ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ህዝቢ ኤርትራ ኮ ተዋሪዱ
ዝመርሖ ድዩ ተሳኢኑ ዕንዱ፡
ሕዋቱ ኣሓቱ ደቁ እንዳተሓርዱ፡
ካን ኮይንዎ ድርባይ ኮይኑ ተሪፉ ዓኒዱ፡

ከም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዓለም መጠን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንመሰሉ ኩሉ ግዜ ምስ ተቓለሰ’ዩ። ን100 ዓመት ዝኣክል ካብ መግዛእቲ ጣሊያን ኣስዒቡውን መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ቀጺሉ ብሃይለስላሴ ክሳብ መወዳእታ ናይ ደርጊ ምዕናው ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ብቅልጽሙ ሓራ ዘውጸኤ ህዝቢ እዩ።

ድሕሪ ናትነት ልኡላውነቱ ምስ ኣረጋገጸን ናብ ባርነት ቀይዲ ኢሰያስ ምስ ተቖረነን ግን፡ ኣይግድን ንመሰሉ ክካላኸል ኣይካኣለን ምስ ሓራዲኡ ከሳሲ መሪጹ። እቲ ሕሉፍ ጅግንነት ተሞሮኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣለዎ ዝባሃል ደኣ ኣበይ ኣቲዩ እቲ ናይ ኤርትራውያን ውደባ መሪሕነት ብቕዓት? ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ኣመል ምስ መግነዝ ከምዝባሃል፡ ኤርትራውያን ራዛ ናይኣቡኡ ሓዛ ግዲ ኮይንዎ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ እንኮ ሓደ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እንዳሃለወ ክንሱ ብኣልማማ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ እንዳጨፍለቖ፡ ልዕሊ 30 ውድባት ኤርትራውያን ፈጢሮም ሓድነት ከይፈጠሩ ክምክትዎ ደሊዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ 50ታት ዝነበረ ኩነታት ሳኣን ሓድነት ኤርትራውያን ንኸይሳማምዑ ብዝተፈላለየ ገለ ብኣንድነትን ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ብኣራቢጣ እስላሚያን ወዘተ. ክሳብ ካብ 10 ዘይውሕዳ ወደባታት ፈጢሮም ተጓዛዝዮም ፍሬ ከየፍረዩ ክሳብ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ኤርትራ ከም ትቑረን ኮይና። ብሰንኪ እቲ ሓድነት ኤርትራውያን ዘይምፍጣሮም ህዝቢ ኤርትራ ተገዲዱ ንሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ብ1961ዓ.ም. ብረት ክዓጥቕ መንእሰይ ኤርትራ ወሪዱ። ኣብቲ ብረታቂ ቃልሲ እውን እንተኾነ ብኽንደይ ሓርጎጽጎጽን ሽርሒታትን መቕዘፍቲ ንጹሃት ኤርትራውያን ብመሪሕነት ናይዘን ክልተ ውድባት ብጀብሃን ሻዕቢያን እንዳተፈዘመ ምስ ተንኮላቶምን ገበናቶምን ን30ዓመት ዝኣክል ንኽንድኡ ዓመታት ክወስድ ዘይግቦኦ ዝነበረ ቃልሲ እቲ ኢሉ በቲ መቸስ ብ1991ዓ.ም. ናጽነት ኤርትራ ብቕልጽም ደቁ ተጨቢጡ ሰውራ ኤርትራ ኣብቒዑ።

ኣብቲ መሪር እዋን እቲ ጽንኩር ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝነበረሉ ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ግንባር ክዕወት ዘኽኣሎ ንመይኑ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ኲናት ሜዳ ኤርትራ ምስ ባሓተ ተቓሊሱ ኣይምተዓወተን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ደቁ ከም ማይን ጸባን ኰይኑ እንተዘይ ሕወሶ።

ልክዕ’ዩ ህዝባዊ ግንባር መካናይዝ ዝኾነ ውድባዊ ኣሳራርሓ ስለ ዝነበሮ ክዕወት ዘኽኣሎ ዘይሳሓት ሓቂ’ዩ። ነዚ መካናይዝ እዚ ሞቶር ኰይኑ ዘስረሖ ዝነበረ ብናይ ሓደ ሰብ ርእሲ ናይቲ ውድብ የንቃሳቕሶ ብምንባሩ ኢሰያስ ኣፈወርቂ በታ መካናይዝ ዝኾነት ውድባዊ ሞቶረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ብዙሓት ርእሲ ተዋሃሂዱ ነቲ ሞቶረ ዘይምስርሑ ግን ነቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኣካላዊ ሞቶር ህዝባዊ ግንባር ነቲ ሓረግ የሕሪሩ ናብቲ ናብ ድሕሪ ምሕራር ሓራ ኤርትራ ምውጻእ ናይ ናጽነት መስርሕ ናብ ውልቀ ምልኪ ባርነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክብሕቶ ዕድል ኣይብረኸበን።

ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝባዊ ግንባር ከ ምተዓወተ’ዶ?
ከም ዝመስለኒ ኣይፋሉን ህዝባዊ ግንባር ኣይምተዓወተን። ስለምንታይሲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ምትላል ሰባት ክእለት ከመይ ገርካ ተማሓድሮምን ናይ ምእዙነት ኣብ ትሕቲ ሰባት ዝፈጥር ምውህሃድ ክእለት ናብ ቻይና ኣብ ዝኸደሉ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮርስ ዝወሰደሉ ፍልጠት ቀሲሙ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘሎ ሰብ እዩ። ነቲ ዝተምሃሮ ናይ ማኦ ኣገባብ ዕላማ ተኸቲሉ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከስርሖ ዘተግበሮ ሜላታት ተጠቒሙ ንሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ከምድላዩ ምኡዙዛቱ ከም ዝኾኑ ዝገብሮምን ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዘሎን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ን30 ዓመት ውሽጡ ውሻጠኡ ዝነበረ ግዕዘይያት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ንኽንደይ ምሁራትን በላሕትን ዝነበሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንህዝባዊ ግንባር ጥራሕ ዘይኮነስ ንመጻኢት ኤርትራ እውን ዓቢ ግደ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት በቲ ዝነበሮ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተንኮላዊ ብልሓት ተጠቒሙ ግን ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ምሕያራትን ምቕንጻላትን ብኢሰያስ ዝተፈጸመ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባርን ድሕሪ ናጽነትን እዚዩ ኢልካ ዝትንተን ኣይኮነን። ከምዚ እንዳገበረ ዝመጸ መራሒ ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ዝማሕድሩ ዘለዉ ሓለፍቲ ናይ ኢሰያስ መትከል ዝኽተሉ እምበር፡ ናይ ተጋደልትን ናይ ህዝብን ጸገም እንታይ ዓይነት የጓንፎ ኣሎ ህዝቢ ዝሪኡን ዝሓስቡን መረሕቲ ኣይኮኑን፡ ኢሰያስ ያሃሉ ጥራሕ ክነብር ዝብሉን ዝሓስቡን እዮም።

በቲ ዝነበረ ዱልዱል ዝኾነ ውዳበ ሓፋሽ ውድባት ሓደ መርኣያ ናይቲ መካናይዝ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ግንባር ውድባዊ ኣሳራርሓ እዩ። ቀጻልነት ናይቲ ዝሓለፈ ሓፋሽ ውድባት ነዚ ናይ ሕጂ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ህግደፋዊ ውዳበ ስጡም ዝኾነ ናይ ኣባልነት ተሰታፍነት ሓንጎሎም ሓጺቡ ብርእሲ ኢሰያስ ከም ዝቃሳቐሱ ገይሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣረመናዊ ምሕደራ ሪኦም ከምዘይ ራኣዩ ገይሩ’ዩ ሰሪሑዎም ዘንቃሳቕሶም ዘሎ።

ወዮ ደኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እቲ ክእለቱ ንተንኮልን ንኽፍኣትን ኰይኑ እምበር፡ ከምቲ ለይትን ማዓልትን ዝሰርሖ ዘሎ ንጽቡቕ ድልየትን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ነይርዎ እንተዝኸውን ኤርትራ ሃገርና ኣይከምዚ ዘላቶ ሕጂ ህዝባ ኣብ ባርነት ኣብ ውልቀምልኪ ኣይምሃለወትን። ማዕረ ኽንደይ ክእለት ኣለዎ እዩ ግን ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ገይሩ ዝገዝኦ ዘሎ የታሓሳስበካ’ዩ። ካብኩሉ እቲ ዝገርመካ ነገር እንተሎ ነቲ ብልሓት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላታት ነቲ ክፍኣት ተግባራቱ ንልዕሊ 46ዓመት ከይተበትከ ስልቲታቱ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዩ። ስለምንታይ ኤርትራውያን ክልተ ዓይነት ብልሓት ክጥቐሙ ዘይካኣሉ። ወይ ከምታ ንሱ ዝጥቀመላ ሜላ ተጠቒምካ መስርሕካ እንዳዋፈርካ ነቲ ዝሓስቦን ዝኣልሞን ዘሎ ስልቲ ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ስለ ዘለኻ ነብስኻ ክትካላኸል ትኽእል። ስለምንታይ ሓደ ዓይነት ምስሊ ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ። ኣብታ ካልኤቲ ኣብተን ውድባት ኤርትራውያን ዘሎ ሕምቀት ንህዝቢ ወዲበን ክጥርንፎኦ ስለ ዘይካኣላ፡ ከምቲ ናይ ህግደፍ ኣወዳድባ ሜላ ክኽተላ ኣለወን ብዲሞክራሲያዊ መትከል ኣሳራርሓን ንኹኩ ብማዕረ ዘሳትፍን መሰል ኤርትራዊ ዝሕለወሉ ክኾውን ኣለዎ።

ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ንመጻኢ ኣብ ሕቶ ምልክት ንህላወ ኤርትራ ትሃሉ’ዶ ኣይትሃሉ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት እያ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ምስጣሕ ዘላ። ኤርትራ ሃገርና ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ገደል የጽድፋ እንዳሃለወ ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ስርዓት መይቱ ንጉድጓዱ ዘእትዎ ሲኢኑ እንዳሃለወ ሳኣን ዝምክቶ ተቓወምቲ ሓይሊ ሲኢኑ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ንኸይካላኸል ፋሕ ጭንግራሕ ኣቲዎ ዳራኣየን ዳሰምዔን ይጸንት ኣሎ። ነቲ ንቡር ሂወት ዝባሃል ተፈጥሮኣዊ ከም ሰብ ምንባር ናብራ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ተሓሪምዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዘታሓሳስበካ ነገር እንተሎ ናይ ኤርትራውያን ውደባዊ ብቕዓት መካናይዝ ዝኾነ ወዲቡን ጠርኒፉን ሓደ መሪሕ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ራኢ ስለ ዘይብሉ ካብቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ውድባት ኢና ባሃልቲ ንህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዘይምኽኣሎም ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ? ይኽእሉ እንተትህልዉ ንምዉት ሬሳ ዶ ዳኣ ምቕባሩ ይስእኑ እዮም? እዩ ዘብለካ።

ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ጸብጺብካን ጸባጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን፡ በንጻሩ እኳዳኣ እንዳሓደረ ይምእርር።
ብፍላይ ኣብ ናይ ለውጢ ተስፋ ኣብ ዝቃላቐለሉ ወቕቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ነቲ ጨካኒ ዝኾነ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ዝሰኽዑሉ ባእታታት ኣይተስኣኑን። ብኢድ ተዛዋወሪ ዝግበር ሽርሒታት ገለ ካብቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ባሃልቲ ነቲ ናይ ለውጢ ተስፋ ሽታ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ተስፋ ከይህብ ዘዔክሱ ሓደሽቲ ዕላማታት ኣላዓዒሎም ናብ ሓደ መስመር ዘየኺደካ ዕላማ የጫልዱ’ሞ፡ ነቲ ስርዓት ከኣ ትንፋስ ክኾንዎ ይገብሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ በቲ ባርነታዊ ግዝኣተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሪርዎ ህዝቢ ሎምስ ያኣክል ደጊም ዝሓለፈ ኢሉ ኣብ ዝላዓዓለሉ ዘሎ ትንሳኤ ጠሊ ንለውጢ ዝኾነ ምንቅስቓስ፡ ብገለ ነውራማት ዝኾኑ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣውራጃ ክንጥርነፍ ኣለና፡ ክንደይ ግዜ ብዝተፋላለየ ንለውጢ ዘይፈተና፡ ሕጂ ግን ያኣክል በዚዩ መፍትሒና ዝብሉ ዓይነታት ነቲ ድኽመቶም ዝጎልሕ ዓቕመ ክእለት ህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዝኽእሉ ብቕዓት ዘይምህላዎም ብምዃኖም ከየስደመመና ኣይተረፈን።

ውድቀት ን ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ብፍቓዱ ኩሉኣለም
2014.12.07

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.