ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
16 ግንቦት 2015
2ይ ክፋልን መወዳእታን

ኢሳይያስ፡ ኣብ ገርሂ ልቢታት ኤርትራውያን ዝተሓብአ ቫይረስ ኢዩ። ከምቲ ፈውሲ ዘይርከበሉ ሕማም ከኣ፡ ዛጊት ንሕና ደቂ’ዛ ሃገር መድሃኒት ኣይረኸብናሉን። ስለዚ እቲ ንኢሳይያስ መመሊሱ ዝሓብእን ዘሰውድን ዝነበረ ትካል መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ተሃሪሙ ኢልካ ክስማዕ ዝወርሐ ግሁድን ሕቡእን ቁዘማ፡ ንኣዳም ገረሞ ኢዩ።

ናይ ሞት’ሞ ይጽናሕ፡ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳይያስን ጭፍርኡን መስሓቕ ሸራፋት ብምዃና ብሕልፈታ፡ ክብከየላ ምተገብአ። እዚ ኣብ ሜዳ ንብዙሓት ምሁራት ተጋደልቲ ዝቐንጸለን ንላዕለዎት ሓለፍቲ እናጸፍዐ ዝመጸን ኢሳይያስ፡ ቃሕ ከም ዝበሎ ንክገብር ገፊሕ ማዕጾ ዝኸፈቱስ እቶም ዘገም ኢሉ ናብ ዒራዒሮ ዝኸተቶም መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ኢዮም።

ካሪክለም ኣዕነውቲ ኣዋጃት እናተሓንጸጹ፡ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምፍራስ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት፡ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፡ ምምካን ቅዋም ኤርትራ፡ ምፍራስ ግንባራት ባድመን ፋውሊናን፡ ወ.ዘ.ተ… ኣብ ዝተራእየሉ ግዜ፣ እቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ቅድሚ ምእሳሮም ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ነይሩዎም። እወ! ሽዑ ሰኣን ብትኽ፡ ሃገር ሎሚ በቲኻ ኣላ። መሪሕነት ጉጅለ 15ን ሃገራውያን ጋዜጠኛታትን፡ ምዕጻው እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምስ ተጋህደ ከኣ፡ ገበል ዝነበረ ኢሳይያስ ናብ ኣሰለት ምቕያሩ ነጊሩና እንከሎ፣ እሕሕ ዝብል ድምጺ ኣይተሰምዐን። እምበኣር ንኤርትራ ሽዑ’ውን ክብከየላ ምተገብአ።

እወ፡ ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ! እዛ ናጽነታ ንምርካብ ልዕሊ 65 ሽሕ፡ ኣብቲ ኢሳይያስ ዝኣጎዶ ዓርሞ ባድመ’ውን በራውር መንእሰያት ዝሃለቑላ ሃገር ክብከያ ምተገብአ። ክብከያ እንተኾይኑስ ቢሻ ምስ ተደብደበ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ምትሓዝ ባድመን ምፍራስ ግንባር መረብ ሰቲትን ምተበኽያ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ፣ “ኤርትራ 25 ኪ.ሜ. ንውሽጢ መሬታ ኣትያ ደው ክትብል፡ ማለት ገዛእ ልኡላዊ መሬታ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ /Temporary Security Zone/ ይኹን” ዝብል ርእይቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ውሳኔ ክሓልፍ እንከሎ ምተበኽያ። ኢሳይያስ ከኣ፡ ነቲ ናይ ምንብርካኽን ሞትን ውሳኔ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ክታሙ ኣንበረሉ። እዚ ኣብ ፋኛቱራታት ኣባሻውል ምስ ዋንጫን ብርለን ዝዓበየ ዝወጽኣሉ ላምፐን፡ ካብ ሰብኣዊ ስነ-ምግባር ዝረሓቐ ስለዝኾነ፣ ዘሕፍሮ ጉዳይ የለን። ‘ኣመል ምስ መግነዝ’ ከም ዝበሃል፣ ቀናእ፡ ህልኸኛ፡ ነኻሲ፡ ቃጸኛ፡ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ዝባህርያቱ ኢሳይያስ፣ ሎሚ ኣብ መበል 70 ዓመቱ ለውጢ ክገብር ምጽባይ፡ ዕሽነት ጥራይ ኢዩ። ንኤርትራ ዝርንዝሕ ክንበዓላ ዝግበኦም ዓመታት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም።

እዛ ሃገር ክብከያ፡ ቋሬጣ ክእዘዘላን ደም ክንበዓላን እንተኾይኑስ፡ እቲ ልኡላዊ መሬታ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ’ውን ዝተፈርደላ ባድመ ገና ኣብ ኢድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምህላዉ ኢዩ። ‘ኣደስ ትሓብእ’ሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ’ ከም ዝበሃል፣ ነዚ ሓቂ’ዚ ጎስዩ ክሓልፍ ዝደሊ እንተሎ፡ ንብርሃን ጸሓይ ብኮበርታታት ጌርካ ንምኽዋል ምፍታን ከም ማለት ይቑጸሮ።

ብዙሓት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና ዝብሉ፡ ነዚ ኩሉ ሞትን መግነዝትን ረሲዖም ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስቶም ደገፍቲ ህግደፍ ብሓደ ቃና “…ኢትዮጵያ ዶብ ክሊ ኣየርና ጥሒሳ ናብ ቢሻ ደብዲባ” ዝብል ኣይትሓዙና ምስማዕና ከኣ ዘስደምም ኢዩ። ብዛዕባ ስርሒት ቢሻ ብዙሕ ዘደናግር ኣታዊን ወጻኢን ወረታት ክስማዕ ወሪሑ ኢዩ። ኩሉ ዘዝመስሎ ገምጋምን ትንታኔን ከም ዝገበረ እውን ሰሚዕናን ኣንቢብናን ኢና። ድሒሩ ብዝመጽእ ዝነበረ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ደብዳብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ተኻይዱ። ገለ ብሚሳይል ገለ እውን ብከቢድ ብረት ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ሓለምቲ’ውን ከይሓፈሩ ንሕና ኢና ጌርናዮ ደኣ በሉ። ብቕንያቱ ናይ ኣመለኻኽታ ፍልልይ ኢዩ ቀንዩ ዘሎ።

ደገፍቲ፡ ከምቲ ኣደይ ትብሎ ዘይኮነስ፡ ሰበይተይ ከም እትብሎ ይግበረለይ ክብሉ፡ እቲ ዕንወት ንክፎኽሰሎም ክጽልዩ ቀነዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ’ውን ስግንጢር ዝኾነ ኣረኣእያታት ኢዩ ተሰሚዑ። ማለት ኣነን ከምዚ ከማይን ብምኽንያት ዕንወት ትካል ወርቂ ቢሻን ማሕጎማ ኢሳይያስን፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ”እንቋዕ ተዓለለ!” ኢልና ኢና። ሕጂ’ውን ብነጎድጓድ ድምጺ ዝድገም ዕልልታ ኢዩ። ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ኢዩ ነገሩ። እዞም ወገናት በቲ ኣብ ትካል ህግደፍ ዝወረደ ደብዳብን ዕንወትን “ክሊ ኣየር ኤርትራ ተደፊሩ” ኢሎም ሓዚኖም። ሎሚ ኣከያይዳ ኢሳይያስ ይነግረና ከም ዘሎ ግን፡ ክሊ ኣየር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላሳ ግሁድ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ጽሒፍናሉን ተዛሪብናሉን ኢና። ነዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ንስዉኣት ዝጠለመን ስርዓት ህግደፍ ክሓዝኑሉን፡ ኤረ እንተክኢሎም’ውን ነጸላ ተዓጢቖም ክበኽዩሉን መሰሎም ኢዩ። ቢሻ እታ ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺላ እስትንፋስ እትህቦ ዝነበረት ኢንፍዩዥንን ቀላቢት ደምህትን ኢያ። ምብታኽ እዛ ቀላቢት ኣኽላባት ጎረባብቲን መቕተሊት ህዝብናን ዝኾነት ኢንፍዩዥን ከኣ፡ ነቲ ናብ ደም ገበነኛ ዝወርድ ዝነበረ ግሉኮስ ምቁራጽ ማለት ኢዩ።

ስለዚ ክሳድካ ቆሪጹ፡ ጥዕና ይሃብካ፡ ከም ዝበሎ ኣይረጋሚ ኣይመራቒ፡ ኢሳይያስ’ውን ሕጂ ብሰንኪ ዕንወት ትካል ቢሻ ክሳዱ ምስ ተቖርጸ ግሩም ዝኾነ ጥዕና ክረክብ ኢዩ’ሞ ምቕናይ ጥራይ። ኢሳይያስ ከም ህንኩቶ ቀውዒ፡ ክርቢት ዘይሸርጠጠሉ ከባቢ የለን። ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ጂቡቲ ጥራይ ከይኣክል ድማ፣ እዞም ሕጂ ኣብ የመን ዝዋግኡ ዘለዉ ሁትሲ /ተኸተልቲ ሺዓ/ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዓሊሙን ኣዕጢቑን ኢዩ ጓህሪ ኣጒዱሎም ዘሎ። ስለዚ ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ! እዛ ሃገር መራግእታ ምስ ተጀልሐ ክብከየላ ምተገብአ።

ብሰንኪ ኢሳይያስ ዝተኸተሎ ሰባብ ሜላ፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ተዃዕኒኑ ዘሎ ሕሰም መዘና የብሉን። ኢሳይያስ ንምእላይ ደኣ ክንደይ ዓመታት ዲዩ ተቖጺሩ ዘሎ? ግን ስንክልናና ኣይፈለጥናን። ንቢሻ ባዕልና ክንሃርማ፡ ንቀንዲ ትካላት ህግደፍ’ውን ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ከነዕንዎን ክንሃርሞን ኣለና ዝብል ጽውጽዋይ፡ ንህሉው ዓቕሚን ኣከያይዳን ደምበ ተቓውሞ ዘይምፍላጥ እመስለኒ። ደምበ ተቓውሞ ቀርኒ ዘይብሉ ብዕራይ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከምኡ ዝኾነሉ ጉዳይ ከኣ ኣይተሳእነን።

እዛ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ባኒ’ውን ትኹን ርእዩላ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ዝሕፈሰላ ቢሻ፡ ንብረት ኢሳይያስ፡ ሓጎስ ክሻን የማነታትን ኢያ። ስለዚ ቢሻ ኣይተሃረም ማለት ብካልእ መንገዲ፡ ኢሳይያስ ይጽናሕ፡ ይጨፍጭፈናን የጽንተናን ከም ማለት ኢዩ ዝቑጸር። ትካላት ኢሳይያስ ምህራም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዑኡን ነቶም ቀንዲ መጫፍርቱን ኣነጻጺርካ ምምንጣል’ውን መድለየና’ኮ! ግን በየን ኣእጋር፡ በየን ኣሰጋጋር ኮይኑ። ጉዳይ ህዝቢ ንዘለኣለም ተረጊጹ ዝነብር ኣይኮነን። ኣንቱም ቢሻ ተሃሪሙ ኢልኩም ከተላቕሱ ዝቐነኹም፡ ኢሳይያስን ኣኽላባቱን ዝመሃሩሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን’ሞ፡ ጸሊም መንጠሊናኹም ኣዳልዉ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!!