ክሻ በል ክትድረር! 6ይ ክፋል

ክሻ በል ክትድረር!
6ይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 03 ጥቅምቲ 2015

ኢሳይያስ ነጠብጣብ ኢንፍዩዥን ወዲ ኢዩ። ንዓመተ 2016 ዘስግር እስትንፋስ ድማ የብሉን። ብድሕሪ ንነዊሕ ዓመታት ናብ መቓብር ሓርበኛታት ምምልላሱን፡ ዕንባባታት ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ምቕማጡን፣ መልኣከ-ሞት ኣለልዩዎ ኣሎ። እተን ልዕሊ ደምበ ተቓውሞ ሂወቱ ንምሕጻር ዝተቓለሳ ጀጋኑ ዊስኪን ኣረቂን ከኣ፡ ብድሕሪ ህድማ ሞላ ኣስገዶም በብተራ እናገማጠላ በል ክብልኦ ከም ዝቐነያ ሰሚዕና። ይበሃልሲ ኣሎ! ሓሚሙ፡ ተደኒሱ፡ ተኻኢሉ … መልኣከ ሞት ይቀበሎ። ዲያብሎስና፡ ነቶም ከም ሓጎስ ክሻ ዝኣመሰሉ ቀንዲ መጓዕዝቱ ይመርጾም ኢዩ።

ሰባት ንመጓዕዝቶም መምረጺ ረቛሒታት ኣለዎም። ብባህርያት፡ ብትብዓት፡ ብቅንዕና፡ ብጠባይ፡ ብእምነት፡ ብኣፍልጦ፡ ብመልክዕን ቁመናን ወ.ዘ.ተ.። ኢሳይያስ ግን መጓዕዝቱ ብትውልዲ ዝብጽሕዎ፡ ቀዳሞት መሻርኽቱ ኢዮም። ኢሳይያስ መበቆላዊ ዘርኡ ዘይጎሲ ሓደገኛ መስቆርቆሪ ኢዩ። ካብ ዝውለድ ክሳብ ሎሚ፡ ዘርኡ ትግራዋይ ምዃኑ ከኣ ምንም ፍንጪ ኣርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ትግራዋይ ምዃኑ ከይፈልጦ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ከይደቀሰ ዝሓድረሉ ቃንዛ ኢዩ።

ስለምንታይ ግን ኢሳይያስ ከምኡ መሪጹ? ብኩሉ ወገንካ፡ ወይ ብሓደ ወለዶኻ ኤርትራዊ፡ ትግራዋይ፡ የመናዊ፡ ሱዳናዊ፡ ጥልያናዊ ወ.ዘ.ተ. ምዃን’ኮ ክብሪ ኢዩ። ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ከበሳ ምስ ትግራይ መዳውብቲ ጥራይ ዘይኮንናስ፡ መዋስብቲ እውን ኢና’ኮ። እዚ ክዉንነት እዚ ስለምንታይ ተኻሒዱ? እምበኣር ኢሳይያስ ክበጽሖ ዝደሊ ጥርዚ ስለዝነበሮን ዘለዎን፡ ‘ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ከም ዝበሃል፣ መጓዕዝቱ በዓል ክሻ ምዃኖም ካብ ዝፈልጥን ሰቡ ካብ ዘለሊን ውሑድ ዓመታት ኣይኮነን።

ንሕና ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ንዝውለዱ ዝነበሩ ደቅና፡ ደጀን፡ ናቕፋ፡ ፍትሒ፡ ታሪኽ፡ ፈንቅል፡ ሳሊና ወ.ዘ.ተ.. ዝብሉ ኣስማት ከነውጽኣሎም እንከለና፣ ንሱ ግን ዓሻ ኣይኮነን፣ ሰንሰለት ወለድኡ ንምልቃብ፡ ንቦኽሪ ወዱ “ኣብራሃም” ዝብል ናይ ኣቦ ሓጉኡ ስም ኢዩ ኣውጺኡሉ። ኣዒንቲ እንከለዎ ዘይርኢ፡ እዝኒ እንከለዎ’ውን ዘይሰምዕ ህዝቢ ኣለና’ሞ፡ ምሕረት የውርደሉ ምባል ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ ሳልሳይ እዚኒን ሳልሳይ ዓይኒን ይሃቦ።

ኢሳይያስ፡ ንተጋዳሊት ሳባ ሃይሉ’ውን ኣብ ዓንበርቦብ ብባሕቲ ግንቦት 1985 ዓ.ም. ዘርኢ ቆጺሩ ኢዩ ተመርዕዩዋ። ዘርኡ ኣለልዩ ክምርዖ መሰሉ ኢዩ። ብሰበብ ዘርኢ ዝተሰርሐ ጉጅለ ክሻን ማንከይን ግን፡ ዕንወት ሃገር ኢዩ ኣኸቲሉ። በዓል ክሻ ምሻ ብትግሃት ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝመርሕዎ፡ ንህዝብና ሰላምን ራህዋን እንተዘውርድሉ፡ ሕድሪ ስዉኣትና እንተዝትግብሩ፡ እቲ ኩሉ ዝረኣናዮ መሰክሕ ገበናት እንተዘይፍጽሙ፣ ‘መለሳ ጣይታ ብኩዖ’ ከም ዝበሃል፡ ናይ ኣስማትን ወለዶን ጉዳይ ኣምበይምሃለወናን። በዓልቲ ቤቱ ንጋኔን፡ ሳባ ሃይሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር መማህርተይን ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ውፍይቲ ጓል ኣሃዱየይን ኢያ ነይራ።

ጅግና ተጋዳሊት ሳባ፡ ንውዕሎ ጅግንነታ ኣነ ቀዳማይ ምስክር እየ። ሳባ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል ኣቶ ሃይሉ ኢያ። ኩሉ ናይ ቀደም ነባሪ ኣስመራ ከም ዝፈልጦ ከኣ፡ እንዳ ኣቶ ሃይሉ፡ “ሃይሉ ዓጋመ” ዝብል መጸውዒ ስም ከም ዝነበሮም ዕዳጋ ሓሙስ ይመስክሩ። ስዉእ ሃይለ ሃይሉ፡ ሓዋ ንሳባ፡ “ዓረቦ” ዝብል ፍሉጥ ሳጓ ዝነበሮ ተጋዳላይ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኣብ ውግእ ስንስሕለ /ከባቢ ብሹኳ/ ዝተሰውአ፡ ባዕለይ ዝቐበርኩዎ ጅግና ሃይለ ዓረቦ ሓዋ ንሳባ ንዘለኣለም ይዘከር። ሃይለ ተመሃራይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣስመራ እንከሎ ቀንዲ ስሙ፡ “ሃይለስላሴ” ኢዩ ዝነበረ። ምስ ምስላፉ “ሃይለስላሴ” ዘይቅብልቲ ስም ስለዝነበረት ከኣ፡ ሙሉእ ስሙ “ሃይለ ሃይሉ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ብሰንኪ ኢሳይያስን ኣኽላባቱን ዝገብርዎ ዘለዉ ምድንጋራት ንምብራህ ኢለ ስም ጅግና ስዉእ ሃይለ ዓረቦ ብምልዓለይ ከኣ፡ ይቕሬታ ነቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ሂወቱ ዝኸፈለ ጅግና።
ሎሚ ኣብ ዘመነ ክሻ፡ ዘመነ ምድህላል፤ በዓልቲ ቤቱ ንገበነኛ ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ “ሳባ ሃይሉ” ሃይሉ ዝብል ስም ከየፍልጠና ተባሂሉ ያኢ! “ሳባ ሃይለ” ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ተጻዒሩሉን ተቐዪሩን ኢዩ። ኣብ ጉግል ብዛዕባ ስድራ ቤት ኢሳይያስ ኣብ እትፍትሽኩ ግዜ፡ ስም በዓልቲ ቤቱ ኣብ ክንዲ ሳባ ሃይሉ፡ ናብ “ሳባ ሃይለ” ኢዩ ተቐይሩ ዘሎ። ስለምንታይ ግን ክሳብ ክንድዚ ሽቑረራ?

ናብ ጉዳይ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ዶ ክንምለስ። እቶም ካልኦት ኢሳይያስ ህዝቢ ንምብትታን ዝሓርዮም መሳርሕቱ፡ ሰረት እምነቶም ኣጥፊእካ ምጥፋእ፡ ዝብል ኢዩ። ሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ዓዋሉ፡ ሓሰውቲ፡ ተጀሃርቲ፡ ሰኽራማት፡ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሎም ከሓድያን ኢዮም። ኣእዳዎም ብደም ንጹሃት ደቀባት ዝተሓጽቡ ዜጋታት ኢዮም። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኢሳይያስ ብወለዶ ዝገብሮ ስዉር ምትእኽኻብ፡ ካብ ጭቡጥ ታሪኽ ተበጊሰ እጽሕፍን እዛረብ እየ። ገለ ሰባት ኣነ ንዝጽሕፎ ጉዳይ ምትእኽኻብ ብትውልዲ፡ “…ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ብወለዶ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣየድልን ኢዩ” ይብሉ። ብምትእኽኻብ ወለዶ ዝመጽእ ዘሎ ከቢድ ደመና ግን፡ ጽባሕ ቢጊሓት ዘውርዶ ኣይሂ ክንርኢ ኢና። ሳልሳይ እዚኒን ሳልሳይ ዓይኒን ይፍጠረሉ ንህዝቢ ኤርትራ!

ወላ’ኳ ብዙሓት ኣኽላባት ንኢሳይያስ፡ ንክሻ፡ ንየማነታትን መሰልቶምን ከጸባብቑ፡ ዝተፈላለየ ኣዝማልቶታት እንተቐብኡ፡ መበቆልን ታሪኽን ግን ብዝብጽበጽ ቀለም ኣይድፈንን ኢዩ። እምበኣር ናብዚ ዘመነ ክሻ፡ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ዝብል ቴማ ዝበጻሕናሉ ቀንዲ መሳልል፣ እዋሕስ አግብእ! ምትእኽኻብ ብትውልዲ ኢዩ። ኢሳይያስ ከምዚ ኢዩ ዝገብር ዝነበረን ዘሎን። ከም ክሻ ዝኣመሰሉ ክእክብን ናብ ዝለዓለ ሓላፍነት ከደይብን እንተኾይኑ ድማ፡ ነቶም ቀንዲ እሕሕሕ! ክብሉ ዝኽእሉ ደቀባት ከጽንት ነይሩዎ። ነዚ ብዝምልከት፡ ብልክዕ ምስክርነት ዘየድልዮ ሓቂ ከኣ፡ ተራ ክሻን የማነታትን ህያው ኣብነት ኢዩ።

ሰኽራማት ጀነራላት ከኣ፡ ብሰንኪ እቲ ኢድ ኢሳይያስ ሒዞም ዝሓረድዎ ክሳድ ንጹሃት ደቂ ኤርትራ፡ ከየደቀሶም ስለዝሓድር፣ ጥፍኣት ይኹን ልምዓት ምስ መራሒኦም ኢዮም መሪጾም። ምርጭኦም ድማ ንህዝቢ ኣርእዮሞ ኢዮም። መራሕቶም ዝነበሩ ገዳይም ሰብ ተመኩሮ እናረኣዩን እናሰምዑን ናብ ዒራ ዒሮ ኣሲሮሞም። ንክሻ ኣንጊሶም ድማ፡ ኣብ ብርኩ ሰጊድ-ሰላም ኢሎም ሓሞቶም ኣፍሲሶም። ምእሳርን ምጥፋእን ጉጅለ 15፡ ከም ምድፋን ማይ ምድረ-በዳ፡ ምቕባር ሰባት ማለት ምጥፋእ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ኣስቴር ፍስሓጽዮን፡ ጴጥሮስ ሰለሞን፡ ሃይለ ወልደንስአ፡ ወዲ ኬክያ፡ ሚርያም ሓጎስ፡ ዑቕበ ኣብራሃ፡ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ሓምድ ሕምድ፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ሰናይት ደበሳይ፡ ፍስሃየ ጆሽዋ ወ.ዘ.ተ… ምቕባር ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣድማሳዊ ዕንወት መንነት ኣኸቲሉ ኣሎ።

ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15፡ ኢሳይያስ ብዕምቆት ኣስተንፊሱ ኢዩ። ሽዑ ዝነበረ ሸበድበድን ስኽራንን ከኣ ንበይኑ ኢዩ። ጋኔን! ኣብ ባር ሻምሮክ ብዊስኪ ምስ ተሓጽበ፡ “…ሎሚ ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን። እቶም ንኸውን ኢና ኢሎም ዝንየቱ ዝነበሩ ከኣ፡ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና” በለ። ኤርትራ ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ ስለዘይተረፋ ካኣ፡ ኣብ ዘመነ ክሻ ‘ክሻ በል ክትድረር’ ተባሂሉ ኣሎ።

ሞክ ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል …