ዕድመ ንካልኣይ ዓመታዊ ህዝባዊ-ጉባኤ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡

ዕድመ ንካልኣይ ዓመታዊ ህዝባዊ-ጉባኤ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡

ንቀዳም 10 ጥሪ 2015

ብመሰረት ዓንዲ-ሕጊ ማሕበርን፡ ውሳኔ ራብዓይ ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባን፡ ካልኣይ ህዝባዊ ጉባኤ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡ ንቀዳም ዕለት 10 ጥሪ 2015 ክግበር ምዃኑ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ንሕብር።

indiana-policማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽን ፍትሒ ክነግስን ዝጽዕት ብዕላዊ ህዝባዊ መጋባእያ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝቖመ፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መኣዲ ወይ ባይታ’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኩሉኹም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ እትብህጉን ብስሙር ሃገራዊ ሓባራዊ ቃልሲ ብናይ ሓባር ዕላማን መደብ-ስራሕን ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ኣካል ናይ ፍታሕ ንምዃን እጃምኩም ከተበርክቱ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ሰዓቱ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።

ጉባኤ ተሞክሮ ዝሐለፈ ዓመት ገምጊሙ፡ እቲ ክመሓየሽ ዘሎዎ ንምምሕያሽን፡ ንዓመት ንስራሕ እተካይድ ሽማግለ ንምምራጽን ካብ’ቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ ጉባኤ ኢዩ። ብማዕርነታዊ ተሳትፎ ናይ ዜጋታት፡ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ እቲ ኣብ ጉባኤ ብህዝቢ ክጸድቀሉ ዝደልዮ ሓሳብ ከምጽእ ሙሉእ መሰል ከምዘሎዎ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል-ልደትን፡ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ከኣ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት፡ ዓመት ዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ስኒትን ራህዋን ሰላምን ክግብረልና ንምነ።

ዕለት – ቀዳም ዕለት 10 ጥሪ 2015
ሰዓት – 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ – ደብረ-ገነት ኪዳነምሕረት ቤተ-ክርስትያን
230 W. Morris St. Indianapolis IN. 46225

ብድሓን ምጹ!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.