ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ሎንዶን-ዓዲ እንግሊዝ
ሕዳር 16 2014

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሰናይኩም እምነ። ብፍላይ ድማ ዝነኣስኩም ዝተፈተኹም ጀጋኑ ደቀይ! ኣብቲ ብረዚን ዝናር ተተሓሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ቃልሲ ዓወት ንክትረኽቡ እምነየልኩም። ኣነ ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ኣብ ጎድንኹም ኣለኹ።

ከምቲ ‘ሚያዝያ ቀጥ ኣቢልካ ምሓዝያ’ ዝበሃል ተረት ኣቦታትኩም ድማ፡ ነዚ ሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ጉዳይና ቀጥ ኣቢልኩም ንክትቅጽልዎን ናብ ፍጻሜ ንከተብጽሕዎን ንእግረ መንገደይ እላበወኩም። ስመሩ ሓደ ኩኑ ክቡራት ደቀይ። ብዘይ ሓድነት ዝጭበጥ ዓወት ስለዘየለ ድማ፡ ሓርበኛታት ኣቦ ሓጎታትኩም፡ ስለ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ክልተ ሃይማኖታት ኣስላምን ክርስትያንን ብሓደ ስጋ ሓሪዶም በሊዖም ኢዮም።

እነሆ እዚ ብጻዕዳ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ብጸሊም ኢዱ’ውን ንሰውርኡ ን30 ዓመታት ዘገልገለ ሓርበኛ ህዝብኹም፡ ዘይጻምኡ ረኺቡ። ናይቲ ንጉዳይና ብጽኑዕ ቀይዲ ሒዝዎ ዘሎ ጨካን ግዝኣት ኢሰያስን ጉጅለ ህግደፍን ፍሉጥ ዝኾነ ነገር ኢዩ።

እቲ መመሊሱ መስደምም ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝረአ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ሒቕታ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ከምቲ ኣኽላባት ኣብ ዓጽሚ ዝበኣሱ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ እነሀዉ ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ጸላኢኻ ሓሕ…ሕ ምባል፡ ንሓድሕዶም ምንኻስ ስርሖም ገይሮሞ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ እዚ ደምበ እዚ ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ጸጽባሕ ህግደፍ ንምውዳቕ ኣይትሓዙኒ ዝብል ጭርሖታት ከም ዝነበሮ ንዝክር።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ፈኸራ ብዘይካ ዓፍራ ዘፍረዮ ነገር ኣይነበረን። ሎሚ ሙሉእ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ረዚን መስገደል ህግደፍ ተቖሪኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ብጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ላግጺ ኣምበይመድለየን። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብሓበራ ሞት ኢሳይያስ ንክቀላጠፍ፡ በብሃይማኖቱ ይጽሊ ኢዩ ዘሎ። እዚ ጸሎት እዚ ከኣ፡ ጋህዲ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ንሓድሕድካ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ፡ ከምቲ ክቡራትን ለባማትን ወለዲ ዝብልዎ፡ ናይ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ፣ ናይ ሩባ ዘሎ ከኣኒ ውሕጅ ይበቁጾ ምብህሃል፡ ሓድሕዳዊ ኲናት በዚሑ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ተስፋ ነይሩዎ ኢዩ።

እቲ ተስፋ መመሊሱ ስለዝቐሃመ ግን፡ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ኢድ ደምበ ተቓውሞ ከም ዝወጸ ተጋሂዱ ኣሎ። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ ውድባት፡ ባይቶ ይኹን ሓድሽ ኣስማትን ውዳበታትን እንተተኣከበ፡ ንሓንቲ ስጉምቲ እውን ትኹን ምንቕ ክብል ኣይክእልን ኢዩ።

ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ መስገደል ዘሎ ህዝቢ ምትእስሳር ስለዘይብሉ። ከም ተመኩሮና፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ መመሊሱ እናሓየለን እናተወደበን ዝኸይድ፡ መመሊሱ እና ተዳኸመን ፋሕ-ብትን እናበለን ክኸይድ ኢዩ ዝረአ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ካብ ዓሚ ሎሚ ይሓይሽ ድማ፡ ካብ ዓሚ ሎሚ ይገድድ እናበልና ንኸይድ ኣለና። ከም እንዝክሮ ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ኪዳን ኣብ ግዜ ምሕዝነት ከመይ ነበረ? ብድሕሪ ምምስራት ኪዳንን ኮሚሽንን’ከ እንታይ ይመስል ነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገን ውሽጢን ከመይ ዝኣመሰለ ሞራልን ኒሕን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ትዝታና ኢዩ።

ብኣንጻር ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ከኣ፡ ሞራልን ሕልናን ህግደፍን ደገፍቶምን ባይታ ዘቢጡ ከም ዝነበረ ኩሉ ዜጋ ዝምስክሮ ኣማን ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ኢሉ ኢሉ ከም ሓደ ሃገራዊ ቅርሲ መጠን፡ ባይቶ መስሪቱ፡ ህላውኡ ኣብ ዘረጋገጸሉ ግዜ፣ ዓወት ንጽባሕ’ዶ ድሕሪ ጽባሕ ትባሃል ነበረት። ብዘይካ ምብታን ምርጋእ ዘይተዓደለ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 600 ዜጋታት ተኣኪቦምን መሪሕነቶም መሪጾምን ከብቅዑ፡ ኣይ ዓመት ኣይ ክልተ ዓመት ብዘይ ጠቅም ዘረባታት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ፋሕ በለ።

ምፍራስ እዚ ዓቢ ዋርካ ድማ ኣብ ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ በዚ ከምዚ መዓልቲ ክዕረ ኢዩ ናብ ዘይበሃለሉ ደረጃ በጽሐ። ከምቲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ‘ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ ዝበሃል ምስላ፡ ሎሚ ብድሕሪ ፈጺሙ’ውን ዘይጽገን ባይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምትእኽኻብ ሃገራዊ ባይቶ ዝብል ዜናታት ከም ጽውጽዋይ ንሰምዕ ኣለና። ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየስ ገለ መራግእቲ ክትፈጥሩን ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና ከተድሕኑን ምተገብአ። ኣበይ ኣሎ ባይቶ? ኣበይ ኣሎ መሪሕነት ባይቶ? ስራሓት ባይቶ’ኸ ብከመይ ክድህሰስ ይከኣል? ሎሚ ብድሕሪ እቲ ኣብ ከውሒ ከም ዝወደቐ ዕትሮ ናብ ኣጋልዕ ዝተቐየረ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ሰረቱን ጽላሉን እንታይ ዓይነት ሓድጊ ኣሎዎ? ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራውያን ዳግማይ ክርከብ ዘይክእል ዕድል ኢዩ ተጣሊዑሉ ዘሎ።

ንከምቲ ዝኣመሰለ ህንጻ ርእሰ-ቅትለት ምግባር ድማ፡ ብዘይካ ቅድድም ንኮረሻ ስልጣን ካልእ ዘይንፈልጦ ቁንቁኛ የብሉን። ሎሚ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። እታ ኣብ ክሳድ ኢሰያስ ዝኣተወት ገመድ ከኣ፡ መመሊሳ ትሽንቆቕ ከም ዘላ፡ ምስክር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እሞ ደምበ ተቓውሞ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዝበሰለ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዘይ ወዓል ሕደር ነኺስካ ናብ ጥቕሚ ህዝቢ ምውዓል፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ ዝዓይነቱ ሕሉብ ዓረም፡ ባይቶ ኣኼባታት ይገብር ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ንመስደምም ዝኾነ ነገር ኢዩ።

ከምቲ ‘ንሱ ዝሞተ ዓሚ ሰነ፡ ኣነ ዝሰማዕኩ ሎሚ ቅነ’ ዝበሃል፣ ሃገራዊ ባይቶ ዓሚ ሞይቱን ተቐቢሩን ክነሱ፡ እቶም ዕሩባት ሕልና ኣሎ እናበሉ ተኣኪቦም እንተበሉና፡ ንነፍስኻ ምትዕሽሻው ጥራይ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንግስነት ኢትዮጵያ፡ ጓል ሃጸይ ምነሊክ ንግስቲ ዘውዲቱ ሞይታ ክነሳ፡ ኣላ ይበሃል ነበረ። እቶም ጥበበኛታት ብሄረ ኣምሓራ ንግስትና ኣላ እናበሉ ንሓሙሽተ ዓመታት “ዝባን ንግስቲ ዘውዲቱ” ከም ዝበሃል ይገብሩ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ስለዚ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ጉዳይ ሞት ንግስቲ ዘውዲቱን ሓደ ኢዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይኮነን።

እሞ’ኸ እንታይ ይገበር፡ ናበይ ገጽና ንኺድ? ህግደፍ ኣማን ብኣማን፡ ነቀይ ነቀይ ካብ ዝብል ነዊሕ እዋን ገይሩ’ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክወድቕ ኢዩ። ኣዋድቓ ከየኽፍእን ኣብ ጻዕረ-ሞቱ ደም ንጹሃት ንከንቱ ከየፍስስን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ሰላም ኣየር ኣብ ሃገርና ንክነፍስ ካብ ሎሚ ሓደ ኣካል ኮንካ፡ ንሓድነትካ ዘምር።

ኣብ መደምደምታ፡ ባይቶ በታ ‘ኣይቀበጹ’ ትበሃል ኣብ ቆላ ሰራየ ዝነበረት ዓዲ ክምስሎም ምደለኹ። ዘመነ ድርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ሓደ ቀውዒ እቶም ዓዲ ‘ኣምላኽ ይከኣሎ ዘይሰኣኖ ኢዩ’ሞ ወላ ቀውዒ ይኹን እዝግዮ ኢልና ንጸሊ’ ተበሃሂሎም ናብ ዶጎል ዓዲ ወረዱ። ‘እዝግዮ’ ክብሉ ዝረኣዮም ሓደ ሓላፍ መንገዲ፡ ቀሪቡ ምትእኽኻቦም ምስ ነገርዎ፣ ሎሚ ቀውዒ ደኣ መኣስ ስለ ማይ ኮይኑ ዝጽለ። ሎሚስ ስለ ኣንበጣ ኢዩ ዝጽለ ኢሉ “ኣይቀበጹ” ዝብል ስም ኣጠሚቑዎም ሓለፈ ይበሃል።

እምበኣርከስ ጉዳይ ባይቶን ጉዳይ ዓዲ ኣይቀበጹን ሓደ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ብሓደ ቅልጽም ነዚ ጨካን ስርዓት ምድምሳስ፡ ንሓድሕድካ ምውንጃል ምምራጾም ንመስተንክር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸቒጡካ ንዘሎ ፍርሒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ኢልካ፡ እምኒ ወንጭፍ ሓዝ፣ ንግንባር ጎልያድ ፈጊጽካ ድማ ነናብ ገዛና ኣእትወና። ኣጆኻ ህዝበይ! ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ደጊም ኣራግጻኻ ኣይትቐይር።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንጨካን ስርዓት ኢሰያስ

‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካልኣይ ክፋል

‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡

ካልኣይ ክፋል

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብድሕሪኡ ንዝተሓብአ ኣጀንዳ ዝትግብር ዘሎ ኮይኑ እስመዓኒ። እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብተን ቦኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ነፍስ-ሄር መለስ

ዜናዊ ኣርሒቑ ብዝጥምት ስትራተጂ፡ “…ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤኑን ብወረ ዘይኮናስ ብኣካል ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ፣ ዳግማይ ውግእ ኣየድልን ኢዩ። ኣይፋሉን ንሕናስ ክንዋጋእ ኢና ዝብል ሰብ እንተሎ ድማ፡ ዘድሊ ዕጥቅን ስንቅን ሂብና ክሳብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከነብጽሓኩም ንኽእል ኢና” ኢሉዎም ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ሎሚ ደኣ ስለምንታይ’ዩ ኣቶ ገብሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግሁድ ኲናት ኣዊጁ?

ከምቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት፡ ጉዳይ ኤርትራ’ውን ንኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ድጉል ሸውሃት፡ ሎሚ በጨቕ እንተበለ ድማ፡ ከምቲ ‘ጸማም ሓደ ደርፉ’ ዝበሃል፣ ላልማየ-ላሎ ጥራይ ኢዩ። ልክዕ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዘሎ ሓጺናዊ መስገደል ህግደፍ፡

ኣስካሕኪሑ ኢዩ። ተኣሲሩ፡ ተሰዲዱን ተዋሪዱን ኢዩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብዘን ኣብ ከባቢና ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝዓበየ ዑቕባን ኣግእዞን ዝገበረት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ወላ’ኳ ሎሚ ኣዝዩ ደኺሙ እንተሎ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ግን፡ ዳግማይ ታሪኽ ከም ዝስራሕሲ ንሕና ኤርትራውያን ምንም ጥርጥር የብልናን።

ሕጂ ብሰንኪ ፍልስፍና ኣቶ ገብሩ፡ ንኤርትራን ትግራይን ከነናቑትን ከነባእስን፡ ወይ ንታሪኽ ክልቲኡ ሰውራታት ከነበላሹ፡ ወይ ድማ ከምዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሶ፡ “ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ” ዝብል ሰክዔት ሰሪሕካ ንኤርትራን ህዝባን ናብኡ ንምእታው ዝተጀመረ ትልሚ፡ ኣይከውንን ኢዩ። ኣብዚ ዝምድና ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገማገመሉ ዘሎ ትስፉው እዋን፡ በሰላ ኲናት’ኳ ክጎድእ እንተፈተነ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክንዮ መጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ኢዩ ዝሓስብ።

ትማሊ ንዝነበረ ሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ኣይንጠዓሰሉን ኢና። ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን፡ ናይ ጽልኢ መንደቕ በርሊን ክሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ብባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ተዛሚዱ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ዝምድንኡ ብዝኾነ ጎዞሞ ተሓርሒሩ ዝብተኽ ኣይኮነን።

እቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ተፈጢሩ ዘሎ በሰላ ድማ፡ ንምሕዋዩ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና። ሎሚ ብድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኩሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ግጉይ ኢዩ ነይሩ፡ እቲ ስለ ናጽነት ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን እውን ‘ደመ-ከልቢ’ ይኹን ዝብል ጽውጽዋይ ኢዩ ቀሪቡልና ዘሎ። ነዚ ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ ቄናን ታሪኽ ጥራይ ስምዑ ምባል፡ ዓገብ ኢዩ!

ኣለና’ኮ እቶም ቀዳሞት ውፉያት ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ስለ መሰል ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ንክቃለሱ ክጅምሩ እንከለዉ ምስኣቶም ዝነበርና። ኣለና’ኮ ኣብ ዘመነ ሰውራ ንዝነበረ ይዕበ ይንኣስ ምዕባለታት ብተመኩሮ ክንነግር እንኽእል ሰባት። ኣለዉ’ኮ ብዘይ ምዝንባዕ ታሪኽ ክነግሩ ዝኽእሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ጥምጥም ቃልሲ ህዝብታት

ኤርትራን ትግራይን ኣንጻር መግዛእቲ ንዝነበረ ውዕሎ ክነግሩ ዝኽእሉ ሰባት፡ ገና ኣይተቐብሩን። ስለዚ ዓገብ ኣቶ ገብሩ!

ቢኒኮሎ ኣቶ ገብሩ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተነጻጸረ ይመስል። ትንታኔኡ ከኣ፡ ብንዕቀት ንህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ብብድዐ ኢዩ ዝደምደሞ። ጉዳይ ባሕሪን ኣፍደገታቱን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ጥራይ ኢዮም ዝውስንዎ። ክንዮ ጉዳይ ባሕሪ ክብጻሕ ዝድለ ዝምድና እንተሎ ከኣ፡ ብክልቲኡ ህዝብታት’ምበር ብመጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ዝውሰን ኣይኮነን። ካብ ሕጋዊን ታሪኻዊን ሰነዳት ወጻኢ ንዝግበር ኣፈታትሓ፣ ንዝመጽእ ወለዶ ተባራዒ ፈንጂ ምትካል ጥራይ ኢዩ ክኸውን።

ስለዚ ንኣበሃህላ ኣቶ ገብሩ፡ ‘ዋልታ ኣይትርአ፡ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአ’ ብዝብል ምስላ ጥራይ ክሓልፎ መሪጸ። ናብ ዋና ጉዳይ ግርምቢጥ ታሪኽን ትንታነን ኣቶ ገብሩ ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፡ ኩሉ መደረታቱ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ካብ ኣዝዩ ጸቢብን ብጽልኢ ዝኸሓነን ልቢ ይዝረብ ከም ዝነበረን ኣይሰሓትናዮን። ንኩሉ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝኸሓደ ኣቶ ገብሩ፡ ብካልእ ኣበሃህላ “… ኤርትራውያን ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርኩም ምንባር ካልእ ምርጫ የብልኩምን።” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነቱን ሰብኣዊ ክብሩን ክብል ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝመረጾ መንገዲን ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ግጉይ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።

ቅድሚ መደምደምታ መደረ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ግን፡ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ብፍቕሪ፡ ብታሪኽን ሕውነትን ተኸባቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብፈላስፋታት ላልማየ ላሎ ዝብተኽ ኣይኮነን። እቲ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስዓር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብክቡር ደሙ ዝፈረሞ ዝምድና ከኣ፡ ብዘራጊቶ ትምክሕተኛታት ዝብተን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሓመድ፡ ኤርትራን ትግራይን ዝተቐብረ ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ሰማእታት’ውን ረዚን ሕድሪ ተሰኪሙ ከም ዘሎ ንኣቶ ገብሩ ከዘኻኽሮ እደሊ።

እቲ ጽውጽዋይ መስደምም ኢዩ። ኣብ ቃለ ምልልሱ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣቶ ገብሩ፣ “…ጣልያን ንኤርትራ ለቒቓ ምስ ወጸት፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትምለስ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ጣልያን ብ1935 ንኢትዮጵያ ስለዝወረረት እቲ ኣብ መንጎ ጣልያንን ንጉስ ምነሊክን ዝነበረ ናይ ዘይምውራር ስምምዕ ፍሩስ ኢዩ ይብል።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ታሪኽ ዝመልአ ወረቐት፡ መጽሓፍ ክበሃል’ውን ኣይከኣልን ኢዩ። ‘ኣደይ ኢታይ ዝበልዕኦ ሕምቶ፡ ነቦይ ቀሺ ኣጉስዖም!።’ ብኣበሃህላ ገብሩ፣ ሙሶሊኒ ብዝጠሓሶ ሕጊ፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ገንሸል መስዋእቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ሕጋዊ ኢዩ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብሂወቱ እንከሎ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ጣልያንን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ሎሚ ክትደፍኖ ምብጋስ፡ ሕልሚ እቶም ኣብ ቅርዓት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይቅዱስ ሓዊ ክኣጉዱ ዝደልዩ ዘለዉ ቅንጅትን ተሓባበርቶምን ምትግባር ጥራይ ኢዩ።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካብ 1998 ክሳብ ውዕል ኣልጀርስን ዘ ሄግን ንዝነበረ ቀያዲን መሰረታዊን ስምምዓትን ፍጻሜታት እውን ብኣዝዩ ዝቐነነ ኣረኣእያ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ነቲ ቅድሚ ትማሊ ዘይኮነስ፡ ትማሊ ዓለም ዝረኣየቶ ውዕል ኣልጀርስን ጉዳይ ዶብን’ውን ቅቡል ከም ዘይኮነ ተንቲኑ። ቀጺሉ’ውን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብወግዒ ይቕሬታ ዝሓተተሉን ኤርትራውያን ንብረቶም ተመሊሶም ንክወስዱ ንዝገበሮ ተበግሶ፡ ምስጓጉ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፡ “…በቲ ዝተገብረ ምስጓግ ኤርትራውያን ትናሳሕ’ዶ” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ውሳኔ ትኽክል ከም ዝነበረ ኢዩ ገሊጹ።

ብድሕሪ ሞት ኢሳይያስ የራኽበና!