እዋናዊ ዛዕባ – ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

እዋናዊ ዛዕባ

               ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ!

እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡ ናበይ ገጽና ኢና ነምርሕ ዘለና ብዝተወሰነ መልክዑ ዘርኢ ጽሑፍ ኢዩ፡፡

ሎሚ ቕነ ብዙሓት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ዝርከቡ መቃልስተይ ኣዕሩኽተይ ገለ እውን ዘይፈልጦም ግን ከኣ ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ ፓልቶክ ክኣቱን ገለ ሓሳበይ ከፍስስን መልእክቲ ክሰዱለይ ቀንዮም፡፡ ብወገነይ ኣብ ፓልቶክ ኣትየ ሓሳበይ ከፍስስ ገለ መረዳእታ ካብ ለባማት ኣሕዋተይ ክቕበል ማዕሪኡ እውን ዝዓቕመይ ሓሳባት ወስ ከብል ኣይጸላእኩዎን፡፡ የግዳስ ካብ ብምዝራብ ብምጽሓፍ ብዝያዳ ሓሳበይ ክገልጽን ከረድእን ዝኽእል ኮይኑ ይስማዓኒʼሞ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሓሳበይ ኣብ ኣሰና ክዝርግሖ መሪጸ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝጽሕፎም ጽሑፋት ምስቲ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣርእስቲ ፍጹም  ዘይራኸቡ ርእይቶታትን ነቐፌታን ይመጻንን የንብብን እየ፡፡ ንዝተጻሕፈ ኩሉ ክትምልሰሉ እንተ ድኣ ኮይንካ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ዘሎ መንገዲ ብመልክዕ ሹኩሽካ ምእታው ማለት እዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ ስለምንታይ ምስቲ ኣርእስቲ ፍጹም ዘይራኸብን ዘይሳነን ርእይቶን ነቐፌታን ተዋሂቡ ኣሎ ምስትውዓል ዘድልዮ ኢዩ፡፡ ዋላኳ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ እንተኾንኩ፡ ነቲ ርኢኻ ዘይኮነካስ ዳህሲስካ እውን እትፈልጦ መፋቐርን መከባበርን መቀራረብን ዘይኮነ፡ መፈሓናጨርን መታኾብን መረሓሓቕን ዝኾነ ኩርኳሕ ኣነዋሪ ዘረባታትን መልስታትን  ስለምንታይ ተጻሒፉ እናፈለጥካዮ ተዓሚትካ ክትሓልፎም ኢኻ ትመርጽ፡፡ ዕላማ እቶም ሕማቕ ጸሓፍቲ ካብቲ ዝተበገስካሉ ቀንዲ ዕላማ ኣውጺኦም ናብ ጓል መገዲ ምእታው ስለ ዝኾነ ተልእኾኦም፡፡ ኣብዛ መጠረሽታ ኤርትራውያን ኣብ ገምገም ቀይሕ መስመር! ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ፡ ዝረኣኹዎ ናይ ገለ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጽሑፍን ሓሳብን ምስቲ ኣርእስቲ ዘይተኣሳሰር ርእይቶን ምምልላስን ብተወሳኺ እውን ብግሊ ብዝመጻኒ መልእኽትን ነዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ማእከል ስሕበት ገይረ፡ ሓሳበይ ወስ ከብል ወሲነ፡፡

ቀዳማይ ስለምንታይ ኢዩ ኣብዚ ወሳኒ ናይ ዕርብርብ ግዜ ንቐንዲ ውራይካ ገዲፍካ ናብ ጓል መገዲ ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝእተው ዘሎ…? እቲ ቀዲምና ክንምልሶ ዝግባኣና ዓብን እዋናውን ሕቶ ንሱ ኢዩ፡፡ ንፍቶ ንጽላእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምናን ጉዕዞናን እቲ ብኽፍኣተ መጋብር ዝተኻሕነ ቀታልን በታታንን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣሎ፡፡ ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቒ ከምዘይኮነ ክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባእ፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትና ስለምንታይ ኢዮም ቀንዲ ውራይና ኣወንዚፎም ናብ ጓል መንገድን ንሕድሕድና ዘባልዑን ዘናቑቱን ተኣፈፍቲ ዛዕባታት ዝለዓሉ ብዕምቀት ክንርእዮምን ክንምርምሮምን ይግባእ፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ኩሉ ጉዕዞና ስራሕና ነዚ ምግናዝን ምቕባርን ጥራይ ዝተረፎ ዝሞተ ስርዓት ትንፋስ ሰዅዖም ከጽንሕዎ ዝተላእኩ ሃሱሳት ኣብ መኣዲ ቃልሲ ምሳና ተላሒጎም ኣለዉ፡፡ ቀንዲ ተልእኾኦም ድማ ኩርካሕ ሓሳባት እናምጽኡ ስምረትን ሓድነትን ብፍጹም ንኸይህሉ ምግባር ኢዩ፡፡ ኣብዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ከምቲ ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዝበሃል ገለ ግሩሃትን ስሚዒታውያንን ንባዕሎም ግዳይ ኮይነም ነቲ ዝተኣጉደ ሓዊ ዘሳውሩን ዘንበድብዱን ብርግጽ ኣለዉ፡፡ ካብ ክፍኣት ተበጊሶም ወይ እውን ካልእ ዝተሓብአ ኣጀንዳ ስለ ዘለዎም ዘይኮነስ፡ ብዝነፈሰ ንፋስ ስለ ዝጽለውን ካብ ምስትውዓልን ምምርማርን ስምዒት ስለ ዝደፍኦምን ዝቕድሞምን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ብመልሓስና ንዛረቦ ቃላት ጽባሕ ንግሆ ዝቐትልን ንኹልና ብኣልማማ ዘጥፍእ መርዚ ክቕየርን ከም ዝኽእል ፈልጥና ምጥንቃቕ የድሊ፡፡

ካብ ነዊሕ ዓመታት ሰሚርናን ሓቢርናን ንኸይንቃለስ፡ ጠበናጁና ንሓደ ዕላማ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከይነቕንዕን ኣዝዮም ከበድቲ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ተኣሊሞምን ተሰጊሮምን ኢዮም፡፡ እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ፈኸም እናበለ ሎሚ ከም ተኣፋፊ ዛዕባ ዝለዓል ዘሎ ኣኸር ጣልጋ ናይቲ ዝተኣልመ ሽርሕታት መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ምህዞ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ሕብሩ ጥራይ ኢዩ ቀይሩ ብግሁድ ኣውራጃʼዶ ካልእዶ ዝበሃል ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ከም ናይ መጠረሽታ መታዀሲ ዕርዲ ህግደፍ ተሓሲቡ ክስራሓሉ ተሓሲቡ ዘሎ ምፍልላይ ብምስትውዓልን ልቦናን ክንሰግሮን ክንስዕሮን ይግባእ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዘተንባህኩዎ እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓደገኛ ጉዳይ ብኸመይ ፈኸም እንዳበለ ኣብዚ ናይ ሕጂ ደረጃ በጺሑ ብዕምቀት ምርኣዩ የድሊ፡፡ ገለ ብስሚዒት ዝጋልብ ካብ ዓቕለ ጽበት ተበጊሱ መፍትሒ ኮይኑ ዝስምዖ ኣይሰኣንን ይኸውን፡፡ እቲ ሳዕቤን ግን ብኣንጻሩ ኢዩ፡፡ ሽግርና ዝፈትሕ ዘይኮነ መሊሱ ዘናውሕን ዝጠናንግን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ  ኣሽንኳይ ተፈላሊናን ፋሕፋሕ ኢልናን ተኣኪብና ሰሚርናን እኳ ንጋዶ ኢዩ፡፡ ቃልስና ምስቲ ዝሞተ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ምስቲ ኣስርጽዎ ዘሎ ግናይ ኣተሓሳስባ እውን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቃልስና ኣብ ፈጽሚ ንኽበጽሕ፡ ናብታ ንፈትዋን ንብህጋን ዓድና ንኽንኣቱ፡ ኪንዮ ሓድነትን ስምረትን ካልእ ዝኾነ መገዲ የለን፡፡ ረብሓናን ዓወትናን ኣብ ስምረትናን ሓድነትናን ምዃኑ ብደሚቕ ነስምረሉ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመለኻኽታና ሰፊሕን ኣድማሳውን ይኹን፡፡ ደቂ ሰባት ብኽእለቶም፡ ፍልጠቶም፡ ገንዘባዊ ሃብቶም፡ ዝነኦም……… ወዘተ ዘይኮነ ብኣመለኻኽተኦም ኢዮም ዝምዘኑን ዝዕየሩን፡፡ ንነገራት ብኸመይ መልክዕ ይርእይዎም፡፡ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ነገር ብዝተፈላለየ መዳዩ ገላቢጥና ሰፊሕ ብዝኾነ ኣመለኻኽታን ልቦናን ንርኣዮም፡፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ንጽባሕ ንርኣያን ንሕሰባን፡፡ ሎሚ ንዘርኦን ንትልሞን ጽባሕ ከመይ ዝኣመሰለ ፍረ ኢዩ ክህበና ሕጂ ክንርእዮን ክንምልሶን ኣለና፡፡ እቲ ምንታይ ኣብ ስራሕ ፖለቲክስ ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ፡፡ ሎሚ ክርዳድ ዘሪእና ጽባሕ ክርዳድ ከይንዓጽድ ምስትውዓል የድሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ስምረትን ሓድነትን ንእሽቶ ንፋስ ዘእቱ ፈቓቕ ክንፈጥር የብልናን፡፡ ታሪኽ እቲ መስገደል ገድልናን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፍናዮ ናይ ቅትለትን ስቅያትን ህይወት ኩሉ ሓደ ብሓደ ብደቂቕ እንተድኣ መርሚርናዮ፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብዛ ፈቓቕ እዚኣ ኣድብዮም ኢዮም ብልህታትን ሞዴላትን ጀጋኑ ኣብ ገግዚኡ ኣጥፊኦሞም፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና ዘይኮነ ካብ ሳንዱቕ ወጺእና ንሕሰብ፡፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓጺና እንተድኣ ክንርኢ ፈቲና እቲ ንሕና ንርእዮን ንሓስቦን ጥራይ ኢዩ ቅኑዕ ኮይኑ ክስመዓና፡፡ ስለ ዝኾነ ካልኦት ንዝርእይዎን ዝሓስብዎን ክንርእን ክንፈልጥን ኣድማሳውያን ንኹን፡፡

ካልኣይ ኣብዚ ጉዳይʼዚ ኣዕሚቕና ክንርእዮን ክምርምሮን ዝግበኣና፡ ኩሉ ንዝርእዮን ንዝፈልጦን ፍሩይን ድሙቕን ሓቂ፡ ብስምዒትን ጽልእን ቅርሕንትን ተደፋፊእና ዘይምስሉ ከይንህቦ ምጥንቃቕ የድልየና፡፡ እዚ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ናይ ዝኾነ ኣይኮነን፡፡ ዋንነቱ ናይቶም ብደም ንጹሃት ዝሕተቱ ሒደት ገበነኛታት ኢዩ፡፡ እዚ ዓማጽን ቀታልን ስርዓት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ኢዩ ዘጽንትን ዝጭፍጭፍን ዘሎ፡፡ እዚ ሕድርን መብጽዓን ጀጋኑ ዝረገጸ ጽዩፍ ስርዓት፡ ንሓደ ክንቅል ነቲ ሓደ ክተክል ሰሪሑን ሓሲቡን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝተራኣዩ መለኽቲ ስርዓታት ብባህሪኡ ውን ፍጹም ዝተፈለየ ጉጅለ፡ ታሪኽናን ባህልናን በሪዙ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓንሳብን ንሓዋርን ካብ ካርታ ዓለም ክኣልየና ይሰርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ነዊሕ ዓመታት ዋላ እዞም ሕጂ ሽምጥና ገቲርና ንቃወሞ ዘለና ሰሪሕናሉን ኣጣቒዕናሉን እኮ ኢና፡፡ ኣብ ግንቦት 1998 ዓ/ም ኣብቲ ንጥፍኣትና ዝኣጎድዎ ባርዕ ግንባርና ክንህብ፡ ክንስዋእ እኮ ከቲትናን ጎይናን ኢና፡፡ ከም መለኮት ስለ ዝኣመናዮ፡ ዝተሓብአ ጥጅኦም ስለ ዘይፈለጥናዮ ተደናጊርና፡፡ ብሰላም ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣብ ዝኽል ጉዳይ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ጥራይ ዘይኮነ መጻኢና ጽልግልግ ከም ዝብል እውን ኮይኑ፡፡ ስለ ዝኾነ ስለምንታይ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምቲ ሕጂ ንሕና ንቃለሶን ንቃወሞን ዘይቃለሱ ኢልካ ብኣልማማ ምውጋዝ ከቢድ ኢዩ፡፡ እቲ ስርዓትን እቶም ከም ዝዓወረ ገመል ብሕሻል ተወጢጦም ዝጓዓዙ ዘለዉን እውን ክንፈላልዮም ኣለና፡፡

ሎሚ ውን ብዙሓት ዝተደናገሩ ንሕና ንሱ መንግስትና ዝብሉ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ከም ዘለዉ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ናትና ዘይኮነ ናቶም እውን ኣይኮነን፡፡ ቀዲምና እዚ እኩይ ስርዓት ናትና ኮይኑ ዝስማዓና ዝነበርና እኮ ኩልና ኢና፡፡ ብዙሓት ካብቶም መጋበርያ እቲ ስርዓት ኮይኖም ኣብ መጠረሽታ ወርሓት 2001 ኣብ ልዒሉ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከደዓትን ጠላማትን ሸየጥቲ ዓድን ዝበሉ፡ ሎሚ ኣብ ሸላታት ማሕዩር ካርሸሊ ምህላዎም ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ሎሚ ካብቲ ዝሓለፈ ዕሽነትናን ግርህነትናን ክንምሃርዩ ዝግባእ፡፡ ኩሉ እቲ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ንምጥፋእናን ምጽናትናን ዝተጠቐሙሉን ዝጥቀምሉን ዘለዉ ሜላ ወገን ሃይማኖት ኣውራጃ ኢዩ፡፡ መንዩ ንኤርትራ ዋና መንዩ ኸ ጓና……? ኣይንዓሹ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ደበና ጥፍኣት ናይ ጓናን ዋናን ዘይኮነ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንኽንህሉ ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ሓድነትና ንሓልዎ፡፡ ኣይኮነን ፈቲናዮ ኣሚናሉ ደሊናዮ ዘይኮ ብሰንኪ ህልኽናን ዘይምስምማዕናን ዘይንደልዮ እውን ክመጻና ኢዩ፡፡

ሳልሳይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘረባ ዒፍ ኢልዎ ኢዩ፡፡ ሎሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ብስራሕ ዘርእዮ ኢዩ ዝደልን ዘማዕዱን ዘሎ፡፡ መንʼዩ እቲ ብተግባርን ብስራሕን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ዘናግፎ ….? መንʼዩ  ዝኣልዮ…? እቲ ንመስዋእቲ ዝተቐረበ ብመጋርያ ሓዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጥታ ዝልብለብ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ፡፡ እቲ ካልእ መመላእታን መወሰኽታን ኢዩ፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ እቶም ካብ ውሽጢ ዓዲ ወጻኢ ኮይና ንቃለስ ዘለና ዝኾነ ግደን ኣበርክቶን የብልናን ንምባል ኣይኮንኩን፡፡ ቃልሲ እናተመላላእካ ምዃኑ ዘንጊዐዮ እውን ኣይኮንኩን፡፡ ናትና ካብ ቃልሲ ምብኳርን ዘይምስምማዕን ተኣፈፍቲ ኣሰከፍቲ ዛዕባታት ምልዓልን ብርግጽ ሃስያ ኣለዎ፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ወሳኒ ናይ መቐይሮ ሓይሊ ኣብ መጠረሽታ እቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ ክውፊ ምስ ሞት ፊት ንፊት ዝጋፈጥ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ርሑቕ ዲያስፖራ ኮይኑ ተቓሊሱ ንዓመጽትን መለኽትን ስርዓታት ዝኣለየ ህዝቢ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ኣይተራኣየን፡፡ ፍጻመ 21 ጥሪ መስዋእቲ ጅግና ወዲ ዓልን ምእሳር ካልኦት ተበዓትን ጭቡጥ ኣብነት ከኾነና ይግባእ፡፡ እቲ ንስርዓት ህግደፍ ልዕሊ ዝኾነ ዘስግኦ ሓይሊ እውን እቲ ውሽጡ ሕሩር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቶም ኣርሒቕና ገይሽና ዘለና ንነብስና ከም ወሰንቲ ናይቲ መቐይሮ ሓይሊ ኣይንርኣያ፡፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ሰፊርና ነቲ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት መስዋእቲ ዝኸፍል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተቐሪቡ ዘሎ ህዝቢ፡ ሞራልን ተስፋን ክንህቦን ኣጆኻ ክንብሎን እምበር፡ ዘይፈልጦን ዘይነበሮን መርዚ ነስኒስና ተስፍኡ ከነጸልምቶ ዓገብ!! ንሎሚ ወደሓንኩም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251-921924501

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.