓት ተገይሩላ? ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ከም ጊላ ተስርሑና እንታይ ፍሪኡ? ዝብል ሕቶታት ምስ ኣስዓበ ወከልቲ ህግደፍ በዚ ሰንቢዶም ተመሊሶም። ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዝተካየደ ካልኣይ ኣኼባ ድሌት ህዝቢ እንታይ’ዩ? ጥርዓንኩም ንመን’ዩ? ብዝብል ዝቐረበ  ኮይኑ፡ መልሲ ህዝቢ ኣፍዓበት በረኸት፡ መሓመድ ሓምድ ማሕሙድ፡ ኣደም ዓብደላ ዝተባህሉ ኣካላት ጸጥታ ጠንቂ ግርጭት ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን ስለዝኾኑ ብቀዳምነት ክለዓሉ ብዝብል ብዝቐረበ  ሓያል ጠለብ ህዝቢ ኣፍዓበት፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከልዕሎም ተገዲዱ።

ብ18 ታሕሳስ 2013 ኣብ እንባትካላን ኣስመራን ኣብ ትሕቲ ዳግመ ውደባን ስርርዕን ዝብል ኣርእስቲ  ንላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣዘዝቲ ስራዊትን ስለያን፡ ብገባቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተካየደ ሰሚናራት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን፡ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዘስዓቦ ዘይምርግጋእን ጸጥታዊ ሽግራትን ምምይያጡ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ድማ ኣድላይነት ዳግመ ውደባን ስርርዕን ዝምልከት ምዝታዩ ተሓቢሩ።

ብ15 ጥሪ 2014 ብሓፊር ዝተባህለ ፍሉይ ከባቢ ንሱዳን ንዝኣተዉ ዝነበሩ መንእሰያት ሰለስተ ሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምሓዞም ተኩሲ እናከፍቱ፡ ናብ መሬት ሱዳን ስለ ዝሰገሩ ብወተሃደራት ሱዳን ተታሒዞም። ወከልቲ ህግደፍ ንወተሃደራት ሱዳን፡ እቶም ዝሃደሙ መንእሰያትን ሰለስተ ኣባላት ጸጥታን  ከተረኽቡና ዝብል ሕቶታት ኣቕሪቦም። ወተሃደራት ሱዳን ነቶም መንእሰያት ከም ሰደተኛታት ዝተቐበልናዮም፡ እቶም እናተኾሱ ዶብ ሱዳን ዝኣተዉ ወተሃደራት ከኣ ብሕጊ ዘሕትቶም’ዩ ዝብል መልሲ ብድሕሪ ምሃብ፡ ወከልቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ልሙድ ፈኸራን ምጉብዕባዕን ኣካይዶም።

እቲ ብተኽለ ማንጆስ እናተወደበ ክዓጥቕ ዝግደድ ዘሎ ልዕሊ 60 ዕድሚኡ መሊሻታት ብተደጋጋሚ ሕቶታት የልዕል ምህላዉ ተረጋጊጹ፡ ንሕና ኣረጋውቲ ከለና፡ ኣብ መሊሻ ተዓስኪርና ኣጽዋር ክንስከም፡ ደቅና ድማ ንዓመታት ኣብ ሰራዊት ከገልግሉ ስድራ ኣላዪ ዘይብሉ መነባብሮ ከሕልፍ ንምንታይ ይኸውን? ኣሎ? ኣቦታት ተሰኪመሞ ዘለዉ ኣጽዋር ክውሰደሎም ብዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ሕቶታት ንምዕጋስ ካብ ገሊኦም ይሰሓብ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ሕቶታት ግን በዚ ክዕገስ ብዘይምኽኣሉ፡ ተኽለ ማንጆስ ኣብ ገለ ኣኼባታት ንህዝቢ ከባጩ ተሰሚዑ።

ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከቡ ነበርቲ ዓድታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባልቃይን ተሰነይን ኣለቡን ዝነብሩ ዜጋታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን መረጋገጽን ብኣሃዱታት ጸጥታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ኣብ ባልቃይ ከባቢ ሃይኮታ ስግረ-ዶብ ትሰርሑ ኔርኩም ብዝብል፡-
እድሪስ ሳልሕ ኣብሩር ወናኒ ካሮ
ሓምድ ኣደሮብ ነጋዳይ ጠለ-በጊዕ
ሳልሕ ዝተባህለ ካብ መሊሻ ዓዲ ብመሓውራት ጸጥታ ከም ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ተገሊጹ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ከተማ ከሰላ፡ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ገንዘብ ምክያድ፡ ንመእሰያት ስግረ-ዶብ  ምስግጋር፡ ጋዝ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ብኮትሮባንድ ምምሕልላፍ፡ ምንዝርናን ቁማርን ቀንዲ መለለዪ ግዕዘይ ስርሓቱ ኣብ ኣዳራሹ ኮይኑ ምህላዉ፡ ብሰንኪ’ዚ ብ21 ጥሪ 2014 ኣብ መንጎ ክልተ መንእሰያት ዝተላዕለ ግርጭት ኣምባጋሮ ምክታሉ ተሓቢሩ።

ብቀረባ ኩነታት ኤርትራ ዝዕዘቡ ነንተንቲ ፖሎቲካ፡ ህዝቢ ብግዕዘይ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንከርፋሕ ሂወት፡ ከቢድ ፖሎቲካዊ ዓፈና፡ ቁጠባዊ ዓዘቕቲ፡ ኣልቦ ፍትሒ፡ ሕሱም ማሕበራዊ መነባብሮ፡ ስደት፡ ብልሽው ኣሰራርሓ፡ ተጋሊጹ ከሎ፡ ኢሳይያስን መጫፍርቱን ኤርትራ ማዕረ በዓል ሰንጋፑር ከም ዝሰርዕዋ ክገልጹ ምስማዕ ኣብ ባይታ ክጭበጥ ዘይኽእል ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ይትንትኑ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓለም’ውን መወዳድርቲ ዘይብላ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና፡ ርጉእ ፖሎቲካዊ ግስጋሰን ብልጽግናን ዘውሓሰት፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባሌታት፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ኣገልግሎትን ዘረጋገጸት፡ ካብ ብልሽውና፡ ሌላን ጉሌላን ሓራ ዝኾነት ገነት ሃገር ብምባል ምግላጽ ካብ ዘይሓላፍነታዊ ዓጀውጀውን ዕብዳንን ምዃኑ ሓሊፉ ፍጹም ትርጉም ከም ዘይብሉ የረጋግጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
12 የካቲት 2014

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.