ሓወይ ቀዚፎሞ!!!

ሓወይ ቀዚፎሞ!!!

ሰብ ግዚ ኮይኖም ሓወይ ቀዚፎሞ!
ዘኽታም ኮይኑ! ንበይኑ ሪኦሞ!
ኣበይ ሓቲቶሞ? ከንቱ ኣጥፊኦሞ?
ዓረብ ከም ዘይኮነ! ከመይ ረሲዖሞ!።

ኣበይ ከርክብሉ ትዕቢት በርቲዕዎም
ናይ ዓለም ሓገግቲ ኩሉ ባዕሎም
ንሰብ! ኒዒቖሞ! ሓታቲ ዘይብሎም
ዕቑባ ዝሓተተ!!! ረሺኖም! ረጊጾም
ቀዳሞት ስዱዳት ታሪኾም ረሲዕም።

ቀዳማይ ምንስተር ሻሚር !!!!!!
ተዝህሉ እንታይኮን ምበለ ነይሩ
ተቃላስይ ኮይኑ ኣብ ኣስመራ ሰፊሩ
ክህደን ብእንግሊዝ እንዳማርያም ሓዲሩ
ህዝበይ ጸጊምዎ! ዘመድ ተቆጺሩ
ሓቂ መሲልዎ ሲና ተሳጊሩ
ኣብ ዓዲ ዩሁዳ ክጸንሕ ተሸጊሩ
ወግሔ ጸብሔ ኪዱ ኢሎም ዝዝምሩ
ናብራ ዓዲ ጓና ክብሪ ሰብ ሓሲሩ
መንሞ ይፈትዎ ምንባር ተሸቑሪሩ።

ግዜ ሓጊዝዎም ንዓለም ንዒቖም
ኩሉ ተኣዚዙ! ንኹሉ ረጊጾም
ምግሃስ መሰል ኮይኑ ትናብራኦም
ዓቢ ኮነ ህጻን ክንደይ ድዮም ቀዚፎም
ሂወት ሰብ መዓስ እሞ! ኣኽቢሮም
ኣብኡ ብምኻዶም ኣሕዋተይ ጸሊእሎም
ካብዚ ከይወሰኸ! ኣሕዋት ህደምሎም
ሕጊ ዘየኽብሩ! ኣየኽብሩን እዩም!
ሹማምንቲ ዓዲ! ናይ ሃገር መራሕቶም
ታሪኽ ዘይዝክሩ!! ናይ ቀዳሞት ወለዶም።

“ሰብ ኣይኺድ ኣብ ዘይዓዱ
ጸጊብካ ይብልዎ ኣብ ጡሙይ ከብዱ
ተረቲዕካ ይብልዎ ከይፈረዱ
ፈዘዝ ፈዝ ይብል ተዓኒዱ
ይነብር ኣብ ሰንፈል ተጸሚዱ”።

መንእሰይ ሃገረይ ጠባይ ጉራምራ
ኣብ ዝኸደ ከይዱ ይጽንሖ መከራ
እዚ ዕባይ ሳዋ ጭካነ ብኹምራ
ነዊሕ ከይሓሰበ ትረኽቦ መፈንጥራ
መትሓዚ ስኢኑላ! ናይዛ ዓለም ናብራ
ኣብ ዝኸደ ከይዱ ትጸንሖ ተሪራ።

ዕሸል ሓወይ ኣብ ንኡሱ ተቐዚፉ
በደል ከይበደለ ብዙሕ ተገሪፉ
ደሙ እናፈሰሰ ንሶም የህተፍትፉ
ሕጊ ዘይግድሶም ሂወቱን ኣሕለፉ
ታሪኽ ናይ ሂወቱ ብደም ተጻሒፉ።

መንእሰይ ሃገረይ!!!!!!
ተቃላጠፍ ደጋጊምካ ምኸር
ምእንቲ መሰልካ ንዓ ተባራበር
ኣብ ቃልሲ ሞት!! ስምካውን ይኽበር
ይኣኽለካ ኣደራዕ! ናይ እስራኤል ስበር
ክሳብ መዓስ ኢኻ ደኒካ ዝሕደር
ሓውካ ዝሓለፎ ደጋጊምካ ይዘከር
ደጋጊምካ ሕሰብ ድለዮ እቲ ኣበር
ዝድገም ምዃኑ!! ደጊም ከይትጣራጠር።

መንግስተሰማይ ይከፈት ኣብ ቅድሜኻ
ቅዙፍ ሓወይ እንታይ እዩ ኣበሳኻ
ሃገርካ ሓሲሙ እስራኤል ኣቶኻ
ምድሪ ኣይኮነን! ኣብ ገነትዩ ዓድኻ
ተኻፋሊ ሓዘን ናይ ስደት ሓውኻ
ጽንዓት ይሃብ ንኹሉ ህዝብኻ።

ዉድቀት ንፋሺሽታውያን
ጸረ መሰል ወድሰብ ገሃስትን
ፍትሒ ይንገስ!!!!!!

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 19 ጥቅምቲ 2015