መልሲ ንኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጁሃር!!!!

መልሲ ንኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጁሃር!!!!

“ዓቢ ሰብ ክጋገ ፡ ጌጋኡ ክንዲ እምባ ይኸውን” ኣባሃህላ ቐዳሞት፡

ኣቶ ሳልሕ ቃዲ፡ ካብቶም መቓልሰተይ፡ መሰታይ፡ መምህር፡ ጻሓፋይ፡ ኢለ ዝቖጽሮ ሰብ ነበረ። ኣብ ቃል ኣቶ ሳልሕ ክምርኮስ “ኣፍካ ከምድላይካ ትበልዓሉ እምበር፡ ከምድላይካ ኣይትዛርበሉን” ኢሉ ዝእርም ሰብ ነበረ። መርበብ ዜና ዓዋተ፡ ምስ ጀመረ፡ ዕባይ ከተማ “ ከረን”፡ብምዃኑ፡ መሰረት ብምግባር፡ ተጋዳላይ፡ ስደተኛ፡ ዝተማህረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከም መሰጋገሪ ድልድል ኣብ ህዝብና፡ ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ነበረኒ። ሕጂውን፡ ተስፋ እገብር፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብቲ ትጽቢት ዝግበሮ ዘሎ፡ ሽግር ህዝብና ኣብ ምፍታሕ፡ ከይሰልከየ፡ ከም መሰጋገሪን፡ ኣራኻብን፡ ኣብነትን፡ ኣራምን፡ ዓራቕን፡ ጠርንፍን፡ኮይኑ ክሰርሕ ክሳብ ሓይልን፡ ዕድመን ዝሃቦ፡ ኣገልጋሊ ህዝቡ ንክኸውን እትስፎ። ኣብዛ ሳዓት እዚኣ ግና ተስፋ ኣቑሪጹኒ ይርከብ፡ ትዕዝብተይ ክገልጽ ይጅምር።

  1. ኣቶ ሳልሕ፡ መርበብ ዓዋተ፡ “ሓቅን፡ ኣታዓራቕን፡ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ” እዩ ዓላማኣ፡ ኣስዕብ ኣቢልካ “ምምሃርን ወይ ምሕባርን፡ ምትብባዕን፡ ምድልዳልን ወይ መሰረተ ጽንዓትን” ካብ ኮነ፡ ንምንታይ ካብ መሰረተ እምነቱ ዘንብዔ?
  2. ህዝቢ ኤርትራ ቆላኡ ደጋኡ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ኣብ ሓደ ባይቶ ተኣኪቦም ዝዘተይሉ ኣብ “ቤት ገርጊስ” ኣስመራ 1946 ዓመተ ምህረት ነበረ። ዳግማይ ናይ ህዝቢ ባይቶ ከም ህዝቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ንርከብ፡ እንታይ ይሓይሽ ዝተባህለላ፡ 2010 ኣብ ኣቃቂ ወይ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ እዩ። ካብ 1946 ክሳብ 2010 ናይ ህዝቢ ብጉዳይ ሃገሩ ዘትዩ! እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወይ ብህዝባዊ ሓይልታት ቀጺሉ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ክኸውን እንከሎ ውድባውን ጸቢብን እዩ ዝነበረ።
  3. ታሪኽ ኣመጻጽኣ ገድሊ ምድጋም ኣየድልን ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ፡ እንተኾነ ኣጀማምራኡ፡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ብተመሃሮን፡ ብዓበይትን፡ ደቂ ዉሱን ዓለትን፡ እስልማና ኣመንትን፡ ስለዝተመስረተ፡ ጽበትን ዓብላልነት፡ ጠባያቱ ተግባሩን፡ ዝጀመሮ በደል ኣብ ህዝቢ፡ ክስብ ሕጂ በሰላኡ ኣይሓወየን።
  4. ኣቶ ሳልሕ፡ ኣብ ጽሑፉ “ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ብደቂ ከበሳ ተረሲዖም” ክብል ጸሓፈ። ኣቶ ሳልሕ ካብ 1965 ንደሓር ዝተገብረ ግፍዕታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ዘስዓቦ በደል ብኣሻሓት ዝቑጸር ኣካል ህዝብና ንስደት ስለ ዘምረሔ፡ መንእሰይ ከበሳ ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን፡ ካብ ከተማት ኤርትራ ኮነ፡ ካብ ከተማት ኢትዮጵያ ሕነ ንኽፈዲ ንመዳ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ኣምርሔ፡ ኣብ መዳ ግና ከምቲ ዝተመነዮ ኣይጸንሖን። ካብ ዜጋኻ ዘይትጽበዮ ሽግርን፡ ተጋድሎን ጸንሖ። ቃልሲ፡ ከቢድን መሪርን ነበረ።ኣብ ቃልሲ ኣትዩ እጃሙ እና ኣበርከተ፡ ከም ሰላይ ተቖጺሩ ዝተቐንጸሉ፡ ዉሑዳት ኣይኮኑን። 1969 ድሕሪ ጉባኤ ኣደቡሓ እንታይ ተርኽበ?፡ ናይ ዉድብ ምብትታንን፡ ምፍንጫልን፡ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ኣቀናጻልን ነበረ።1977 ፋሉል ተባሂሉ ዝተቐንጸለ ተጋዳላይ ዉሑድ እኮ ኣይነበረን። ናብ ህግደፍ ኣትዩ ኣብ ኩናት ባጽዕ ኣትዩ ብጨው ተበልዔ። መንእሰይ ከበሳ ብኽልተ በትሪ ተቐጥቐጠ፡ ንኽሃድም ዝተገብረ ብመራሕቲ ተሓኤ፡ ተረሲዑ ድዩ?
  5. ኣቶ ሳልሕ፡ ብሓቅነትን፡ ብግሉጽነት፡ ኣብ ሕድገትን፡ ኣብ ዕርቕነትን፡ ዝመርገጹ! ኣብ ኣዋሳ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲ ዝዓሰሎን፡ ከዝነበረ መዝገበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ሲቪካውያን ማሕበራት ወካሊ ኣቶ ተኽላይ ኣብራሃ ኣትዩ ምስ ተባህለ፡ “ሰማይ ፈረሰ” ዝዓይነቱ ጽሑፍት ኣብ መርበብ ዓዋተ ተመዝገበ።
  6. ዉድብ ኩናማ፡ ኣብ ልዕሊ ስዉእ ተጋዳላይ ዓዋተ፡ ዝሃብዎ ርእይቶ ወይ ዕቃበ፡ መሰል ዜግነቶምን፡ መሰል ብሄርነቶም፡ መሰል ዉድቦም፡ ተጋሂሱ ካብ ኣባልነት ባይቶ ንኽስጎጉ፡ ዓቢ ቃልሲ ብኣቶ ሳልሕን ብጾቱን ተኻየደ፡ ዉድባት ተዳሙ (ጂሃዳውያን) ኣብ ባይቶ ብዝነበሮም ዓብላልነት “ንዉድብ ኩናማ ካብ ባይቶ ክስጎጉ ዉሳነ ኣሕለፉ” ኩናማ ካብ ባይቶ ተገለሉ። ብሰንኪ ኣቶ ሳልሕ ባይቶ ሕንፍሽፍስ ኣተዎ፡ ክሳብ ሕጂ ባይቶ መንነቱ ኣጥፊኡ ይርከብ።
  7. ኣብ ልዕሊ ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ዶክተር ዑቕባዝጊ ዮሃንስ፡ ዶክተር ኣፈወርቂ ጳውሎስ፡ ዶክተር ኪዳነ መንግስታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ መሰረት ኣልቦ፡ ዘይውርዝዩ፡ ሓልፍነት ዝጎደሎ፡ ካብ ኣቶ ሳልሕ ዘይትጽበዮ ድፍረትን ግህሰትን፡ ጭልቅዕነትን፡ ኢልካ ዝሕለፍውን ኣይኮነን። ጽዩፍነት ተራእየ ንነብሱ ልዕሊ ጳጳስ ሰሪዑ ክዘንፍ ተርኽበ።
  8. ኣቶ ሳልሕ፡ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ባጀላ ናይ ምሃብ መሰል የብሉን፡ እንተኾነ፡”ጭጉራፍ ወቒዓ ተእዊ” ከም ዝባሃል፡ መርዛም ብርዒ ሒዙ ኢዱ ከንዉሕ ኣይነበሮን፡ ኣንውሔ ዳኣ።
  9. ኣቶ ሳልሕ፡ ነቲ ኣብ ቪየና ቭርጂንያ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ 22-23 ጥቅምቲ 2014 “ መስቀላውያን”፡ ኢሉ ሰየሞ። ግዜ ሕጅራ ከነዝክሮ፡ ነቢ ሞሓመድ፡ንሰዓብቱ “ከይንበርስ ንስኹም ናብ መርየት ሓበሻ ኪዱ፡ ንጉስ ሓበሻ ተቐባሊ ጋሻ እዩሞ ኪዱ ኢሉ ከም ዘሳናበቶም” ኣብ ሓዲስ ኣሎዶ ኣይኮነን? “ኣስላም ዓረብ ብሴፍ ኣመኑ፡ እንተ ኣስላም ሓበሻ ብመልእኽቲ ኣመኑ” ዝብል ከምዘሎ ተረሲዑድ? ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ) ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ሓቢሮም ከም ዝነብሩ ተረሲዑዶ? ኣቶ ሳልሕ፡ እዚ ኣኼባ ክምስገን ዝነበሮ እዩ። ኣቶ ሳልሕ፡ ስለ ዘይፈተዎም መስቀላውያን ኢሉ ክሰሚ፡ ናይ ገበን ገበን እዩ።
  10. ኣቶ ሳልሕ፡ ጽቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ፡ “ንሕናን ዕላማን” ኢልኩም ሰይሙ በለ። “ዘዕበኻዮ ዱሙ፡ ሃይለማርያም ስሙ” ኣቶ ሳልሕ፡ እንታይ ወረደካ?

    ናይ መዳ ኤርትራስ፡ ይትረፍ “ ኪዳነን፡ ወልዳይ” ኣብ ከሰላ ከም ሽጉርቲ ከም እተሓርዱ፡ ረሲዕካዮዶ?

  11. ኣቶ ሳልሕ፡ ካብ ትግርኛ ዝዛረቡ ስድራቤት ዝውለድ፡ ትግሪኛ ንኸይዝረብ ወይ ከይጻሓፍ ኣብ መርበብ ዓዋተ ዝኽልክል ሰብ እዩ።
  12. ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ “ንዓሊ ሳልም፡ ህዝቢ ከበሳ ገበቲ መርየት፡ መርየት ባርካ ወሪሮሞ፡ ክርስትያን ጎበጥኹም” እናበለ ሓዊ ንኸሳዉር፡ ዓገብ ከይበለ፡ ናይ መሰል ጽሑፍ ስለ ዝኣምን፡ ኣይክልክሎን፡ ኢሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ንኸናውጽ ዕድል ዝህብ ሰብ ነበረ። ኣይተ ዓሊ ሳልም ካድር ናይ ህግደፍ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ በታተንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ከምዘገልገለ ታሪኽ ይምስክሮ። ኣቶ ሳልሕ ብሰንኩ፡ ተጸርፈን፡ ተዘልፈን፡ ኣነውን ከይተርፍኩ፡ ወይ በሃሊ ኣቕርብ ወይ ንስኻ ኮንካ ትርከብ ኢለ ነይረ።
  13. ኣቶ ሳልሕ፡ “ግሉጽነትን፡ ኣታዓራቕን፡ሓቅነትን” ካብ ኮነ መርግጹ! ንምንታይ ብሓሳብ ምስ ዘይሳማምዕዎ፡ ኣስማት እናሃበ ኣብ ምትህልላኽ ዝኣቱ? ኣቶ ዮሰፍ ገብረሂወት፡ ብዝጽሕፎ ርትዓውነት ዘለዎ መጎተ! ኣብ ክንዲ ጭብጢ፡ ብጭብጢ፡ ዝምጎቶ፡ “ማሕበር ኣንድነት” ኢሉ ኣጠመቖ። ማንም ዜጋ መሰል ኣለዎ፡ ርእይቶኡ ክዛረብ፡ ክጽሕፍ፡ ክቃወም፡ ክድግፍ፡ ስቕ ንኽብል ናይ ዉልቂ መሰል እዩ። ማን ዜጋ ንሓደ ዜጋ፡ ኣፍካ ሓዝ፡ ናይ ምባል መሰል የብሉን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ገበን እዩ። ኣቶ ዮሰፍ ኣብ ዝምጉተሉ እዋን፡ ኣድነት እናተባህለ ተዘልፈ።
  14. ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ሓደን ዝሓሊ፡ ካልእን ከም ዘይሓሊ እናገበርካ ምኽሳስ! ንማንም ዘርብሕ፡ ኣይኮነን። ኣሕዋትና ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሽግሮም ኣይተፈትሔን፡ ስዒቡ፡ ድሕሪ ነጻነትስደዱ ገደደ። ነዚ ኹሉ ጸገም ስርዓት ኢሳያስ ዘምጽኦ ምኻኑ እናተፈልጠ፡ ነቲ ዝውጻዕ ዘለ ህዝቢ ቆላ ኾነ ደጋ፡ ፈላሊኻ ምርኣይ ዘይሓላፍነታዊ እዩ። ዘይተወጽዔ ብሄርን፡ ዘይተወጽዔ ሃይማኖትን ኣብ ኤርትራ መን ኣሎ? ኣብዚ ጉዳይ ከም ዘይምልከተካ፡ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ዘይራኣዮ እዋን፡ ሓቅነት ዘይብሉ ክስታት መድለየዶ?። ህዝብና ኣይጠዓሞን ፍትሒ ኣይረኸበን፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ብግልጺ ክንዘራረብ ኣለና ማለት “መስቀላውያን” ዘብል ድዩ?
  15. ህዝብኻ ኣብ ዝተጥርነፈሉን፡ ዝተኣኻኽበሉን እዋን፡ እንታዩ ጸገምና? ሓቢርና ክንሰርሕ ዘየኽእለና እንታዩ ከስርሓና ዘይክእል? ኣብ እንብለሉ፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ንምንታይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣጸያፊን፡ ዓንቃፍን ኣተሓሳስባ ኣተወ? ዝብል ሕቶ ክምለሽ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሕሊናዊ ሕቶ እዩ።
  16. ኣቶ ሳልሕ፡ ንኣቶ ዓሊ ሳልም ህዝቢ ዘናቑት ጽሑፉ ኣብ መርበብ ዓዋት ክዝርጋሕ እንከሎ! ናይ መጀመርያ መግለጺ ቁጽሪ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ንምጥጣሕ ሃገርዊ ዘተ ዝተላእከ ፡ መሃርን ሃናጽን ኣብ ዓዋተ ንኸይወጽእ ከልከለ። “ኣነን ሓጺሩኒ ይብለ ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ከምዝባሃል፡ ኣቶ ሳልሕ ነቲ ብግልጺ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ መስቀላውያን ክብል ደፈረ።
  17. ተጋደላይ ዓብደላ ሱለይማን ሓላፊ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሮ ኣኼባ፡ ኣብ ኣኼባ ብሱልን ሃናጽን ኣስተምህሮ ከም ዝሃበ፡ “ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከይተፈትሔ ዝጸንሔ ምዃኑ ደጋጊሙ ኣብርሄ” ኣብ እዚ ኣኸባ ተሳቲፉ ጥራሕ ዘይኮነ ብ ኣፍልጦ ታርኽ ህዝብና ገለጸ። ኣብዚ ምስታፉ መስቀላዊ የብልዶ?
  18. ኣቶ ሳልሕ፡ ንወይዘሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ፡ኣፈ ቀላጤ ህግደፍ ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ዘኒፋትኒ፡ ወይስ መሰለይ ጊህሳትኒ ኢሉ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይ ኣቕረበ፡ ህዝቢ ገንዘብ ከምዘዋጺኤ ንጠበቓ ዝዝከር እዩ።ዉሳነ ፍርዲ ኣብ ምንታይ ከም ዝዓለበ ፍሉጥ መግለጺ ኣይተዋህቦን። ገለገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣቶ ሳልሕ ቅንዕናኡ ሕቶ ዘለዎም ኣለዉ።

ሕጂ ድኣ ንምንታይ ንባዕሉ ዘናፊ፡ ገሃሲ፡ ኣቖናጻቢ፡ ደፋሪ፡ ተጻራፊ ወይስ ዘርጊ ኮይኑ ተረኽበ?።

ሓቅነትን ግሉጽነት መሃርነትን ምትብባዕን መሰል ዜጋ፡ መሰል ብሄር፡ መሰል እምነት ንዝኣምን፡ መሰል ንዘይኣምን፡ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ብቕሳነትን ካብ ድንቁርናን ድኽነትን ህዝብና ንኽወጽእ እንተድኣ ንሓልየሉ ኮና? ኣብ ምክብባርን ትዕግስትን ዝተመርኮሰ ክንጽፍን ክንምህርን ይግባኣና።
ናይ ሃገርና ጸገም ነዊሕን ኣድካምን ተሓላልኽን ስለ ዝኾነ ለበዋና ኣብ ምርድዳእ ዝዓለም ኮይኑ፡ ንህዝብና ካብ ጸላም መነባብሮን፡ ፍትሓውነትን ከነንብሮ ቅዋምን ህዝባዊ ስርዓትን ዲሞክራሲን ክጥጥዕ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ተሳታፍነት ይሓትት።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ፍትሂ ይንገስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
22 ሕዳር 2014

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.