0
ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም
ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም
ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።
ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ጻዕዳ እምባ
ሰለስተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም
ክልተ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ
ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ
ሓደ መነኮስ ካብ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን እዮም።
- ገዳም ጻዕዳ እምባ ንከተማ ከረን ሓሊፍካ ቍልቍል ጥንቁልሓስ ምስ ወዳእካ ኣብቲ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ደቡባዊ ምዕራብ ይርከብ
- ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ካብ ከተማ ኣስመራ ብወገን ደቡብ ብገምጋም ኣስታት 160 ኪ.ሜ ኣቢሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢን/ዞባ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰርሓ ንወገን ምዕራብ ተደኲኑ ይርከብ።
- ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ንኡስ ኣውራጃ መንደፈራ ወረዳ ደቂ-ኣድግና ዝተደኰነ፣ ካብ ተራ-እምኒ ከባቢ 15 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ይርከብ።
- ገዳም ኣቡነ ቡሩኽ ካብ ኣስመራ ብሸነክ ደቡብ ኣቢሉ ካብ መንደፈራ ንኩዶ ኣብዑር ምስ ተጓዓዝካ ናይ ቁሩብ ሰዓታት ናይ እግሪ መንገዲ ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ
- ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ንኡስ ኣውራጃ ዓዲ-ዃላ ቆሓይን እዩ። ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድማ ተደኲኑ።
ምስ ገዳማት ኤርትራ ንምልላይ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ተውከስ…