ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 01 ታሕሳስ 2014

ስኽራን የዕብድ’ዩ። የጻልእ፡ የዘናብል’ውን ኢዩ። ስኽራን ሓው ምስ ሓው የባእስ፡ ምስ ፈጣሪ የራኽስ። የኽስር፡ ኣማስይኡ ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ገደል የጽድፍ። ስኽራን ኤርትራውያን ናብ ዘይሽረጥ፡ በዓል 44 ቆለ (ዛርቲ) ካብ ዝቕየር ድማ ኣይወሓደን። እዋሓስ፡ አግብእ! ስኽራን ብኢሳይያስ’ምበኣር ኣማስይኡስ ምጽናት ሃገርን ህዝቢን ደኣ ኮነ።

ወይ መስደምም! ‘ነዚ ክትግዕታ’ዶ ትርህጻ’ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣራዊት ንክጠፍእ፡ ኣብ ገዛእ ደጎሉ ኣሰለት ኣዕብዩ ከይኣክል፡ ዳሕራዩ ዝኸፍአ ከኣ፡ ከም በዓል ዛርቲ ደቁ ኣብ ባሕሪን ምድረ-በዳን እናሃለቑ ስእሊ ኢሳይያስ ሓንጊጡ ይስዕስዕን ይቆጻጸን። እዚ ተግባር’ዚ ርእሰ ቅትለት ኢዩ።

ኣሰለት እታ ኣብ ለሰታት ጋሽ ሳሕቲ ግዜ እትረአ ደም እናሰተየት እትነብር ገበል መሰል እንስሳ ኢያ። ንሰብ ብከምዚ ኣብዚ ስእሊ ናይ ኣቶ ዓብዱ ንርእዮ ዘለና ትጥምጠሞ’ሞ፡ ደሙ ሰትያ ትቀትሎ ነበረት። ቀደም ግዜ መብዛሕትኦም ሰብ መታሕት፡ ካራ ዓጢቖም ንክኸዱ ይግደዱ ነበሩ። እቲ ተባዕ ሰብ፡ ኣሰለት ምስ ተጠምጠመቶ፡ ካራ መዚዙ ኢዩ ዝቖርጻ ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ደም ህዝቢ ዝሰቲ ዘሎ ኣሰለት ሃገርና ደኣ ሎሚ መን ይበድሃዮ?

እቶም ብዛዕባ ኣሰለት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብልኩም ዳሕረዎት ወለዶና፡ ንሰብ ጋሽ ባርካ ሕተቱ። ኢሳይያስ ብደም ኤርትራውያን ጎጽጊጹን ብኣዕጽምቲ ጀጋኑና መዊጹን ካብ በረኻ፡ ናብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝኣተወ ኣሰለት ህዝብና ኢዩ። እነሆ ክሳብ ሎሚ ብድሕሪ ናጽነት እውን ደም ንጹሃት ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ይነብር ኣሎ። መሲሉና! እወ መሲሉና ኢሳይያስ ብኤርትራን ህዝባን ዝቑርቆር፡ መሲሉና ኢሳይያስ ያኢ ጓሳ ህዝቢ ዝኸውን!

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኤርትራውያን ብዝናን ምልኪን ኢሳይያስ ካብ ዝሰኽሩ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ወላ’ኳ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስኽራን ተገላጊሎምን ካብቲ ሕሱም በዓል ሽራራ ቆለ ተሸሪጦምን እንተሃለዉ፡ ዛጊት ዘለዉ ሰኽራማትን ሰብ ዛርቲን ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ወዲ ሰብ ንገለ ሰዓታት ወይ መዓልታት፡ እንተነውሐ ከኣ ንሰሙናት ክሰክር ይኽእል ይኸውን። ስኽራን ኤርትራውያን ግን ገደብ ዝሰኣነ፡ መመሊሱ ዝእለኽ ኮሮንሾን ቡቕሊን ኢዩ።

ስኽራን ብመስተ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ። ሰባት ብሓጎስ፡ ብሽመት ይኹን ብሃብቲ ይሰኽሩ ኢዮም ክበሃል እንከሎ፡ መወዳእታ ኣለዎ። ሰባት ብመስተ እንተሰኸሩ’ውን፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ይበንን ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ ስኽራን ግን፡ ከምዚ ስኽራን ኤርትራውያን ብባዶ ዝና ኢሳይያስ ኢዩ። ኣብ ውልቀ ሰባት ዝፍጠር ገደብ ኣልቦ እምነትን ምልኪን ከምዚ ኤርትራን ህዝባን ረኺቦሞ ዘለዉ ርካብ ኢዩ ዘስዕብ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም፡ ብዙሓት ምንም ምስ ስርዓት ህግደፍ ረብሓ ዘይብሎም ኤርትራውያን፡ ህዝቢ እናጸነተን ሃገር እናጠፍአትን ንተግባራት ኢሳይያስ እናረኣዩ ገና ዝሰኸሩ ምህላዎም ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብስዉር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣግሂዱ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን እናኣሽካዕለለ፡ ገና ብኢሳይያስ ዘጉርዑ፡ ዘይተሸረጡ ሰብ ቆለ ብዙሓት ኣለዉ።

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ንዕቀት፡ ብዘየዳግም ቃላት ኣግሂዱ ነጊሩና ኢዩ። እዚ ከኣ ንሕና ካብ ዝሃብናዮ ናእዳ ዝተበገሰ ኢዩ። ‘ደርሆ ጻሕቲራ-ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ’ ከም ዝበሃል፡ ኤርትራውያን ድማ ልዕሊ ፈጣሪ ንኢድናን ሞጒስናን መጽነቲና ኣሰለት ኣምጺእና። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሎሚ 2014 ኣብ ቲቪ ህግደፍ ዝገበሮም ቃለ መሕትታት፡ ብዘይካ ንህዝቢ ዘናሹን ዘነኣእስን፡ ተስፋ ዘቑርጽን ዘሰንብድን፣ ካልእ ህዝባዊ ዛዕባ ኣይሰማዕናን። ኣብ ደገ ምስ’ዝመደበረን ማዕከናት ዜና’ውን ብዘይ ስኽፍታ ኣሽካዕላሉ ገሊጹዎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ፡ “…ምናልባት ድሕሪ 30 – 40 ዓመታት እንተተገብረ” በለ። ቀጺሉ፡ ነቲ ብሰንኪ ኤርትራውነቱ ጥራይ ናብ ጉድጓድ ዒራዒሮ ዝተሓየረ ጋዜጠኛ ፍስሃ ዮሃንስ /ጆስዋ/ ‘ትፈልጦ’ዶ’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ድማ፡ ምንም ከም ዘይፈልጦ ገለጸ። ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ኒው-ዮርክ ብኣካል ተረኺቡ ኣብ ቅድሚ ካብ ካናዳን ኣሜሪካን ዝተኣከቡ ኣሽሓት ሰኽራማቱ ኤርትራውያን፣
“…ንዓይ ኣብ ኤርትራ ዝቖጸረኒ ሰብ ይኹን ደሞዝ ዝኸፍለኒ’ውን የብለይን” በሎም። ሰኽራማት ከኣ ኣጻብዕቶም ክሳብ ማይ ዝምዑግ፡ መመሊሶም ደኣ ኣጣቕዕሉ። “…ኣነ ድቃስ እፈቱ’የ፡ ብዙሕ ሰዓታት እየ ዝድቅስ” ድማ በለ ኣብ ቲቪ ህግደፍ። ‘ደቃሲ ኣይሓሉኻ፡ ነዓቒ ኣይፍቶኻ’ ዝበሃል ደጊም ከምዚ ኢዩ። “…ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ኢዩ ዝኸይድ’ምበር፡ ማይ ናብ ሰባት ዘለዉዎ ኣይመጽእን ኢዩ” ክብል’ውን ኣሽካዕላሉ ደገመ። እዚ ቃና’ዚ ብካልእ ኣበሃህላ፡ ንክቱር ንዕቀትን ጠቃር ጽልኢን ዘመልክት ላግጺ ኢዩ። ብዛዕባ ቅዋም ከኣ ሕፍር ከይበለ፣ “… ቅዋም ክንነድፍ ኢና … ወ.ዘ.ተ…” በለ። ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ’ኮ ኣለዎ ኢዩ። ናይ ሎሚ ሰኽራማት ኤርትራውያን ግን ክብርታቶም ዝሓረጁን ውሽጦም ዝመኸኹን ዝተጀልሑን፡ ኣብ ኣራእሶም ንዝደየበ ሕሱም ቆለ ክፍውሱ ዘይክእሉ፤ ብክታብ ኢሳይያስ ዝደንዘዙ ሰባት ኢዮም እንተተባህለ፡ ኣይተጋነነን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕሉፍ ኣምላኺ ህዝቢ ኢዩ። ንኢሳይያስ ከም ሰብ ዘይኮነስ፡ ከም ነብዪ ኢዩ ርእዩዎ። ገለ ኤርትራውያን ኣዴታት ሕሉፍ ሓሊፍወን ንስእሊ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ኣሳእል ቅዱሳን መላእኽቲ ሰቐልኦ። ፍዳ እዚ ሓጥያት’ዚ ድማ እነሆ ደም ኤርትራውያን ናይ ቀደምን ናይ ሎሚን ኣብ ፈቐዶ ሲናይን ባሕሪን ደመ-ከልቢ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ኤርትራ እትበሃል ሃገር ናብ ዘይምህላው፡ ኤርትራውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ድማ ናብ ዛንታ ኦሪት ዘፍጥረት ገጹ ይገማገም ኣሎ። ኢሳይያስ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዝተሰለፈሉ፡ ብፍላይ ከኣ ካብታ ናብ ዓላ ዝተጸንበረላ ቅርስስቲ መዓልቲ፡ ክሳብ ሎሚ ከም ኣሰለት ሩባ ጋሽ ንልዕሊ 40 ዓመታት ደም ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ዝመጸ ሓደገኛ ፍጥረት ኢዩ። ካብ ግዜ ሰብዓታት ጉዕዞ ኤርትራውያን ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ስኽራን ኤርትራውያን ብዝና ኢሳይያስ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብ ክፍላ ሰብዓታት፡ ‘ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስኻ ትጋደል፡ ኣዴኻ ትበኪ’ ኢልና ደረፍናሉ። ዕሉም! ከደ…ከም ጠበቕ ርእሱ እናነቕነቐ ከደ! ንሱ ባዕልና ብዝሃብናዮ ቡቕሊን ጌሶን ሰኺሩስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣስከሮን ኣደንዘዞን። ‘ኢሳይያስ ብሽጉጡ ገይሩ ስሙ ዝጽሕፍ ተኣምራታዊ ፍጥረት ኢዩ’ ኢልና ከኣ ተወሳኺ ሸውዓተ ቀመማትን ኮረሪማን ነስነስናሉ። እቶም ምንም ብዛዕባ ገድሊን ኢሳይያስን እንዶ ዘይብሎም ንኣሽቱ ሰብ ቆለን ሰኽራማቱን ከኣ፡ በቲ ናይ ቀደም ጥጅእ ስለዝሸገጉ፣ ‘ኣንበሳ ናቕፋ’ ዝብል ሽመት ኣጠመቕዎ። እቲ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ ደቂ ኤርትራ’ምበኣር ደምና ንከንቱ ከም ዝፈስስ ገበሮ። ኢሳይያስ ኣብ 1973 ነቶም ብዘይካ ናይ ምእራም፡ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም ምሁራት፡ ‘መንካዕ’ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ደም ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰተየ። ገና እቲ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ስለዘይጸገቦ፡ ኣብ 1976 ዓ.ም. እውን ብስም ‘የሚን’ ዝብል ሰበብ ኣጠሚቑ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ምሁራት ደም ጨለጠ። ንሱ፡ እዚ ሓደገኛ ኣሰለት ህዝቢ፡ ካብ ዕለት ምስላፉ ክሳብ ሎሚ ዝሰተዮ ደም ብምንታይ ይዕቀን? እንድዒ!!

ተመኩሮ ከም ዝምህረና፡ ኣብ ቅድሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ፣ ማዕርጉን ደረጅኡን ብዘየገድስ፣ ተኣማኒ ኣይኮነን። ንሓደ ኤርትራዊ ክሳብ ዘድልዮ ተጠቒሙ ኢዩ ዝድርብዮ። ተመኩሮ ሰለሞን ወልደማርያም ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ጉጅለ 15፡ ኣብ ግዜ ናጽነት፣ ሎሚ ዘጥፍኦም ዘሎ ሚኒስተራቱን መኮንናቱን፡ ዘደስክሎም ዘሎ ጀነራላቱን ወሲኽካ፣ ህያው ምስክራት ኢዮም። ኢሳይያስ ዓርኪ፡ ኣማኒ፡ ብጻይ የብሉን። ዕድመ እንተለቂቡ ከኣ፡ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ምስጢራቱ ዝፈልጡ ገዳይም በብሓደ ከጥፍኦም ኢዩ። ኩሉ ተግባራቱ ከም ዘነጽሮ ድማ፡ ብድሕሪ ምብራዕ ኲናት ባድመ ጥራይ ዝሰተዮ ደም ኤርትራውያን መዘና የብሉን። ብሰንኪ ኣብ ደቂ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎም ምጥርጣር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሚኒስትሪ ምክልኻልን ንሃገራዊ ጸጥታን በቶም ዶላራት እናኣኾለሰ ዘዕበዮም፡ ብደም ዝቐርብዎ ሰራዊት ደምህት ኢዩ ዝሕሎ ዘሎ።

ደጊም ዝተረፈ ደም ከይተጸንቀቐ እንከሎ፡ ይኣክል ስቕታ! ኣንታ ደም ዝነባዕካ ወዲ ሃገር ካብ ስኽራንካ ውጻእ’ሞ ሎሚ ቆለኻ ተሸረጥ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገርሀኛ ኮማንድስ ብድሕሪ ውዕሎ ኲናት ግራት ኣውሊዕ፦ “እንተ ብጸሎት ኣቦይ፤ እንተስ ብጸሎት ኣደይ ወላዲተይ ንዓይ ንምቕታል ዝተተኮሰት ጥይት ንቆቢዐይ ሃሪማ ከይዳ ኣላ” ዝበሎ፤ እዚ ዕሉል ኣሰለት ሰብ’ዚ ድማ ካብ ሰብዓታት ክሳብ ስርሒት ጅግና ወዲ ዓሊ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጡ ኢዩ። ሎሚ ነታ ገርሀኛ ልብና ካብ ቦትኣ ወጊንና ብሓንቲ ሮቦት ልቢ እንተንመራመር፦ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፡ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ንኣከያይድኡ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ሓቀኛ ምስሉ ብንጹር ክረኣየና ምኸኣለ። ቆለኻ ንክበርር፡ ንፍልልያት ሃይማኖትን ኣውራጃን ወጊድ ኢልካ፣ ተሸረጥ ኣንታ ህዝቢ!

ኦ! ሓርነትን ሰላምን ንርብዒ ዘመን ሃረር ዝበልካ ህዝብና ብሓበራ፣ ህዝቢ ቆላን ከበሳን፣ ብሄራትና ሕመረት መንነት ደቀባት ኤርትራ፣ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ብኣሰለት ደምካ ትምጸ ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሎሚ ካብ ስኽራንካ ተበራበር። ኣንታ ቁንጣሮ ዝተረፍካ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተጋድሎ፣ ንማይ ብመኽደን ብራሾ ተኻፊልና ዝተጓዓዝና፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩነታት ከም ጽሩይ ወርቂ ብሓዊ ተፈቲንና ዝወጻእና ተጋዳላይ ነበር’ውን ካብቲ ሕሱም እምነት ተገላገል። ኣንታ ወግሐ-ጸብሐ ብዘይካ ሞትን ኣውያትን ዕልልታ ዘይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣንታ ብዘይካ ጥሜትን ሓሳረ-መከራ ግፍዕታት ህግደፍን ካልእ ንቡር ህይወት ዘይትፈልጥ ጅግና ህዝቢ፣ ነቲ ደምካ ሰትዩ ዘማህመነካ ጨካን፡ ከምቲ ንኣሰለት ብካራ ዝጨዳ ጅግና በዓል መታሕት፡ ክሳድ ኢሳይያስ ንምብታኽ፡ ካብ ቆለኻ ተሸረጥ’ሞ፡ ሃገር ንሓዋሩ ከይጸነተት ሎሚ ወስን።

ኣንቱም ውሑዳት ገፋዕቲ፣ ኣንቱም ንሓርነት ህዝቢን መጻኢ ዕድል ሃገርን ወለዶታትን ብካፕሬቶን ቺፋዝን፣ ጽባሕ ብዘይሰፍርዎ ‘ገዛ መንግስቲ’ ብላንድ ክሩዘር መኪና፣ ጉንዖ ገንዘብን በናኒ ተስፋታት ኢሳይያስን ዝሰኸርኩም ሰብ ጽሮራን ይርሓሰና በሃልቲን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሳንቲም ብሳንቲም ክጸባጸበኩም ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ኣእዳውኩም ብደም ጸይቕዎ ኢዩ። ኣብ ሜዳ ዝተጸየቐ ደም ከይኣክል ከኣ፡ ኣብ ኲናት 1998-2000 ዓ.ም. ካብ መራሕቲ ብርጌድ ንላዕሊ ንጹሃት መንእሰያት ንክትርሽኑ ባሪኹልኩም ኢዩ። ንህዝብኹም ትኽሕስሉ መንገዲ ምንዳይ ደኣ ምነበረኩም’ምበር፡ መመሊስኩም ክትሕንግዱስ ዘወጻጽኣኩም ኣይኮነን። ህዝቢን ገበነኛታትን ዝራኸቡላ፡ እንኮ መዓልቲ ኣላ!

‘ዘመን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ’ ከም ዝበሃል፤ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከቢድ ጊልያዊ ስራሕ ትሕቲ ሓደ ዶላር ን24 ሰዓታት ክኽፈሎ እንከሎ፣ ኣንቱም ኣብ ታኼላ ብልሽውና ተሸሚምኩም ኣስናን ዜጋታት ኤርትራ ከም ዕፉን ኣየት ጨጪፍኩም ትህንኩቱ ዘለኹም፡ ናይ ጣዕሳ ግዜ ኣይተጸንቀቐን’ሞ ካብ ቆለታትኩም ተሸሪጥኩም ዝግ ኢልኩም ሕሰቡ።

ሎሚ ኣብተን ልዕሊ 320 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሰለት ኢሳይያስ፣ እሞ ከኣ ኣብቲ ፍጡር ንክነብረሉ ዘይምቹእ ማሕዩር፡ ኣብቲ ሙቐታ ማዕረ ሙቐት ሳውና ዝበጽሕ ስንጭሮ ዒራ-ዒሮን፣ ህበይ ዘይትነረሉን ኣጻምእ ዊዓ፣ ኣቦታትና ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝምቁሑሉ ዝነበሩ ናኹራ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ኣዳርሰር ወ.ዘ.ተ… ልዕሊ 40 ሽሕ ደቂ ኤርትራ ብከቢድ መቑሕ ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉሉ ናይ ፈተነ ግዜ፣ ማዕጾ ሕልናኹም ኳሕኩሑ።

ይኣክል ስኽራን ብውልቀ ሰብ፡ ቆለን ስኽራንን ብኢሳይያስ፡ ግዝኣተ-ኢሳይያስ መኽሰብ እንተዝህልዎ ምርጫና ምኾነ። ከምቲ “…ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም” ዝበሎ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ኣንቱም ገና ስኹራት ዘለኹም ሰብ ቆለ ኤርትራውያን፣ እስከ ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ንመንግስቲ ኢሳይያስን ኣቀዋውምኡን ብድሕሪ 24 ዓመታት ተመልከቱዎ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.