“ዋናታቱ ዒራዒሮ ሸሚምካስ ሸነን”

ካብ ኣባል 72 ነበር ባጽዕ
“ዋናታቱ ዒራዒሮ ሸሚምካስ ሸነን”

“ፈንቅል!” ዋናታትካ ኣብ ከርስኻ ኣብ ከርሲ ምድረ-ሰምሃር ከምዘለውስ ትፈልጥ ዶ?

ቅድሚ 24 ዓመት ከምዚ ቅንያት ስርሒት ፈንቅል ተኻይዱ ህልውና ስርዓት ደርጊ ኣብ ኤርትራ ከምዘብቀዐ ተጋሂዱ፡፡ ልቢ’ቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብኹሉንትንኡ ዝተጋደለ ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ ዘረስረሰ መስተንክራዊ ስርሒት ተፈጺሙ፡፡ ንወለዶታት ዝወራረስ ታሪኽ ተሰኒዱ ሓሊፉ፡፡
ሜ/ጀነራል ገብረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ሚስጢር ዓወት ስርሒት ፈንቅል እንታይ’ዩ? ተባሂሉ ኣብ ጽባሕ’ቲ ዓወት ምስ ተሓተተ “…ጽፉፍ ስለያዊ መጽናዕቲ ኣሃዱታት ስለያና…” ብምባል ካብቶም ሚስጢር ዓወት ፈንቅል ሓደን ቀንድን ከምዝነበረ ምስክርነቱ ሂቡ፡፡ ናይ ብሓቂ ድማ ውህሉል ስለያዊ መጽናዕቲ ናይ ሰምሃር ጥራይ ዘይኮነ ውህሉል ስለያዊ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት (ሁ.አ.ሰ.) ውጽኢት ኣሃዱ ስለያ 72 ብወዲ ሰለሞን ዝምራሕ ዝነበረ ምዃኑ ምስክርነት ዝሓትት ኣይኮነን፡፡
እንተኾነ ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን ንስለያዊ መጽናዕቲ ፈንቅል ንሱን ኣባላቱን ኣበርክቶኦም እንታይ ከምዝነበረ ካብ ቃሎም  ኣይሰማዕናን፡፡ ልዕሊ ወዲ ሰለሞን ግን መን ክገልጾ ይግባእ? ስለ ምንታይ’ከ ወዲ ሰሎሞን ዘይገለጾ? ሕቶ ብዙሕ ተጋዳላይ ምዃኑ ርዱእ’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ዘውጣጥስ ኣይክዋጥን ከውጣጢ ኢዩ ነገሩ፡፡
ወዲ ሰሎሞን ግን ከም መዛንኡን ትሕቲኡን ብዛዕባ ፈንቅል ዘይተዛረበ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ህግደፍ ወዲ ሰለሞን ዝተዛረቦ ከቃልሖ ትብዓት ስለዘይብሉ ጥራሕ እዩ፡፡
ኣብ ጽባሕ ዓወት ስርሒት ፈንቅል በቶም ክሳብ ሎሚ ንጅግንነቶም ተዘንቲይሎም ዘይፈልጥ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ሰራሒ ታሪኽ ኣጋር ሰራዊትን ኣሃዱታት ከቢድ ብረት 74፡ ሃንደሳን ሓይሊ ባሕሪን  ካብ እግሩ ከይተረፉ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም፡ ደረቕን ተንቀሳቐስን ካሜራታቶምን ንዕኡ ዝኸውን መቀያየሪ መሳርሒታቶምን ብምሽካም ሰኣልትን ተዋጋእትን (ተውለ) ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሃልሃልታ ኩናት እንዳሓንበሱ ህያው ዝኾነ ንቀጻሊ ወለዶታት ጅግንነት ኣያታቶምን ወለዶምን ዘውርስ ታሪኽ ዝሰነዱ ከም በዓል የውሃንስ ጆሽዋ ዝኣመሰሉ ምዑታት ጋዜጠኛታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ዝኾነ መራሒ ንወዲ ሰለሞን ቃለ መጠይቕ ከምዝገበርሉ ይፈልጡ እዮም፡፡
መሬት ምስ ወግሐ ጽባሕ ንጉሆ ከኣ እቶም ብሂወት ዝተረፉ ክገልጽዎ እዮም፡፡ ኣይኮነን ከኣ ኣብቲ Research & Document Center (RDC) ተሰኒዱ ክርከብ’ዩ፡፡
ኣብ ታሪኽ ጅግንነት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ተሓቢኡ ዝነብር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንሓላፊ ስለያ 72 ነበር ኣህሲስዎ እዩ፡፡ ኣበርክቶ ወዲ ሰለሞን ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ግን ካብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ተጋዳላይ ዘይሕከኽ እዩ፡፡   ፕረዚዳንት ንመጋበርያታቱ “ወዲ ሰለሞን ካብ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣርሕቕዎ” ኢሉ ከምዝኣገዶን በቲ ከም ሰቡ ንስግረ ዶብ ዝወጸ ዓሊ ዓብዱ ኣቢሉ ካብ ኣርካይቭ ሚኒስትሪ ዜና ከምዘሕከኾን ይፍለጥ፡፡
ብህዝብን ተጋደልትን ዝተሰርሐ ጅግንነት ገድሊ ኤርትራ በቲ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ከም መሕብኢ በዓቲ ዝጥቀመሉ ዘሎ “ኣድሃ” ፕረዚዳንት ንወዲ ሰሎሞን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ንምስዋር ናብ መራኸቢ ብዙሃን ከይቐርብ ምግባር ጥራይ ግን ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ’ዚ ውሳነ’ዚ ኣብታ ንመበል 24 ዓመት ናጽነታ ተኽብር ዘላ ዞባ ሰ.ቀ.ባሕሪ (ሰምሃር) ብዘይ ዝኾነ ብይን ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ን12 ዓመት ምስ ብጾቱ ሓይርዎ ይርከብ፡፡
ስለዚ ሰምሃር!! ክልተ ተጻረርቲ ሚስጢራት ኣብ ከርሳ ዝሰተረት ኣውራጃ እያ፡፡ ብሓደ ወገን ምእንተኣ ዝተኸፍለ መስዋእትን ሳላኹም ሳላ’ዞም ደቀይ ብምባል እንዳስተንተነትን እንዳተሓበነትን ትዝክሮ ቅያ ጀጋኑ ደቃ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ቅያ ታሪኽ ዝቐየሱን ዘጽንዑን ሰኒዶም ናብ ወለዶታት ዘመሓለለፉን ጀጋንኣ ን12 ዓመት ኣብ ከርሲ ዒራዒሮ ሰቲራ እንዳተቐንዘወት “እህ!” እንዳበለት  ትሓልፎ ኣላ፡፡
ካብ ኩሉ ንሰምሃር ዘጉሃየ ዋናታቱ ኣብ ዒራዒሮ ሸሚምካስ ኣብ ውዕሎ (ጓይላ) ብዘይነበሩ ኣብ ፈቖዶ ጽምብላት ሸነን ዝብሉ ንጓሂኣ ሰማይ ኣዕሪግዎ ይርከብ፡፡ ሓቂ እዩ ብምድግጋሙ ኣመና ፊግዕ ይብለካ፡ ምኽንያቱ ትማልስ ሕራይ ቅያ ተሰሪሑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ 24 ዓመቱ’ከ እንታይ ቅያ ተፈጺሙ? ዝብል ሕቶታት ዘልዕል እንተኾነ፡ ከም በዓል ውጩ፡ ቻይና፡ ወዲ ኢፍሬም፡ ነቐዘ፡ ኣዛዚ ብርጌድ ነበር ወዲ ዳኒኤል፡ ተወልደ ቀለታ፡ ኣውሊያይ፡ ካሪካሪ…ዝኣመሰሉ ኣብቲ ውዕሎ ዝወዓሉ  ምስክርነቶም እንተቕረቡስ የጥዕመሎም፡፡
እቲ ንሰብ ገሪምዎ ዘሎ ግና ናይ ወ/ሮ ጽጌሬዳን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ዓመት ዓመት ተዋሳእቲ ጽምብል በዓል ፈንቅልን ኣሳሰይቲ መድረኽን ዝኾንሉ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣበይ ዝነበሩ’ዮም፡፡ ኣበይ ዝነበሩ: ክሻ፡ ወዲ ክሻ ማንኪ ወዲ ማንኪ???
ሰምሃር ሃየ ሓደራ!! ንኹሉ ከከም ገጹ ጽቡቕን ሕማቕን ታሪኽ ኣብ ከርስኺ ሰኒድኪ ንወለዶ ኣሰጋግርዮ፡፡ ብሓደ ወገን ነቶም ጨው ሳሊና ዝበልዖምን ንናይ መወዳእታ ምሕራርኪ ኩቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉን ደቅኺ፡ ምእንታኺ ምዃኑ ኣሚንኪ ይንዋሕ ይሕጸር ብተፈጥራዊ ጸጋታትኪ ክትክሕስዮም ቃል እተውሎም፡፡  እንተ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ ኣዕቒብክዮ ዘለኺ ኣዕጽምቲ ደቅኺ ኣብ ልዕሊ ምጥላሙ ዓመት ዓመት መሸቀጢ በላዕቲ ሕድሪ ምዃኑ ኣስተብህልሉ፡፡ ብዛዕባ መሕለፊ ግዜ ካልኣይ ቤቱ ጌሩኪ ንዘሎ ድማ ልቢ ይሃብኪ ካብ ምባል እንታይ ክብለኪ፡፡
ቃል እቶም ምእንቲ ኣንጻር ደመኛታትኪ ንናጽነት ተዋጊኦም ክቡር ሂወቶም ዝወፈዩ ይዓብር ኣሎ ብምባልን ልዕልና ሕግን ስልጣን ናብ ሓደስቲ ወለዶ ዘሰጋግር ምህናጽ ቅዋማዊ ስርዓትን ስለዝጠለቡ ጥራይ፡ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣብ ከርስኺ ዝተሓየሩን፡ ነቶም ብሂወት ዘለው ክሳብ መዓልቶም ሓደራ ዓቅብዮም ብምባል እላበወኪ!!፡፡

 

 

ካብ ኣባል 72 ነበር ባጽዕ
07.02.2014

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.